ኣብዚ ከቢድ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ስለ መማህራንን ተመሃሮን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ለበዳ ኮቪድ 19 ዘይተንከፎን ዘይዓንቀንፎን ጉዳይ ከምዘየሎ ብሩህ ኰይኑ ከም ንቡር ገርና ንወስዶ ዝነበርና ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ተማህሮን መማህራንን ዕለት ዕለት ብሰላም ወፊሮም ዝኣትውን ነፍሲወከፍ ጉዳዩ ዓጢጥዎ ምህላዎም እኳ ዘይተስተውዕለሉ ንቡር ሕይወት ተመዛቢሉስ ተመሃሮ መጻኢ ማሕበረሰብ ብምዃኖም ትምህርቶም ንኽቅጽሉ ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓ እናተቃለሱ ኣብ ዘለውሉ ግዜ ቅዱስነቶም ስለኦም ክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ዮሓ 6.1-15 ዝተወስደ ኰይኑ ጐይታ ኢየሱስ ብሓሙሽተ ህብስትን ክልተ ዓሳን ገቢሩ ቈልዓ ሰበይቲ ዝርከቦም ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ኣሰብኡት ከምዘጽገበን ተረፍ ከኣ ዓሰርተ ክልተ መሶብ ከምዝተላዕለን ዝገልጽ ኰይኑ እቲ ታሪኽ ብዙሕ ሕዝቢ ኣብ በረኻ ከምዝሰዓቦን ኢየሱስ ከምዝራሕራሓሎምን ንኽቅልቦም ዝገብሮ እኳ ይፈልጥ እንተነበረ ንሓዋርያቱ ክፍትኖም ንፊሊጶስ ነዚ ሕዝቢ ዝኸውን እንጌራ ክዕድጉ ክደልዩ ይሓቶ ፊሊፖስ ግን ነዚ ዝኸውን ክርከብ ኣይከኣልእን ብዘስምዕ ቅና ምስ መለሰ እንድርያስ ሓው ስምዖን ግን ቅርብ ኢሉ ኣብዚ ሓሙሽተ ጎጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዝሓዘ ቈልዓ ኣሎ ምስ በለ ኰፍ ኣብልዎም ኢሉ ባሪኹ ቈሪሱ ንሕዝቢ ክዕድሉ ምስ ሃብዎም ዝተገብረ ተኣምር ነበረ። ቅዱስነቶም ነዚ ክፍሊ ወንጌል ሓደ ጓሳ ክገብሮ ዘለዎ ኣገልግሎት ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ሰቢኾም።