ኣብዚ ከቢድ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ስለ መማህራንን ተመሃሮን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ እዚ ለበዳ እዚ ካብ ዝጅምር ጀሚሮም ወግሔ ጸብሔ ምስ ሕዝቦም ዘለዎም ቅርበትን ስለ ግዳይ ናይዚ ለበዳ ንምጽላይን ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ዝመሓላለፍ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ሎሚ ዕለት 24 ሚያዝያ 2020 ዓም እውን ስለ እቶም ኣብዚ ግዜ ውሸባ ብርሑቅ ዝምህሩን ዝመሃሩን ንጸሊ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን

ለበዳ ኮቪድ 19 ዘይተንከፎን ዘይዓንቀንፎን ጉዳይ ከምዘየሎ ብሩህ ኰይኑ ከም ንቡር ገርና ንወስዶ ዝነበርና ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ተማህሮን መማህራንን ዕለት ዕለት ብሰላም ወፊሮም ዝኣትውን ነፍሲወከፍ ጉዳዩ ዓጢጥዎ ምህላዎም እኳ ዘይተስተውዕለሉ ንቡር ሕይወት ተመዛቢሉስ ተመሃሮ መጻኢ ማሕበረሰብ ብምዃኖም ትምህርቶም ንኽቅጽሉ ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓ እናተቃለሱ ኣብ ዘለውሉ ግዜ ቅዱስነቶም ስለኦም ክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።

“ሎሚ ስለ እቶም ብኢንተርነትስ ይኹን ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ንክምህሩ ብዙሕ ዝጽዕሩ መማህራንን ተማህሮን ዘኪርና ንጸሊ። ተመሃሮ መርመራታት ብዘይልሙድ መንገዲ ንምግባር ኣብ ዝደኽሙሉ ብጸሎት ነሰንዮም እንክብሉ ስለመማህራንን ተመሃሮን ንጸሊ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ዮሓ 6.1-15 ዝተወስደ ኰይኑ ጐይታ ኢየሱስ ብሓሙሽተ ህብስትን ክልተ ዓሳን ገቢሩ ቈልዓ ሰበይቲ ዝርከቦም ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ኣሰብኡት ከምዘጽገበን ተረፍ ከኣ ዓሰርተ ክልተ መሶብ ከምዝተላዕለን ዝገልጽ ኰይኑ እቲ ታሪኽ ብዙሕ ሕዝቢ ኣብ በረኻ ከምዝሰዓቦን ኢየሱስ ከምዝራሕራሓሎምን ንኽቅልቦም ዝገብሮ እኳ ይፈልጥ እንተነበረ ንሓዋርያቱ ክፍትኖም ንፊሊጶስ ነዚ ሕዝቢ ዝኸውን እንጌራ ክዕድጉ ክደልዩ ይሓቶ ፊሊፖስ ግን ነዚ ዝኸውን ክርከብ ኣይከኣልእን ብዘስምዕ ቅና ምስ መለሰ እንድርያስ ሓው ስምዖን ግን ቅርብ ኢሉ ኣብዚ ሓሙሽተ ጎጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዝሓዘ ቈልዓ ኣሎ ምስ በለ ኰፍ ኣብልዎም ኢሉ ባሪኹ ቈሪሱ ንሕዝቢ ክዕድሉ ምስ ሃብዎም ዝተገብረ ተኣምር ነበረ። ቅዱስነቶም ነዚ ክፍሊ ወንጌል ሓደ ጓሳ ክገብሮ ዘለዎ ኣገልግሎት ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ሰቢኾም።

“[ 'ንክፍትኖ ኢሉ እዩ ሓቲትዎ እምበር ኢየሱስ እንታይ ከምዝገብር ይፈልጥ ነሩ' እትብል ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ንክነስተንትን ትዕድመና። እዚ ከኣ ኢየሱስ 'እዚ ኩሉ ሕዝቢ ምእንቲ ክምገብሲ እኹል መግቢ ካበይ ኮን ክንዕድግ ኢና' ኢሉ ኪሓትት እንከሎ ኣብ ኣእምሮኡ ዝነበረ ሓሳብ ንክብል እዩ። በዚኸስ ኢየሱስ እናፈለጠ ነቲ ኣገልጋሊ ሓዋርያ ንክፍትኖ ነዚ ነበረ። እዚ ከኣ ኢየሱስ ንሓዋርያት ከመይ ገቢሩ የሰልጥኖም ከምዝነበረ ኣባኦም ዘለዎ ግምትን የመልክት። ንክምህሮም ንከሰልጥኖም ከኣ ብዙሕ ግዜ ብቀጻሊ ይፍትኖም ነበረ። ነዚ ከኣ ምናዳ ሓዋርያት ካብ ዓቅሞም ንላዕሊ ኣብ ዝሓስቡሉ ካብ መስመር ኣብ ዝዝንብሉሉ ደው ኣቢሉ ይምህሮም ነበረ። ቅዱስ ወንጌል ከምዚ ዚኣመሰሉ መምሃሪ ክፍልታት መሊኦሞ እዮም። እዚ ኸኣ ኢየሱስ ናይ ኣርድእቱ ርድኢት ዓቅሚ ንከዕቢ በዚ ከኣ ብቚዓት ጓሶት ሕዝበ እግዚአብሔር ንክኾኑ ነበረ። ሓደ ካብቲ ኢየሱስ ደስ ኢልዎ ዝገብሮ ዝነበረ ወትሩ ምስ ሕዝቢ ምዃን ኰይኑ እዚ ኸኣ ድሕነት ንኩሉ ከምዝኾነ ዘመልክት ነበረ። ንሓዋርያት ደስ ካብ ዘይብሎም ነገራት ሓደ ኸኣ ሕዝቢ ዕጉጒ ኢሉ ክእከብ እንከሎ ኣብ መንጎኡ ምዃን ኰይኑ እዚ ከኣ ምስ ጐይታ በይኖም ክኾኑ ብምድላይ ነበረ። ንጐይታ ጽን ኢሎም ነቲ ኩሉ ንሱ ዝብሎ ጥራይ ክሰምዑ ይደልዩ ነበረ። ጐይታ ግን ነዚ እውን ይዝንግዕ ኣይነበረን ኣብ ካልእ ክፍልታት ወንጌል ክምህር ኣብ መንጎ ሕዝቢ ሒዝዎም ክዛወር ምስ ቀነየን ምስ ደኸሙን `በሉ ቁሩብ በይንና ኰና ክተዕርፉ ንዑ ግልል ንበል` ይብሎም ነበረ። እዚ ተአምር እዚ ዘጋጠመ እውን ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ብሕቶም ግዜ ከሕልፉ ንእሽቶ በዓል ንበሎ። በይንና ንሕና ጥራይ ምስ ጐይታ ኢሎም ሕጉስ ኢሎም እንከለው እቲ ሕዝቢ ንጐይታ ምስ ረኣየ ተነጋጊሩ ዕጉግ ይብል እሞ ይኸቦም። ሓዋርያት እዚ ደስ ኣይበሎምን ኢየሱስ ግን ክምህሮም ይጅምር። ኣይከም ትጽቢት ሓዋርያት እቲ ትምህርቲ ንሰዓታት ይጒተት ምድሪ ይጽልምት። እቲ ሕዝቢ ግን ብትምህርቲ ኢየሱስ ተሓጒሱ ይሰምዕ ጥራይ። እቶም ሓዋርያት ግን ዕርፍትና ፋሕ ኢሉ ክንገብሮ ዝገበርና ንእሽቶ በዓል ፈሺላ ይበሃሃሉ ነበሩ። ከመይ ንዑ በይንና ግልል ንበል ኢልዎም ስለዝነበረ ኣብ መንጎ እዚኦም መጺኦም ኢየሱስ ከኣ ንነዊሕ ሰዓታት ይምህሮም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ ከምዝገብር ይፈልጥ ነሩ ነቶም ናይ ጽባሕ ጓሶት ኣብ መንጎ ሕዝቦም ኣብ መንጎ መጉሲኦም ክኾኑ እሞ ቅርበቶም ንሕዝቢ እግዚአብሔር ገሊጾም ከገልግሉ ይምሕጸን ማለት እዩ። ጸገም ሓዋርያት ግን ንሕና ዝተመረጽና ኢና ቅድምያ ንዓና ፍሉይ ክብሪ ይግበኣና ዚዓይነቱ ቅድድም ይረኤ ኢየሱስ ከኣ ኮነ ኢሉ ይምህሮም። ንሶም ግን ተመላሊሶም ንበይኖም ናቶም ገሮም ክሕዝዎ ሒዅ ይብሉ። ንኣብነት ጒዳይ ሕጻናት እንተተመልከትና ናብኡ ዕጉጒ ኢሎም ምስ መጹ ከባርርዎም ምስ ረኣየ `ኣይፋልኩም ሕደጉ ሕጻናት ናባይ ክመጹ ሕደጕዎም' ይብሎም። ሓዋርያት ግን ኣይልቦም ኣይእዝኖም። ከምኡ እውን እቲ ኣብ መንገዲ ኢያሪኮ ዘጋጠመ ዕውር እንተተመልከትና እቲ ዕውር ወዲ ዳዊት መሓረቢ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት ደንግጸለይ እናበለ ደድሕሪ ኢየሱስ ክጭርሕ እንከሎ ሓዋርያት ዝበልዎ ሱቊ በል ንመምህርና ኣይትረብሾ ኢሎም ዓቅሎም ከጽብቡ እንከለው ኢየሱስ ግን መን እዩ እንታይ ዝኾነ እስኪ ናብዚ ኣምጽእዎ ይብሎም። በዚ ከምዚኸስ ነቶም ናይ ጽባሕ ጓሶት የሰልጥኖም ነበረ። ሎሚ ከምኡ እዩ። ጓሶት ጥቃ መጓሰኦም ኣብ መንጎ ሕዝቢ እግዚአብሔር ኰይኖም ከገልግሉ አለዎም።”

“ርግጽ እዩ ሕዝበ እግዚአብሔር ንጓሶት የድክሙ እንተኾነ ሓደ ሕያዋይ ጓሳ እንተሎ ከምዚ ተኣምር ናይ እንጌራ ነገራት ብተኣምር ይበዝሑ። ሓደ ግዜ ሓደ ንፉዕ ቆሞስ ኣብ ሓንቲ ድኻ ቊምስና ከገልግል እንከሎ እታ ገዛ ቆሞስ እንዳ እቶ በላ ኰይና ብማዕጾ ዝኲሕኲሕስ ብመስኮት ዝዳሀስ ምስ በዝሐ ናባ መጺኡ `ዕረፍቲ ስኢነ እሞ ነቲ ገዛ ቆሞስ ዘሪባ ገረ ብመንደቅ ክሓጽሮ ምደለኹ' ኢሉኒ። እንተኾነ ንሱ ጓሳ ምዃኑን ኣብ መንጎ ሕዝቡ ክህሉ ከምዘለዎን ዘንጊዑ ነሩ። ልክዕ ብከምዚ ዝበለ ዓይነት እዩ ኢየሱስ ንሓዋርያት ኣብ መንጎ ሕዝበ እግዚአብሔር ክነብሩ ዘሰልጥኖም ዝነበረ። ሕዝቢ እግዚአብሔር ክትጓስዮ ዘድክም እዩ ከመይ ጭቡጥ ነገር እዩ ዘድልዮም ምናልባት ግጉይ ጉዳይ እውን ክኸውን ይኽእል እንተኾነ ጭቡጥ ጉዳይ ካብ ጓሶቱ ይደሊ። ጓሳ ከኣ ነዚ ክምልከትን ክምልስን ኣለዎ። ኣብ ካልእ ክፍሊ ወንጌል ነዛ ታሪኽ እዚኣ እንከዘንትው ወንጌላውያን ግዜ ብምምሳዩን እቲ ቦታ በረኻ ምዃኑን ጠቂሶም `እዚ ሕዝቢ ዝብላዕ ክገዝእ ቀልጢፍካ እባ ኣሰናብቶ` ኢሎም እዮም ዝሓትዎ። እቲ ዝመስል ጉዳይ ሕዝቢ ዓጢጥዎም ዘይኮነስ እታ ንበይንና ንኺድ ዝተባህሉ ጥቅሞም ስለዝተተንከፈ በዓል ከይገበሩ ከየዕረፉ ጸሓይ ምዕራባ ዘተሓሳሰቦም ይመስሉ። ኢየሱስ ግን እንታይ ከምዝገብር እኳ እንተፈለጠ ዝብላዕሲ ንስኹም ሃብዎም ይብሎም'። መሽኪናይ እቲ ዝሓተተ ሓዋርያ ከኣ ዝገብሮ ይጠብኦ ዕግንግን ይብል እቲ ካልኣዩ ከኣ መበገሲ ተኣምር ዝኾና ህብስትን ዓሳን ኣሎ ይብል እሞ እቲ ተኣምር ይፍጸም። ብድሕርዚ ኢየሱስ ንሓዋርያት ኣፋንዩ ምሉእ ለይቲ ምእንቲ ክጽሊ ይኸይድ። በዚ ከምዚ ከኣ ኢየሱስ ሓደ ጓሳ ከመይ ኢሉ ኣብ ጥቃ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ክኸውን ከምዘለዎ ንሓዋርያቱ ይምህር። እንተኾነ ሓፋሽ ሕዝቢ ይጋገ እዩ ኣብዚ እውን እቲ ሕዝቢ ነቲ መሲሕ ነቲ ጓሳ ንካልእ ነገር ይሓጽዮ እሞ እዝስ ብሓቂ ነቢይ እዩ ጓሳ እዩ ሃየ ንጉሥና ንግበሮ ዚዓይነት ምንቅስቃስ ምስ ጀመሩ ኢየሱስ ቅድሚ ንሶም መጺኦም ተሸኪሞም ንጉሥና ኢሎም ምእዋጆም ጽሉቚ ኢሉ ካብ መንጎኦም ይስወር። ኣብዚ ቅጅል ዝብለኒ እቲ ወንጌል እኳ እንተዘይበሎ ካብቶም ሓዋርያት 'ሕጂ ተረኽበ ዕድል ኣታ መምህር ሃየ ነዛ ዕድል ንጠቀም ንስኻ ንገስ ንሕና ሚኒስተራትካ ንኸውን' ዝብል ፈተነ እውን ኣይተሳእነን ይኸውን። እዚ ከኣ እቲ ቀንዲ ፈተና ክሳብ ሎሚ ንብዙሓት ተስፋ ዘለዎም ጓሶት ሸተት ዘብል ጉዳይ ኰይኑ ጽቡቕ ኣገልግሎት ዝጀመሩ ተስፋ ዝተነብረሎም ጓሶት ብሆሆታ ናይ ዓለም ሸተት ዝብሉ ውሑዳት ኣይኮኑን። ኢየሱስ ግን ካልእ መንገዲ እዩ ዝምህረና። ልቢ ሓደ ጓሳኸስ ልቢ ኢየሱስ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ መንጎ ሕዝቢ እግዚአብሔር ኰንካ ቅርበትካ ብምግላጽ ንጐይታ ጽን ምባል እዩ። ጐይታ ከምዚኦም ዓይነት ጓሶት ክህበና ንለምን። ]”

ብድምጺ ንምክትታል!
24 April 2020, 11:37
ንኩሉ ኣንብብ >