መራሕቲ ፖሎቲካ ሠናይ ነገር ሕዝቦም እምበር ጥቅሚ ፖሎቲካዊ ጒጅለታቶም ንከየቀድሙ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 20 ሚያዝያ 2020 ዓም ኣብ ቤተመቅደስ ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ኣብዚ ብለበዳ ኮቪድ 19 ንፍተነነሉ ዘሎና ግዜ ስለ መራሕቲ ፖሎቲካ ከምዝጸልዩ እዚ ከኣ ፖሎቲካውያን መራሕቲ ሃገራት ነቲ ናይ ኣገልግሎትን ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ዝኾነ ተልእኮኦም ተረዲኦም ንሠናይ ነገር ሕዝቦም ክሰርሑ እግዚአብሔር ከብርሃሎም ብተለቪዥንን ብመራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ዝተመሓላለፈ መሥዋዕተ ቅዳሴኦም ጸልዮም።

ዜና ቫቲካን

ኩሉ ኣብ ቤቱ ካብ ዝብል ኣዋጅ ንደሓር ቅዱስነቶም ትማሊ ንበዓል መለኮታዊ ምሕረት ዝኸውን ጸሎትን መሥዋዕተ ቅዳሴን ስብከትን ካብ ቫቲካን ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ንመጀመርያ ግዜ ምስ ናይ ቀረባ ተሓጋግዝቶም ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ዝመሓላለፍ ምስ ፈጸሙ፡ ሎሚ ከኣ ኣብቲ ልሙድ ናይ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተመሊሶም ንሎሚ ስለመነመን ከምዝጽልዩ ከምዚ ክብሉ ኣብ መኽፈቲ ቅዳሴ ገሊጾም።

“ሎሚ ስለ እቶም ጸዋዕታ ፖሎቲካ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንጸሊ። ፖሎቲካ ካብቶም ዝለዓሉ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ጸዋዕታታት ሓደ እዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ መራሕቲ ፖሎቲካ ኣብዚ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ኩሎም ብሓባር ሠናይ ነገር ናይ ሕዝቦም እምበር ናይ ፖሎቲካውያን ጒጅለታቶም ጥቅሚ ከይደልዩ ንጸሊ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ዮሓ 3.1 ዝተወስደ ‘ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ። ኢየሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድ ይከአሎ እዩ፧ በሎ። ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃይ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ።' ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም ንኩነት ኩነት ኒቆዲሞስ ክገልጹ `ኩሎም ፈሪሳውያን ክፉኣት ኣይነበሩን። ሓደ ካብኦም ኒቆዲሞስ ኰይኑ ብውሽጡ ልቡ ዝህውጾ ካብ ዝነበረ ሃረርታ ሓደ ንጐይታ ክረክብ ብዛዕባ ሓቅን ጽድቅን ክመሃር እኳ እንተኸደ እቲ ጐይታ ዝበሎ ብመንፈስ ቅዱስ ዳግም ምውላድ ግን ምርዳኡ ይስእን። ትሑትን ተሓዛዝን ብምንባሩ ከኣ ጐይታ ንከብርሃሉ ይሓትት። ንሕና እውን ሎሚ ብስም ክርስትያን ትእዛዛቱ ጐይታ ንሕሉ ኣሎና ኢልና ኣብኡ ከይነቀጽና መንፈስ ቅዱስ ናብ ዝደለዮ ክመርሓና ነፍቀደሉ ከመይ ናበይ ከምዝወስደና ኣይንፈልጥን ከምቲ ናይ ንፋስ ስለዚሓርነት ንልበስ' ምስ በሉ ኣብታ ናይ ዕለቱ ቀዳመይቲ ንባብ ግሐ 4 ምልስ ኢሎም ከኣ ጴጥሮስን ዮሓንስን ስለ ኢየሱስ ተኣሲሮም ተገሪፎም ሓራ ምስ ወጹ ነዚ ብምብቃዖም ናይ ምስጋና መዝሙር ከብጽሑ ዝኸኣሉሉ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ገሊጾም እዚ ከኣ እቲ ኢየሱስ ንኒቆዲሞ ካብ ሰማይ ምውላድ ዳግም ምውላድ ብመንፈስ ቅዱስ ዝበሎ ምዃኑ ብምብራህ ብመንፈስ ቅዱስ ዳግም ዝተወልደ ሓዲስ ሕይወት ሓዲስ ትብዓት ሓዲስ ሓይሊ ከምዝለብስ ከምዚ ክብሉ ስፍሕ ዝበለ ስብከት ኣቅሪቦም።

“እዚ ኒቆዲሞስ ዝበሃል ሰብኣይ እዚ ካብ ኣሕሉቅ ኣይሁድ ሓደ ዝኾነ ብዓል ሥልጣን ክንሱ ናብ ኢየሱስ ምኻድ ግዲ ኢልዎ። ብለይቲ ከይዱ ከመይ እቶም ምስ ኢየሱስ ዝዘራረቡ ብሕማቅ ስለዝጥመቱ ንኩሉ ከመዛዝን ንማለት ነበረ። ፈሪሳዊ ነበረ ግንከ ቅኑዕ ከመይ ኩሎም ፈሪሳውያን ክፉኣት ኣይነበሩን። ቅኑዕ ሰብ ብምንባሩ እቲ ኣብ ነቢያት ዝተጻሕፈ ኩሉ ብምንባቡን እቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ትኽክል ምዃኑን ይዕዘብ እሞ ኣብ ውሽጢ ልቢ ነዚ ሰብ እዝስ ረኺበ ከዘራርቦ ክሓቶ ኣሎኒ ኢሉ ብለይቲ ከይዱ መምህር ካብ እግዚኣአብሔር ንክትምህር ከምዘተላእኽካ ንፈልጥ ኢሉ ናይ ልቡ ምስ ኣውገዖ። ኢየሱስ ከኣ እንደገና ምውላድ የድሊ ዳግም ዘይተወልደ መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣይክርእን እዩ ምስ በሎ ሕንፍሽፍሽ ይብሎ ሰብ ከመይ ገሩ ዳግም ክ ውለድ ክብል ክጭነቅ ምስ ረኣዮ ኢየሱስ ሕጽር ብዝበለ ንሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ብኣብነት ንፋስ ገሊጹ ብመንፈስ ቅዱስ ሓዲስ ሕይወት ምጅማር መንፈስ ቅዱስ ክመርሓካ ፍቃደኛ ምዃን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ምዃን ከምዘድሊ ይገልጸሉ። እዚ ካብ ሰማይ ካብ ላዕሊ ዳግም ምውላድ ከኣ ንመንፈስ ቅዱስ ምእዛዝ ንክመርሓካ ምፍቃድ እዚ ከኣ ሓርነት ከምዘልብስ ይገልጸሉ። ክርስትያን ምዃን ማለትከስ ንትእዛዛት እግዚአብሔር ጥራይ ምሕላው ኣይኮነን። ርግጽ እዩ ትእዛዛት እግዚአብሔር ክንሕሉ ኣሎና ኰይኑ ግን ኣብኡ ክንዕንቀጽ ደው ክንብል የብልናን እንተዘየሎ ጥዑያት ክርስትያን ኣይኮናን። ጥዑይ ክርስትያን ሕያዋይ ክርስትያን ምዃን ማለት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብኻ ኪሓድር ብምፍቃድ ናብ ዝመርሓካ ምዃድ እዩ። ኣብ ጒዕዞ ሕይወት ክርስትናና ብዙሕ ግዜ ከምዚ ናይ ኒቆዲሞስ ኣብ መንጎ ተዓኒድና ደው ንብል እንታይ ከምእንገብር ይጠፍኣና ኣየናይ ስጒምቲ ከም እንወስድ ኩሉ ይሕርብተና ኩሉ ድንግርግር ኢሉና ኣብ እግዚአብሔር ኣቦና ክህልወና ንዘለዎ ምትእምማን ነጥፍእ። ካብዚ ኩሉ ሓራ ዘውጸኣና መንፈስ ቅዱስ እዩ እዚ ግን እንተተቀቢልናዮን ክመርሓና እንተ ኣፍቂድናሉን እዩ። ካብ ሰማይ ካብ ላዕሊ ምውላድ ዳግም ምውላድ ከስ እዚ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ኪኣቱ ክነፍቅደሉ ክመርሓና እሞ ክንክተሎ እዚ ከኣ ሓርነት መንፈስ ቅዱስ ሓርነት ደቂ እግዚአብሔር ይበሃል። ድሕሪ ሞትን ትንሣኤን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዋርያት ኣብ ጽርሓ ጽዮን ተዓጽዮም ኣብ ዝነበረሉ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቀበሉ ካብኡ ወጺኦም ብዓቢ ትብዓትን ንጹር ኣንደበትን ክጸብኩ ጀመሩ። ከምዚ ይኸውን ኢሎም ኣይገመቱ ይፈልጥዎ እውን ኣይነበሩን መንፈስ ቅዱስ ተቀቢሎም ክመርሖም ምስ ኣፍቀዱሉ ግን ነዚ ርእዮም። ንሕና ክርስትያን እውን ኣብ ምሕላው ትእዛዛት እግዚኣአብሔር ጥራይ ተዓኒድና ደው ከይበልና ክንዮ ክንሰግር ካብ ላዕሊ ካብ ሰማይ ዳግማይ ክንውለድ እሞ መንፈስ ቅዱስ ክሰርሕ ክመርሓና ነፍቅደሉ ሽዑ ከም ናይ ሓዋርያት ዓቢ ነገራት ክንርኢ ኢና። እዚ ከኣ ሓርነት መንፈስ ቅዱስ ሓርነት ደቂ እግዚአብሔር እንብሎ። ኣብ ግብረ ሓዋርያት ክንበብ ዝሰማዕናዮ ከኣ እዚ እዩ። ጴጥሮስን ዮሓንስን ተኣሲሮም ምስ ተፈትሑ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ንሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ዝሃብዎ መልሲ ብኣዛራርባና ኣፎም ከትሕዝዎም እታ ማሕበረ ክርስትያን ከኣ ነዚ ምስ ሰምዔትን ምስ ረኣየትን ብቀጥታ ኣብ ብርቱዕ ጸሎት ዝኣተወት። ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ኣይዕነድን እዚዶ እዚዶ ክብል ከመዛዝንን ክምድብን ኣይውዕልን ይሠርሕ ከመይ እቲ ዝሠርሕን ዘሥርሕን መንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ። ድሕሪ ጸሎቶም እታ ቤት ተናወጸት ይብል። እዚ ከኣ ብሓቂ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ከምዝኾነ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ዘዕረግ ዎ ጸሎት ከምዝተሰምዔ ዝምስክር ኰይኑ ኣብ ግዜ ፈተና ጸልማት እንክኸበካ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕካ ምጽላይ ትርፉ ከምዚ እዩ። እቲ ዘቅረብዎ ጸሎት ብሓቂ መሳጢ እዩ ከምዚ ኢሎም ከኣ እዮም ዝጸለዩ `'ዎ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዂሉን ዝገበርካ ጐይታ፡ ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ፡ ስለምንታይ ኣህዛብ ሐረቑ፡ ህዝብስ ከንቱ ሐሰቡ፧ ነገስታት ምድሪ ተላዕሉ፡ እቶም መኳንንቲ ድማ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሁን ኪጻረሩ ብሓደ ተኣከቡ፡ ዝበልካዮ፡ እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኪኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ። ሕጂ ድማ፡ ጐይታይ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኤ፡ ብስም እቲ ቅዱስ ወድኻ የሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ ንባሮትካ ድማ ብዂሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም'። ብሓቂ ዓቢ ጸሎት። እቲ ስዒቡ ዝኾነ ከኣ ዳግማይ ጴንጠቆስጠ ኰይኑ ዘብል ነበረ። ኣብ ግዜ ጭንቂ ኩሉ ተለኲቱሉ ኣብ ዝተዓጽወሉ ንቅድሚት ተንከስ ክብሉ ኣብ ዘይከኣሉሉ ሓዋርያትን ማሕበረ ክርስትያንን ዝገበርዋ ናብ ጐይታ ምእዋይ ልብታቶም ንመንፈስ ቅዱስ ምኽፋት ነበረ ነቲ ዘድልዮም ከኣ ንክሰብኩ ክወጹ ትብዓት ንቅድሚት ንኽግስግሱ ሓይልን ምርሒትን ተማህሊሎም። ካብ ሰማይ ካብ ላዕሊ ዳግም ምውላድ ዝበሃልከስ እዚ እዩ ኣብቲ ወትሩ ትገብሮ ነገራት ተዓኒድካ ምትራፍ ኣይኮነን። ከም ክርስትያን ትእዛዛት ምሕላው ጥራይ ክትቈጽር ከም ገድማዊ ልሙድ ነገራት ጥራይ ክትገብር ተሓጺርካ ምትራፍ ንዳግም ልደት ኣይሕግዝን። ምስጓም የድሊ ልብኻ ንመንፈስ ቅዱስ ምኽፋት የድሊ ሽዑ ነቲ ንሱ ዝህበካ ሓርነት ትብዓት ኮታስ ነቲ ዘድልየካ ከይለመንካዮ ዝፈልጥ ጐይታ ክዕድለካ እዩ ሓንትስ ንስኻ ፍቃደኛ ኰንካ ብእምነት ለምኖ ልብኻ ክፈት ንክትቅበል ስንድው ኰንካ ንክመርሓካ ፍቃደኛ ኩን። ጐይታ ንመንፈስ ቅዱስ ክፉት ልቢ ክህልወና ኣሞ ንሱ ናብ ዝመርሓና ብምኻድ ሕይወት ንኣገልግሎት ጐይታ ክትስጉም ይሓግዘና።”

 

20 April 2020, 11:17
ንኩሉ ኣንብብ >