መራሕቲ ፖሎቲካ ሠናይ ነገር ሕዝቦም እምበር ጥቅሚ ፖሎቲካዊ ጒጅለታቶም ንከየቀድሙ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ኩሉ ኣብ ቤቱ ካብ ዝብል ኣዋጅ ንደሓር ቅዱስነቶም ትማሊ ንበዓል መለኮታዊ ምሕረት ዝኸውን ጸሎትን መሥዋዕተ ቅዳሴን ስብከትን ካብ ቫቲካን ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ንመጀመርያ ግዜ ምስ ናይ ቀረባ ተሓጋግዝቶም ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ዝመሓላለፍ ምስ ፈጸሙ፡ ሎሚ ከኣ ኣብቲ ልሙድ ናይ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተመሊሶም ንሎሚ ስለመነመን ከምዝጽልዩ ከምዚ ክብሉ ኣብ መኽፈቲ ቅዳሴ ገሊጾም።
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ዮሓ 3.1 ዝተወስደ ‘ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ። ኢየሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድ ይከአሎ እዩ፧ በሎ። ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃይ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ።' ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም ንኩነት ኩነት ኒቆዲሞስ ክገልጹ `ኩሎም ፈሪሳውያን ክፉኣት ኣይነበሩን። ሓደ ካብኦም ኒቆዲሞስ ኰይኑ ብውሽጡ ልቡ ዝህውጾ ካብ ዝነበረ ሃረርታ ሓደ ንጐይታ ክረክብ ብዛዕባ ሓቅን ጽድቅን ክመሃር እኳ እንተኸደ እቲ ጐይታ ዝበሎ ብመንፈስ ቅዱስ ዳግም ምውላድ ግን ምርዳኡ ይስእን። ትሑትን ተሓዛዝን ብምንባሩ ከኣ ጐይታ ንከብርሃሉ ይሓትት። ንሕና እውን ሎሚ ብስም ክርስትያን ትእዛዛቱ ጐይታ ንሕሉ ኣሎና ኢልና ኣብኡ ከይነቀጽና መንፈስ ቅዱስ ናብ ዝደለዮ ክመርሓና ነፍቀደሉ ከመይ ናበይ ከምዝወስደና ኣይንፈልጥን ከምቲ ናይ ንፋስ ስለዚሓርነት ንልበስ' ምስ በሉ ኣብታ ናይ ዕለቱ ቀዳመይቲ ንባብ ግሐ 4 ምልስ ኢሎም ከኣ ጴጥሮስን ዮሓንስን ስለ ኢየሱስ ተኣሲሮም ተገሪፎም ሓራ ምስ ወጹ ነዚ ብምብቃዖም ናይ ምስጋና መዝሙር ከብጽሑ ዝኸኣሉሉ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ገሊጾም እዚ ከኣ እቲ ኢየሱስ ንኒቆዲሞ ካብ ሰማይ ምውላድ ዳግም ምውላድ ብመንፈስ ቅዱስ ዝበሎ ምዃኑ ብምብራህ ብመንፈስ ቅዱስ ዳግም ዝተወልደ ሓዲስ ሕይወት ሓዲስ ትብዓት ሓዲስ ሓይሊ ከምዝለብስ ከምዚ ክብሉ ስፍሕ ዝበለ ስብከት ኣቅሪቦም።