ጓሶት ጥቃ መጓሰኦም ይኹኑ! ተሪር ስጉምቲ ምውሳድ ብዙሕ ግዜ ጽቡቅ ውጽኢት የብሉን! ር.ሊ.ጳ

ነቲ ስለ ሕሙማን ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስን ካልኦትን ዘዕርግዎ ጸሎትን መሥዋዕትን ቅዳሴን ብምቅጻል ሎሚ እውን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎን ብቀጥታ ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝተመሓላለፈ ‘ጓሶት በቲ ዝግበር ደረቅ ውሳኔን ጐስጓሳትን ተደሪኾም ንምእመናን በይኖም ከይሓድጕኦም ብቃል ኣምላኽን ብምሥጢራትን ብጸሎትን ከሰንይዎም ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን

ንሓሙሻይ መዓልቱ ዝቅጽል ዘሎ ብቀጥታ ብተለቪዥንን ብመራኸቢ ብዙሓንን ዝመሓላለፍ ስለ እቶም ዝሓመሙን ካልኦትን ንምጽላይ ቅዱስነቶም ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ንጸሎት ብዝዕድምን ዘጸናንዕን ቃላት ዘቅርቡ ዘለው እሞ ሎሚ እውን ከምቲ ልሙድ ከምዚ ክብሉ ቃሎም ሂቦም።

ኣብዚ ዕለታት እዚ ምስቶም በዚ ሕማም ተላገብ ለበዳ ተለኺፎም ዘለው ሕሙማትን ቤተሰቦን ብጸሎት ንሕበር።  ስለ እቶም ኣብዚ ጽንኩር ግዜ እዚ ንሕዝበ እግዚአብሔር ዘሰንዩ ዘለው ጓሶት ነፍሳት ክጽሊ እደሊ። ንምእመናኖም ንምሕጋዝ ዝሓሸ መጋበሪ ንኽመርጹ እግዚአኢብሔር ሓይልን ክእለትን ክህቦም ንጸሊ። ደረቅ ውሳኔታ ምግባር ብዙሕ ግዜ ጽቡቕ ኣይኮነን። ጓሶት መንፈስ ምልላይ ሓዋርያዊ ጒስነቶም ከብርሃሎም እሞ ንምእመናን እግዚኣአብሔር በይኖም ከይሓግዎ እግዚአብሔር ከብርሃሎም ንጸሊ። ሕዝበ እግዚኣአብሔር ብቃል እግዚኣአብሔርን ብምሥጢራትን ብጸሎትን ተጸናኒዖም ምስናይ ጓሶት ክረክብ ንጸሊ ኢሎም።

ናይ ዕለቱ ቀድማይ ንባብ ዘፍጥ 37 ኰይኑ ታሪኽ ዮሴፍ ዝገልጽ ኰይኑ ኣሕዋቱ ንእሽቶ ሓዎም ተላኢኹ ምስ መጸ ብቅንኢ ተደፋፊኦም ንዑ እቲ ሓላሚ መጺኡ ንቅተሎ ኢሎም ድሕሪ ክንደይ ምጉት ንቃፍላይ ግብጺ ዝሸጥዎ ዝገልጽ ከምኡ እውን ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 21 ኰይኑ ብዛዕባ እቶም ሕሱማት ሠራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይኒ ዝገልጽ እቲ ዋና ኣታኽልቲ ምህርቲ ደልዩ ንስደዶም ልኡኻት ምስ ኣባረሩን ኣሰሩን ቀተሉን ኣብ መወዳእታ ንወደይሲ ይሓፍርዎ ይኾኑ ኢሉ ምስ ሰደዶ እቲ ወራሲ መጺኡ ንዑ ንቅተሎ ኢሎም ካብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣውጺኦም ከምዝቀተልዎ ዝገልጽ ምሳሌ ነበረ። ቅዱስነቶም ዘቅረብዎ ስብከት ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ነበረ።

ክልቲኡ ንባባት ትንቢት ብዛዕባ ሕማማት ጐይታና ኢየሱስ ኮይኑ ዮሴፍ ን20 ሸከል ብሩር ንኣረማውያን ተሸይጡ። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ዘቅርቦ ምሳሌ ክፉኣት ኣታኽልቲ ሰራሕተኛታት ወይንን ምቅታል ውሉድን ከኣ ብቀጥታ ንኣኡ ዝምልከት እዩ። እዚ ዛንታ እዚ ማለት ሓደ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝነበሮ ሰብኣይ ነቲ ግራት ከመይ ገቢሩ ከምዘሰናድዎን ዝከናኸኖን ሓጹር ምግባሩስ ይኹን መጽመቊ ወይኒ ኣስናድዩ ንሓለዋ ዝኸውን ቦታ ኣሰናድዩ እዚኣ ትጐድላ የብላን ንእትብሃል ኣታኽልቲ ወይኒ ንሰብ ክራይ ወይውን ሰብ ውዕለት ሂቡ ነዊሕ መገሻ ይገብር።

እዞም ሰብ ውዕለት ወይ ሠራሕተኛታት እዚኦም ሕዝበ እግዚአብሔር እዮም። እግዚአብሔር ነዚ ሕዝቢ እዚ ናቱ ክኸውን ይመርጽ። ሕሩይ ሕዝቢ እዩ። ወረ ተስፋ ይህቦም ኪዳን ይኣትወሎም። ሕዝበይ ኢኹም ኣጆኹም ንቅድሚት ገስግሱ ይብሎም ነታ ንኣብርሃም ዝሃባ ተስፋ ይደግመሎም። ኣብ ጎቦ ሲናይ እውን ኪዳን ይኣትወሎም። እዚ ሕዝቢ እታ እንኮ ሓደራ ዝተባህላ ነዚ ኪዳን እዚ ክዝክር ብእምነት ከኣ ክሕልዋ እዩ። ኣብዚ ምሳሌ እዚ ግን ምእካብ ምህርቲ ምስ በጽሐ እዚ ሕዝቢ እዚ ጨሪሹ ንኩሉ ረሲዑ ዋና እቲ ግራት ዝኾነ ይመስሎ። ነቶም ልኡኻት ወዲሶም ንገሊኦም ኣባረርዎም ንገሊኦም ገረፍዎም ንገሊኦም ከኣ ቀተልዎም። ኣብ መወዳእታ ንወይደይሲ ይንሕፍዎ ይኾኑ ኢሉ ምስ ለኣኸ ብዝገደደ መንገዲ ቀተልዎ።  ኣብዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቶም ሊቃውንቲ ሕጊ እዩ ዚዛረብ ዘሎ እዚ ከኣ ነቶም ቅድሚኧኡ ዝመጹ ነቢያት ከመይ ገሮም ከምዘጥፍእዎም ኣብ መወዳእታ ከኣ ንኣኡ ምዃኑ ይገልጽ። ከመይ እቶም ሠራሕተኛታ ብማዕዶ ምስ ረኣይዎ `እነሆ እቲ ወራሲ ንዑ ሃየ ንቅተሎ ነቲ ርስቲ ከኣ ንሕና ክንወርሶ ኢና` ይብሉ።

ነቲ ርስቲ ነቲ ናይ ካልኦት ርስቲ ዝነበረ ሰሪቆም። እምነት ናይ ምጉዳል ታሪኽ እምነት ምጉዳል ኣብ ሕርየት እምነት ምጒዳል ኣብ ተስፋን ኣብታ ዓባይ ህያብ ዝኾነት ኪዳንን ገሮም። ሕርየትን ተስፋን ኪዳንን ውህበት እግዚኣአብሔር እየን። እምነት ምጒዳል ኣብ ህያብ እግዚአብሔር ዝብሉኹምከስ እዚ እዩ። ውህበት ምንባሩ ዘይምርዳእ ዝገደደ ከኣ ከም ርስቲ ክትርስተዮ ምጽዓር እዩ ነገሩ። እዛ ንዓይ ትብል ሕማም ክትሓስም እሞ ረኣይዋ ነቲ ውህበት ናተይ ኣብ ዝብል ይልውጥዎ። እቲ ሃብትን ክፍተትን ቡራኬን ዝነበረ ውህበት ተዓጽዩ ብዝተፈላለዪ ሕግታት ተዓጽዩ። ሓደ ሥነ ሓሳብ ርእዮተ ዓለም ኰይኑ። በዚ ከምዚኸስ እቲ ውህበት እንታይነቱ ኣጥፊኡ ኣብ ግበር ኣይትግበር ዝብል ቈጺርካ ዘይውዳእ ሕጋታት ሥነ ሓሳብ ተለዊጡ። ንውህበት ወኒንካ ናተይ ክትብል ምስ ጀመርካ ሳዕቤኑ እዚ እዩ።

እቲ ዝዓበየ ሓጢኣትከስ እዚ እዩ። እግዚአብሔር ንገዛእ ርእሱ ከምዘወፈየልና ምርሳዕ ነቲ እግዚአብሔር ዝዓደለካ ትዕድልቲ ዋናኡ ያኢ ክትከውን ምጽዓር እዩ። በዚ ከምዚኸስ እቲ ተስፋ ተስፋ ኣይኮነን እቲ ሕርየት ሕርየት ኣይኮነን እቲ ኪዳን በቲ ናተይ ርእዮተ ዓለም ስለዝትርጐም ኪዳን ኣይኮነን። እዚ ጸገም እዚ ናቶም ጥራይ ከይመስለና ምስ ወንጌል እውን የጋጥም እዩ ነቲ ቃል ኣምላኽ ዝኾነ ንኩሉ ዝተዋህበ ናይ ውሉደ ክህነት ጥራይ ገርካ ናተይ ክትብል ምስ እትጅምር ከምኦም ንኸውን። ንጸጋ ግልጸት ምርሳዕ ነቲ ንዓና ውህበት ክኸውን ሰብ ዝኾነ እግዚኣአብሔር ምርሳዕ ዝገደደ ከኣ ናትና ገርና ንካልኦት ዘይምክፋል ኣሎ።

ቤተክህነታዊ ዕጽወት ናይ ዘመንና ጥራይ ኣይኮነን ድርቅና እውን ናይ ግዜና ኣይኮነን ድሮ ኣብ ግዜ ኢየሱስ ዝጀመረ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ካብዚ ምሳሌ እዚ ማለት ምዕራፍ 21 ጀሚሩ ክሳብ ምዕራፍ 23 ይገልጾ ወይልኹም ክብል ከኣ ነቶም ከምዚ ዝገብሩ ከመይ ዝበለ ቊጥዓ ኣምላኽ ከምዝወርዶም ይገልጽ። ሃየ እምበር ሎሚ ንጐይታ ካብዚ ስሕተት እዚ ክንሕሎ ጸጋኡ ክህበና እሞ ነቲ ጸጋኡ ከም ውህበት ከም ጸጋ ተቀቢልና ከም ጸጋ ክንዕቅቦን ብነጻ ንካልኦት ከም ጸጋ ክንዕድሎን እምበር ኣብ ናተይ ዝብል ድርቅና ከይንወድቅ ሓልወና እናበልና ንለምኖ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 March 2020, 18:37
ንኩሉ ኣንብብ >