ስለእቶም በይኖም ተነጺሎም ብፍርሂ ዝሽቑረሩ ዘለው ኣረጋውያን እጽሊ ኣሎኹ! ር.ሊ.ጳ

ዜና ቫቲካን

ድሮ ካልኣይ ሶሙን ኣቊጺሩ ዘሎ ብቀጥታ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝመሓላለፍ ስለ እቶም ዝሓመሙን ካልኦትን ንምጽላይ ቅዱስነቶም ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ንጸሎት ብዝዕድምን ዘጸናንዕን ቃላት ከም ዘቅርቡ ዝዝከር ኰኑ ሎሚ እውን ከምቲ ልሙድ ከምዚ ክብሉ ቃሎም ሂቦም።

ሎሚ ስለ እቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ብውሳጣዊ ተነጽሎን ብሕውትውናን ከምኡ ኣውን እዚ ግዜ እዚ ብዝፈጠሮ ኣብ ገሊኡ ዓቢ ፍርሂ ዝተሓወሶ ሻቅሎት ዝሳቀዩ ዘሎው ኣረጋውያን ክንጽሊ ምደለኹ። ጐይታ ንኣቦሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ከሰኒ ሓይሊ እውን ክህቦም ንጸሊ። ንሳቶም ሕይወትን ጥበብን ታሪኽን ወዘተ ዝሃቡና ስለዝኾኑ ብጸሎት ኣብ ጐድኖም ንኹን ኢሎም።

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ትንቢት ዳኒኤል 3 ዝተወስደ ኰይኑ ብዛዕባ እቶም ብትእዛዝ ንጉሥ ናቡከደናጾር ብሰንኪ እምነቶም ኣብ እቶን ሓዊ ምስ ዝተደርበዩ ዳኒኤልን ብጾቱን ዘቅረብዎ ጸሎት ዝምልከት ኰኑ “ምእንቲ ስምካ ክትብል ፈጺምካ ኣይትኅደገና፣ ንኪዳንካውን ኣይተፍርሶ። ምእንቲ ፈታዊኻን ምእንቲ ይስሓቅ ባርያኻን ምእንቲ ናትካ ቅዱስ ዝኾነ ያዕቆብን ክትብል ምሕረትካ ካባና ኣይተርሕቕ። . . . ግናኸ ብዝተጣዕሰ ልብን ብትሑት መንፈስን ናባኻ መጺእና ኣሎና እሞ . . . ኽትቅበለና ንልምነካ ኣሎና። . . . ንሕናውን ብምሉእ ልብና ከም እንኽተለካ ግበረና። ከመይ ነቶም ብኣኻ ዚውከሉ ኅፍረት ኣይክረኽቦምን እዩ። ሕጂ ኸኣ ብምሉእ ልብና ክንስዕበካ ኢና፣ ነኽብረካ ኣሎና፡ ገጽካ ኣብርሃልና፣ ንልምነካ ኣሎና። . . . ብመጠን እቲ ዜደንቕ ተግባራትካ ኣድኅነና፣ ኦ እግዚኣብሔር! ንስምካ ኽብሪ ሃቦ” ዝብል ይርከቦ።  ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ካብ ወንጌል ማቴዎስ 18 ኮይኑ ብዛዕባ በደል ኣኅዋትናን ክንደይ ግዜ ምምሓር ከምዘድሊ ዝገልጾ ‘ጴጥሮስ “ጐይታይ! ኃወይ እንተ በደለንስ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ኽብለሉ? ክሳዕ ሾብዓተዶ?’ በሎ። ኢየሱስ ድማ ‘ሾብዓተ ሻዕ ሰብዓ ደኣ እምበር ክሳዕ ሾብዓተ ኣይብለካን’ በሎ። ቀጺሉ ኢየሱስ ብምስላ ብዛዕባ እቲ ንጉሥ 10,000 ዲናር ዝመሓሮ ሰብ የዘንትወልና። ንሱ እቲ ዝተማሕረ ሰብ ግና ነቲ 100 ዲናር ዝእውዶ ዝነበረ ኻልእ ሰብ ክምሕሮ ከምዘይደለየን፡ ብምኽንያት ተግባሩ ከኣ ተመሊሱ እቲ ንጉሥ “ተቘጢዑ ኩሉ ዕዳኡ ክሳዕ ፈጺሙ ዚፈዲ ንዜሳቕይዎ ኣኅሊፉ ሃቦ” ዝብል ምሳሌ ይርከቦ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ብዛዕባ ሓድነት ኣሕዋትን ትምህርቲ ኣቅሪቡ ነቲ ኣቀዲሙ ‘ክልተ ወይ ሠለስተ ብኩሉ ሰሚሮም ሓደ ጸጋ እንተለሚኖም ከምዝወሃቦም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ’ ንዝብል ቃል ይገልጽ። ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝግበር ሓድነት ዕርክነትን ሰላምን እግዚአብሔር ናብኦም ከምዘድህብ ይገብር። ጴጥሮስ ግን ኣብዚ ‘እወ መምህር ሓቅኻ ፍቅሪ ጽቡቅ እዩ ኰይኑ ግን ነዞም ደጋጊሞም ዝብድሉና እንታይ ምግባሮም ይሓይሽ! ሓደ ሓወይ እንትበደለኒ እንተኣጒሃየኒ ክንደይ ግዜ ክምሕሮ ኣሎኒ! ሸውዓተ ሳዕዶ’ ኢሉ ይሓትት። ኢየሱስ ከኣ በቲ ናይ ግዜኡ ኣዘራርባ ንኩሉ ግዜ ንክብሎ ኢሉ ሰብዓ ሳዕ ሸውዓተ ይብል። ወትሩ ምምሓር የድሊ። ርግጽ እዩ ምምሓር ቀሊል ኣይኮነን። ከመይ እቲ ብኣነነትን ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስን ተጐቢኡ ዘሎ ልብና ኣብ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ቂመ በቀልን ምስ ጠበቀ እዩ። ካብ ጽልኢ ዝተላዕለ ክንደይ ሥድራቤታት ፋሕ ብትን ከምዝበሉ ዝገደደ ከአ ከም ውርሻ ነቲ ጽልእን ቅርሕንትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከማሓላልፍዎ ኩልና ንዕዘብ። ኣሕዋት ደቂ ሓንቲ ኣደን ሓደ ኣቦን ናይ ዘመን እኒ እኒ ቂመበቀል ሒዞም ሰላም ዘይበሃሉ። ከም ዝመስል ካብ ናብ ፍቅሪ ናብ ጽልኢ ክትለግብ ዝሕይል ይመስል እዚ ከኣ መዝገብ ዲያብሎስ እዩ። ከመይ ዲያብሎስ ብዙሕ ግዜ ኣብ ቂመበቀል ጠቢቅና ክነብር ይደሊ ነዚ ከኣ የጐሃህሮ እሱራት ናቱ ኰና ከኣ ኣብ ዕንወት ገዛእ ርእስና ንዋፈር። ንኩሉ የዕኑ። ብዙሕ ግዜ ብናኣሽቱ ነገራት የዕኑ። ነቲ ንክምሕር ዝመጸ እግዚኣአብሔር ንከይትቅበል እውን የዕንወካ። እቲ ብንስሓ ሓደ ሓጢኣተኛ ዓቢ በዓል ዝገብር እግዚአብሔር ፈጺምካ ይርሳዕ።

እግዚአብሔር ክምሕረና እንከሎ ነቲ ዝፈጸምናዮ ክፍኣት ኩሉ ይርስዖ። እዚ ዳርጋ ሕማም እግዚኣአብሔር ክንብሎ እንኽእል ምሕረት እግዚኣአብሔር እዩ። ንኩሉ ክርስዕ ይኽእል። ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ብዙሓት ሓጢኣተኛታት ሓጢኣትናውን እግዚአብሔር ኣይዝክርን። ይምሕረና ንቅድሚት ከኣ የገስግሰና። ሓንቲ ዝሓተና ነገር ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ ግበር ምሕረት ተመሃር ናይ ቂመበቀል ቊስሊ ሒዝካ ኣይተጐዓዝ! ከርእየካ እየ ወይ ክትርእየኒ ኢኻ ክትብል ቊስሊ ጽልእን ቂመበቀልን ሒዝካ ኣይትንበር ይብለና። ከርእየካ እየ ወይ ክትርእየኒ ኢኻ! እትብል ቃል ክርስትያን ኣይኮነት ናይ ኣእምሮ ዘለዎም ደቂሰብ እውን ኣይኮነትን። እቲ ለውሃት ኢየሱስ ዝምህረና ‘ንመንሥተ ሰማይ ክትኣቱ መሓሩ’ ትብል እያ። ምናልባት ናብ ቅዳሴ ክኸይድ እየ እንተቢልካዮ ሓራይ ኪድ ክብለካ እዩ ኰይኑ ግን ኣብ ቅዳሴ እንክትከይድ ኣብ መንገዲ ሓውኻ ዝበደለካ ኰይኑ እንተተሰሚዑካ ቅድሚ ናባይ ናብ ቅዳሴ ምምጻእካ ኪድ ቅድም ምስ ሓውኻ ተዓረቅ ደሓር ናብ ቅዳሴ ነዓ ከመይ በቲ ሓደ ኢድካ ጽልኢ ሓውካ ሒዝካ በቲ ሓደ ኸኣ ፍቅሪ ናተይ ሒዝካ ክትጐዓዝ ፈጺምካ ዘይከኣል እዩ። ፍቅሪ ምሉእ ክኸውን ኣለዎ። ብልብኻ ክትምሕር ኣሎካ ይብለና።

ገለ ሰባት ኣለው ብዛዕባ ካልኦት ሕማቅ እናተዛረቡ ስም መሳርሕቶም ጸለሎ እናቀብኡ ጐረቤቶምን ሥድራቤቶምን እናሓመዩ ኣስተሪሖም ዝነበሩ ኣለው። ቀንዲ ጸገሞም ንዝበደልዎም ፈጺሞም ክምሕሩ ዘይምኽኣሎም ኰይኑ ደስ ንዘይብሎም ነገር ክምሕሩ ኣይክእሉን። ሃብቲ ዲያብሎስ ከኣ እዚ እዩ። ኣብ ዘይምምሓር ጠቢቅካ ምንባር። መንግሥተ ሰማይ ንምእታው እንኮ መንገዲ ግን ምሕረት እያ።

እዛ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘቅርበልና ምሳሌ ንጽርቲ እያ ምሕረት እያ እትገልጽ። ነዚ ቀሊል ዘይኮነ ናይ ምሕረት ጥበብ እግዚአብሔር ኣብ ልብና የሕድሮ። ሓንቲ ነገር ክሓተኩም ናብ መንበረ ኑዛዜ ከድና ምሕረት እግዚኣአብሔር ቅድሚ ምሕታትና ኣብ ሕልናና ምልስ ኢልና `ኣነኸ እምሕርዶ!’ ንበል። ዘይንምሕር እንተዀና ንርእስና ኣይነታልል እንተዘይመሓርና ኣይክንመሓርን ኢና። ክልቲኦም ብሓባር እዮም ዝጐዓዙ ክንፈላልዮም ኣይንኽእልን። እቶም ከምዚ ኣብ ምሳሌ ዝሰማዕናዮ ምሕረት ዝሓቱ ግን ከኣ ንዝበደሎም ዘይምሕሩ ከምቲ ናይ ምሳሌ ጐይታ ‘ነንሓዉና ነቲ በደሉ ብልብና ይቕረ እንተ ዘይበልና፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦ ድማ ከምኡ ኺገብረልና እዩ’።

ጐይታ ነዚ ተረዲእና ካብ ትዕቢት ርሒቅና ርእስና ኣትሕት ኣቢልና ልብና ንምሕረት ክነስፍሕ ይደግፈና።  እንተወሓደ ምእንቲ ጥቅምና ክንምሕር ይከኣልዶ እንተበልና ከመይ ደኣ ምእንቲ ክንመሓር ንምሓር እንተዘየሎ ምሕረት የሎን። እንተወሓደ እስከ ነዚ ንፈትን። ወትሩ ክንምሕር ኣሎና።

ብድምጺ ምክትታል!

 

17 March 2020, 17:58
ንኩሉ ኣንብብ >