ር.ሊ.ጳ ስለ እቶም ብፍርሒ ለበዳ ሕማም ለብዒ ኮቪድ 19 ርዒዶም ምንም ክገብሩ ዘይክእሉ ይጽልዩ!

ፈሪሀ ንዘበለ ትባዕ ኣይትብሎን ንዝብል ብሂል ዓድና ብዝጻረር መልክዕ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እግዚአብሔር ነቶም ብፍርሒ ለበዳ ሕማም ለብዒ ኮቪድ 19 ተሸቚሪሮም ርዒዶም ምንም ክገብሩ ዘይክእሉ ክሕግዞም ንጸሊ እንክብሉ ንእግዚአብሔር ስለ ምሕረቱ ክንመስግንን ብሓጢኣትና ተኣሚና ምሕረቱ ክንቅበል ከምእንኽእልን ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን

ሎሚ ሰኑይ ናይ ሓምሳይ ሶሙን ዘመነ ጾም ኮይኑ መንእታ መዝሙር ካብ መዝ 55,2 ዝተወስደ ኦ ጐይታ ገፋዕቲ ግፍዒ የውርዱለይ ጸላእተይ ከኣ ዕለት ዕለት ይጭቊኑኒ ኣለው እሞ ራሕርሓለይ’ ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም  ከምቲ ልማዶም ሎሚ ስለ መነመን ከምዝጽልዩን በየናይ ሓሳብ ቅዳሴ ከምዝዕርጉን ከምዚ ክብሉ መእተዊ ሂቦም።

“ስለ እቶም ምንም ክገብሩ ዘይክእሉ ብዙሓት ሰባት ንጸሊ እዞም ሰባት እዚኦም በዚ ጸቂጡና ዘሎ ሕማም ለበዳ ለብዒ ርዒዶም ኣሎው። ካብዚ ራዕዲ ንክትንሥኡን ንመላእ ማሕበረሰብ ሠናይ ነገር ንኽገብሩ ጐይታ ይሓግዞም ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ቀድማይ ንባብ ካብ ትንቢት ዳንኤል 13 ዝተወስደ ብዛዕባ ሶስና እትብሃል ቅንዕቲ ሰበይቲ ዝዛረብ እንተኾነ ክልተ ብመንፈስ ዝሙት ዝዓወሩ ሽማግለታት ከውድቍዋ ፈቲኖም ምዃን ምስ ኣበዮም ብሓሶት ኣብ ዝሙት ተረኺባ ኢሎም ከሲሶማ ከብቅዑ ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኮይኖም እውን ንሞት ምስ ኣፍረድዋ ብልባ ናብ ኣምላኽ ምስ ኣእወየት እግዚአብሔር መንፈሱ ናብ ዳንኤል ሰዲዱ ነቲ ነታ ሰበይቲ ተጻዊዱ ዝነበረ ናይ ሞት ፍርዲ ናባኦም ከምዝምለስ ከምዝገበረ ዝገልጽ ከምኡ እውን ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓንስ 8 ብዛዕባ እታ ኣብ ዝሙት ዝተረኸበት እሞ ከሲሶም ናብ ኢየሱስ ምስ ኣምጽእዋ ካባኹም ሓጢኣት ዘይብሉ ቀዳመይቲ እምኒ ይደርብየላ ምስ በሎም ካብ ዓበይቶም ክሳብ ናኣሽቶም በብሓደ መሊቆም ከይዶም ኣብ መወዳእታ እታ ሰበይቲ ምስ ኢየሱስ በይና ተሪፋስ ኢየሱስ ደጊም ኣይትበድሊ ኢሉ ከምዝመሓራ ዘዘንቱ ነበረ። ናይ ዕለቱ መዝሙረ ዳዊት እውን 23 እግዚአብሔር ጓሳይ እዩ ዝጐድለኒ የብለይን ዝብል ስለዝነበረ ቅዱስነቶም ነዚአን ኩለን ኣጠቃሊሎም ነዚ ዝስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

“ኣብ ዝጸለናዮ መዝሙረ ዳዊት `እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። ትርኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ’ ኢልና ጸሊና። እዘን ታሪኸን ክንበብ ዝሰማዕናዮ ክልተ ኣንስቲ ነዚ እየን ኣስተማቂረን። እታ ሓንቲ ንጽሕቲ ሰበይቲ ክንሳ ብሓሶት ተኸሲሳ ብጸለመ ደቂሰባት ዝተገፍዔት እንተ እታ ሓንቲ ግን ኣብ ሓጢኣት ዝተረኽበት ነበራ። ንጽሕትን ሓጢኣተኛን! ኣበው ቤተክርስትያን ነዚ ምስ ኩነታት ቤተክርስትያን የተኣሳስርዎ እሞ ቅድስቲ ግን ሓጢኣተኛታት ውሉድ እትውንን ይብልዋ። ብኣመለኻኽታ ደቂሰባት እዘን ክልተ ኣንስቲ ዘይራኸባ እየን። ሶስና ኣብ እግዚአብሔር ትውከል። እቶም ከሰስቲ እውን ክልተ ጉጅለ ኣሰብኡት ኾይኖም ደያኑን ሊቃውንቲ ሕግን ኮይኖም ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያ እኳ ክንብሎ ኣይንኽእልን ከመይ ኣብ ቤት ፍርድን ትምህርቲ ሕግን ዝተጸምዱ ነበሩ። እቶም ንሶስና ዝኸሱ ብልሽዋት ነበሩ ኣብ ብልሽውና ናይ ዝቈማጣዕ ዳኛ ፍትሒ ከኣ ኩልና ንፈልጦ እዩ። ኣብነት ናይዚ ኢየሱስ እውን ኣብ ወንጌል ዝጠቅሶ ኣሎ። እንተ እቶም ሊቃውንቲ ሕጊ ግን ኣብ ብልሽውና ዘይኮነ ኣብ ግብዝና ዝተቈማጥዑ ነበሩ። ይዋእ እዘን ክልተ ኣንስቲ ሓንቲ ኣብ ኢድ ግብዛት እታ ሓንቲ ከኣ ኣብ ኢድ ብልሽዋት ብኩሉ ኩሉ መውጽኢ ዘይብሉ ነበረ። ኰይኑ ግን ከምቲ ዳዊት ‘ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ’ ዝብሎ እዩ ነገሩ። ክልቲኤን ብርባርባ ድነ ሞት ብጸልማት ናብ ሞት ገጸን ይጐዓዛ። ሶስና ብግህዶ ኣውያታ ናብ እግዚአብሔር ትድርጉሕ ብኣኡ ከኣ ትተኣማመን። ጐይታ ኸኣ ጣልቃ ይኣቱ። እታ ካልአይቲ መሽኪን ግን ሓጢኣታ ትእመን ኣብ ቅድሚ እቲ ኩሉ ሕዝቢ ብሕፍረት ትወሓጥ ከመይ ኣብ ክልቲኡ ተዓዘብቲ ነሮም እዮም ሽሕ’ኳ ወንጌል እንተዘይጠቀሶ ብርግጽ ብልባ ትጽሊ ነራ ክትከውን ኣለዋ ገለ ሓግዝሲ ትሓትት ነራ እያ። ጐይታኸስ ምስዞም ሰባት እዚኦም እንታይ ይገብር ይመስለኩም! ነታ ንጽሕቲ ሰብይቲ የድሕና ፍትሒ እውን የውጽኣላ። ነታ ሓጢኣተኛ ከኣ ይምሕራ። ነቶም ብልሽዋት ደያኑ ይኹንኖም በታ ዝሰፍርዋ መስፈር ይሰፍረሎም ነቶም ግብዛት ሊቃንቲ ሕጊ ከኣ ንክጽጸቱ ይሕግዞም። እወ ሓቅኹም ኰይኑ እቲ ካባኹም ሓጢኣት ዘይብሉ ነታ ቀዳመይቲ እምኒ ይደርቢ ይብሎም በብሓደ ከኣ ደም ካብ ምፍሳስ ይድሕኑ። ከመይ ኣብ ብልሽውና ዝተቈማጠዐ ሰብ ሕልናኡ ዝሸጠ ሰብ ዳርጋ ክምለስ ክጠሓስ ኣይክእልን ንክዕኑን ንከጥፍእን ይግስግስ ከመይ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ቦታ እግዚብሔር ስለዘቀምጥ ብኹሉ ርግጸኛ እዩ ሕፍረት ትበሃል ተጋጊየ ትብል ጥቃኡ ኣይትቀርብን። ኣብ መወዳእታ ጐይታ ነዘን ክልተ ኣንስቲ መልሱ ይህብ ንሶስና ካብቶም ጨካናት ብልሽዋት ሓራ ገሩ ሕይወታ ንክትመርሕ ይሓድጋ። ነታ ሓንቲ ከኣ ኢየሱስ ኣነ እውን ኣይኩንነክን ደጊም ካብ ሕጂ ንደሓር ሓጢኣት ኣይትግበሪ ይብላ። ኣብቲ ቀዳማይ ፍጻሜ እቲ ሕዝቢ ንጐይታ የመስግን ኣብቲ ካልኣይ ከኣ ምሕረት ኣምላኽ ከመይ ምዃኑ ርእዩ ይመሃር። ነፍሲወከፍና ነናይ ግልና ታሪኽን ሓጢኣትን ኣሎና፣ ምናልባት ዘይዝከሮ እንተዀይኑ የስተንትን እሞ ክረኽቦም እዩ። እንተረኸቦ ንጐይታ የመስግን እንተዘየሎ ኣብ ብልሽውና ዝቈማጣዕ ማለት እዩ። ስለዚኸስ ነፍሲወከፍ ነናትና ሓጢኣት ኣሎና እሞ ናብዚ ፍትሒ ዘውጽእ ጐይታ ንጠምት ንሱ ምሕረት ዝመልኦ እዩ። ኣብ ቤተክርስትያን ምህላውና ከሕፍረና የብሉን ሓጢኣተኛታት ምዃና ጥራይ ከሕፍረና ኣለዎ። ቤተክርስትያን ኣደ ኩሉ እያ። ኣብ ብልሽውና ዝቈማጥዑ ዘይኮነስ ሓጢኣተኛታት ስለዝገበረና ንጐይታ ነመስግኖ። ነፍሲ ወከፍና ናብ ኢየሱስ እናጠመተ ብምሕረት እግዚአብሔር ይተኣማመን። ምሕረት ንክረክብ ከኣ ብምሉእ ምትእምማን ይጸሊ። ምስ ቅዱስ ዳዊት ኰይኑ ከኣ ‘እግዚአብሔር ስለስሙ ኢሉ ብቅኑዕ መንገዲ ስለዝመርሓርኒ ምሳይ ከኣ ስለዝኾነ፣ ብርባርባ ድነ ሞት ወይውን ርባርባ ድነ ሓጢኣት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ’ ኢልና ንጸሊ።”

ድሕሪ ቅዳሴ ምስቶም ብመራኸቢ ብዙሓን ዝከታተልዎም ብሓባር ናይ ሃረርታ ቊርባን ዝብል ጸሎት ደጊሞም ንሕጽር ዝበለ ግዜ ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባን ብምቅራብ ኣስተንቲኖም ንመላእ ዓለም ብቅዱስ ቊርባን ባሪኾም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

30 March 2020, 21:32
ንኩሉ ኣንብብ >