ር.ሊ.ጳ ስለ እቶም ብፍርሒ ለበዳ ሕማም ለብዒ ኮቪድ 19 ርዒዶም ምንም ክገብሩ ዘይክእሉ ይጽልዩ!
ዜና ቫቲካን
ሎሚ ሰኑይ ናይ ሓምሳይ ሶሙን ዘመነ ጾም ኮይኑ መንእታ መዝሙር ካብ መዝ 55,2 ዝተወስደ ኦ ጐይታ ገፋዕቲ ግፍዒ የውርዱለይ ጸላእተይ ከኣ ዕለት ዕለት ይጭቊኑኒ ኣለው እሞ ራሕርሓለይ’ ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም ከምቲ ልማዶም ሎሚ ስለ መነመን ከምዝጽልዩን በየናይ ሓሳብ ቅዳሴ ከምዝዕርጉን ከምዚ ክብሉ መእተዊ ሂቦም።
ናይ ዕለቱ ቀድማይ ንባብ ካብ ትንቢት ዳንኤል 13 ዝተወስደ ብዛዕባ ሶስና እትብሃል ቅንዕቲ ሰበይቲ ዝዛረብ እንተኾነ ክልተ ብመንፈስ ዝሙት ዝዓወሩ ሽማግለታት ከውድቍዋ ፈቲኖም ምዃን ምስ ኣበዮም ብሓሶት ኣብ ዝሙት ተረኺባ ኢሎም ከሲሶማ ከብቅዑ ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኮይኖም እውን ንሞት ምስ ኣፍረድዋ ብልባ ናብ ኣምላኽ ምስ ኣእወየት እግዚአብሔር መንፈሱ ናብ ዳንኤል ሰዲዱ ነቲ ነታ ሰበይቲ ተጻዊዱ ዝነበረ ናይ ሞት ፍርዲ ናባኦም ከምዝምለስ ከምዝገበረ ዝገልጽ ከምኡ እውን ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓንስ 8 ብዛዕባ እታ ኣብ ዝሙት ዝተረኸበት እሞ ከሲሶም ናብ ኢየሱስ ምስ ኣምጽእዋ ካባኹም ሓጢኣት ዘይብሉ ቀዳመይቲ እምኒ ይደርብየላ ምስ በሎም ካብ ዓበይቶም ክሳብ ናኣሽቶም በብሓደ መሊቆም ከይዶም ኣብ መወዳእታ እታ ሰበይቲ ምስ ኢየሱስ በይና ተሪፋስ ኢየሱስ ደጊም ኣይትበድሊ ኢሉ ከምዝመሓራ ዘዘንቱ ነበረ። ናይ ዕለቱ መዝሙረ ዳዊት እውን 23 እግዚአብሔር ጓሳይ እዩ ዝጐድለኒ የብለይን ዝብል ስለዝነበረ ቅዱስነቶም ነዚአን ኩለን ኣጠቃሊሎም ነዚ ዝስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።
ድሕሪ ቅዳሴ ምስቶም ብመራኸቢ ብዙሓን ዝከታተልዎም ብሓባር ናይ ሃረርታ ቊርባን ዝብል ጸሎት ደጊሞም ንሕጽር ዝበለ ግዜ ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባን ብምቅራብ ኣስተንቲኖም ንመላእ ዓለም ብቅዱስ ቊርባን ባሪኾም።