ድለ

ር.ሊ.ጳ ስለ እቶም ንሕሙማት ለበዳ ኮቪድ 19 ክኣልዩ ክብሉ ዝሞቱ ሓካይምን ካህናትን መሥዋዕተ ቅዳሴ

ሎሚ ዕለት 24 መጋቢት 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ዝሓለፈ ዕለት 9 መጋቢት ዝጀመርዎ ንመላእ ዓለም ብመሥዋዕተ ቅዳሴን ቡራኬን ምስናይ ብምቅጻል ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎን ብመራኸቢ ብዙሓን ምሉእ ዓለም ብመንፈስ ዝተሓወሶን መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቶም ሕይወቶም ከይነሓፉ ንግዳይ ኮቪድ 19 ንምእላይ ዝቃለሱ ዘለው ሓካይም ኣለይቲ ሕሙማትን ካህናትን ኣብነታውያንን ጀጋኑን ክብሉ ድሕሪ ምምጓስን ምምስጋንን ናይ ሎሚ ቅዳሴኦም ስለ እቶም ሕይወቶም ሕይወት ካልኦት ከድሕኑ ዝሰኣኑ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙታትን ካህናትን ኣዕሪጎም። ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ከኣ ካብ ኣርእስቲ ሓጢኣት ክንሕሎ ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን

ክሳብ ሎሚ ብዘሎ ጸብጻብ 24 ዝኾኑ ኣለው ዝበሃሉ ሓካይም ነቶም ብለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ዝተለኽፉ ክደሕኑ እናተቃለሱ ሕይወቶም ወፊዮም። ልዕሊ 500 ዝኾኑ ኣለይቲ ሕሙማት በዚ ህዋስ እዚ ተለኺፎም ልዕሊ 50 ዝኾኑ ካህናት እውን ክሕግዙ ክብሉ ሕይወቶም ስኢኖም። እዚ ዜና እዚ ንቅዱስነቶም ብዙሕ ከምዘሻቀሎም ስለኦም ከምዝጽልዩን ንቤተሰብን ብጾቶምን ጽንዓት ይሃብ ዝብል መልእኽታት ኣብ ግዜኡ እኳ እንተኣመሓላለፉ ሎሚ ከኣ ስለ ኩሎም መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዚ ክብሉ ኣዕሪጎም።

ኣብዚ ዕለታት እዚ ሓካይምን ካህናትን ከም እውን ቁጽሮም ብትኽክል ዘይተነግረ ነርሳት ማለት ኣለይቲ ሕሙማት ከምዝሞቱ ዜና ንቅበል ኣሎና። ኰይኑ ግን ካብዚ ብዘይፍለ ሕይወት ካልኦት ከድሕኑ ክብሉ በዚ ታህዋስ ቫይረስ እዚ ዝተለኽፉ ብዙሓት ኣለው። ስለእዞም ሰባት እዚኦም ከምኡ እውን ስለሥድራቤቶም ንጸሊ። እግዚአብሔር ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣብነት ጅግንነት ንሕሙማት ከተገልግል ዝሃበና ነመስግኖ ኢሎም።

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ትንቢት ሕዝቅኤል 47 ዝተወስደ ኰይን 'ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤት መለሰኒ። ገጽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዚርኢ እሞ፣ እንሆ፣ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወጸ። እቲ ማያት ከኣ ካብ ትሕቲ፣ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፣ ነታ መሰውእስ ብደቡባ ይወርድ ነበረ።' እንክብል እዚ ማይ ዝበጽሖ ቦታ ኩሉ ምድሓን ከምዝበጽሖ ጥዕና ከምዝበጽሖ ኮታስ ሓዲስ ሕይወት ከምዝዝራእ የመልክት። ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ካብ ወንጌል ዮሓንስ 5 ኰይኑ ብዛዕባ እቲ ን38 ዓመት ዝተደነሰ መጻጉዕ ኣብ ቤተሳይዳ መልኣኽ ንጸናውጾ ማይ ዝጽበ ዝነበረ ማይ ሕይወት ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክትሓውዶ ትደሊ ኢኻ ኢሉ እንክብሎ ብዘይ ነውጺ ማይን ምሕጻብን ዓራቱ ተሸኪሙ ኪኸይድ ዚኣዘዞ ዘዘንቱ ነበረ። ቅዱስነቶም ዘቅረብዎ ስብከት እዚ ነበረ።

“ናይ ሎሚ ሥርዓተ ኣምልኾና ብዛዕባ ማይ ክነስተንትን ይዕድመና። ማይ ምልክት ድሕነት እዩ ከመይ መጋበሪ ድሕነት ብምዃኑ ኰይኑ ግን ማይ ናይ ጥፍዓት መጋበሪ እውን እውን ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ምሕሳብ ይኣክል። ኣብ ናይ ሎሚ ንባብት ግን ማይ ናይ ድሕነት መጋበሪ ኰይኑ እዩ ቀሪቡልና ዘሎ። ኣብ ቀዳማይ ንባብ ናብ ሕምወት ዘብጽሕ ማይ ማይ ባሕሪ ኣንጺሑ ንሕይወት ብቁዕ ገሩ ዓሳታት ብሕይወት ከምዝነብሩ ዝገብር ሓዲስ ማይ እዩ። ኣብ ወንጌል እውን እታ ሕሙማት ዝሕጸቡላ ዝነበሩ ሓጽቢ ቤተሳይዳ ከምቲ ወንጌል ዝብሎ ነናሻዕ መልኣኽ ካብ ሰማይ ወሪዱ የንቀሳቅሶ እሞ ቀዲሙ ዝወረደ ይሓዊ ነበረ። ኣብዙ ቦታ እዚ ን38 ዓመት ዝተጸበየ መጻጉዕ ነበረ። ሕስብ እሞ ኣብልዎ 38 ዓመታት ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ። ኰይኑ ግን ኪሓዊ ዝደሊ ዘይገብሮ የብሉን ንኩሉ ይኽእል። መይቱድዩ ብሕይወቱዶ ኣሎ ዝፍለጥ የለን ን38 ዓመት ኣብኡ በጥ ኢሉ። ኢየሱስ ነቲ ኩነታት ተረዲኡ ክትሓውዶ ትደሊ ይብሎ። እቲ መልሱ ግን ዘገርም እዩ። ክንዲ ተቀዳዲሙ እወ ዝብል ዕሚም እናበለ ከጉረምርም ይጅምር። ማይ ምስ ተናወጸ ዝሕግዞ ስለዘየለ ካልኦት ይቅድምዎ እናበለ። እዚ ነቶም ወትሩ ደንጉዮም ዝመጹ ይመስል። ኢየሱስ ግን ብኡ ንብኡ ተንሥእ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ይብሎ ብኡ ንብኡ ከኣ ይሓዊ። ኩነታት ናይዚ ሰብዚ እንተተመልከትና ዘተሓሳስብ እዩ። ብርግጽ ሓሚሙ ነሩ ከምዝመስል ግን ቁሩብ ክንቀሳቀስ ዝኽእል ይመስል ኰይኑ ግን ቀንዲ ሕማሙ ሕማም ነፍስን ሕማም ዘይንጽሕና ልብን ስለዝነበረ ሕዙን ሕማም ኣርእስቲ ሓጢኣት ዘጥቅዖ ይመስል። ሕማም እዚ ሰብኣይከስ ከምቲ ብዙሓት ካባና `እወ ክነብር እደሊ ኰይኑ ግን እናበሉ ምኽኒት ዝድርድሩ ዓይነት እዩ። ክትሓውዶ ትደሊ ምስ በሎ ክንዲ እው ዝብል ምኽኒት ክገብር ማለት ኩሉ ግዜ ካልኦት እዮም ዝቅድሙኒ ክብል ን38 ዓመት ኣሲሩ ሒዝዎ ንዝነበረ ሕማም ይገልጽ 38 ዓመት ንክሓዊ ተንከስ ከይበለ ዕሚም ክብል ኣሕሊፍዎ። ካልእ ጸገም ከኣ ይቅልቀል ሰንበት ኣይሁድ ነበረ። ኣብቲ ወንጌል ከምዝገልጾ መማህራን ሕጊ ብጣዕሚ ተቆጢዖም የጉረምርሙ። ካልእ መዓልትዶ ስኢኒ እዩ ኢሎም ንኣኡ እውን የፈራርህ ዎ። ንሱ ግን ከምዘይፈልጦ ይነግር። ደሓር ኢየሱስ ረኺቡ በል እነሆ ሕጂ ሓዊኻ ኢኻ ካብዚ ዝገድድ ከይረኽበካ ደጊም ኣይትኣብስ ይብሎ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ሓጢኣት ከምዝነበረን ከምዝተማሕረን ዝገልጽ ይመስል። ሓጢኣቱ እንታይ እዩ ነሩ እንተበልና ምጉርምራም ዕሚም ምባል ኰይኑ ሓጢኣት ሓዘን ሸፊንዎ ይነብር ነሩ። ክንዲ ንክሓዊ ገለ ዝገብር እቲኦም ካልኦት ቀዲሞምኑ ንሶም እንተዘይኮኑ ምሓወኹን እናበለ ምጉርምራም ቁርሱ ምሳሑ ድራሩ ኰይኑ ዳርጋ ምስትንፋሱ ኰይኑ ን38 ዓመት ኣሰንይዎ። ምስቲ ትማሊ ሰንበት ዘስተንተናዮ ብዕውሩ ዝተወልደ እንተኣነጻጸርናዮ እት ብዕውሩ ዝተወልደ ነቲ ምሕዋይ ብኽንደይ ሓጐስን ምስጋናን ተቀቢልዎ ብከመይ ዝበለ ቆራጽነት ምስቶም ጸሓፍትን ሊቃውንቲ ሕግን ተማጒቱ እንተ እዚ ግን ኣይምውቅ ኣይዝሑል ዕሚም ክብል ከይዱ ደሓር እውን ንኢየሱስ ከምዘሕወይዎ ኣሕሊፉ ሂቡ። እዚ ኣርእስቲ ሓጢኣት እዚ ከም መርዚ ንኩሉ ኣጐልቢኡ ሕይወት ከምዘይብልና ኣይምውታት ኣይህልዋት ኰና ከምእንነብር ይገብረና። ሎሚ እውን እንተኾነ ብዙሓት ነዚ ሕይወት እዚ ዝመርጹ ኣለው። እዚ እርእስቲ ሓጢኣት እዚ ዳርጋ ከም ሓሺሽ እዩ። ሓሺሽ ንመጀመርያ ክትጥዕሞ ጥዑም እዩ። ደሓር ግን ጽግዕተኛ ናቱ ኰንካ ባርያ ኰንካ ትነብር። እዚ ሓጢኣት እዚ ዳርጋ ከምዚ እነስተንፍሶ ንፋስ ኰይኑ ኣብ መንጎና ልሙድ እዩ ዕሚም ክንብል ሕዙናት ኰና ንነብር። ሎሚ እምበኣርከስ ምስል ኢልና ነዛ ወንጌል ዮሓንስ 5 ዘቅርበለና ነንብባ። ሕማምና ነለሊ ንሕና ክንድሕንዶ ንኽእል ወይስ ከምዚ ናይዚ መጻጉዕ ንካልኦት ክንሓሚ ብሰንኮም እየ ክሓዊ ዘይከኣልኩ እናበልና ንካልእ 38 ዓመት ክንጽበ እሞ ኢየሱስ ክትሓውዶ ትደሊ ክብለና ወይስ ከምቶም ሓሓውዮም ብታሕጓስ ዓራውቶም ኣልዒሎም ዝኸዱ ዘመስግኑ ዘይኮነስ ከምቲ እዚ መጻጉዕ ዝገበሮ ዓራቱ ተሰኪሙ እንክኸይድ ነዚ ክትገብር ኣይግብኣን ምስ በልዎ እቲ ዘሕወኒ ከምኡ ግበር ኢሉኒ ኢሉ ንቅድሚት ዝገስገሰ ክንዲ ዘመስግን ከኣ ኣሕሊፉ ዝሃበ ኣይንኹን። ብዛዕባ ማይ ዝጀመርናዮ ኣስተንትኖ ንምዝዛም ማይ ምልክት ሓይሊ ምልክት ሕይወት ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ብጥምቀት በዚ ማይ እዚ ገሩ እዩ ዳግማይ ከም እንውለድ ዝገበረ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ኣርእስቲ ሓጢኣት ከጥቅዓና እንተጀሚሩ ጐይታ ክገልጸልና ንለምን እሞ ነዚ ዘርኢ ዲያብሎስ ዝኾነ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ገሩ ከምትትፋእ ካብ ዝገብር ፈተና ንርሓቅ ኢሎም ኣብ መዳእታ ስደት ቅዱስ ቁርባንን ናይ ሃረርታ ቊርባንን ገሮም ብቡራኬ ቅዱስ ቊርባን ናይ ዕለቱ ቅዳሴ ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
24 March 2020, 12:12
ንኩሉ ኣንብብ >