ር.ሊጳ. ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ሓልዮትን ድጋፍን ንዘቕርቡ የመስግኑ ር.ሊጳ. ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ሓልዮትን ድጋፍን ንዘቕርቡ የመስግኑ 

ር.ሊጳ. ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ሓልዮትን ድጋፍን ንዘቕርቡ የመስግኑ

ቀዳማይ ምንባብ፡ እቲ ኢየሱስ ከጋጥሞ ዝዀነ ብትንቢት መልክዕ ኣቐዲሙ ዘመላኽት እዩ፡ እቶም ክፉኣት ሰባት እንታይ ይብሉ? “ንዑ ነቲ ጻድቕ መፈንጠራ ነዳልወሉ፡ ንሱ ኣብ መገድና ደው ዝበለ ዓንቃፊና እዩ” ይብሉ ..”ንተግባርና ይቃወም፡ መፍረስቲ ሕጊ ሙሴ ገሃስቲ ትውፊት ኣቦታቶም እናበለ ዚጻረፈና ንሱ እዩ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፥ ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ተኸሲቱ ኣብ ዘለሉ እዋን ንህሙማንን ኣረጋውያንን ኣብ ድኽነት ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ድጋፍን ሓልዮትን ንዘቕርቡ ኵሎም ከምዘመስገኑን፡ እቲ ዕንወት ዝዘርእ መንፈስ ክፍኣት ንምብዳህ ናይ ጽሞና ትብዓት ኣገዳሲ ምዃኑ ኢየሱስ ባዕሉ ይምህረና ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ብቐጥታ ብምስማዐ ርእየት ውሕዘት ኣብ ዝመሓላለፍ ስብከቶም፡ ኣብዚ ጽንኵር እዋን’ዚ እቶም ንኻልኦት ዝሓስቡን ዝሻቐሉን ሓልዮትን ደገፍን ንዘቕርቡ ነመስግን ቢሎም፥

ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ጸገም ብዙሓት ናብ ከቢድ ሽግር ይወድቁ ከምዘለዉ ብምስትዓል፡ ነቶም ኣብ መነባብሮኦም ጸገም ዘጋጥሞም ንዘለዉን ዝብላዕ እናጐደሎም ንዝኸዱ ዘለዉን ድጋፍን ሓገዝን ዘቕርቡ ነመስግን፡ እግዚኣብሔር ንኻልኦት ሓገዝን ድጋፍን ንኸቕርቡ ንዝልእዀምን እዚ ሓልዮት’ዚ ንኽምስክሩ ምእንቲ እቶም ዘነቓቕሖም ምእመናን ነመስግኖ!

ቢሎም ከብ መጽሓፈ ጥበብ ምዕ 2 ፍቕዲ 1 ን ካብ ፍቕዲ 12 - 22 ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 7 ካብ ፍቕዲ 1 – 2, ፍቕዲ 10, ካብ ፍቕዲ 25 – 30 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡

ቀዳማይ ምንባብ፡ እቲ ኢየሱስ ከጋጥሞ ዝዀነ ብትንቢት መልክዕ ኣቐዲሙ ዘመላኽት እዩ፡ እቶም ክፉኣት ሰባት እንታይ ይብሉ? “ንዑ ነቲ ጻድቕ መፈንጠራ ነዳልወሉ፡ ንሱ ኣብ መገድና ደው ዝበለ ዓንቃፊና እዩ” ይብሉ ..”ንተግባርና ይቃወም፡ መፍረስቲ ሕጊ ሙሴ ገሃስቲ ትውፊት ኣቦታቶም እናበለ ዚጻረፈና ንሱ እዩ” ሕይወቱ ከም ናይ ካልኦት ስለ ዘይኰነን፡ ኵለንተናኡ ዕንቅፋት ይዀኖም፡ እቲ ጻድቕ እምበኣር ከስ ወልደ እግዚኣብሔር እዩ፡ ንሱ ከመጽእን ነቶም ጻድቓን ካብ ተጻራሪኦም ናጻ ከውጽኦምን እዩ፡ ኢየሱስ ኣብ መስቀል እንከሎ ካልኦት ዝብልዎ ዝነበሩ ቃላት ንዘክር፡ “ወልደ እግዚኣብሔር እንተድኣ ኴይንካ ካብ ውረድ ይብልዎ ከምዝነበሩን ገሊኣቶም እውን፡ ወልደ እግዚኣብሔር እንተድኣ ኴንካ ንሱ ከድሕነካ እዩ፡ … ከምቲ ንሱ ዚብሎ ኣምላኽ እንተ ኣድሓኖ ምእንቲ ኽንርኢ ድማ ንዑ ሕፍረት ብዘለዎ ሞት ኪመውት ንፍረዶ … ይብሉ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ከምዝብሎ፡ ክቐትልዎ ደለዩ … ሰዓቱ ግና ኣይኣኸለትን፡ … ቀዳማይ ምንባብ ኣብ ልዕሊ እቲ ጻድቕ ዝፍነው መጻወዲያ፡ መንፈስ ክፍኣት ዝቱኽቱዀ ግብረ ክፍኣት እዩ፡ ኣብ መጽሓፈ እዮብ እውን ከም እነንብቦ፡ እግዚኣብሔር ንእዮብ ኵሉ ዝሃብካዮ ጸጋታት ኣጥፍኣሉ  እሞ ብሓቒ ዘመስግነካ እንተድኣ ኰይኑ ክንርእይ ኢና! ዝብል መንፈስ ክፋኣት ዘቕርቦ ሕቶ ነስተውዕል … ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ እውን እቲ መንፈስ ክፍኣት ዝፈጸሞ ተግባራት ኵሉ ንዘክር፡ ከምኡ እውን ኣብ ስደት ክርስቲያን ከይተረፈ ዝፍጽሞ፡ መንፈስ ክፍኣት ዘነቓቐሖ ሽርሒ ዝተመኦ ዘእምን ዝመስልትምህርቲ ክሕደት እምነት፡ … እዚ ዲያብሎስ እዩ፡ ናይ ዲያብሎስ ብልሒ ዘለዎም ሰባት ከም እንብሎ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዘርሕቝና እያቶም።

ብዙሓት ምልካውያንን ኢእግዚኣብሔራውያን ስርዓት ልክዕ ተመሳሳሊ ጸገም ከምዘውረዱን ስደንት መከራን ከምዘስዓቡን ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ዝሳቐዩ ዝነበሩ ኣቡናት ዝንገሩኒ ብዙሕ ታሪኽ፡ … እምነት ክርስትና ዝገልጽ ኵሉ ከይህሉ መታን ሕጻናት ከይተረፉ ኣብ ቤቶም እንታይ ከምእተገብረ ብመምሃራኖም ክሕተቱ ዝገብር ስርዓት ከምዝነበረን ዝብል ብሓቂ ጸረ እምነትን ክርስትናን ዝነበረ መንፈስ፡ … ሰይጣናዊ ተግበር እዩ።

ከምዚ ዓይነት ዘየናሕስይ ተግባር ከጋጥም እንከሎ እንታይ ክንገብር እዩ ዘሎና? ቅድም ቀዳድም ምስቶም ግብረ ክፍኣት ዝተመልኡ ምዝታይ ዝከኣል ከምዘይኰነ ምፍላጥ የድሊ፡ ስለምንታይ ካብ ሓሳቦምን ተግባራቶምን ነቕ ዘይብሉ ስለ ዝዀኑ፡ ካብቲ ዲያብሎ ኣብ ልቦም ዝዘረኣሎም ሓሳብ ፍንትት ዘይብሉ፡ ስለዚህ ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝወርዶ ዝነበረ ክስን ጸርፍን ዝነበሮ፡ ሱቕታ ምንባር እዩ፡

ዕለት ዕለት ዘጋጥምን ኣብ ልዕሌኻ ዝፍጸም ግብረ ክፍኣት … ስም ምጽላም ድዩ ኣብ ቅድሚ ግብረ ክፍኣት ኵሉ … ሱቕታ ዓቢይ መልሲ እዩ፡ … ካልእ ንምዕናው ዝፍነው ሕሜትን ስም ምጽላምን፡ ጠቐነን … ጽሞና ምንባርን ሱቕታን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር …. ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ።

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ቅዱስነቶም ስብከት ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን በስተንትኖን ብቡራኬ ቅዱስ ቁርባን ክዛዝሙ እንከለዉ፥

“ኦ ኢየሱሰይ፡ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ብሓቂ ህልው ምዃንካ እኣምን፡ ልዕሊዝዀነ ኵሉ አፍቅረካ፡ ኣብ መንፈሰይ ሃረር እብለካ፡ ሕጂ ነዚ ህላዌኻ ዝዀነ ቅዱስ ቁርባን ክቕበል ኣይክእልን እዮ እሞ ከምቲ ድሮ ዝፈምካዮን ንስኻ ንዓ ናብ ልበይ፡ እሓቝፈካን ኣባኻ እሓብርን። ካባኻ ምፍላይ ጠሪሹ ክህሉ ኣይትፍቀድ!

ዝብል ቅዱስ ቁርባን ንምቕባል ሃረርታኻ እትገልጸሉ ጸሎት ከምዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊጳ. ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ሓልዮትን ድጋፍን ንዘቕርቡ የመስግኑ
27 March 2020, 16:20
ንኩሉ ኣንብብ >