መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (ANSA)

እግዚአብሔር ክፉትን ምሕረት ዝመልኦን ልቢ ክህልወና ይደሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 18 ለካቲት 2020 ዓም ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ንዝደንዘዘ ልቢ መድሓኒቱ ዝኽሪ እዩ’ ኣንክብሉ ነቲ ካብ ጐይታ ዝተቀበልናዮ ንልቢ ዘንጽሕን ንክምሕር ዘኽእሎን ናይ ድሕነት ጸጋ ከይንርስዕ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ማር 8.14-21 ኰይኑ ፈሪሳውያን ተኣምራት ኪገብረሎም ዚሓተቱሉ ንሱ ግን ነታ ወለዶ እቲኣ ምልክት ከምዘይወሃባ ገሊጹ ምስ ሓዋርያት ብጃልባ ኪጐዓዝ ከሎ ሓዋርያት እንጌራ ብዘይምምላኦም ምስ ኣጒረምረሙ እሞ ነቲ ዝብሎም ዝነበረ ምርዳእ ምስ ሰኣኑ ልቦም ክሳብ ክንደይ ከምዝደንዘዘ ገኒሑ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ተኣምራት ምብዛሕ እንጌራን ዓሳን ኣዘኻኺሩ ዓይኒ እንከለዎም ከምዘይርእዩ እዝኒ እንከለዎም ከኣ ከምዘይሰምዑ ዘዘኻኸሮም ክፍሊ ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ ክልተ ብምምቃል እቲ ሓደ ዝደንዘዘ ልቢ ሓዋርያት በቲ ሓደ ከኣ ምሕረት ዝመልኦ ልቢ ኢየሱስ ብምንጽጻር ኩሉ ኣብ ፍቃድ ወይ ድላይ ከምዝግለጽ ኣዘኻኺሮም።

“ፍቃድ ጐይታ ኩሉ ግዜ ርሕራሔን ምሕረትን እዩ። ‘ምሕረት እምበር መሥዋዕቲ ኣይደልን’ ይብል። ርሕራሔን ምሕረትን ዘይብሉ ልቢ ናብ ኣምልኾ ጣዖት ገጹ ዘምርሕ ርእስኻ ናብ ምኽኣል ወሲዱ በቲ ንዓይ ጥራይ ዝብል መፈስ ከምዝዕብለል ገሩ ኣብ ናይ ሥነ ሓሳብ ራእይ ዓለም ይወስደና። ነቶም ኣብ ግዜ ኢየሱስ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሥነ ሓሳብ ራእይ ዓለም ዝነበሮም እሞ ንመልከት። ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ኤሰንስን ቀናኣት ኣይሁድን ንሕሰብ። ኣርባዕቲኦም ናይ እግዚአብሔር ዘይኮነ መደባት ሒዞም ልባታቶም ኣትሪሮም ዝነበሩ ብምንባሮም ርሕራሔን ምሕረትን ኣይነበሮምን። ነዚ ከምዚ ዚኣመሰለ ልቢ ገኒሑ ዘለስልስ ኢየሱስ እዩ።”

ኢየሱስ ፈውሲ ትሪ ልቢ!

ቅድሚ ዝኣገረ ትሪ ልቢ ክፍወስ ኢየሱስ ክገንሖ ክጸፍዖ ኣለዎ ከምቲ ንሓዋርያት ኣበራቢሩ ንዝገበሮ ተኣምርን ካብ ኩሎም በሊዖም ምስ ጸገቡ ዘልዓልዎ ተረፍ መኣድታትን ኣዘኪርዎም። ስለዚ ዝኽሪ ፈውሲ ትሪ ልቢ ምዃና ኣርእዩ። ምሉእ ቅዱስ መጽሓፍ እውን ደጋጊሙ ዘዘንትዎ እንተልዩ እቲ እግዚአብሔር ዝገበሮ ናይ ምሕረት ሥራሕ ምዝንታው እዩ። እዚ ዝኽሪ እዚ ከኣ ንልብና ይኸፍቶ ተኣማኒ እውን ይገብሮ።

“ልብና ምስ ተረረ ልብና ምስ ነቀጸ ይርስዕ። ነቲ ዝተዓደሎ ጸጋ ድሕነት ይርስዕ። ንኩሉ ትዕድልታት ይርስዕ። ሽዑ እንታይ ዝገበርካለይ ኢኻ ኢሉ ኣብ ባእስን ውግእን ይኣቱ። ባዕለይ እየ ኣነ እየ ክብል ናብ ኣነነት ወዲቁ ንሓው የዕኑ። ከመይ ብኡ ንብኡ ርሕራሔ የጥፍእ። እቲ ዝዓበየ መልእኽቲ ድሕነት እቲ እግዚአብሔር ኣባና ዘርኣዮ ርሕራሔን ምሕረትን እዩ። ኣብ ወንጌል ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኢየሱስ ጽጉም ሕሙም ዝሳቀ ክርኢ እንከሎ ‘ራሕሪሑሉ’ ዝብል ቃልከስ ኢየሱስ ናይእግዚአብሔር ኣቦ ርሕራሔ ከምዝኾነ የመልክት።”

ክፉት ልቢ ምህላው!

ብሥነ ሓሳብ ርእዮተ ዓለም ዘይተበከለ ልቢ ክህበና ጸጋኡ ንለምን! ተሪር ልቢ ዘይኮነ ክፉትን ርሕራሔ ዝመልኦን ልቢ ክህበና ንለምን። ሽዑ ነዚ ርሕራሔ ዘድልዮ ዓለምና ብዝገበርናዮ ኢና ክንፍረድ እምበር ብሓሳባትናን ብርእይቶናን ኣይኮነን።

“[ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ልብና ገለ ትርር ዝበለ ነገር ኣሎና። ንዝኽርና ነበራብር ጐይታ ክፉትን ንጹሕን ልቢ ክህበና ንለምኖ። ሽዑ ልብና ማሕደር ጐይታ ክኸውን እዩ። ከመይ ጐይታ ናብ ተሪር ልቢ ኣይኣቱን ብሥነ ሓሳብ ራእይ ዓለም ናብ ዝተሓዝአ ልቢ ኣይኣቱን። ጐይታ ዝሓድሮ ልቢ ከምቲ ልቡ የዋህን ትሑትን ርሕሩሕን ክፉትን ኣብ ዝኽዕነ ልቢ እዩ። ጐይታ ነዚ ጸጋ እዚ ይዓድለና። ] ”

ብድምጺ ንምክትታል!
18 February 2020, 16:25
ንኩሉ ኣንብብ >