እግዚአብሔር ክፉትን ምሕረት ዝመልኦን ልቢ ክህልወና ይደሊ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ማር 8.14-21 ኰይኑ ፈሪሳውያን ተኣምራት ኪገብረሎም ዚሓተቱሉ ንሱ ግን ነታ ወለዶ እቲኣ ምልክት ከምዘይወሃባ ገሊጹ ምስ ሓዋርያት ብጃልባ ኪጐዓዝ ከሎ ሓዋርያት እንጌራ ብዘይምምላኦም ምስ ኣጒረምረሙ እሞ ነቲ ዝብሎም ዝነበረ ምርዳእ ምስ ሰኣኑ ልቦም ክሳብ ክንደይ ከምዝደንዘዘ ገኒሑ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ተኣምራት ምብዛሕ እንጌራን ዓሳን ኣዘኻኺሩ ዓይኒ እንከለዎም ከምዘይርእዩ እዝኒ እንከለዎም ከኣ ከምዘይሰምዑ ዘዘኻኸሮም ክፍሊ ነበረ።
ቅዱስነቶም ነዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ ክልተ ብምምቃል እቲ ሓደ ዝደንዘዘ ልቢ ሓዋርያት በቲ ሓደ ከኣ ምሕረት ዝመልኦ ልቢ ኢየሱስ ብምንጽጻር ኩሉ ኣብ ፍቃድ ወይ ድላይ ከምዝግለጽ ኣዘኻኺሮም።
ኢየሱስ ፈውሲ ትሪ ልቢ!
ቅድሚ ዝኣገረ ትሪ ልቢ ክፍወስ ኢየሱስ ክገንሖ ክጸፍዖ ኣለዎ ከምቲ ንሓዋርያት ኣበራቢሩ ንዝገበሮ ተኣምርን ካብ ኩሎም በሊዖም ምስ ጸገቡ ዘልዓልዎ ተረፍ መኣድታትን ኣዘኪርዎም። ስለዚ ዝኽሪ ፈውሲ ትሪ ልቢ ምዃና ኣርእዩ። ምሉእ ቅዱስ መጽሓፍ እውን ደጋጊሙ ዘዘንትዎ እንተልዩ እቲ እግዚአብሔር ዝገበሮ ናይ ምሕረት ሥራሕ ምዝንታው እዩ። እዚ ዝኽሪ እዚ ከኣ ንልብና ይኸፍቶ ተኣማኒ እውን ይገብሮ።
ክፉት ልቢ ምህላው!
ብሥነ ሓሳብ ርእዮተ ዓለም ዘይተበከለ ልቢ ክህበና ጸጋኡ ንለምን! ተሪር ልቢ ዘይኮነ ክፉትን ርሕራሔ ዝመልኦን ልቢ ክህበና ንለምን። ሽዑ ነዚ ርሕራሔ ዘድልዮ ዓለምና ብዝገበርናዮ ኢና ክንፍረድ እምበር ብሓሳባትናን ብርእይቶናን ኣይኮነን።