መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ   (ANSA)

ኣብ ቤተክርስትያን’ውን እንተኾነ ከይተዋረድካ ትሕትና ዝበሃል የለን! ር.ሊ.ጳ

ውርደት ብትዕግሥቲ ምቅባልን ክሳብ መወዳእታ ምጽዋርን ምልክት ድኻምነትን ሕምቀትን ዘይኮነስ መንገዲ ትሕትና ምዃኑ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ብሰማዕትነቱ ከምዝምህረና ዝገለጹ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 7 ለካቲት 2020 ዓም ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንክኸውን እዚ ከኣ ነቶም ኣብ ሥልጣን ክድይቡ ሒዅ ዝብሉ ቤተክህነት እውን ከይተረፈ ዓቢ ትምህርቲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማር 6.14 ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘መንግሥቲ ኣምላኽ ቀሪባ እያ ተነስሑ’ እናበለ ስብከቱ ኣብ ዝጀመረሉ መን ምዃኑ ዘይፈለጠ ሄሮዱስ ነቲ ሰይቲ ሓውካ ክትወርስ ኣይግበኣካን እዩ እንክብል ብዝቀደመን ዝደሓረን ሓጢኣቱ ኣትሪሩ ዝወቀሶ ዮሓንስ መጥምቅ ብምኽሪ ሄሮድያዳ ርእሱ ዝመተሮ ግዲ ካብ ሞት ተንሢኡ ክብል ክሳብ ዝሻቀል ዝገልጽን ታሪኽ ሰማዕትነት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ዘዘንቱን ነበረ።

ቅዱስነቶም ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝተቀበሎ ውርደትን መከራን እንኮ መንገዲ ድሕነትና ምዃኑ እዚ ከኣ እቲ ጐይታ ‘ርእሱ ዘትሓተ ክልዕል ርእሱ ዘልዓለ ድማ ኪዋረድ እዩ’ ንዝበሎ ብተግባር ዝገልጽ ብምዃኑ ትሕትና እንክበሃል ንውርደት ብትዕግሥቲ ክትቅበሎን ክሳብ መወዳእታ ከም ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ሰማዕትነት እውን ይኹን ክትጻወርን ከምዘሎካ ዘመልክት እንኮ መንገዲ ትሕትና ምዃኑ ገሊጾም።

ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕይወትና ውርደት የፍርሃና ‘ከላእ ትዋረዶ’ ኢልና ካብኡ ክነምልጥ ዘይንምህዞ ነገር የለን። ጐይታ ግን ከምቲ ንሱ ‘ትሑትን የዋህ ልብን’ ዝኾኖ ተኸተልቱ እውን ትሑታት ክንከውን ይጽውዓና። ትሕትና ክበሃል ከኣ ከምቲ ንሱ ንኩሉ ውርደት ማለት ብሓሶት ምኽሳስ ጸርፊ መግረፍቲ ኣብ መስቀል ምስ ሰረቅቲ ከም ሰራቂ ምስቃል ብትሕትና ከምዝተቀበሎ ንሕና እውን ንኣኡ ክንመስል ኣሰሩ ክንስዕብ እንተዀና ንውርደት ብትዕግሥቲ ምስ እንቅበል ኢና ትሑታትን ክንበሃል ንኽእል ኢሎም።

ጒዕዞ ኢየሱስ!

ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ናይ ነቢያት መወዳእታን ምስ ኢየሱስ ብቀጥታ ዝተራኸበን ብምንባሩ ከምቲ ነቢያት ቅድሚኡ ዘመልከትዎ ንሱ ሓባሪ መንገዲ እዩ ነሩ። እነሆ እቲ ሓጢኣት ዓለም ዚኣሊ በጊዕ እግዚአብሔር ክብል እውን ንኣርድእቱ ናብ ኢየሱስ ዘብጸሔ ነዚ ኩሉ ግን ውርደትን መከራን ብትዕግስቲ ብምቅባል ዓቢ ኣብነት ትሕትና ብምሃብ እዩ ፈጺምዎ።

“ሥራሕ ዮሓንስ መጥምቅ ብዛዕባ ኢየሱስ ክሰብኽን ነቲ ሕዝቢ ንክቅበሎ ከሰናዱን ኣይነበረን እንታይ ደኣ ንኢየሱስ ክምስክር ሕይወቱ ከኣ ነዚ ምስክርነት እዚ ክስውዕ እዩ ነሩ። እዚ ምስክርነት እዚ ከኣ ነታ እግዚኣአብሔር ንድሕነትና ዝተኸተላ መንገዲ ንምሕባር ንሳ ከኣ መንገዲ ትሕትና መንገዲ ውርደት እያ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣነጺሩ ይገልጾ። ናብ ፍሊጵስዩስ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ከኣ ‘ኢየሱስ ንገዛእ ርእሱ ከም ኢምንት ገበረ ነዚ ከኣ ክሳብ ሞት እኳ ደኣ ኣብ መስቀል ተሰቂልካ ክሳብ ሙማት` ይብል። እዚ ኣብ መስቀል ተሰቂልካ ሙማት እዚ መንገድና እውን እዩ። እግዚአብሔር ንክርስትያን ዘመልክታ መንገዲ እንተደኣ ሃልያ እዚኣ መንገዲ እዚኣ እያ። በዚኣ መንግዲ እዚኣ ጥራሕ ኢና ንቅድሚት ክንግስግስ እንኽእል። ክንዯኡ ውርደት ዘይትርእየሉ ውርደት እዩ ፍጻሜና።”

ክንዯኡ ውርደት ዘይትርእየሉ ውርደት!

ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅስ ይኹን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፈተና ከንቱነት ፈተና ትዕቢት ኣጋጢምዎም እዩ። ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ምድረ በዳ ድሕሪ ጾም ዘጋጠሞ ፈተና ዲያብሎስ ምዝካር ይኣክል። ንዮሓንስ መጥምቅ እውን ሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን ‘መን ኢኻ ንስኻ! እቲ ነቢይ እንተዀንካ ቊርጹ ንገረና’ ኢሎም ክጭቅጭቅዎ ብትህትና እዩ ዝመለሰ። ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ሥልጣን ነርዎም። ከም መማህራኖም ዘይኮነ ከም ሰብ ሥልጣን ይምህሩ ከምዝነበሩ ነቲ ሥልጣን ከኣ እቲ ሕዝቢ ይርድኦ ከምዝነበረ ይፈልጡ ግን ክንየቱ ኣይደለዩን ንኩሉ ብትሕትና ፈጸምዎ። ክልቲኦም ከኣ ነቲ ዝለዓለ ትሕትና ክንዯኡ ውርደት ዘይትርእየሉ ውርደት ብምቅባል ፈጸምዎ።

እቲ ቀንዲ ውርደት ብደገ ዝረአ ሄሮድያዳ ርእሲ ዮሓንስ እንከተቚርጽ ወይውን ኢየሱስ ኣብ ዕጸ መስቀል ክስቀል እኳ እንተኾነ እቲ ክሳብ ኣብኡ ነፍሲወከፎም ዝሓለፍዎ ውሽጣዊ ነውጺ እውን ምስትንትንታን የድሊ ዮሓንስ ኣብ ጸልማት ቤትማእሰርቲ በይኑ ክሳብ እቲ ክመጽእ ዘለዎ ንስኻ ዲኻ ምባል ዘብጽሕ ፍርህን ራዕድን ተነጽሎን ከምኡ እውን ኢየሱስ ኣብ ጌተሰማኒ ደም ክሳብ ዝርህጽ እንክጽሊ እሞ ኣቦ ነዛ ጽዋዕ ካባይ ኣሕልፋ ኰይኑ ግን ፍቃድካ እምበር ፍቃደይ ኣይኹን እናበሉ ዝተሳቀይዎን ዝተዋረድዎን ዝረዓድዎን እውን ቀሊል ውርደት ኣይኰነን።

“እቲ ነቢይ እኳ ደኣ እቲ ዚዓበየ ነቢይ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝተወልዱ እቲ ዝዓበየ ይብሎ ኢየሱስ ከምኡ እውን ወልደ እግዚአብሔር ክልኢቶም መንገዲ ውርደት መሪጾም። ዘመልክቱልና እንኮ መንገዲ ከኣ ንሳ እያ ንሕና ክርስትያን ከኣ እንትርፊ ምስዓባ ካልእ ምርጫ የብልናን። ኢየሱስ መንገዲ ብፅዕና ኣብ ዝመሃረሉ እውን እቶም ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ ብፁዓን እዮም ክብል ክንክተላ ዘሎና መንገዲ መንገዲ ትሕትና ምዃና ገሊጹልና።”

ዓለማዊ መንገዲ!

ቅዱስነቶም ነዛ ከም ንውርደት ብትዕግሥቲ ምቅባል ከም መንገዲ ትሕትና እንክገልጹ ብዘይ ውርደ ትሕትና የሎን ኢሎም።

“ኣብ ቊምስናና ኣብ ቤተክርስትያንና ኣብ ማሕበራትና ሓደ ሓላፍነት ንክንቅበል ወይውን ገለ ተልእኾ ንክንፍጽም ረኣዩኒ ስምዑኒ ንዓይ ምረጹ ንብል እንተዀና እዚ መንገዲ ክርስትና መንገዲ ኢየሱስ ኣይኮነን ዓለማዊ መንገዲ እዩ። ንቆሞሳት እውን እዚ ፈተና እዚ ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ወትሩ ናብ ሥልጣን ንክድይቡ ክፍተኑ ይከኣል እዩ። ምስ መተሓምይቶም እውን ተጻይ ሓለፍቶም ‘እዚ ኢፍትሓዊ እዩ! እዚ ውርደት እዩ! ነዚ ክጻወሮ ኣይክእልን እየ’ እናበሉ ምስ መታሓምይቶም ዕሚም ዝብሉ ኣይሰኣኑን። ኰይኑ ግን ሓደ ጓሳ ኣሰር ክርስቶስ እንተዘይሰዓበ መንገዲ ትሕትና እንተዘይሰዓበ ተኸታሊ ክርስቶስ ኣይኮነን። ቀሚሽ ካህን ተጐልቢቡ ንሥልጣን ዝቃለስ እዩ። ኣብዚ ትሕትና የለ ወርደት የለ። ስለዚ ብዘይ ውርደት ትሕትና የለን ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
07 February 2020, 16:28
ንኩሉ ኣንብብ >