ኣብ ቤተክርስትያን’ውን እንተኾነ ከይተዋረድካ ትሕትና ዝበሃል የለን! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማር 6.14 ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘መንግሥቲ ኣምላኽ ቀሪባ እያ ተነስሑ’ እናበለ ስብከቱ ኣብ ዝጀመረሉ መን ምዃኑ ዘይፈለጠ ሄሮዱስ ነቲ ሰይቲ ሓውካ ክትወርስ ኣይግበኣካን እዩ እንክብል ብዝቀደመን ዝደሓረን ሓጢኣቱ ኣትሪሩ ዝወቀሶ ዮሓንስ መጥምቅ ብምኽሪ ሄሮድያዳ ርእሱ ዝመተሮ ግዲ ካብ ሞት ተንሢኡ ክብል ክሳብ ዝሻቀል ዝገልጽን ታሪኽ ሰማዕትነት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ዘዘንቱን ነበረ።
ቅዱስነቶም ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝተቀበሎ ውርደትን መከራን እንኮ መንገዲ ድሕነትና ምዃኑ እዚ ከኣ እቲ ጐይታ ‘ርእሱ ዘትሓተ ክልዕል ርእሱ ዘልዓለ ድማ ኪዋረድ እዩ’ ንዝበሎ ብተግባር ዝገልጽ ብምዃኑ ትሕትና እንክበሃል ንውርደት ብትዕግሥቲ ክትቅበሎን ክሳብ መወዳእታ ከም ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ሰማዕትነት እውን ይኹን ክትጻወርን ከምዘሎካ ዘመልክት እንኮ መንገዲ ትሕትና ምዃኑ ገሊጾም።
ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕይወትና ውርደት የፍርሃና ‘ከላእ ትዋረዶ’ ኢልና ካብኡ ክነምልጥ ዘይንምህዞ ነገር የለን። ጐይታ ግን ከምቲ ንሱ ‘ትሑትን የዋህ ልብን’ ዝኾኖ ተኸተልቱ እውን ትሑታት ክንከውን ይጽውዓና። ትሕትና ክበሃል ከኣ ከምቲ ንሱ ንኩሉ ውርደት ማለት ብሓሶት ምኽሳስ ጸርፊ መግረፍቲ ኣብ መስቀል ምስ ሰረቅቲ ከም ሰራቂ ምስቃል ብትሕትና ከምዝተቀበሎ ንሕና እውን ንኣኡ ክንመስል ኣሰሩ ክንስዕብ እንተዀና ንውርደት ብትዕግሥቲ ምስ እንቅበል ኢና ትሑታትን ክንበሃል ንኽእል ኢሎም።
ጒዕዞ ኢየሱስ!
ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ናይ ነቢያት መወዳእታን ምስ ኢየሱስ ብቀጥታ ዝተራኸበን ብምንባሩ ከምቲ ነቢያት ቅድሚኡ ዘመልከትዎ ንሱ ሓባሪ መንገዲ እዩ ነሩ። እነሆ እቲ ሓጢኣት ዓለም ዚኣሊ በጊዕ እግዚአብሔር ክብል እውን ንኣርድእቱ ናብ ኢየሱስ ዘብጸሔ ነዚ ኩሉ ግን ውርደትን መከራን ብትዕግስቲ ብምቅባል ዓቢ ኣብነት ትሕትና ብምሃብ እዩ ፈጺምዎ።
ክንዯኡ ውርደት ዘይትርእየሉ ውርደት!
ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅስ ይኹን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፈተና ከንቱነት ፈተና ትዕቢት ኣጋጢምዎም እዩ። ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ምድረ በዳ ድሕሪ ጾም ዘጋጠሞ ፈተና ዲያብሎስ ምዝካር ይኣክል። ንዮሓንስ መጥምቅ እውን ሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን ‘መን ኢኻ ንስኻ! እቲ ነቢይ እንተዀንካ ቊርጹ ንገረና’ ኢሎም ክጭቅጭቅዎ ብትህትና እዩ ዝመለሰ። ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ሥልጣን ነርዎም። ከም መማህራኖም ዘይኮነ ከም ሰብ ሥልጣን ይምህሩ ከምዝነበሩ ነቲ ሥልጣን ከኣ እቲ ሕዝቢ ይርድኦ ከምዝነበረ ይፈልጡ ግን ክንየቱ ኣይደለዩን ንኩሉ ብትሕትና ፈጸምዎ። ክልቲኦም ከኣ ነቲ ዝለዓለ ትሕትና ክንዯኡ ውርደት ዘይትርእየሉ ውርደት ብምቅባል ፈጸምዎ።
እቲ ቀንዲ ውርደት ብደገ ዝረአ ሄሮድያዳ ርእሲ ዮሓንስ እንከተቚርጽ ወይውን ኢየሱስ ኣብ ዕጸ መስቀል ክስቀል እኳ እንተኾነ እቲ ክሳብ ኣብኡ ነፍሲወከፎም ዝሓለፍዎ ውሽጣዊ ነውጺ እውን ምስትንትንታን የድሊ ዮሓንስ ኣብ ጸልማት ቤትማእሰርቲ በይኑ ክሳብ እቲ ክመጽእ ዘለዎ ንስኻ ዲኻ ምባል ዘብጽሕ ፍርህን ራዕድን ተነጽሎን ከምኡ እውን ኢየሱስ ኣብ ጌተሰማኒ ደም ክሳብ ዝርህጽ እንክጽሊ እሞ ኣቦ ነዛ ጽዋዕ ካባይ ኣሕልፋ ኰይኑ ግን ፍቃድካ እምበር ፍቃደይ ኣይኹን እናበሉ ዝተሳቀይዎን ዝተዋረድዎን ዝረዓድዎን እውን ቀሊል ውርደት ኣይኰነን።
ዓለማዊ መንገዲ!
ቅዱስነቶም ነዛ ከም ንውርደት ብትዕግሥቲ ምቅባል ከም መንገዲ ትሕትና እንክገልጹ ብዘይ ውርደ ትሕትና የሎን ኢሎም።