መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (@VaticanMedia)

ክርስትያን ንምዃን ዝኸፈልናዮ ምንም ነገር የለን! ብነጻ እግዚአብሔር ዝዕድለና ጸጋ እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ብሥልጣን ክትዓቢ ሒዅ ምባል ክርስትያናዊ ኣይኮነን’ ክብሉ ስብከቶም ዝጀመሩ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 21 ጥሪ 2020 ዓም ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክርስትናና ብነጻ ዝወሃበና ሕርየት እግዚኣአብሔር ስለዝኾነት ብተኣማንነት ንሃልዋ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ጸዋዕታ ክርስትና ስግር ኢልካ እውን ጸዋዕታ ክህነትን ጸዋዕታ ጵጵስናን ብነጻ እግዚአብሔር ብጸጋኡ ዝዕድለና እምበር ክንገዝኦ ወይ ብግበረለይ ክግብረልካ ዝርከብ ከምዘይኮነ ክንርድኦ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ንምግላጽ፡ በብደረጃኻ ካብ ተራ ክርስትያን ክሳብ ዝለዓለ መፈሳዊ ሥልጣን ቤተክርስትያን ክትዕቅቦ ዘሎካ ክቡር ውህበት ኣሎካ። እዚ ካብ ካልኦት ዝበለጽካ ኰይንካ ወይውን ብጻዕርኻ ከምዘይኮነ ፈሊጥካ ከምቲ ናይ ዕለቱ ንባባትን መዝሙር ዳዊትን ዝገልጾ 1ሳሙ 16 ሕርየት ዳዊት ከምኡ መዝ 88/9 ንዳዊት ባርያይ ረኺበዮ ብቅዱስ ዘይተይ ቀቢኤዮ ዝብል ይምህረና ኢሎም።

ኣብ ናይ ትማሊ ኣስተንትኖ ሳኦል ከመይ ኢሉ ነቲ ዝተዋቦ ጸጋ ከምዘጥፈኤን ዝገለጸ ቀዳማይ ንባብ ኣብ ናይ ሎሚ ከኣ ሳሙኤል ንዳዊት ክቀብእ ናብ እንዳ እሰይ ናብ ቤተልሔም ከምዝኸደ ኣብኡ ንሸውዓተ ደቂ እሰይ በብሓደ ብቊመናኦምን ብመልክዖምን እናወዳደረ እዚዶ ይኸውን እዚ እናበለ እግዚአብሔር ነቲ ማንም ዘይዘኮሮ ኣብ ጒስነት ኣባጊዕ ዝነበረ ዳዊት ሓርዩ ከምዝቀብኤ ዘዘንቱ ነበረ። እታ ዓባይ ትምህርቲ ከኣ ሰብ መልክዕ እንክምልከት እግዚኣአብሔር ግን ልቢ ከምዝርኢ እዩ።

ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ እስራኤል ምልስ ይብሉ እሞ እዞም በብተራ ዝቀርቡ ዝነበሩ ኣሕዋት ዳዊት ብጹሓት ኣጓብዝ ኰይኖም ምስ ፍልስጠኤማውያን ንመንግሥቲ እስራኤል ካብ ፍልስጠኤማውያን ንምክልኻል ዝዋግኡ ዝነበሩ ሓርበኛታት ብሰብኣዊ ኣመለኻኽታ ብሓቂ ሽመት ዝግብኦም ምልኩዓትን ጒልቡታትን ነበሩ። እግዚአብሔር ግን ንሓደ ማንም ቈልዓ ምናልባት ኣባጊዑ ክጓሲ እንከሎ ብማዕዶ ነቲ ውግእ ይዕዘብ ነሩ ይኸውን። ከምቲ ጽሑፍ ዝትርኾኸስ ሳሙኤል ንዳዊት ብትእዛዝ እግዚኣአብሔር ምስ ቀብኦ ‘ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ` ይብል።

ትዕድልቲ ሕርየት እግዚአብሔር!

ቅዱስነቶም ናብ ሕርየት ዳዊት ምልስ ይብሉ እሞ! ከመይ ገቢሩ እዩ እግዚአብሔር ንሓደ ጭልጋዕ ቈልዓ መን ይፈልጥ ከምቶም መሳቱኡ ነገር ቈልዓ እውን ኣይሰኣኖን ይኸውን። ከም ኣተሓሳስባና እውን ሓደ እግዚአብሔር ዝመርጾ ዝልእኾ ጸሎት ዘዘውትር ናይ ምሕረት ሥራሕ ዝገብር ከምኡ ሊቅነትን ገለ ትምህርትን ዘለዎ ወዘተ። ካብዚ ኩሉ ግን ዳዊት ዋላ ሓንቲ ኣይነበሮን። እግዚአብሔር ግን ይመርጾ። እዚኸስ ትዕድልቲ ሕርየት እግዚአብሔር ይበሃል።

“እግዚአብሔር ክመርጽ እንከሎ ሓርነቱ የርኢ ከምኢ ብነጻ ከምዝዕድሎ የመልክት። ንሕና ኩልና ኣብዚ ዘሎና እስኪ ነስተንትን! ከመይ ኢሉ እዩ ጐይታ ንዓይ ሓርዩ! ክርስትያን ብምዃናዶ ይኸውን ካብ ሥድራቤት ክርስትያን ብምውላድና ይኸው! ወይከ! ክንደይ ክርስትያንን ካብ ክርስትያን ዝውለዱን ንጐይታ ይኽሕዱ ኣይደልይዎን እውን። ከመይ ኢልና ደኣ ብጐይታ ተመሪጽና ኣብዚ ንርከብ እንተበልና ብኸምኡ ብነጻ ምንም ከይከፈልና ተዓዲሉና። ጐይታ ብነጻ ብከምኡ ሓርዩና። ንሕና ክርስትያን ክንከውን ዝኸፈልናዮ ምንም ነገር የለን። ንሕና ካህናት ኣቡናት ካህናትን ኣቡናትን ክንከውን ዝኸፈልናዮ ታዕሪፋ የለን። እንተወሓደ ኣነ ከምኡ እሓስብ ከምኡ ኣይኮነን ድዩ። ኤእ ምናልባት ከኣ ገሊኦም መሲልዎም ኣብ ሥልጣን ቤተክርስትያን ክድይቡ ሒዅ ዝብሉ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ክዕድግ ዝደለየ ስምዖን ክዕድጉ ዝጽዕሩ ኣብዚ እንተገበርካኒ ከምዚ እንተገበርካለይ ዝብሉ ኣይሰኣኑን። እዚ ናይ ክርስትያን ኣይኮነን። ክርስትያን ምዃን ዝተጠመቅካ ምዃን ካህን ምዃን ኣቡን ምዃን ነጻ ትዕድልቲ እዩ። ትዕድልቲ እግዚኣአብሔር ጸጋ እግዚአብሔር ፈጺምካ ኣይዕድገን ኣይሽየጥን ብነጻ እዩ ዝዕደል። ግን ከኣ ምዕቃቡ ምሕላው የድሊ።”

ምዕቃብ ትዕድልቲ!

እሞኸ ደኣ ቅብኣት መንፈስ ቅዱስ ብነጻ ዝዕደል ካብ ኮነ ንሕናኸ እንታይ ንግበር! ዝብል ሕቶ ክመጽእ ግድን ስለዝኾነ ‘ከምቲ ዝዓደለና ቅዱስ ዝኾኑ ቅዱሳን ምዃን እያ እታ እንኮ ዕዮ ገዛና። ቅድስና ክርስትና ከኣ ነታ ዝተዋህበትካ ጸጋ ምዕቃብ ምሕላው ነዚ ጐይታ ዝገበረልና ኣንጸባሪቅና ምኽኣል። ኣይ ብሓይለይን ብጸጋ እግዚኣአብሔር ኢልካ ምኽኣል’ ኢሎም።

“ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ኣብ ቦታ ሥራሕ ኣብ ሥራሕ ብዙሕ ግዜ ዝለዓለ ቦታ ንክህልወካ ንሓደ ሓላፊ ትሓትት ንሓደ ገዛኢ ትውከስ ኣብትን ኣብዝን ይኽየድ ከመይ እዚ ነጻ ትዕድልቲ ኣይኮነን። ክርስትያን ምዃን ካህን ምዃን ጳጳስ ምዃን ነጻ ትዕድልቲ እዩ። ስለዚ ምንም ከይገበርና ብነጻ ንወሃቦ ካብ ኮነ ቀዳመይቲ ዝምባሌና ትሕትና ምልባስ ክትከውን ኣለዋ። ንከይነጥፍኦ ከኣ ብጥንቃቀ ክንሕልዎ የድሊ። ሓደ እትገብረና ኩልና ብጐይታ ዝተሓረና ስለዝኾና ነዚ ካህናትን ጳጳሳትን ዝገብረና ቅብዓት ክርስትና ንዓቅቦ። ቅድስና ዝበሃል ከኣ እዚ እዩ። ካልእ ዝጠቅሞ የብሉን። ነዚ ንምዕቃብ ትሕትና የድሊ። እቲ ዝዓበየ ውህበት ኣምላኽ እንታይ እዩ እንተበልና መንፈስ ቅዱስ እዩ። ምስ ሓረየና ከምዚ ናይ ዳዊት መንፈስ ቅዱስ ይህበና። እዚ ከኣ ብጻዕርና ወይ ብመንፈዓትና ዘይኮነ ነጻ ህያብ ኣምላኽ እዩ። ነዚ እንተዘንጊዕና ነቲ ሓደራ ዝተዋህበና ሕዝቢ እንተደኣ ረሲዕና ንህያብ እግዚአብሔር ምኽሓድ እዩ።”

ንሕዝበ እግዚኣብሔር ምርሳዕ ንህያብ እግዚአብሔር ምኽሓድ እዩ።

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ናብ ጓሶትን መጓሰኦምን ምልስ ይብሉ እሞ ከምቲ ዳዊት ንመጓሰኡ ማለት ንህዝቡ ብተኣማንነት ዝሓለወ ጓሶት ነፍሳት እውን ከምኡ ንሕዝቦም ክጓስዩ ንሕዝቦም እንተረሲዖም ክሕደት ጸጋ እግዚአብሔር ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ንሕና ክርስትያን ንሕዝበ እግዚአብሔር እንተረሲዕና ዋላ ነቲ ዘይኣምን ሕዝቢ ከመይ ኩልና ሕዝበ እግዚአብሔር ኢና ንሕና ካህና መጓሰና እንተረሲዕና ንሕና ጳጳሳት ነዚ እንተረሲዕና እሞ ካብ ካልኦት ዝሓሽና ኰይኑ እንተተሰመዓና ነቲ ጸጋ እግዚኣአብሔር ንኽሕድ ማለት እዩ። ዳርጋ ንመንፈስ ቅዱስ ደሓን ንስኻ ናብ መንበረ ጸባኦት ናብ መንበር ቅድስት ሥላሴ ከድካ ኣዕርፍ ባዕለይ ኣሎኹሉ’ ከም ምባል እዩ። እዚ ከኣ ሥራሕ ክርስትያን ኣይኮነን። እምበአርከስ ሎሚ ንዳዊትን ሕርየቱን እናኣስተንተንና ንጐይታ ስለእቲ ዝሃበና ጸጋ ንክነመስግኖ ጸጋኡ ክህበና ዕበየት ናይቲ ንሱ ዝዓደለና ጸጋን ሕርየትን ክንርዳእ እሞ ብእምነት ክንሕልዎ ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
21 January 2020, 18:30
ንኩሉ ኣንብብ >