ክርስትያን ንምዃን ዝኸፈልናዮ ምንም ነገር የለን! ብነጻ እግዚአብሔር ዝዕድለና ጸጋ እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ጸዋዕታ ክርስትና ስግር ኢልካ እውን ጸዋዕታ ክህነትን ጸዋዕታ ጵጵስናን ብነጻ እግዚአብሔር ብጸጋኡ ዝዕድለና እምበር ክንገዝኦ ወይ ብግበረለይ ክግብረልካ ዝርከብ ከምዘይኮነ ክንርድኦ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ንምግላጽ፡ በብደረጃኻ ካብ ተራ ክርስትያን ክሳብ ዝለዓለ መፈሳዊ ሥልጣን ቤተክርስትያን ክትዕቅቦ ዘሎካ ክቡር ውህበት ኣሎካ። እዚ ካብ ካልኦት ዝበለጽካ ኰይንካ ወይውን ብጻዕርኻ ከምዘይኮነ ፈሊጥካ ከምቲ ናይ ዕለቱ ንባባትን መዝሙር ዳዊትን ዝገልጾ 1ሳሙ 16 ሕርየት ዳዊት ከምኡ መዝ 88/9 ንዳዊት ባርያይ ረኺበዮ ብቅዱስ ዘይተይ ቀቢኤዮ ዝብል ይምህረና ኢሎም።
ኣብ ናይ ትማሊ ኣስተንትኖ ሳኦል ከመይ ኢሉ ነቲ ዝተዋቦ ጸጋ ከምዘጥፈኤን ዝገለጸ ቀዳማይ ንባብ ኣብ ናይ ሎሚ ከኣ ሳሙኤል ንዳዊት ክቀብእ ናብ እንዳ እሰይ ናብ ቤተልሔም ከምዝኸደ ኣብኡ ንሸውዓተ ደቂ እሰይ በብሓደ ብቊመናኦምን ብመልክዖምን እናወዳደረ እዚዶ ይኸውን እዚ እናበለ እግዚአብሔር ነቲ ማንም ዘይዘኮሮ ኣብ ጒስነት ኣባጊዕ ዝነበረ ዳዊት ሓርዩ ከምዝቀብኤ ዘዘንቱ ነበረ። እታ ዓባይ ትምህርቲ ከኣ ሰብ መልክዕ እንክምልከት እግዚኣአብሔር ግን ልቢ ከምዝርኢ እዩ።
ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ እስራኤል ምልስ ይብሉ እሞ እዞም በብተራ ዝቀርቡ ዝነበሩ ኣሕዋት ዳዊት ብጹሓት ኣጓብዝ ኰይኖም ምስ ፍልስጠኤማውያን ንመንግሥቲ እስራኤል ካብ ፍልስጠኤማውያን ንምክልኻል ዝዋግኡ ዝነበሩ ሓርበኛታት ብሰብኣዊ ኣመለኻኽታ ብሓቂ ሽመት ዝግብኦም ምልኩዓትን ጒልቡታትን ነበሩ። እግዚአብሔር ግን ንሓደ ማንም ቈልዓ ምናልባት ኣባጊዑ ክጓሲ እንከሎ ብማዕዶ ነቲ ውግእ ይዕዘብ ነሩ ይኸውን። ከምቲ ጽሑፍ ዝትርኾኸስ ሳሙኤል ንዳዊት ብትእዛዝ እግዚኣአብሔር ምስ ቀብኦ ‘ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ` ይብል።
ትዕድልቲ ሕርየት እግዚአብሔር!
ቅዱስነቶም ናብ ሕርየት ዳዊት ምልስ ይብሉ እሞ! ከመይ ገቢሩ እዩ እግዚአብሔር ንሓደ ጭልጋዕ ቈልዓ መን ይፈልጥ ከምቶም መሳቱኡ ነገር ቈልዓ እውን ኣይሰኣኖን ይኸውን። ከም ኣተሓሳስባና እውን ሓደ እግዚአብሔር ዝመርጾ ዝልእኾ ጸሎት ዘዘውትር ናይ ምሕረት ሥራሕ ዝገብር ከምኡ ሊቅነትን ገለ ትምህርትን ዘለዎ ወዘተ። ካብዚ ኩሉ ግን ዳዊት ዋላ ሓንቲ ኣይነበሮን። እግዚአብሔር ግን ይመርጾ። እዚኸስ ትዕድልቲ ሕርየት እግዚአብሔር ይበሃል።
ምዕቃብ ትዕድልቲ!
እሞኸ ደኣ ቅብኣት መንፈስ ቅዱስ ብነጻ ዝዕደል ካብ ኮነ ንሕናኸ እንታይ ንግበር! ዝብል ሕቶ ክመጽእ ግድን ስለዝኾነ ‘ከምቲ ዝዓደለና ቅዱስ ዝኾኑ ቅዱሳን ምዃን እያ እታ እንኮ ዕዮ ገዛና። ቅድስና ክርስትና ከኣ ነታ ዝተዋህበትካ ጸጋ ምዕቃብ ምሕላው ነዚ ጐይታ ዝገበረልና ኣንጸባሪቅና ምኽኣል። ኣይ ብሓይለይን ብጸጋ እግዚኣአብሔር ኢልካ ምኽኣል’ ኢሎም።
ንሕዝበ እግዚኣብሔር ምርሳዕ ንህያብ እግዚአብሔር ምኽሓድ እዩ።
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ናብ ጓሶትን መጓሰኦምን ምልስ ይብሉ እሞ ከምቲ ዳዊት ንመጓሰኡ ማለት ንህዝቡ ብተኣማንነት ዝሓለወ ጓሶት ነፍሳት እውን ከምኡ ንሕዝቦም ክጓስዩ ንሕዝቦም እንተረሲዖም ክሕደት ጸጋ እግዚአብሔር ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።