ናይ መን ኢና᎒ ናይ ክርስቶስዶ ናይ ዓለም᎒ ኣምላኽ በታ ዝፈረድናያ ክፈርደና እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማር 4.21 ዝተወስደ ኰይኑ ብዛዕባ ምሳሌ መብራህትን ብርሃንን ተሪኹ ‘በቲ እትሰፍሩሉ መስፈር ኪስፈረልኩም ኪውሰኸልኩም እውን እዩ ከመይሲ ነቲ ዘለዎ ኪህብዎ ነቲ ዘይብሉ ግን ነቲ ዘለዎ እኳ ኬሕድጕኦ እዮም’ ዝብል ይርከቦ። ቅዱስነቶም ነዛ ጥቅሲ እዚኣ መበገሲ ብምግባር እዮም እንታይ ዓይነት መስፈሪ ክንጥቀም ከምዘሎና ንምግላጽ ክርስትያናዊ መስፈሪ ኪኸውን ሓደራ ኢሎም።
ክርስትያናዊ መስፈሪ!
ብዝሰፈርኩምዎ መስፈር ኪስፈልኩም እዩ እትብል ቃል ንሕና ክርስትያን ኩልና ኣብ መወዳእታ ጸብጻብ ሕይወትና ክንቀርብ ስለዝኾና እዛ ሓረግ እዚኣ ነታ ሰዓት እቲኣን ነቲ ግዜ እቲኣን እያ እተመልክት ማለት ናይ መወዳእታ ፍርዲ። ነዚ ከኣ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 25 እቲ ፍርዲ ከመይ ከምዝኸውንን ካብ ሕጂ ጀሚርና ክንገብሮም ዘሎና ጉዳያት ይገልጸልና። ጽባሕ ምእንቲ ከይሓፍርን ነታ ዘላትና ከየግድፈናን ካብ ሎሚ ጀሚርና ቅዲ ሕይወትናን መነባብሮናን ክርስትያናዊ ንግበሮ ከመይ በዛ ሎሚ እንሰፍራን እንገብራን ኢና ጽባሕ ክስፈረልናን ክንፍርድን ዝኾና።
እግዚአብሔር ምእንታና ክብል ኢምንት ዝኾነ እዩ ኣብነትና!
ነፍሲወከፍና ንገዛእ ርእስናስ ይኹን ንካልኦትን ንነገራትን እንሰፍረሉ መስፈር ኣሎና። ጐይታ ኸኣ ክፈርደና እንከሎ ነዛ መስፈር እዚኣ ክጥቀም እዩ። ስለዚ ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ቅዲ ሕይወትን ናብራን እናነበርና በዚ መስፈር እዚ ንሰፍር እንተዀና ብዘይምሕረት ንካልኦት ንፈርድ እንተኾና ሥልጣን ክንረክብ ክንብል ንካልኦት ንጸቅጥን ንጭቚንን ኣንተኾና ጽባሕ ትጸንሓና ከኣ ንሳ እያ።
ዓለማውያንን ሓጢኣተኛታትን ኣውፈርቲ ርእሰማልንዶ ወይስ ክርስትያን!
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ቅዲ ሕይወትን መነባብሮን ክርስቶስ ዘይክተል ወይ ናይ ዓለም ኰይኑ ዕሚም ክብል ዝነብር ከም ንገሊኦም ጳጳሳት ንካህናት ክልውጡ እንከለው ዘጋጥሞም ከም መቅጻዕቲ ዝወስድዎ ከጋጥም ይኽእል።