መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ናይ መን ኢና᎒ ናይ ክርስቶስዶ ናይ ዓለም᎒ ኣምላኽ በታ ዝፈረድናያ ክፈርደና እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 30 ጥሪ 2020 ዓም ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ቅዲ ሕይወትናን መነባብሮናን ምናዳ ንካልኦት ክንመስል ሒዅ ኣብ እንብለሉ ናይ ክርስትያን ይኹን። ለጋሳት ፍቅሪ ዝመልኦምን ንኹን ውርደት ክንፈርሆ የብልናን ከመይ ኣብ መወዳእታ ሕይወትና በቲ ንካልኦት እንፈርዶ ፍርዲ ክንፍረድ ኢና’ ክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን  

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማር 4.21 ዝተወስደ ኰይኑ ብዛዕባ ምሳሌ መብራህትን ብርሃንን ተሪኹ ‘በቲ እትሰፍሩሉ መስፈር ኪስፈረልኩም ኪውሰኸልኩም እውን እዩ ከመይሲ ነቲ ዘለዎ ኪህብዎ ነቲ ዘይብሉ ግን ነቲ ዘለዎ እኳ ኬሕድጕኦ እዮም’ ዝብል ይርከቦ። ቅዱስነቶም ነዛ ጥቅሲ እዚኣ መበገሲ ብምግባር እዮም እንታይ ዓይነት መስፈሪ ክንጥቀም ከምዘሎና ንምግላጽ ክርስትያናዊ መስፈሪ ኪኸውን ሓደራ ኢሎም።

ክርስትያናዊ መስፈሪ!

ብዝሰፈርኩምዎ መስፈር ኪስፈልኩም እዩ እትብል ቃል ንሕና ክርስትያን ኩልና ኣብ መወዳእታ ጸብጻብ ሕይወትና ክንቀርብ ስለዝኾና እዛ ሓረግ እዚኣ ነታ ሰዓት እቲኣን ነቲ ግዜ እቲኣን እያ እተመልክት ማለት ናይ መወዳእታ ፍርዲ። ነዚ ከኣ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 25 እቲ ፍርዲ ከመይ ከምዝኸውንን ካብ ሕጂ ጀሚርና ክንገብሮም ዘሎና ጉዳያት ይገልጸልና። ጽባሕ ምእንቲ ከይሓፍርን ነታ ዘላትና ከየግድፈናን ካብ ሎሚ ጀሚርና ቅዲ ሕይወትናን መነባብሮናን ክርስትያናዊ ንግበሮ ከመይ በዛ ሎሚ እንሰፍራን እንገብራን ኢና ጽባሕ ክስፈረልናን ክንፍርድን ዝኾና።

“ጐይታ ኣብቲ ዕለት እቲ ንካልኦት በየናይ መስፈር ሰፊርካሎም! ንገዛእ ርእስኻኸ ኣየናይ መስፈር ትጥቀም ነርካ! እታ ዝተጠቀምካላ መስፈር ልግሲ ነርዋዶ ፍቅሪኸ ኣኽል ታርፍዶ ነርዋ! ወይ ገለ ዝጐደሎ ነሩ! ክብለና እዩ። ከመይ በታ መስፈር እምበር ብካልእ ኣይኮናን እንፍረድ! በታ ሎሚ እንገብራ ኢና እንፍረድ። ክመዝን እንከሎኹ ኣልዕልዶ ኣቢለ ነረ ኣትሕት! ካብ ሕጂ ነዚ ነስተንትን። ነዚ ነገራት እዚ ኣብቲ ጽቡቕ እንገብሮ ጥራይ ኣይኮነን ክንጸባጽቦ ኣብቲ እንፍጽሞ ሕማቅ ነገራትን እንነብሮ ቅዲ ሕይወትን መነባብሮን ከይትረፈ ክጽብጸብ እዩ። መሪሕ ቅዲ ሕይወትናን መነባብሮናን ክኸውን ዘለዎ እቲ ንገዛእ ርእሱ ምእንታና ክብል ከም ኢምንት ዝገበረ ቅዲ ሕይወት ጐይታ እዩ።”

እግዚአብሔር ምእንታና ክብል ኢምንት ዝኾነ እዩ ኣብነትና!

ነፍሲወከፍና ንገዛእ ርእስናስ ይኹን ንካልኦትን ንነገራትን እንሰፍረሉ መስፈር ኣሎና። ጐይታ ኸኣ ክፈርደና እንከሎ ነዛ መስፈር እዚኣ ክጥቀም እዩ። ስለዚ ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ቅዲ ሕይወትን ናብራን እናነበርና በዚ መስፈር እዚ ንሰፍር እንተዀና ብዘይምሕረት ንካልኦት ንፈርድ እንተኾና ሥልጣን ክንረክብ ክንብል ንካልኦት ንጸቅጥን ንጭቚንን ኣንተኾና ጽባሕ ትጸንሓና ከኣ ንሳ እያ።

“ከም ክርስትያን ክሓትት ከሎኹ ኣየነይቲ ኮን ትኸውን እታ እምኒ ኲርናዕ ኰይና ንኩሉ ብኣኣ ዝመዝነላ እታ ኢየሱስ ዝደልያዶ ኾን ትኸውን! እብል። ትሕት ኢለ ትሕትና ተላቢሰ ክመላለስ እኽእልዶ! ካልኦት ከዋርዱኒ ብትሕትናዶ እቅበሎ። ኣብ ሕይወት ንዘጋጥሙ ውርድታት ብትሕትና ዘይቅበል ክርስትያን ገለ ዝጐደሎ ነገር ኣለዎ። እዚ ወይ ልቅሉቅ መቃብር ወይውን ንጥቅሙ ጥራይ ዘቀድም ክርስትያን እዩ። ምናልባት ሓደ ካባኹም እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ኣባቴ ክብለኒ ይኽእል። ኣነኸኣ ኢየሱስ ምእታኻ ክብል ኢምንት ኰይኑ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ‘ክሳብ ሞት ንታሕቲ ወረደ ሞት ብሞቱ ከኣ ኣብ ልዕሊ መስቀል ተሰቂሉ ሞተ’ እዚ ኩሉ ከኣ ምእንታና እዩ እብሎ። ንሱ ኣምላኽ ነበረ ግን ኣነ ኣምላኽ እየ ቦታይ ኣይለቅቅን ኣይበለን ብትሕትና ንገዛእ ርእሱ ከም ኢምንት ገበረ። ክንክተሎ ዘሎ ኣብነትከስ እዚ እዩ።”

ዓለማውያንን ሓጢኣተኛታትን ኣውፈርቲ ርእሰማልንዶ ወይስ ክርስትያን!

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ቅዲ ሕይወትን መነባብሮን ክርስቶስ ዘይክተል ወይ ናይ ዓለም ኰይኑ ዕሚም ክብል ዝነብር ከም ንገሊኦም ጳጳሳት ንካህናት ክልውጡ እንከለው ዘጋጥሞም ከም መቅጻዕቲ ዝወስድዎ ከጋጥም ይኽእል።

“በታ ዝሰፈርኩምላ መስፈር ኪስፈረልኩም እዩ እትብል ቃልከስ ንቃል ንቃላ እያ። ክርስትያናዊ መስፈር እንተዀይኑ እሞ ከኣ ንክርስቶስ ኣብ ሕይወቱ ዝኽተል እንተዀይኑ ብምግባረ ሠናይን ፍቅርን ምሕረትን ዝሰፍር እንተዀይኑ ከምኣ ክትስፈረሉ እያ። እታ መስፈር ብእምነት ክርስትና ተሸፊና ዓለማዊ ነገራት እንተለዋ ማለት ቅዳሴ እኸይድ ትብል ኰይኑ ከም ሓደ ኣረሜን ትነብር እንተዀንካ ከምኣ ክተጋጥመካ እያ። ንጐይታኸስ ከም ክርስትያን እንነብረሉ ጸጋ ክዕድለና ልዕሊ ኩሉ ንመስቀልን ንውርደትን ከይንፈርህ ከመይ ንከድሕነና ዝመረጻ መንገዲ ንሳ ስለዝኾነት ማለት መንገዲ ትሕትናን መስቀልን ስለዝኾነት ውሕስነትና እዚኣ እያ። መስቀልና ጸርና ንዝመጸና ውርደት ብትሕትና ክንቅበል ንክንክእል ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
30 January 2020, 18:10
ንኩሉ ኣንብብ >