ድለ

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ 

ቅንኢ ውግእ የምጽእ ከም ሓቁ ግን ከም ዓፍራ ዝጭበጥ የብሉን! ር.ሊ.ጳ

ሎሚ ዕለት 24 ጥሪ 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ `ካብ ዘርኢ ቅንኣት ክንሕሎ ኣሎና ከመይ ብዛዕባ ካልኦት ሕማቅ ፍርዲ ክንህብን ክነጒረምርምን ይደፋፍኣና ኣሞ ኣብ ዘይጠቅም ውድድር ኣቲና ኣብታ ንካልኦት ከም ምቅታል ትሕሰብ ሕሜታ ኣቲና ሰላም ስኢና ሰላም ንኸልእ። ጐይታ ከምቲ ዳዊት ንሳኦል ከይቀትል ዝተረድኦ ክንርዳእ ጸጋኡ ይዓድለና’ ክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ 1ሳሙ 24 ኰይኑ ዳዊት ንጎልያድ ምስ ቀተለ ኣንስቲ ‘ዳዊት ቀታል 10 ሺሕ ሳኦል ቀታል ሺሕ’ ኢለን ክደርፋ ንሳኦ ዝተታሓሓዞ ቅንኢ ዝዓብለሎ ምሕሳድ ክሳብ ንዳዊት ክቀትል ይደፋፍኦ እሞ ዳዊት ሕይወቱ ከድሕን ንበረኻ ምስ ሃደመ ኣርኪቡ ክቀትሎ ክብል ኣብቲ ዳዊት ምስ ሰቡ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ባዕቲ በይኑ ይኣቱ። ብጾት ዳዊት ሃየ ሎሚ ረኸብካ ሰኣንካ እነሆ እግዚአብሔር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ ምስ በልዎ ‘ኣብ ቅቡእ እግዚአብሔር ኢደይ ኣይሰድድን` ኢሉ ንምልክት ዝኾኖ ነገራት ሒዙ ኣብ ማዕዶ ኮይኑ ከምዝመሓሮ ይገልጸሉ። ሽሕ`ኳ ሳኦል ተጣዒሱ እንተኣቀባጠረ ገና እቲ ቅንእን ሕስድናን ስለዘይገደፎ ቀጸሎ ደኣ። ካልእ ግዜ እውን ከምኡ ዓይነት ኣብ ለይቲ ይገጥሞ ኰይኑ ግን ጨሪሱ ስለ ብጽልእን ቅርሕንትን ስለዝሰኸረ ክሳብ ሞቱ ብኸምኡ ከምዝቀጸለ ዝትርክ ክፍሊ ነበረ።እዚ ዘርኢ ጽልእን ቅርሕንትን ኢሎም ዝገለጽዎ ቅንኣት እዚ ሓደገኛ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ካብዚ ክንሕሎ ተማሕጺኖም። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ኩሉ ውግእ ቅትለት በዚ እዩ ዝጅምር። ንሓውኻ ትጸልኦ ሽሙ ተኽፍእ ትሓምዮ ዳርጋ ዘይትፍንቅሎ እምኒ የለን ክበሃል ይከኣል ሃሰስ እንተበልካ ግን ምንም ዘይብሉ ባዶሽ ዓፍራ ሒዝካ ጽልኢ ሒዝካ ትተርፍ። ኣብነት ናይዚ ከኣ እዚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቅንኢ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ዳዊት እዩ። ቅንኢ ኩሉ ግዜ ቀታሊ እዩ ወትሩ ክቀትል ምስ ተቃጸወ እዩ።

ጽልእን ቅርሕንትን ቅንእን ቀተልቲ እዮም!

ቅዱስነቶም ኣብቲ ታሪኽ ምልስ ይብሉ እሞ መበገሲት እታ ደርፊ ኰይና ዘርኢ ቅንኢ ተእቱ እዛ ዘርኢ እዚኣ ከኣ ኣብ ውሽጡ ኰይና ትህውጾ ንዳዊት ክቀትል ከኣ ምስ ስወራዊቱ ይብከስ። ከመይ ቅንኢ ኩሉ ግዜ ክቀትል እዩ ዝደሊ። ኩሉ ግዜ ከኣ ከምዚ ናይ ሳኦል ከም ንእሽቶይ ዘርኢ ይጅምር እሞ ኣብ ውሽጥኻ ኰይኑ ይህውጽ የቃጽል ይደፋፍእ ቅተሎ ኣጥፍኣዮ ዝብል ፈተና ይስዕርር። ምናልባት ቀናኣት እዮም ግን ቀተልቲ ኣይኮኑን ክንብል ንኽእል ኰይኑ ግን ሽሕ’ኳ ብግብሪ እንተዘይቀተልና ብመልሓስና ብሕሜታ ስም ብምጽላም ብቀሊሉ ንቀትል ኢሎም። እቲ ዘገርም ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም ቀናእ ሰብ ነቲ ኩነት ኣይርእዮን እንታይ ከምዘሎ ኣይስቈሮን ምስ ገዛእ ርእሱ እዩ ዕሚም ክብል ዝነብር እንታይ ኰንካ ኢልካዮ እውን ብቁዕ መልሲ ኣይህብን።

ቀናእ ሰብ ነቲ ኩነት ኣይርእን! ምስ ገዛእ ርእሱ ጥራይ የዕዘዝም!

ብዙሕ ዓይነት ቅንኢ ኣሎ እታ ዝሓሰመት ግን በይንኻ ምስ ገዛእ ርእስኻ ብምዕዝምዛም ዝጅምር። ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ነገራት ፍጻሜታት ኣይትርእዮን። ካብዚ ምስ ገዛእ ርእስኻ ተዕዘምዝሞ ነገር ኣበራቢሩ ነቲ ኩነት ከርእየካ ዝኽእል ገለ ዘይተሓስበ ሃንደበታዊ ነገር ጥራይ እዩ። እንተዘየሎ ከምቲ ናይ ሳኦል ነቲ ፈታዊኻ ከም ጸላኢኻ ከም ቀታሊኻ ገሚትካ ከይቀደመኒ ክቅድሞ ትብል። ሳኦል ክሳብ ክንድዚ እዩ ሰኺሩ ወይ ዓዊሩ ነቲ ክንደይ ግዜ ዘድሓኖን ዝመሓሮን ዳዊት `ከም ቀታሊ’ ፈሪጁ ከይቀደመኒ ክቅድሞ ዝዓይነቱ ስጉምቲ ወሲዱ ኣብ ሃድን ዳዊት ወፊሩ።

“ንሕና እውን ቅንእን ሕስድናን ክመጸና እንከሎ ከምኡ ኢና ንገብር። ኣይኮነንድዩ ነፍሲወከፍና እስኪ ብዛዕባ ብጻይና `እዚ ሰብ እዚ ጨሪሽካ ክትጻወሮ ዘይከኣል እዩ! ነዚ ሰብ እዚ ክርእዮ እውን ኣይደልን እየ’ ወዘተ ንእንብሎ ንዘክር። ስለምንታይ ኢልና እስከ ንሕሰብ። ብዙሕ ግዜ እቲ ምኽንያት ካብ ሓሳብና ካብ ፍርህና ዝነቀለ ምዃኑ ንግንዘብ። እዚ ሓሳባትዚ እዚ ከኣ በይንና ኰና እንክነዕዘምዝም እናዓበየ ይኸይድ። ካብዚ ዘበራብር ሓደ ክብድ ዝበለ ነገር እንክርከብ ጸጋ እዩ።”

ከምቲ ንሳውል ዘጋጠሞ ሰንቢዱ ካብቲ ሓሳቡ ምስ ተበራበረ ኩሉ ከም ዓፍራ ይበንን። ከመይ ቅንእን ሽርሕን ጒርሕን ሕስድናን ትሕዝቶ የብሎምን። ኩሉ ካብ ባዶ ተላዒሉ ኣብ መወዳእታ ጥራሕ ኢድካ ትተርፍ። እግዚኣአብሔር ግን ደጋጊሙ ከበራብረና ይፍትን። ንሳውል እታ ዓፍራ ቅንኢ ምዃና የብርሃሉ።

እግዚኣአብሔር ንሳኦል ብነቢይ ሳሙኤል ገሩ ስለዘይተኣዘዘ ንግሥነቱ ከምዝቀንጠጦ ነጊርዎ ኰይኑ ግን የፍቅሮ ነሩ ስለዝኾነ ከኣ ብዳዊት ገሩ ዝገብሮ ዘሎ ጌጋ ምዃኑ ደጋጊሙ ገሊጽሉ። ክልተ ሠለስተ ግዜ ካብቲ ናይ ቅንኢ ዑረት እናክበራበር በዲለ ኢሉ ክበክን ንዳዊት ከምዘፍቅሮን ምንም ሕማቅ ነገር ከምዘይገብሮን ይገልጽ ነበረ። ኣብዛ ናይ ሎሚ ክፍሊ ቃል ኣምላኽ እንተተመልከትና ሳኦል ከይተረድኦ ኣብቲ ዳዊት ምስ ብጾቱ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ባዕቲ ደገ ክወጽእ ምስ ተቀመጠ ዳዊት ተጻይ ምኽሪ ብጾቱ ካብ ክዳኑ ቈሪጹ ንምልክት ደኣ ሓዘ እምበር ኣብ ቅቡእ እግዚኣአብሔር ኢደይ ኣይዝርግሕን በል። ክንደይ ዚዓቢ ልቦና እዩ እዚ። መግለጺ ፍቅሪ እግዚአብሔር እውን እዩ።

ዘተ ዳዊትን ሳኦልን!

ሳኦል ምስ ከደ ዳዊት ካብቲ ባዕቲ ወጺኡ ሽሕ’ኳ ሳኦል ክቀትሎ ይደሊ እንተነበረ ኦ ንጉሥ ጐይታይ ስለምንታይ ኢኻ ምኽሪ ናይቶም ዳዊት ሕማቅካ ይምነ ዝብሉ ትሰምዕ ኢሉ ክቀትሎ ይኽእል ከምዝነበረ ነታ ቊራጽ ጨርቂ የርእዮ። ኣብዚ ሁመት እዚ እቲ ኩሉ ዓፍራ ኰይኑ ኣብ ልቡ ዘዕገርግሮ ዝነበሮ ቅንኢ ብንን ኢሉ ይጠፍእ እሞ ሳኦል ክናሳሕ ይጅምር ዳዊት ክምሕሮን ንዘርኡ ምንም ከይገብርን የምሕሎ። ካብዚ ከምዚ ዝበለ ዘርኢ ክርዳድከስ ልብና ንሓሉ ኢሎም።

ልብና ካብ ዘርኢ ቅንኢ ንሓሉ!

ሓደ ልቡ ብዘርኢ ቅንኢ ዝከሓነ ከምዚ ናይ ሳኦል ኣበራቢሩ ነቲ ዓፍራ ከምዝበንን ገሩ ኣብ ክውንነት ዝመልሶ ካብቲ ባህኒንዎ ዘሎ ዘንቅሖ ምርካብ ጸጋ እግዚኣአብሔር እዩ። ድሕሪ ቢሎም ናብ ሕልናና ምልስ ኢልና ንጸልኦ ሰብ ዝኸብደና ሰብ እንጸልኦ ሰብ ከጓንፈና እንከሎ ኣብ ልብና ምልስ ኢልና እንታይ እዩ ኣብ ልበይ ዘሎ ቅንኢ ቊጥዓ ወይስ ካልእ ኢልና ነስተንትን። ሓደራ ንዘርኢ ቅንኢ ኣብ ልብና ቦታ ኣይንሃቦ ልብና ንከላኸል ምናዳ ካብ ሕሜታ ንርሓቅ ኢሎም።

“ኩልና ንጠንቀቅ ከመይ እዚ ዘርኢ እዚ ኣብ ኩልና ኪኣቱ ዚከኣሎ እዩ ሽዑ ንካልኦት ብሕማቅ ከምእንፈርድ ይገብረና እዚ ከኣ ካብ ውሽጥና ዝብገስ እምበር ብደገ ዝመጽእ ኣይኮነን። ሕስድና እውን ከምኡ ንሱ እዚ ኣለዎ ኣነ ግን የብለይን ክብል ይጅምር። ውድድር ይውለድ። ንሰባት ክንዝንጥል ንጅምር ናብ ውግእ ነምርሕ ካብ ውግእ ገዛ ናይ ከባቢ ሥራሕ ይሰጋገር ብኡ ኣቢሉ ይዓቡ። እታ ፈላሚት ቊልዒ ናይዚ ኩሉ ውግእ ግን እታ ኣብ ልብና ዝተዘርአት ዘርኢ ቅንእን ዘርኢ ሕስድናን እያ። ነዚኣ ፈውሳ ንጽሕን ፈቃርን ልቢ እዩ።”

ጸጋ ንጹሕን ፈቃርን ልቢ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ከምቲ ደጋጊሞም ዝበልዎ ንጠንቀቅ ይብሉ `ምናዳ ምስ ሓደ ሰብ ቀጨውጨው ክብለና ክጅምር እንከሎ ዝግ ኢልና ስለምንታይ እዩ ከምዚ ዝስመዓኒ ንበል እምበር ናብታ ኣብ ላዕሊ ዝበልናያ ምስ ገዛእ ርእስኻ ምዕዝምዛም እንተጀሚርካ እዚ ዝገበረኒ እዚ ዝፈጠረኒ እናበልካ ባዕልኻ መበገሲ ነገር ባዕላኻ ዛዛሚ ባዕልኻ ዳኛ ኰንካ ዝግበር ህውተታ ብከንቱ ከም እንዓፍር ይገብረና እሞ ብዘይተጨበጠ ነገር ኲሪፍ ንብል’ ኢሎም።

“ከምቲ ናይ ዳዊት ንጹሕ ልቢ ንክህልወና ጸጋኡ ክህንበና ንጐይታ ንለምኖ። ከምዚ ዓይነት ንጹሕ ልቢ ፍትሕን ሰላምን ጥራይ እዩ ዝደሊ። ፈቃር ልቢ እዩ ንማንም ክቀትል ኣይደልን ከመይ ቅንእን ሕስድናን ወትሩ ምስ ቀተሉ እዮም ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
24 January 2020, 15:58
ንኩሉ ኣንብብ >