መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ማርታ  (Vatican Media)

ፍቃድ እግዚአብሔር ምፍጻም ሓራ ይገብረና! ር.ሊ.ጳ

ዕለት 20 ጥሪ 2020 ኣብ ቤተጸሎት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ሳኦልን ዘይተኣዛዝነቱን ዝምልከት ቃል ኣምላኽ ኣብ ዘቅረብዎ ኣስተንትኖ ‘ንኣምልኾ ጣዖት ዘሸንፎ ኣብ ቃል ኣምላኽ ምትእምማን እዩ፡ ትዕቢት ግን ኣብ ገዛእ ርእስና ከም እንተኣማመን ይገብረና። እዚ ከኣ መኽፈት በሪ ኣምልኾ ጣዖት እዩ። ሕያዋያ ክርስትያን ምዃን ማለት ነቲ ጐይታ ብዛዕባ ፍትሕን ፍቅርን ምሕረትን ርሕራሔን ዝብሎ ጽን ኢልካ ምስማዕን ምእዛዙን እዩ’ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ 1ይ ሳሙኤል 15:16-23 ኮይኑ ‘ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦል፡ እግዚኣብሔር ሎሚ ለይቲ እተዛረበኒ ኽነግረካስ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረብ፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ፡ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ንእሽቶ ኸሎኻ፡ ንስኻ ሓለቓ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይኰንካን፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብኣካ። እግዚኣብሔር ከኣ፡ ኪድ፡ ነቶም ሓጥኣን፡ ንኣማሌቃውያን፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም፡ ክሳዕ ዚውድኡ ድማ ተዋግኣዮም፡ ኢሉ ንመገዲ ሰደደካ። ስለምንታይ ኢኻ ደሃይ እግዚኣብሄር ዘይሰማዕካ፧ ስለምንታይከ ናብቲ እተዘምተ ተወርዊርካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበርካ፧ በለ። ሳኦል ድማ ንሳሙኤል፡ ደሃይ እግዚኣብሄር ሰሚዔስ በታ እግዚኣብሔር ዝለአኸኒ መገዲ ኸይደ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ፡ ንኣማሌቃውያንውን ፈጺመ ኣጥፊኤዮም። ግናኸ እቲ ህዝቢ ኻብተን እተዘምታ ኣባጊዕን ኣሓን ካብቲ ሕሩም ዘዝጸበቐ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ጊልጋል ኪስውኣሉ ኢሉ ወሰደን፡ በሎ። ሳሙኤል ከኣ፡ ንእግዚኣብሔርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሔር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ፡ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ። ዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቍልና እዩ፡ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዐቐካ፡ በለ’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ነታ ፍቃድ እግዚአብሔር እትብል ንሳ ኸኣ ንቃል ኣምላኽ ምእዛዝ ምዃና ገሊጾም ንሕና እውን ንቃል እግዚኣአብሔር ሰሚዕና እንተዘይተኣዘዝና ዕጫና ካብ ዕጫ ሳኦል ከምዘይሓይሽ እዚ ቀስ ብቀስ ዝስዕርር ብልሽውና እምነት ምዃኑ ገሊጾም።

ስጒምታት ስዕረራ ብልሽውና!

ቅዱስነቶም ኣብዚ ነቲ እግዚኣአብሔር ባዕሉ ሓርዩ ብነብይ ሳሙኤል ዝቀብኦ ሳኦል ክሳብ ክንድዚ ንዕቀት ዘብጽሕ እንታይ ዓይነት ሓጢኣት ምስ ፈጸም እዩ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ ክመስሉ `ሓጢኣት ሳኦል ንቃል ኣምላኽ ዘይምእዛዙ እዩ። እቲ ዝገደደ ከኣ ንቃል ኣምላኽ ንኣኡ ከምዝጥዕሞ ገሩ ምትርጓሙ እዩ። እዚ ሓጢኣት እዚ ከኣ ተጻይ ተኣዝዞ እዩ። እግዚአብሔር ካብቲ ምርኮ ምንም ኣይትውሰድ ኢልዎ ነሩ። ኰይኑ ብኣንጻሩ ኮነ` ኢሎም።

“ሳሙኤል እንታይ ደኣ ወሪዱካ ንኣምላኽ ኣሕዚንካ ቢሉ ከዘኻኽሮ ምስ ደለየ ‘ዋእ ብዙሕ ጽቡቅ ነገር ነበረ ስቡሓት እንስሳታት ኣብዑር ወዘተ ካብዚ ከኣ ንጐይታ ዚሓርር መሥዋዕቲ ኣቅሪበሉ’ ብማለት ናቱ ዝኾነ ትርጓሜ ይህቦ። ሳኦል ሓንቲ ኣይወሰደን እቶም ካልኦት ግን ወሲዶም። ጌጋኡ ከምቲ ዝመስሎ ገሩ ንቃል ኣምላኽ ተርጒሙ ካልኦት ካብቲ ሕርሚ ዝኾነ ነገር ክወስዱ የፍቅድ። ቀዳማይ ስጒምቲ ምስዕራር ብልሽውናኸስ ብንእሽቶ እምቢተኝነት ትጅምር ኣብ ተኣዝዞ ብምጉዳል ትጅምር ኣሞ ቀስ ብቀስ ትዓቢ ትስዕርር።”

ኣብ ተኣዝዞ ምጒዳል!

እቲ ቀንዲ ጸገም ተጻይ እቲ ብንጹር ተሓቢርዎም ዝነበረ ንሕዝቢ ኣማለቅ ምስ ኣህለቁ ሕዝበ እስራኤል ክራስዩ ይጅምሩ ‘ግናኸ እቲ ህዝቢ ኻብተን እተዘምታ ኣባጊዕን ኣሓን ካብቲ ሕሩም ዘዝጸበቐ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ጊልጋል ኪስውኣሉ ኢሉ ወሰደን፡` ክብል ባዕሉ ሳኦል ይናሳሕ፣ ሳሙኤል ግን ካብ ሕሩድን ዚሓርር መሥዋዕትን ጐይታ ንድምጹ ምእዛዝ ከምዝመርጽ ደረጃታት ሓቂ ይነግሮ። መሃነንካ ዘጥፍእ ጾምን ጸሎትን መሥዋዕትን ካብ ምግባርከስ ንቃል ኣምላኽ ዝእዘዝ ልቢ ይምረጽ። እቲ ምጒዳል ተኣዝዞ ከኣ ነቲ ዝተባሃልካዮ ገዲፍካ ንኣምላኽ ያኢ ዝብሎ ከምዘይርድኦ ሓሲብካ ከምዚ ማለቱ እዩ ኢልካ ደስ ዝብለካ ትርጉም ምሃብ ተጻይ ፍቃድ ጐይታ ሰውራ ምልዓል እዩ። እዚ ከምቲ ብእግዚኣአብሔር እኣምን እየ እናበልካ ናብ ጠንቈልቲ ምኻድ እዩ።

“ኣብ ቅድሚ ፍቃድ ኣምላኽ ነግፈረግ ትብል እንተኾናካ ድሮ ኣምላኺ ጣዖት ኢኻ ከመይ ክንዲ ንፍቃድ እግዚአብሔር ትመርጽ ነቲ ንስኻ እትሓስቦ ናትካ ጣዖት ኢኻ ተቀድም ዘሎኻ። ንሳኦል እዚ ዘይምእዛዝ እዚ ዋጋ የኽፍሎ ‘ንቓል እግዚኣብሔር ስለ ዝነዐቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዐቐካ፡’ ይብሎ። እዚ ንዓና እውን ከተሓሳስበና ኣለዎ። ክሳብ ክንደይ ንፍቃድ እግዚኣአብሔር ንእዘዝ። ብዙሕ ግዜ ናትና ትርጓሜ ቃል ኣምላኽ ንፈጥር እሞ ሸተት ንብል። ኣብ ዘጠራጥር ጉዳይ ወይ መጐት ምስ ኣቶና ብዙሕ ግዜ ደፊርና እዚኣስ ፍቃድ ኣምላኽ ኣይኮነትን ክሳብ ምባል ንበጽሕ። ፍቃድ እግዚኣአብሔር ግን ወትሩ ንጹር እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ገሩ ኣብ ልባትና ኣነጺሩ ኣቀሚጥዎ ኣሎ። ንትእዛዛቱ ኣብ ልብና ወሪቅዎ እዩ። ስለዚ ክንጠራጠር ምስ ጀመርናን ንቃል ኣምላኽ ከም ሥነ ሓሳብ ደቂሰባት ገርና ኣብ ምጥርጣር ክንወድቅ እንከሎናን እዚ ኣምልኾ ጣዖት ክሕደት እዩ እሞ ንቃል ኣምላኽ ንተኣዘዝ። እግዚአብሔር ኣነጺሩ ምሕረት እምበር መሥዋዕቲ ኣየድልየንን እዩ ይብለና ኣሎ ኢሎም።”

ምሕረት እምበር መሥዋዕቲ ኣየድልየንን እዩ።

ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማር.2.18 ሓዋርያት ከምዘይጾሙ ዘስተውዓሉ  ዋእ ካልኦት እናጾሙስ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ኣረጊት ክዳን እንተተቀዲዱ ሓዲስ ልጋብ ኣይትገብረሉን ንሓዲስ ወይኒ እውን ኣብ ኣረጊት ሓርቢ ኣይትገብሮን ከመይ ኩሉ ዝገደደ ሳዕቤን ስለዘለዎ ስለዚ ሓዲስ ወይኒ ኣብ ሓዲስ ሓርቢ ይብሎም ኣርድእቱ ዝጾሙሉ ግዜ ከምዝመጽእ ብዝኾነ ግን ምሕረት እምበር መሥዋዕቲ ከምዘይደሊ ዝገልጽ ነበረ።

“ሕዳሴ ቃል ኣምላኽ እዚ እዩ ከመይ ቃል ኣምላኽ ወትሩ ምስ ሓደሰ እዩ ንቅድሚት እዩ ዘገስግስ ወትሩ ካብ ካልኦት ብዝበለጸ ይዕወት። ኣብ ልዕሊ ኣምልኾ ጣዖት ይዕወት ኣብ ልዕሊ ትዕቢት ይዕወት ኣብቲ ንቃል ኣምላኽ ገዲፍና ብናይ ገዛእ ርእስና ብሥነ ሓሳብ ዓለም ክንምራሕ ንቃለሰሉ ውሕስነትናን ትዕቢትና ይዕወት። እታ ካብ ኦሪት ኢየሱስ ዝጠቅሳ ‘ምሕረት እምበር መሥዋዕቲ ኣይደልን` ትብል ንኩሉ ትገልጾ። እዚኦ ከኣ ኣብ እግዚኣአብሔ ምሉእ ምትእምማን ንክህልወና ትዕድም ኢሎም።”

ምሉእ ምትእምማን ኣብ እግዚአብሔር!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ሕያዋይ ክርስትያን ንፉእ ክርስትያን ንምዃን ቀንዲ ዘድሊ ንቃል እግዚአብሔር ተኣዛዚ ምዃን ኰይኑ እዚ ከኣ እግዚአብሔር ብዛዕባ ፍትሒ ብዛዕባ ምግባረ ሠናይ ወይውን ፍቅሪ ብዛዕባ ምሕረትን ርህራሔን እንታይ ከምዝብል ጽን ኢልካ ምኽኣል እምበር ንሥልጣንን ካልእ ጥቅምን ክትብል ብሥነ ሓሳብ ዓለም ተዋሒጥካ ትብሎን ካልእ ትገብሮን ካልእ ከይከውን ምዃኑ ሓቢሮም። ርግጽ እዩ እዚ ቀሊል ኣይኮነን መሥዋዕትነት ይሓትት እዚ ግን ጥዑም እዩ እቲ ዝገደደ ሠይጣን ኣታሊሉካ ኣብ መከራ ምእታው እዩ። ክርስትያን ምዃንከስ ሓራ ምዃን እዩ እዚ ከኣ ኣብ እግዚኣአብሔር ምሉእ ምትእምማን ብምግባር ይርከብ ኢሎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
20 January 2020, 18:20
ንኩሉ ኣንብብ >