ፍቃድ እግዚአብሔር ምፍጻም ሓራ ይገብረና! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ 1ይ ሳሙኤል 15:16-23 ኮይኑ ‘ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦል፡ እግዚኣብሔር ሎሚ ለይቲ እተዛረበኒ ኽነግረካስ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረብ፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ፡ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ንእሽቶ ኸሎኻ፡ ንስኻ ሓለቓ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይኰንካን፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብኣካ። እግዚኣብሔር ከኣ፡ ኪድ፡ ነቶም ሓጥኣን፡ ንኣማሌቃውያን፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም፡ ክሳዕ ዚውድኡ ድማ ተዋግኣዮም፡ ኢሉ ንመገዲ ሰደደካ። ስለምንታይ ኢኻ ደሃይ እግዚኣብሄር ዘይሰማዕካ፧ ስለምንታይከ ናብቲ እተዘምተ ተወርዊርካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበርካ፧ በለ። ሳኦል ድማ ንሳሙኤል፡ ደሃይ እግዚኣብሄር ሰሚዔስ በታ እግዚኣብሔር ዝለአኸኒ መገዲ ኸይደ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ፡ ንኣማሌቃውያንውን ፈጺመ ኣጥፊኤዮም። ግናኸ እቲ ህዝቢ ኻብተን እተዘምታ ኣባጊዕን ኣሓን ካብቲ ሕሩም ዘዝጸበቐ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ጊልጋል ኪስውኣሉ ኢሉ ወሰደን፡ በሎ። ሳሙኤል ከኣ፡ ንእግዚኣብሔርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሔር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ፡ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ። ዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቍልና እዩ፡ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዐቐካ፡ በለ’ ዝብል ነበረ።
ቅዱስነቶም ነታ ፍቃድ እግዚአብሔር እትብል ንሳ ኸኣ ንቃል ኣምላኽ ምእዛዝ ምዃና ገሊጾም ንሕና እውን ንቃል እግዚኣአብሔር ሰሚዕና እንተዘይተኣዘዝና ዕጫና ካብ ዕጫ ሳኦል ከምዘይሓይሽ እዚ ቀስ ብቀስ ዝስዕርር ብልሽውና እምነት ምዃኑ ገሊጾም።
ስጒምታት ስዕረራ ብልሽውና!
ቅዱስነቶም ኣብዚ ነቲ እግዚኣአብሔር ባዕሉ ሓርዩ ብነብይ ሳሙኤል ዝቀብኦ ሳኦል ክሳብ ክንድዚ ንዕቀት ዘብጽሕ እንታይ ዓይነት ሓጢኣት ምስ ፈጸም እዩ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ ክመስሉ `ሓጢኣት ሳኦል ንቃል ኣምላኽ ዘይምእዛዙ እዩ። እቲ ዝገደደ ከኣ ንቃል ኣምላኽ ንኣኡ ከምዝጥዕሞ ገሩ ምትርጓሙ እዩ። እዚ ሓጢኣት እዚ ከኣ ተጻይ ተኣዝዞ እዩ። እግዚአብሔር ካብቲ ምርኮ ምንም ኣይትውሰድ ኢልዎ ነሩ። ኰይኑ ብኣንጻሩ ኮነ` ኢሎም።
ኣብ ተኣዝዞ ምጒዳል!
እቲ ቀንዲ ጸገም ተጻይ እቲ ብንጹር ተሓቢርዎም ዝነበረ ንሕዝቢ ኣማለቅ ምስ ኣህለቁ ሕዝበ እስራኤል ክራስዩ ይጅምሩ ‘ግናኸ እቲ ህዝቢ ኻብተን እተዘምታ ኣባጊዕን ኣሓን ካብቲ ሕሩም ዘዝጸበቐ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ጊልጋል ኪስውኣሉ ኢሉ ወሰደን፡` ክብል ባዕሉ ሳኦል ይናሳሕ፣ ሳሙኤል ግን ካብ ሕሩድን ዚሓርር መሥዋዕትን ጐይታ ንድምጹ ምእዛዝ ከምዝመርጽ ደረጃታት ሓቂ ይነግሮ። መሃነንካ ዘጥፍእ ጾምን ጸሎትን መሥዋዕትን ካብ ምግባርከስ ንቃል ኣምላኽ ዝእዘዝ ልቢ ይምረጽ። እቲ ምጒዳል ተኣዝዞ ከኣ ነቲ ዝተባሃልካዮ ገዲፍካ ንኣምላኽ ያኢ ዝብሎ ከምዘይርድኦ ሓሲብካ ከምዚ ማለቱ እዩ ኢልካ ደስ ዝብለካ ትርጉም ምሃብ ተጻይ ፍቃድ ጐይታ ሰውራ ምልዓል እዩ። እዚ ከምቲ ብእግዚኣአብሔር እኣምን እየ እናበልካ ናብ ጠንቈልቲ ምኻድ እዩ።
ምሕረት እምበር መሥዋዕቲ ኣየድልየንን እዩ።
ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማር.2.18 ሓዋርያት ከምዘይጾሙ ዘስተውዓሉ ዋእ ካልኦት እናጾሙስ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ኣረጊት ክዳን እንተተቀዲዱ ሓዲስ ልጋብ ኣይትገብረሉን ንሓዲስ ወይኒ እውን ኣብ ኣረጊት ሓርቢ ኣይትገብሮን ከመይ ኩሉ ዝገደደ ሳዕቤን ስለዘለዎ ስለዚ ሓዲስ ወይኒ ኣብ ሓዲስ ሓርቢ ይብሎም ኣርድእቱ ዝጾሙሉ ግዜ ከምዝመጽእ ብዝኾነ ግን ምሕረት እምበር መሥዋዕቲ ከምዘይደሊ ዝገልጽ ነበረ።
ምሉእ ምትእምማን ኣብ እግዚአብሔር!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ሕያዋይ ክርስትያን ንፉእ ክርስትያን ንምዃን ቀንዲ ዘድሊ ንቃል እግዚአብሔር ተኣዛዚ ምዃን ኰይኑ እዚ ከኣ እግዚአብሔር ብዛዕባ ፍትሒ ብዛዕባ ምግባረ ሠናይ ወይውን ፍቅሪ ብዛዕባ ምሕረትን ርህራሔን እንታይ ከምዝብል ጽን ኢልካ ምኽኣል እምበር ንሥልጣንን ካልእ ጥቅምን ክትብል ብሥነ ሓሳብ ዓለም ተዋሒጥካ ትብሎን ካልእ ትገብሮን ካልእ ከይከውን ምዃኑ ሓቢሮም። ርግጽ እዩ እዚ ቀሊል ኣይኮነን መሥዋዕትነት ይሓትት እዚ ግን ጥዑም እዩ እቲ ዝገደደ ሠይጣን ኣታሊሉካ ኣብ መከራ ምእታው እዩ። ክርስትያን ምዃንከስ ሓራ ምዃን እዩ እዚ ከኣ ኣብ እግዚኣአብሔር ምሉእ ምትእምማን ብምግባር ይርከብ ኢሎም።