ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

ሥልጣን ምእዛዝ ኣይኮነን! እንታይ ደኣ ትብሎን ትገብሮ ሓደ ጌርካ ምስክርነት ምሃብ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 14 ጥሪ 2020 ዓም ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት `ዝብልዎን ዝገብርዎን በበይኑ ዝኾኑ ክርስትያን ዝገደደ ከኣ ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል ዝኾኑ ካህናት ክንዲ ምስክርነት ዝህቡ ካብ ጐይታ ንሰባት ዘርሕቁ እንክትርኢ ክንደይ የሕዝን` እንክብሉ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ተመርኩዞም ሥልጣን ንኣገልግሎት እምበር ንምእዛዝ ከምዘይኮነ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማር 1.21 ኰይኑ ኢየሱስ ከም ጸሓፍቲ ዘይኮነስ ከም በዓል ሥልጣን ይህምር ከምዝነበረን ጋኔን ዝሓዞ መን ምዃንካ እፈልጠካ እየ ወዲ እቲ ቅዱስ ኢኻ ክብል ምስ ጨረሔ ኢየሱስ ገጺሱ ውጻእ ምስ በሎ ከምተናገፈ እሞ እቶም ዝሰምዕዎ ከምዝተደነቁ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ።

ቅዱስነቶም ነታ ሥልጣን ትብል ቃል መንቀሊ ብምግባር እዚ ሥልጣን እዚ ውሳጣዊ ሥልጣን ናይ ኢየሱስ ኰይኑ ኣይ ከም እቶም ጸሓፍትን ሊቃውንትን ናይ ግዜኡ እቲ ዝምህሮ ዝነበረ ካብዚ ሥልጣን እዚ ስለዝነቅል ሥልጣኑ ምስ ረኣዩ ተደኒቆም። እቶም ጸሓፍቲ ግን ምንም ሥልጣን ዘይብሎም ክንሶም ከም ሰበሥልጣን ክረኣዩን ክሠርሑን ይቃለሱ። ሥልጣን ኢየሱስክስ ካብ ላዕሊ ብምዃኑ ልዑል እዩ።

ኣገባብ ኢየሱስ ልዑላዊ እዩ!

ሥልጣን ኢየሱስ ካበይ እዩ! ኢልና ከምቶም ናይ ሽዑ ሰባት እዚ ኩሉ ካበይ እዩ ኢሎም ዝሓተትዎ እንተሓተትና ካብ ላዕሊ እዩ። ልዑል ስለዝኾነ ከኣ ብልዕልና ይምህር ነበረ ብልዕልና እውን ይንቀሳቀስ ነበረ። ሕሙማት የሕዊ ንሰባት ጽን ኢሉ ይሰምዕ። እዚ ሥልጣን እዚ እዚ ልዕልና እዚ ካብ ውሽጢ እዩ ዝምንጩ። ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ሥልጣን ከኣ የርእዮም ነበረ። ዘርእዮም ዝነበረ ካልእ ኣይኮነን ዝገብሮን ዝብሎን ሓደ ነበረ። ዝምህሮን ዝገብሮን ሓደ ነበረ። እዚ ብሓቂ ሥልጣን ከምዘለዎ የመልክት። ሥልጣኑ ከኣ ምስክርነት ይህብ። ሥልጣንከስ ንእትሰብኮን እትገብሮን ኣሰማሚዕካ ምስክርነት ብምሃብ ይግለጽ። ናይ ጸሓፍቲ ቀንዲ ጸገም እዚ እዩ ዝነበረ ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል ኰይኖም ይብሉ እምበር ኣይገብሩ። ነቲ ዝብልዎ ንኣኦም ከምዘይምልከት ገሮም ነታ ንሶም ዝበሉኹም ግበሩ ንሶም ዝገብርዎ ኣይትግበሩ ንእትብል ሓረግ ክትደግም ግዲ ይብል።

ጸሓፍቲ ዝብሉ ግን ዘይገብሩ!

እቲ ሕዝቢ ከም ብሩህ ነገር ቈጸሪ ጸሓፍትን ጓሶትን ዝብልዎ ከምዘይገብሩ ንምምልካት ዚኣክል `ዝብሉኹም ግበሩ ዝገብርዎ ኣይትግበሩ` ይብል ነበረ።  ዝብልዎ ካልእ ዝገብርዎ ካልእ ምስ ኮኖም ዝበልዎ እዩ። ኢየሱስ እውን ብዝተኻእሎ መጠን ንኣኦም ኣብ ወሰን ገዲፉ ባዕሉ ኣብ ምኲራባት ይምህር ነበረ። ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ኣግሂዱ ይገንሖም ነበረ። ሓንሳእ ግብዛት ሓንሳእ ልቅሉቃት መቃብር እናበለ ብግህዶ ይነግሮም ነበረ።

“ነዚ ጠባይ ናይ ግብርን ዘረባን ፍልልይ ከምኡውን ክልተ ክልተ ምዃኖም ኮታስ መንነቶም ንምግላጽ ኢየሱስ ዝጥቀመላ ቃል ግብዝነት ትብል እያ። ወንጌል ማቴዎስ 22 እንተተመልከትና ዝርዝር ናይ ግብዝነቶም ንረክብ። ግብዝነት ብዙሕ ግዜ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ሓላፍነት ዘለዎም እኳ ደኣ ሓላፍነት ጉስነት ኰይኑ ግን ውሽጦም ባዶሽ ዝኽዕነ ምንም ሥልጣን ዘይብሎም ክንሶም ሕዝበ እግዚኣአብሔር ትሑት ስለዝኾነ ይዕገሶም። እዚኦም ዓይነት ጓሶት እዚኦም ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል ኰይኖም ዝብልዎ ካልእ ዝገብርዎ ካልእ ኰይኖም ይነብሩ።”

ዝገብሮን ዝብሎን በበይኑ ዝኾነ ክርስትያን ዕንቅፋት እዩ።

እቲ ንኩሉ ዝጻወር ሕዝቢ እግዚአብሔር ግን ንሥልጣን ጸጋ ይፈልጦ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ንባብ 1ይ ሳሙኤል 1:9-20 ብዛዕባ ኣደ ሳሙኤል ሃና ዔሊ ሊቀ ካህናት እንከሎ ክትጽሊ እንከላ ሥልጣኑ ከምዘጥፍኤ እኳ እንተተመልከተት ጸጋ ቅብኣት ከምዘለዎ ስለዘለለየት ግን ተጋዲላ ቡራኬ ረኺባ ተኣምር ተፈጸመላ። እታ መኻን ዝነበረት ብቡራኬ ዔሊ ሊቀ ካህናት ንሳሙኤል ጸኒሳ ወለደት።

“ሕዝበ እግዚአብሔርከስ ኣብ መንጎ ሥልጣንን ናይ ቅብዓት ጸጋን ይፈላሊ እዩ። ናይ ገሊኦም ካህናት ጸገም ርእዮም ገሊኦም ዋእ ናብዚ ካህን እዚ ክትናዘዝ ትኸይድ ንዝብልዎም እቲ ቅብኣት እኮ ናይ እግዚአብሔር ይብሉ። እዚ ጥበብ ሕዝበ እግዚአብሔር ምስቲ ወትሩ ዝዕገስዎን ዝጻወርዎን ክትሓስቦ ከሎኻ ዘደንቅ እዩ። ጓሶት ጥራይ ኣይኮኑን በዚ ሕማም እዚ ዝሳቀዩ ካብ ምእመናንን እውን ኣለው ሰንበት ሰንበት ወረ ወግሐ ጸብሐ እውን ክንብሎ እንኽል ቅዳሴ ይሳተፉ ኣነባብሮኦም ግን ጨሪሽካ ናይ ኣረመን ዝኾነ ኣለው። እዚ ፈጺምካ ናይ ክርስትያን ኣይኮነን። ዕንቅፋት እዩ። ትብሎን ትገብሮን በብይኑ ምዃን ንየው በልዎ። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
14 January 2020, 13:39
ንኩሉ ኣንብብ >