ልመና ለምጻም-ንእግዚአብሔር እተራሕርሕ ንእሽቶ ጸሎት! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማር 1.40 ኰይኑ ታሪኽ ናይቲ ‘ኦ ጐይታ ፍቃድካ እንተኾይኑ ክተሕውየኒ ትኽእል ኢኻ’ ኢሉ ዝለመነ ለምጻም ኢየሱስ ‘ፈትየ ኣሎኹ ሕወ’ ኢሉ ናብ ካህን ከይዱ ሙሴ ዝእዝዞ ሕጊ ክፍጽምን ንማንም ከይነግርን ዝኣዘዞ ኰይኑ ግን እቲ ለምጻም ኢየሱስ ናብ ከተማ ኪኣቱ ክሳብ ዘይክእል ንምድረሰማይ ወረ ንወረ ዝገበሮ የዘንቱ።
ቅዱስነቶም ኣብታ ሓጻር ልመና ናይቲ ለምጻም ብምትኳር እዛ ጸሎት እዚኣ ሽሕ`ኳ ንእሽቶ እንተኾነት ካብ ሓቀኛ ምትእምማን ካብ ልቢ ዝነቀለት ብምባራ ኢየሱስ ከምዝርሕራሓሉን ከምዘሕውዮን ዝገበረት ዓባይ ጸሎት እያ። እቲ ሕይወቱ ንዓና ንሓጥያተኛታት ከወፊ ዝመጸ ኢየሱስ ስቃይና ስቃዩ ኰይኑ ስለዝስምዖ ምሳና ይደናገጽ ይርሕርሓልና ምናዳ ከኣ ከምዚ ዓይነት ብምሉእ ምትእምማን ዝቀርብ ጸሎት የራሕርሖ ኢሎም።
ቅዱስነቶም ናብቲ ኩነታት ናይቲ ለምጻም ምልስ ይብሉ እሞ ‘ንምዃኑ እቲ ለምጻም ነዚ ዓሚቚ ስምዒት ጸሎት እዚ ኣብ ልቡ ከመይ ተሰዂዑ!’ ኢሎም ይሓቱ እሞ ኢየሱስ ከመይ ይሰርሕ ከምዝነበረ ብምዕዛቡ ርሕራሔ ኢየሱስ ቆብ ኣቢሉ ስለዝሓዞ እዩ። ኣብ ወንጌል ርሕራሔ ኢየሱስ ዳርጋ ጸጸኒሑ ዝድገም እዩ። ንኣብነት ናይታ መበለት ናይን ወዳ ካብ ሞት ከተንሥእ ከምኡ እውን ብምሳሌ ንምግላጽ ዚኣክል ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራውን ምሳሌ ጥፉእ ወድን ክጥቀስ ይከኣል።
ጸገም ከጓንፍ ኢየሱስ ምሳና እዩ ደው ዝብል!
ቀንዲ ካብዛ ንእሽቶ ጸሎት እንመሃሮ ኣብ ዝኾነ ግዜ ምናዳ ጸገም ከጓንፈና ክንሓምም ስቃይ ክኸብደና ክንዲ ስለምንታይ እዚ ናባይ ወሪዱ ወይ ንምንታይ ኣነ ዝብልን ካልእን ጭንቀት ገዲፍና ከምዚ ለምጻም ዝገበሮ `ጐይታየ ፍቃድካ እንተኾይኑ ካብዚ ክተናግፈኒ ትኽእል ኢኻ’ ኢልና ከምዚ ናይዚ ለምጻም እምነት ዝመልኦ ጸሎት ንኩሉ ክትፈትሓልና ትኽእል። ከመይ ኢየሱስ ለዋህ ርሕሩሕ በቊባቊ እዩ። ወትሩ ከኣ ኣብ ጐድንና እዩ ዘሎ።
እዛ ጸሎት እዚኣ ተኣምራታዊት ጸሎት እያ። ናይ ምሕዋይ ጸጋ ካብ ኢየሱስ ክተምጽእ እትኽእል እያ። እቲ ንሓጢኣተኛታ ዘፍቅር ርሕሩሕ ኢየሱስ መሓረኒ ኢልካዮ ምሕረት ኣይከልኣካን እዩ።
ንሱ ብኣና ኣይሓፍርን እዩ። ምናልባት ሓደ ካባኹም እወ ኣባቴ ኰይኑ ኣነ ሓጢኣተኛ እየ ከመይ ናብኡ ከይደ ነዚ ክብል ክትብሉ ትኽእሉ። ኰይኑ ግን ንሱ ንኣና ንሓጢኣተኛታት እዩ መጺኡ መጠን ሓጢኣትካ ዝዓበዮ መጠኑ ኢየሱስ ናባኻ ይቀርብ ከመይ ንሓጢኣተኛታት እዩ መጺኡ። ስለዚ ነዛ ጸሎት እዚኣ ንምድጋጋማ ምናዳ ኣብ ጸገም ምስ እንርከብ ኦ ጐይታይ ፍቃድካ እንተኾይኑ ኢልና ብምሉእ ምትእምማን ምስ እንልምኖ ከምርሕራሓልና ኣረጋግጸልኩም ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።