መሥዋዕተ ቅዳሴ  ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ስለዘጸናንዕን ስለዝገንሕን ኣይነጒረምርም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሰሉስ ዕለት 10 ታሕሳስ 2019 ዓምፈ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባባት ‘እግዚአብሔር ከመይ ቢሉ የጸናንዕ ከመይ ቢሉኸ ይገንሕ!’ ንዝብል ሕቶ ንምምላሽ ‘እግዚአብሔርነቲ ምሕረት ኪሓትት ናብ ምሥጢረ ንስሓ ንዝቀርብ ሕያዋይ ጓሳ ኰይኑ ይቅበሎ’ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዕለቱ ከም ቀዳማይ ንባብ ካብ ኢሳ 40.1 ‘ንህዝበይ ኣጸናንዑ፡ ኣጸናንዑ፡ ይብል ኣምላኽኩም። ንልቢ ኢየሩሳሌም ተዛረቡ፡ ጸበባኣ ኸም እተፈጸመ፡ ኣበሳኣ ኸም እተሐድገላ፡ ስለ ዂሉ ሓጢኣታ ድማ ካብ ኢድ እግዚኣብሔር ካዕበት ከም ዝረኸበት ኣውጁ’ ዝብል ኰይኑ ምጽኣት መሲሕ ዝእውጅ ነበረ።

ቅዱስነቶም ንኩሉ ዘጠቃልል ‘እግዚአብሔር ከመይ ቢሉ የጸናንዕ ከመይ ቢሉኸ ይገንሕ!’ ብማለት ይሓቱ እሞ ጐይታ ንሕዝቡ ከም ሕያዋይ ጓሳ ይመርሕ የጸናንዕ ከምኡ እውን ብርሕራሔ ኣቦ ይገንሕ ይቀጽዕ። ክጸናናዕ ንዝደሊ የጸናንዕ ኢሎም።

ጐይታ ክጸናናዕ ንዝደሊ የጸናንዕ!

መጠን ነፍሲወከፍ ካባና ንክጸናናዕ ልቡ ዝኸፈተ ፍቃዱ ዝሃበ መጠኑ ከኣ እግዚአብሔር የጸናንዖ። ብምጽንናዕ ይገንሖ።

“ጐይታ ይጓሲ! ጐይታ ንሕዝቡ ይመርሕ! ጐይታ ይእርም! ብርእይቶይ ብርሕራሔ ይቀጽዕ እውን ምበልኩ። እዚ ርሕራሔ እዚ ከምቲ ንሕና መቅጻዕቲ እንብሎ ወይውን ዲፕሎማስያዊ እንብሎ ዘይኮነ ካብ ውሽጢ ዝነቅል ስለዝኾነ ሓደ ሓጢኣተኛ ናብኡ ክምለስ እንከሎ ንኣኡ ዓቢ ሓጐስ እየ። እዚ ሓጐስ እዚ ከኣ ዝራሕርሖ። በዚ ከኣ እዩ ኣብቲ ምሳሌ ናይ ዝጠፍአት በጊዕ ካብተን 99 እታ ጠፊኣ ዝተረኸበት ተሐጒሰ። ሓደ ሓጥእ ክምለስ እንከሎ ከምኡ የሐጒሶ የራሕርሖ።”

ዝንሳእ ሰብን ታሕጓስ እግዚሔርን!

ቅዱስነቶም ነቲ ምሳሌ ናይ ጠፊኣ ዝተረኽበት በጊዕ ብካልእ ምሳሌ ንምርጓድ ናይቲ ጥፉእ ወዲ ምሳሌ ይጠቅሱ እሞ እቲ ጥፉእ ወዲ ክምለስ ከሎ ኣቦኡ ብማዕዶ ይርእዮ። እዚ ዘመልክት ከኣ እቲ ወዱ ካብ ዝኰብለላ ዕለት ጀሚሩ ሓፍ ኣብ ዝበለ ቦታ ኮይኑ ወዲ ሎሚዶ ይምለስ ጽባሕ እናበለ ዓይኑ ክሳብ ዝቚልዕ ዕለት ዕለት ይጥምት ከምዝነበረ የመልክት። ልቢ ሕያዋይ ኣቦኸስ እዚ እዩ ይብሉ።

ቅዱስነቶም ናብቲ ናይ ዕለቱ ምሳሊ ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ሓንቲ በጊዕ ዘጥፍኤ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ መሮር ገዲፉ ነታ ዝጠፍአት ከናዲ ክንደይ ሩባን ኲርባን ሰጊሩ ምስ ረኸባ ኣብ መንኩቡ ተሸኪሙ ናብ እኖታታ ይሕውሳ። ካብተን ዘይጥፍአ በታ ጠፊኣ ዝተረኽበት ብጣዕሚ ይሕጐስ። እግዚአብሔር እውን ከምኡ ካብቶም ንስሓ ዘይድልዮም ኣብዝሓ ናብ ልቡ ተመሊሱ ብዝንሳሕ ሓደ ሓጥእ ይሕጐስ የጸናንዕ ይርሕርሕ። ስለዚ ዕሚም እናበለ ምጉርምራም ነቋርጽ ከመይ ጐይታ ወትሩ ሓጢኣትና ይምሕረና።

ኣይነጒረምርም! ጐይታ ወትሩ ንሓጢኣትና ምስ መሓረ እዩ!

ቅዱስነቶም ኣብ ናብራና ምልስ ይብሉ እሞ ካብ ክነመስግን ዕሚም እናበልና ክነጒረምርም ከምዝቀለና ምናዳ ኸኣ ቊሩብ ክብድ ክብለናን ክጨንቀናን እንከሎ። ኣብዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ዲያብሎስ ሥራሑ ከምዘይገድፍ ክንዝክር እዚ ከኣ ንሕና ክንሕጐስ ጨሪሱ ስለዘይወሓጠሉ ወትሩ ንክንሓዝን ክነማርር ወላ በቲ ንሱ ደፋፊኡ ዘፈጸመና ሓጢኣት ከይትረፈ ተስፋ ቈሪጽና ክንሓዝን እዩ ዝጽዕር ኢሎም።

“ንምዃኑ ክንደይ ግዜ ኢና ነጒረምርም! ዝገደደ ከኣ ብዙሕ ግዜ ሓጢኣትና ድሩትነትና ዝመሓሩ ኣይተማሕሩን ብሓጢኣትና እዩ እዚ ዝወርደና ዘሎ እናበልና ዕሚም ክንብል ጸሓይ ተዓርበና። እዚ ሎሚ ዝሰማዕናዮ ቃል ኣምላኽ ከስ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ግዜ እዩ ዝኾነና።”

ጐይታ ከጸናንዓካ ምሳኻ ኣሎኹ ቀረባ እየ ብማለት ብሕያወነትን ርሕራሔን ይቀርበና። እቲ ከኣል ኩሉ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚአብሔር እቲ ጅግና እግዚአብሔር ሓውና ኰይኑ ከማና ኰይኑ ምእንታና መስቀልና ተሸኪሙ ዝሞተ ሎሚ እውን እንተኾነ ኣይትብከ ዕሚም ኣይትበል ይብለና ኣሎ። ስለዚ ከምታ ከይሓተቶ ቀሪቡ ረሳ ወዳ ተንኪፉ ኣተንሲኡ ‘ኣይትብከዪ’ ኢሉ ዘጸናንዓ መበለት በዓልቲ ናይን ንሕና እውን እግዚአብሔር ከጸናንዓና ነፍቅደሉ።

“ምናልባት ሓደ ካባኹም እወ ኣባቴ ኰይኑ ግን ኣነ ብዙሕ ሓጢኣት ኣሎኒ፡ ኣብ ሕይወተይ ብዙሕ ጌጋ ገረ፡ ኣየናይ ምጽንናዕ እዩ ክቀርበኒ መንከ እዩ ከጸናንዓኒ ክብል ይኽእል። ኣነ ኸኣ ጐይታ እዩ ዝጸናንዓካ እብሎ። ኣበይ እሞ ክኸይድ እንተበለኒ! ትብዓት ይሃሉኻ ምሕረት ንምሕታት ናብ መንበረ ኑዛዜ ናብ ጐይታ ኪድ። መዓጹ ልብኻ ክፈት። ንሱ ከጸናንዓካ እዩ። ንሱ ብርሕራሔ ኣቦ ሓው ክቀርብካ ከምቲ ሓደ ጓሳ መጓሲኡ ዝጓሲ እሞ ነተን ዝደኸማ ዓያውቲ ተተሸኪሙ ናብ ኣደታተን ዘብጸሔን እግዚአብሔር ከምኡ ገሩ እዩ ዘጸናንዓና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
10 December 2019, 16:38
ንኩሉ ኣንብብ >