ሕይወትና ኣብቲ ከውሒ ድሕነትና ዝኾነ ኢየሱስ እምበር ኣብ ዘብለጭልጭ ነገራት ኣይንመሥርት! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማቴ 7.21-27 ኰይኑ ብዛዕባ ሓደ ለባምን ሓደ ዓሻን ሃነጽቲ ዚዛረብ ንቃላቱ ሰሚዑ ዚፍጽም ቤቱ ኣብ ልዕሊ ከውሒ ንዚሓንጽ ዘይፍጽም ግን ቤቱ ኣብ ሑጻ ንዚሓንጽ ከም ዚመስሉ ዝናማት ምስ ዘነመን ወሓይዝቲ ምስ ወሓዘን ንፋሳት ምስ ነፈሰን እታ ኣብ ከውሒ ዝተሓንጸት ጸኒዓ እታ ኣብ ሑጻ ዝተሃንጸት ግን ፈረሰት ዕንወታ ከኣ ከቢድ ኮነ ዝብል ዝርከቦ ምሳሌ ነበረ።
ናይዚ ቃል ወንጌል ዋና ምሕጽንታ ‘ጽንዓት’ ዝብል ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ንኢየሱስ ኣሚና እምነትካ ኣብኡ ገርካ ጸኒዕካ ምስ እትነብር ነቲ ለባም ሃንጺ መሲልካ ዝመጸ ፈተና እንተመጸ ነቅ ኣይትብልን ስለዚ ንቃላቱ ሰሚዕካ ኣብ ልብኻ ሒዝካ ኣብ ግብሪ ምስ እተውዕሎ ለባም ኢኻ ዕውት ኢኻ ጽኑዕ ኢኻ ዕውት ኢኻ! እንተ ከምቲ ዓሻ ሃናጺ እምንቶኻ ኣብ ናይ ዓለም ነገራት ኣብ ዘብለጭልጭ ነገራት አንቢርካ ንሰብን ሃብትን ኣሚንካ እንተተጓዒዝካ ኣብ መዓልቲ ፈተነ ኣብቲ ሕሱም ግዜ ሰብ ክኽሕደካ እዩ ሃብቲ ክሃድመካ እዩ ሽዑ ክትፈርስ ክትዓኑ ዕንወትካኣ ከኣ ከቢድ ክኸውን እዩ ከምቲ ኣብ ሑጻ ቤቱ ዝሃነጸ ዓሻ ሰብ ኢሎም።
እቲ ጽኑዕን ሓያልን ከውሒ/መሠረት ኢየሱስ እዩ!
ሕይወት ብተስፋ ከም እትጐዓዝ ባእታ መሠረት ዝኾና መልኅቅ ዝኾና ዋሕስ ዝኾና ነገር ሃሰስ ትብል። ነዚ ከምዝግባእ ፈሊጥ ኣለሊኻ ጸግዕኻ ክትገብሮ እምንቶኻ እተንብረሉ ሓቀኛ መሠረት ጽኑዕ ዕርዲ ክትረክብ ጸጋ የድልየና ስለዚ ንጐይታ ነዛ ጸጋ እዚኣ ክህበና እሞ ኣብ እንገብሮ ምርጫን ውሳኔን ምናዳ ንሕይወትና ብዝርኢ ከይንጋገ ከይንዕሹ ለባማት ክንከውን ኣብርሃልና ንበሎ ኢሎም።
ዘብለጭልጩ ነገራት ሕይወት ክርስትና ዝወድቀሎም ሑጻ እዮም!
ተጻይ ናይቲ ኣብ ከውሒ ቤቱ ዚሃንጽ ለባም ሰብኣይ እቲ ዓሻ ኣብ ልዕሊ ሑጻ ይሃንጽ። ሑጻ ከኣ ዝናብን ንፋስን የነቃንቆ። እዚ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና እንዕዘቦ ከመይ ዝበሉ ሮሻናት መሠረቶም ጥዑይ እንተዘይኰይኑ ከመይ ኢሎም ከምዚዓንው ንዕዘብ ኣብ ሕይወትና እውን ከምኡ እዩ ኣብቲ ከውሒ ዝኾነ ክርስቶስ እንተዘይተሃኒጽና ክንዓኑ ዕንወትና ከቢድ ከምዝኸውን ይገልጸልና።
ከውሕን ሑጻን ኣለሊና ንክንክእል ጸጋ ንለምን!
ዘዋጽኣና ምብልጭላጭ ዘይኮነ ጽኑዕ መሠረት ዝኾነ ኢየሱስ ጥራይ ምዃኑ ካብ ፈለጥና ከምቲ ኣብ ምሥጢረ ንስሓ ድሕነት ደሊና ናብ መሠረትና ንክንምለስ ኢየሱስ ድሕነትናን ከውሕናን ምዃኑ ኣሚና እንምለሶ እዩ ነገሩ። ምንሳሕከስ ናብቲ ዘይዓኑ ዘይበርስ ዘይሓልስ ጉዳይ ምምላስ እዩ። ብ1500 ዓም ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ቦርጅያ ዝበሃል ከምዚ ዓይነት ምርጫ ምስ ኣጋጠሞ ካብ ንግሥቲ ኢዛበላ ናይ ልዑል ፈረሰኛ ቦታ ውድቀትን ከንትነት ዓለማዊ ነገራትን ርእዩ ንኢየሱስ ብምምራጹ ናብ ቅድስና በጺሑ።