ድለ

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ  (ANSA)

ሕይወትና ኣብቲ ከውሒ ድሕነትና ዝኾነ ኢየሱስ እምበር ኣብ ዘብለጭልጭ ነገራት ኣይንመሥርት! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሓሙስ ዕለት 5 ታሕሳስ 2019 ዓምፈ ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ሕይወትና ኣብ ሓላፊ ነገራት ኣይንህነጽ ናብቲ ከውሕና ዝኾና ጐይታ ንኺድ ኣብኡ ክንሕጐስ ኢና’ እንክብሉ ነቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዝተነበ ቃሉ ሰሚዑ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ገዛኡ ኣብ ከውሒ ዝመሥረተ ይመስል ንዝበሎ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማቴ 7.21-27 ኰይኑ ብዛዕባ ሓደ ለባምን ሓደ ዓሻን ሃነጽቲ ዚዛረብ ንቃላቱ ሰሚዑ ዚፍጽም ቤቱ ኣብ ልዕሊ ከውሒ ንዚሓንጽ ዘይፍጽም ግን ቤቱ ኣብ ሑጻ ንዚሓንጽ ከም ዚመስሉ ዝናማት ምስ ዘነመን ወሓይዝቲ ምስ ወሓዘን ንፋሳት ምስ ነፈሰን እታ ኣብ ከውሒ ዝተሓንጸት ጸኒዓ እታ ኣብ ሑጻ ዝተሃንጸት ግን ፈረሰት ዕንወታ ከኣ ከቢድ ኮነ ዝብል ዝርከቦ ምሳሌ ነበረ።

ናይዚ ቃል ወንጌል ዋና ምሕጽንታ ‘ጽንዓት’ ዝብል ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ንኢየሱስ ኣሚና እምነትካ ኣብኡ ገርካ ጸኒዕካ ምስ እትነብር ነቲ ለባም ሃንጺ መሲልካ ዝመጸ ፈተና እንተመጸ ነቅ ኣይትብልን ስለዚ ንቃላቱ ሰሚዕካ ኣብ ልብኻ ሒዝካ ኣብ ግብሪ ምስ እተውዕሎ ለባም ኢኻ ዕውት ኢኻ ጽኑዕ ኢኻ ዕውት ኢኻ! እንተ ከምቲ ዓሻ ሃናጺ እምንቶኻ ኣብ ናይ ዓለም ነገራት ኣብ ዘብለጭልጭ ነገራት አንቢርካ ንሰብን ሃብትን ኣሚንካ እንተተጓዒዝካ ኣብ መዓልቲ ፈተነ ኣብቲ ሕሱም ግዜ ሰብ ክኽሕደካ እዩ ሃብቲ ክሃድመካ እዩ ሽዑ ክትፈርስ ክትዓኑ ዕንወትካኣ ከኣ ከቢድ ክኸውን እዩ ከምቲ ኣብ ሑጻ ቤቱ ዝሃነጸ ዓሻ ሰብ ኢሎም።

እቲ ጽኑዕን ሓያልን ከውሒ/መሠረት ኢየሱስ እዩ!

ሕይወት ብተስፋ ከም እትጐዓዝ ባእታ መሠረት ዝኾና መልኅቅ ዝኾና ዋሕስ ዝኾና ነገር ሃሰስ ትብል። ነዚ ከምዝግባእ ፈሊጥ ኣለሊኻ ጸግዕኻ ክትገብሮ እምንቶኻ እተንብረሉ ሓቀኛ መሠረት ጽኑዕ ዕርዲ ክትረክብ ጸጋ የድልየና ስለዚ ንጐይታ ነዛ ጸጋ እዚኣ ክህበና እሞ ኣብ እንገብሮ ምርጫን ውሳኔን ምናዳ ንሕይወትና ብዝርኢ ከይንጋገ ከይንዕሹ ለባማት ክንከውን ኣብርሃልና ንበሎ ኢሎም።

“እቲ ከውሒ ጐይታ እዩ። ኣብ ጐይታ ዝእመን ወትሩ ርግጸኛ እዩ ከመይ ኣብ ከውሒ ስለዝተመሥረተ። ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ዝብለና እዚ እዩ። ብዛዕባ ሓደ ለባም ሰብኣይ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሃነጸ ማለት ኣብ እግዚአብሔር ብምትእምማን ይገብሮ። እዚ ምትእምማን እዚ ክቡር ዕንቊ ኰይኑ ንሕንጸት ሕይወት ውሕስነት ዝህብ ጽኑዕ እምባ እዩ።”

ዘብለጭልጩ ነገራት ሕይወት ክርስትና ዝወድቀሎም ሑጻ እዮም!

ተጻይ ናይቲ ኣብ ከውሒ ቤቱ ዚሃንጽ ለባም ሰብኣይ እቲ ዓሻ ኣብ ልዕሊ ሑጻ ይሃንጽ። ሑጻ ከኣ ዝናብን ንፋስን የነቃንቆ። እዚ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና እንዕዘቦ ከመይ ዝበሉ ሮሻናት መሠረቶም ጥዑይ እንተዘይኰይኑ ከመይ ኢሎም ከምዚዓንው ንዕዘብ ኣብ ሕይወትና እውን ከምኡ እዩ ኣብቲ ከውሒ ዝኾነ ክርስቶስ እንተዘይተሃኒጽና ክንዓኑ ዕንወትና ከቢድ ከምዝኸውን ይገልጸልና።

“ሕይወትና እውን መሠረቱ ጽኑዕ እንተዘይኰይኑ ከምኡ ይዓኑ። ኣብ ሕይወትና ወትሩ ፈረና ኣሎ ኩልና ዓለምና ር.ሊ.ጳ ከይተረፈ ነውጺ ፈተና ኣሎና። ሓደ እኳ ካብ ፈተና ነጻ ዝኾነ የብልናን። ብዙሓት ኣነ ሕይወተይ ኣይልውጥን ይብሉ። ሕይወት ምልዋጥ ምቅንጃው ዝመስሎም ኣለው። ኰይኑ ግን ሕይወት ምልዋጥ ማለት መሠረታዊ ለውጢ ምግባር ማለት መሠረትካ ኢየሱስ ምግባር እዩ። ምናልባት መሠረት ንዘይብሉ ዓቢ ሕንጻ ብዛዕባ መሠረት ከይተገደስካ ብደገ ደገ ከጸባብቆ እየ ኢልካ ከምዘብለጭልጭ እንተገበርካዮ ንመሠረቱ ስለዘይጽናዕካ ንግዜኡ እኳ ጽቡቅ እንተመሰለካ ንእሽቶ ምንቅጥቃጥ ምስ መጸ ክዓኑ እዩ። ብደገ ደገ ጥራይ ክጸባበቅ ዝደሊ ሕይወት ክርስትና እውን ከምኡ እዩ።”

ከውሕን ሑጻን ኣለሊና ንክንክእል ጸጋ ንለምን!

ዘዋጽኣና ምብልጭላጭ ዘይኮነ ጽኑዕ መሠረት ዝኾነ ኢየሱስ ጥራይ ምዃኑ ካብ ፈለጥና ከምቲ ኣብ ምሥጢረ ንስሓ ድሕነት ደሊና ናብ መሠረትና ንክንምለስ ኢየሱስ ድሕነትናን ከውሕናን ምዃኑ ኣሚና እንምለሶ እዩ ነገሩ። ምንሳሕከስ ናብቲ ዘይዓኑ ዘይበርስ ዘይሓልስ ጉዳይ ምምላስ እዩ። ብ1500 ዓም ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ቦርጅያ ዝበሃል ከምዚ ዓይነት ምርጫ ምስ ኣጋጠሞ ካብ ንግሥቲ ኢዛበላ ናይ ልዑል ፈረሰኛ ቦታ ውድቀትን ከንትነት ዓለማዊ ነገራትን ርእዩ ንኢየሱስ ብምምራጹ ናብ ቅድስና በጺሑ።

“ኣብ ሓላፊ ነገራት ኣብ ዘብለጭልጭ ግዝያዊ ነገራት ብምስትምሳል ሕይወትና ክንሃንጽ ኣይንኽእልን። ናብቲ ከውሒ ንኺድ ድሕነትና ኣብኡ እዩ ዘሎ። ብድሕርዚ ኩልና ክንሕጐስ ኢና። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
05 December 2019, 15:33
ንኩሉ ኣንብብ >