መሥዋዕተ ቅዳሴ  ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ኣብ ውሳጣዊ ቅልስ ክፍኣትን ሠናይን ንድሕነትና ንምረጽ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዓርቢ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2019 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍና ኣብ መንጎ ጸጋን ሓጢኣትን ቀጻሊ ውግእ ኣሎ። እንገብሮም ውሳኔታት ካብ ጐይታዶ ካብ ዲያብሎስ ዝመጹ ምዃኖም ክነሌሊ ኣስተንትኖ ክንገብር መዓልታዊ ሥራሕና ወዲእና ቅድሚ ምድቃስና መርመራ ሕልና ክንገብር ኣሎና’ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተወስደ ሮሜ 7.18-25 ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሕይወቱ ዝቃለሶን መንጎ ሓጢኣትን ጸጋን ወትሩ ከምዝሕመስ ነቲ ዝደልዮ ገዲፉ ነቲ ዘይደልዮ ስለዝገብር ካብዚ መከራ እዚ መን ከገላግለኒ ዝብል እንክብርከቦ ናይ ዕለቱ ወንጌል ከኣ ሉቃ 12.54 ኮይኑ ነቶም ናይ ምድሪ ምልክታት ብምርኣይ ሎሚ ክዘንም እዩ ሎሚ ሙቐት ክኸውን እዩ ንዝብሉ ኩነታት ግዜኹም ርኢኹም ብዛዕባ ገዛእ ርእስኹምከ ዘይትፈልጡ ከመይ ዝብል ሕቶ ጐ.ኢ.ክ ይርከቦ።

ቅዱስነቶም ኣብታ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ውሽጣዊ ገድሊ ወይ ቃልሲ ምልስ ይብሉ ጐይታ ኣብ ውሽጥና እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ንምፍላጥ ብርሃኑ ክህበና ክንልምኖ ከምዘሎና ኣመልኪቶም እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ዘዘንትዎ ውሽጣዊ ውግእ ናይ ኩልና ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

ናይ ኩልና ቅልስ!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እዚ ቅልስ እንከስተምህሩ ሕቶ ክለዓል ይኽእል ይብሉ! እዚ ሕቶ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ዘይደልዮ ሕማቅ ነገር እናገበረ ተሸኒፉ ማለት ድዩ ኣይፋል ጸዲቁስ ቅዱስ እኳ ንብሎ ኣሎና ከመይ ደኣ እዩ እቶም ቅዱሳን ከይተረፉ ነዚ ውሳጣዊ ውግእ ወይ ቃልሲ ሒዞም ዚጐዓዙ እንተኢልኩም እዚ ናይ ኩልና ሕጊ እዩ ዕለት ዕለት ክንዋገኦ ዘሎና እዩ ኢሎም።

“ኣብ መንጎ ክፍኣትን ሠናይ ነገርን ዝካየድ ቃልሲ እዩ ኰይኑ ግን እዚ ክፍኣትን ሠናይ ነገራትን ንብሎ ዘሎ ጭቡጥ ዝረኤ ዝስማዕ እዩ። ኣብ መንጎ ክፍኣትን ሠናይ ነገራትን ካብ ዘሎ ፍልልይ ንክፍኣት ጸላኤ ሠናያት ሕሹዅ ክብለና እንከሎ ንሠናይ ነገራት ከኣ መንፈስ ቅዱስ ሕሹዅ ይብለና። ቃልሲ እዩ! እዚ ቃልሲ እዚ ከኣ ናይ ኩልና እዩ። ካብኡ ሓራ ዝዀነ ሰብ የልቦን። ምናልባት ሓደ ካባኹም ‘ዋእ ኣባቴ ኣነ እዚ ውግእ እዚ ኣይስመዓንን እዩ ቅሱን እየ ብሰላም እነብር ኣሎኹ’ እንተበለኒ ‘ዝወደይ ቅሱንን ብፁዕንሲ ኣይኮንካን ደንዚዝካ ኣሎኻ እንታይ ከምዝኸውን ዘይትሰምዕ እንተኾንካ ደቂስካ ኣሎኻ ተበራበር እብሎ’ ኢሎም።”

ሕይወትናኸስ ሕይወት ጉዕዞ ቃልሲ እዩ።

ምናልባት ሎሚ ሓደ ውግእ ንስዕር ንኸውን እንደገና ጽባሕ ከኣ ካልእ ክገጥመና እዩ ከምኡ ኢሉ ክሳብ መወዳእታ ሕይወትና ዘይተርፍ እዩ። ሰማዕታት እውን ከይተረፉ ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ክሳብ መወዳእታ ተቃሊሶም እዮም። ንብዙሓት ቅዱሳት እቲ ናይ መጨረሻ ውግእ ዝጸንከረ ምዃኑ ቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ሕጻን ኣብ ዓራት ተጋዲማ ንሞት ክትቀራረብ ከላ ‘እቲ ርኹስ መንፈስ ካብ ጐይታ ክምንጥላ ይቃለስ ከምዝነበረ’ ትገልጽ። ኣብ ሕይወት ከስ ፍሉይ ናይ ቃልሲ ግዝያት ኣለው ብዝተረፈ እቲ ልሙድ ቃልሲ ንኩልና ዕለት ዕለት ዘጋጥም እዩ፡ ድሕሪ ቢሎም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ምልስ ይብሉ ኢየሱስ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ግዝያት ኣለልዮም ክኽእሉ ገኒሕዎም። እዝስ ነቶም ናይ ሽዑ ሰማዕቲ ጥራሕዶ ኢልዎ ወይስ ንዓና እውን ይምልከት እዩ እንተኢልና ንኩልና ኣጸቢቁ ይምልከተና እዩ ሎሚ ንዓና እውን ይደግመልና ኣሎ ኢሎም።

“ብዙሕ ግዜ ንሕና ክርስትያን ብዙሕ ነገር ክንገብር ላዕልን ታሕትን ንብል ጽቡቅ ነገራት እውን ንገብር ኢና ኰይኑ ኣብ ውሽጥና እንታይ ኣሎ! እንተኢልና መን እዩ ነቲ እንገብሮ ክንገብር ሕሹዅ ዝብለና! መንፈሳዊ ዝንባሌና ከመይ ኣሎ! ነዚ ንክገብር ዝደፋፍኣኒ መን እዩ! ኢልናዶ ንሓትት። ሕይወትና ከም ጉዕዞ መንገዲ እዩ። በዚ መንገዲ ሕይወት ክንጐዓዝ እንከልና ነቲ ዘገድሰና ነገራት ጥራይ ነስተውዕል ንኣኡ ጥራይ ንምልከት ብዛዕባ ካልእ ኣይንግደስን ኣይንምልከቶን።”

ጸጋን ሓጢኣትን!

እቲ ቅልስ ኣብ መንጎ መነመን እዩ እንተበልና ኣብ መንጎ ጸጋን ሓጢኣትን እዩ። ኣብ መንጎ እቲ ከድሕነና ዝደሊ ጐይታን ካብ መንገድና ከጋግየና ሒዅ ዝብል ጸላኤ ሠናይትን እቲ ከውድቀና ከሸንፈና ዝጽዕር ርኹስ መንፈስን እዩ። ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም `ስለዚ ነፍሲወከፍና ንገዛእ ርእስና ክንሓቶ ዘሎና እዚ እዩ። ከም ማንም ተጐዓዛይ መንገዲ እንታይ ይኸውን ኣሎ ከይተገደሰ ላዕልን ታሕትን ዶ ንብል ወይስ ውሳኔታትና ካብ ጐይታ ምዃኖም ወይውን ካብቲ ንኣይ ጥራይ ይጠዓመኒ ዝብል ፈተና ዲያብሎስ ይመጹ ኢልና እስኪ ነስተንትን’ ኢሎም።

 ኣብ ውሽጥና እንታይ ይኸውን ኣሎ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ውሳጣዊ ሕይወትና ምፍታሹን ምስትምቃሩን ኣድላዪ እዩ። ሕይወትና ኩሉ ዝኸዶ መንገዲ ክኸውን የብሉን። ነዚ ንምግባር እንታይ የድልየና እንተበልኩም ሥርሕ ምስ ወዓልኩም ቅድሚ ምድቃስኩም ገለ ግዜ ወስን እሞ ነዊሕ ኣይኮነን ቊሩብ ደቃይቅ ይኣክል እዩ። ኣብ ሕልናኻ ምልስ ኢልካ ሎሚ ኣብ ሕይወተይ እንታይ ኣገዳሲ ነገር ተፈጺሙ! ብማለት ጀሚርካ ዝተባኣስካዮ ድዩ ዝሓመኻዮ ድዩ ሠናይ ነገር ዝገበርካዮ ዘክር። ነዚ ሕማቅ ክትገብር መን ሓጊዙካ ነቲ ሠናይ ነገርከ! ነዛ ሓጻር መርመራ ሕልና ምስ እንገብር ኣብ ውሽጥና እንታይ ከምዘሎ ክንፈልጥ ኢና። ሓንሳእ ሓንሳእ በታ ለለይ ትብልን ሓማዪትን ዝንባሌና ኣብ ከባቢና እንታይ እንታይ ከምዝኾነ ብኡ ንብኡ ንፈልጥ ኰይኑ ግን ኣብ ውሽጥና እንታይ ከምዝፍጸም ንዝንግዕ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
25 October 2019, 15:00
ንኩሉ ኣንብብ >