ብመንፈሳውነት ኣይምውቅ ኣይዝሑል ምዃን ንሕይወትና ናብ መቃብር ይቅይሮ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ግፅው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሎሚ ዘቅረቦ ቀዳማይ ንባብ ካብ ትንቢት ሓጌ 1 ኰይኑ ‘ግናኸ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ፣ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፡ እስከ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ። ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩም፣ ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፣ ሰቴኹም ኣይረዌኹምን፣ ተኸደንኩም ኣይሞቝኩምን፣ እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዐሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ ኣሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ’ ዝብል ክፍሊ ነበረ።
ቅዱስነቶም ናብ ቃላት ነቢይ ሓጌ ምልስ ኢሎም ክረክብ ክስእን ዘይፍትን ሕዝቢ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ዝኾነ ሰብ ጽጉም ምዃኑ ንኽገልጽ እግዚአብሔር ብነቢይ ሓጌ ገሩ ነቲ ብትህኪት ተዋሒጡ ከም ስዑር ኰይኑ ኢዱ ሂቡ ዝነብር ዝነበረ ሕዝቢ ከበራብር ትርር ብዝበለ ቃላት ይዛረብ ኢሎም። እቲ ብጸላእቲ ዓንዩ ዝነበረ ዓቢ ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዳግም ዝሃንጹ ክሳብ ዝልእኽ ከምኡ ኢሉ ነዊሕ ዓመታት ጸንሔ። እቲ ቀንዲ ጸገም ግን እግዚአብሔር ሃየ ነዚ ቤተይ ሕነጹ ክብል ነቢያቱ ምስ ለኣኸ እቲ ሕዝቢ ብዘይመጠን ጉህዩን ቅሒሩን ስለዝነበረ ናይ ዳግም ምህናጽ ድላይ ኣይነበሮ። እቲ ዝገደደ ከኣ ነቲ ኣምላኽ ዝህቦም ግልጸት ከም ሕልምን ሃለፍታን ብምርኣይ ተንከስ ኢሎም ክንቀሳቀሱ ኣይደልዩን። ክረኽቡ ክስእኑ ክፍትኑ ኣይደለዩን።
እቲ ዝሓሰመ ሕመቅ ናይዞም ሕዝቢ እዚኦም ዳግም ክትንሥኡ ፈጺሙ ድላይ ኣይነበሮምን ጥራይ ዘይኮነ ኣይሓስብዎን እውን ነሮም። ጐይታ ብነብያቱ ደጋጊሙ እንተቀስቀሶምን ከምዝሕግዞም እንተኣተስፍዎምን እኳ ገና ግዜ ኣይበጽሐን ይጽናሓልና ክብሉ ተረኽቡ።
ነግፈረግ ናብ ምጥርጣርን ምንም ዘይምግባርን የብጽሕ
ቅዱስነቶም ቀንዲ መበገሲ ናይ ከምዚ ዝበለ ሕይወት ናይ ምውሳን ጸገም ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ካብ ኩሉ በዂርካ ኣይ ውዑይ ኣይዝሑል ናይ ምዃን ጠባይ ዳርጋ ከምቶም ኣብ መቃብር ኣትዮም ጸጥ ዝበሉ ኰንካ ጸጥታን ሰላምን መቃብር ዝመስል ሕይወት እናመራሕከ ዝገደደ ኣይምውት ኣይህልው ኰንካ ነግፈረግ ክትብል ከይወሰንካ ደሓን ጽባሕ እገብሮ እናበልካ ጽባሕ ተርክበካ ኢሎም።
ጐይታ ሎሚ ክንልወጥ ይደልየና!
ቅዱስነቶም እዚ ብዛዕባ ሕዝቢ እስራኤል እንዛረቦ ንነፍሲወከፍና እውን ከምዝምልከት ተረዲእና ወላ ኣብቲ ዘይነስተውዕለሉ ናኣሽቱ ነገራት ዝረኤ ጉድለት እውን ክእረም ከምዘለዎ እዚ ከኣ ብዘይ ወዓል ሕደር ክኸውን ከምዘለዎ ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ ጐይታ ሕጂ ሎሚ ክንልወጥ ዘቅረብልና ንስሓን ለውጢ ልብን ኣብ ግብሪ ክነውዕል ይሕግዘና ጸጋኡ ክህበና ከኣ ንለምኖ ኢሎም።