መሥዋዕተ ቅዳሴ  ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ   (ANSA)

ብመንፈሳውነት ኣይምውቅ ኣይዝሑል ምዃን ንሕይወትና ናብ መቃብር ይቅይሮ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 26 መስከረም ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ፍርቂ ፍርቂ ካብ ዝኾኑ ክርስትያን ብናይ ኣምሰሉነት ሰላም ቀሲና ፍረ ዘይብሉ ሕይወት ካብ ምንባር ከድሕነና ጐይታ ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ’ እንክብሉ ሰቢኾም። ከመይ ይብሉ ቅዱሰንቶም እቲ ጐይታ ካባና ዝደልዮ ለውጢ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ እዩ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ግፅው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሎሚ ዘቅረቦ ቀዳማይ ንባብ ካብ ትንቢት ሓጌ 1 ኰይኑ ‘ግናኸ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ፣ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፡ እስከ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ። ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩም፣ ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፣ ሰቴኹም ኣይረዌኹምን፣ ተኸደንኩም ኣይሞቝኩምን፣ እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዐሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ ኣሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ’ ዝብል ክፍሊ ነበረ።

ቅዱስነቶም ናብ ቃላት ነቢይ ሓጌ ምልስ ኢሎም ክረክብ ክስእን ዘይፍትን ሕዝቢ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ዝኾነ ሰብ ጽጉም ምዃኑ ንኽገልጽ እግዚአብሔር ብነቢይ ሓጌ ገሩ ነቲ ብትህኪት ተዋሒጡ ከም ስዑር ኰይኑ ኢዱ ሂቡ ዝነብር ዝነበረ ሕዝቢ ከበራብር ትርር ብዝበለ ቃላት ይዛረብ ኢሎም። እቲ ብጸላእቲ ዓንዩ ዝነበረ ዓቢ ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዳግም ዝሃንጹ ክሳብ ዝልእኽ ከምኡ ኢሉ ነዊሕ ዓመታት ጸንሔ። እቲ ቀንዲ ጸገም ግን እግዚአብሔር ሃየ ነዚ ቤተይ ሕነጹ ክብል ነቢያቱ ምስ ለኣኸ እቲ ሕዝቢ ብዘይመጠን ጉህዩን ቅሒሩን ስለዝነበረ ናይ ዳግም ምህናጽ ድላይ ኣይነበሮ። እቲ ዝገደደ ከኣ ነቲ ኣምላኽ ዝህቦም ግልጸት ከም ሕልምን ሃለፍታን ብምርኣይ ተንከስ ኢሎም ክንቀሳቀሱ ኣይደልዩን። ክረኽቡ ክስእኑ ክፍትኑ ኣይደለዩን።

እቲ ዝሓሰመ ሕመቅ ናይዞም ሕዝቢ እዚኦም ዳግም ክትንሥኡ ፈጺሙ ድላይ ኣይነበሮምን ጥራይ ዘይኮነ ኣይሓስብዎን እውን ነሮም። ጐይታ ብነብያቱ ደጋጊሙ እንተቀስቀሶምን ከምዝሕግዞም እንተኣተስፍዎምን እኳ ገና ግዜ ኣይበጽሐን ይጽናሓልና ክብሉ ተረኽቡ።

“እቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ናይዚ ሕዝቢ ከኣ እዚ እዩ። ኰይኑ ግን ንሕና እውን እንተኾነ ናይ ፍርሂ መንፈስ ክወረና እንከሎ ሕይወትና ላንጋ ላንጋ ኰይኑ ኣይውዑይ ኣይዝሑል ኣብዝኾነሉ ግዜ ‘እወ እወ ጐይታየ ኩሉ አማን ኣሎ ኰይኑ ግን ቀስ ብቀስ ደኣ እምበር ቀልጢፍና ኣይንጀምር ከምዘሎኹዎ ጽቡቅ ኣሎኹ ደሓን ይጽንሓለይ ጽባሕ ክጅምር እየ’ እንበልና ግዜ ንበልዕ። ደሓን ጽባሕ እገብሮ ምባል ኣብ ጽባሕ እውን ናብ ድሕሪ ጽባሕ ይሳገር ከምኡ እንበለ እናተጐስየ ውሳኔ ኣይውሰድ ልቢ ኣይቅየር ሕይወት ኣይቅየር ዕጥይጥይ እናበልካ ግዜ ይኣክል። ኣይውዑይ ኣይዝሑል ምዃን ጸጥታ መቃብር የኸትል።”

ነግፈረግ ናብ ምጥርጣርን ምንም ዘይምግባርን የብጽሕ

ቅዱስነቶም ቀንዲ መበገሲ ናይ ከምዚ ዝበለ ሕይወት ናይ ምውሳን ጸገም ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ካብ ኩሉ በዂርካ ኣይ ውዑይ ኣይዝሑል ናይ ምዃን ጠባይ ዳርጋ ከምቶም ኣብ መቃብር ኣትዮም ጸጥ ዝበሉ ኰንካ ጸጥታን ሰላምን መቃብር ዝመስል ሕይወት እናመራሕከ ዝገደደ ኣይምውት ኣይህልው ኰንካ ነግፈረግ ክትብል ከይወሰንካ ደሓን ጽባሕ እገብሮ እናበልካ ጽባሕ ተርክበካ ኢሎም።

“ንሕና ኣብዚ ምጥርጣር እዚ ምስ ወረድና ማለት እዚ ብመንፈሳውነት ኣይውዑይ ኣይዝሑል ናይ ምዃን ኩነት ምስ በጻሕና ኣሎና ንብል እምበር ዳርጋ ሙታት ኢና ሕይወት የለን። ዝኾነ ጸገም ከይጓነፈካ ንኩሉ ትዓጹ ከምዚ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ሥራሕ ዳግመ ሕንጸት ክንጅምር ኣይንኽእልን ኢና ከምዘልናዮ ኣይሙታት ኣይስሩራት ኰና ምንባር ይሕሸና። ነዚ ዘሎ ልማድ ኣይትዝረጉልና ዝዓይነቱ ሓሳብ ይስዕርር። ጐይታ ሕጂ ሎሚ ተለወጥ ሕይወት ልበስ ይብለና ኣሎ።”

ጐይታ ሎሚ ክንልወጥ ይደልየና!

ቅዱስነቶም እዚ ብዛዕባ ሕዝቢ እስራኤል እንዛረቦ ንነፍሲወከፍና እውን ከምዝምልከት ተረዲእና ወላ ኣብቲ ዘይነስተውዕለሉ ናኣሽቱ ነገራት ዝረኤ ጉድለት እውን ክእረም ከምዘለዎ እዚ ከኣ ብዘይ ወዓል ሕደር ክኸውን ከምዘለዎ ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ ጐይታ ሕጂ ሎሚ ክንልወጥ ዘቅረብልና ንስሓን ለውጢ ልብን ኣብ ግብሪ ክነውዕል ይሕግዘና ጸጋኡ ክህበና ከኣ ንለምኖ ኢሎም።

“ኣብዚ መንፈስ እዚ ማለት ፍርቂ ፍርቂ ክርስትና ወይውን ከምተን ሽማገለ ኣደታት ዝብላኦ ክርስትያን ናይ ትሕዝቶ ዘይብሎ ማይ ከይንከውን እግዚአብሔር ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ። ሕያዎት ክርስትያን ምዃን በይኑ እኹል ኣይኮነን ከመይ ከምቲ ነቢይ ዝብሎ ብዙሕ ክንሰርሕ ብዙሕ ክንጽዕር ክንበልዕ ክንሰቲ ንኽእል ግን እቶትና ቁሩብ ፍረና ዘይረብሕ ዘይጸግብ ዘይንረዊ ክንከውን ንኽእል። ብዙሕ ተስፋ ዝህብ ናብራን ሕይወትን ክንነብር ንፍትን ግን ኣብ መወዳእታ ባዶሽ ክኸውን እዩ። ስለዚ ንጐይታ ሰሚዕና ምሳኡ ክንጐዕዝ ሎሚ ብዘይ ወዓል ሕደር ሕይወትና ነሐድስ ካብዚ ሒዙና ዘሎ ናይ ነግፈረግ መንፈስ ኣይውዑይ ኣይዝሑል ኰና እንጐዓዞ ዘሎና መንፈሳውነት ንገላገል፡ ከመይ እዚ ነገራት እዚ ጥዑም መደንዘዚ መንፈሳዊ ሕይወትና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
26 September 2019, 19:02
ንኩሉ ኣንብብ >