2019.06.111 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2019.06.111 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ንእግዚአብሔር ስለ’ቲ ኩሉ ዝገበረልና ምምስጋን ንብጾትና ክነገልግል ይሕግዘና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 11 ሰነ 2019 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ምስ እግዚአብሔር ብዘይካ ምስጋና ካልእ ርክብ የለን። ነዚ ጸጋዚ ክህበና ንለምኖ። ኣብ መንፈሳዊ ጒዕዞ ሕይወት ምስጋና እንተዘየሎ ኣብ ውዕለት ገጽካ ሸተት ክትብል ቀሊል እዩ` እንክብሉ ኣመስገንቲ ክንከውን ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ ክብረ በዓል ቅዱስ በርናባስ ሓዋርያ ዘኪራ እንክትውዕል ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ክልእኾም እንከሎ ‘ናብ መንገዲ ኣሕዛብ ኣይትኺዱ፥ ናብ ከተማ ሳምራውያን እውን ኣይትእተው . . . ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤተ እስራኤል ኪዱ! ኬድኩም ከኣ ‘መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ’ እናበልኩም ስብኹ። ንሕሙማት ኣሕውዩ ንሙታን ኣተንሥኡ ንለምጻማት ኣንጽሑ ንአጋንንቲ ኣውጽኡ ብከምኡ ዝተቀበልኩምዎ ብኸምኡ ሃቡ’ ዝብል ስለዝነበረ ቅዱስነቶም ኣብዛ ሓረግ እዚኣ ተመስሪቶም ‘እንታይ  ከ ኣሎ ብነጻ ካብ እግዚአብሔር ዘይተቀበልናዮ ብዘስምዕ ቃና ነታ ‘ብከምኡ ዝተቀበልኩምዎ ብከምኡ ሃቡ ማለት  ብነጻ ንዝተቀበልኩምዎ ብነጻ ነሕዋትኩም ዓድሉ ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘት ቃል ወንጌል ዳግም ብምጥቃስ ኩልና እንትርፎ ተሓባቢርካ ምምስጋን ናብ ጐይታ ዝቀርብ ካልእ ምንም ነገር ከምዘይብልና ነዚ ከኣ እንተስ ነሕዋትናን ኣሓትናን ምስክርነት ብምሃብ ኣብ ግብሪ ክነውዕሎ ንኽእል። ስለዚ ነሕውትና ብምግልጋልስ ይኹን ምስክርነትና ብምሃብ ልብና ክነዕብየሉ እንኽእል ጸጋ ምልማን የድሊ። ጸጋ ኣይዕድገን እዩ። ከምቲ ጐይታ ዝበለ ንክትግልገል ዘይኮነስ ጸጋ ንኽተገልግሎ እዩ ዝወሃብ ኢሎም።

ጸዋዕታ ክርስትና ንክተገልግል እምበር ንኽትግልገል ኣይኮነን!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ተልእኮ ሓዋርያት እንክዛረብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ተልእኮ እውን እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ይገልጽ። ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ ሓደ ክርስትያን ኣብ ዘለዎ ቈይሙ ክተርፍ የብሉን። ሕይወት ክርስትና ጒዕዞ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ‘ንእግረ መንገድኹ እንክትጐዓዙ ውነጌል ስበኹ ነዚ ከኣ መንግሥተ ሰማያት ቀረባ እያ እናበልኩም ስበኹ። ንሕሙማት ኣሕውዩ ንሙታን ኣተንሥኡ ንለምጻማት ኣንጽሑ ንአጋንንቲ ኣውጽኡ ብከምኡ ዝተቀበልኩምዎ ብኸምኡ ሃቡ’ እናበለ ዝእዝዝ። ተልእኮናኸስ ተልእኮ ኣግለሎት ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሕይወት ክርስትና ኣገልግሎት እዩ። ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና ብዙሓት ክርስትያን ኣብተን መጀመርታ ዕለታት ናይ ለውጦም ትጉሃት ኣገልግልቲ ደሓር ግን ብሕዝቢ እግዚአብሔር ዝግልገሉ ምዃኖም እንክትርኢ ብጣዕሚ የሕዝን። እዚ ንሕዝበ እግዚአብሔር ብጣዕሚ ሕማቅ ከምዝስምዖ ይገብር። ጸዋዕታ ክርስትናስ ክተግልግል እምበር ክትግልገል ኣይኮነን ኢሎም።”

ልቢ ምዕባይ!

ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም መንነት ክርስትያን ኣገልግሎት ምዃኑ ምስ ገለጹ ቀጺላ እትመጽእ ነጥቢ ምስጋና ምቅራብ እዚ ከኣ ብኣበሃህላ ኩሉ ብሔረሰባት ልቢ ምዕባይ ከምዝኾነ ብዓቢኡ ግን ነቲ ብነጻ ዝተቀበልካዮ ብነጻ ንካልኦት ክትልግስ ከምዘሎካ ዘመልክት ክፍሊ `ኣውጽኡ ብከምኡ ዝተቀበልኩምዎ ብኸምኡ ሃቡ’ ዝብል ብሓቂ ልቢ ናይ ምዕባይን ክርስትናውን ሥነ ምግባር ምዃኑ ንምግላጽ እዚ ኣገባብ እዚ ንግላዊ ሕይወትና እውን ክሳብ ክንደይ ከምዝትንክፎ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ኣመስገንቲ ኰና ልቢ ምስ እነዕቢ ነሕዋትና ንምግልጋል ስንድዋት ከም እንኸውን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ጐይታ ክዕድለና ዘሰናደዎ ብዙሕ ጸጋታት ከምዘለዎ ንፍለጥ! ካባና ዝደልያ ሓንቲ ነገር ጥራይ እያ ንሳ ከኣ ልብና ክፉት ክኸውን! ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ብማለት ክንጽሊ እንከሎና ልብና ንኸፍት እዚ ከኣ ካብኡ እንቅበሎ ጸጋ እዩ። ካብዚ ጸጋ እዚ ወጻኢ ምስ እግዚአብሔር ኣቦና እንገብሮ ርክብ ፈጺምካ የሎን። ሓንሳብ ሓንሳብ ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና መንፈሳዊ ነገር ወይውን ጸጋ ከምዘድልየና ንምግላጽ ዚኣክል ‘ወይጸገም ሕጂ እምበኣር ጾም ክእውጅ እየ ንስሓ ክገብር እየ ጸሎት ታስዕቲ ክፍጽም እየ ወዘተ እናበልና ብዙሕ ንዛረብ ንፍትን። እዚ ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ ኮይኑ ግን ክንጥንቀቀሉ ዘሎና ዓቢ ጉዳይ ኣሎ። ብዙሕ ስለዝጸለና ብዙሕ ስለዝጾምና ወይውን ብዙሕ ተጋድሎ ስለዝገበርና ኣይኮነን ኩሉ ከምዚ ወንጌል ዝብሎ ብከምኡ ብነጻ ኢና ተቀቢልናዮ ዝግበኣና ኰይኑ ወይውን ዋጋ ዝኸፈልናሉ ምንም ነገር የለን ኩሉ ጸጋ እዩ! ልቢ ምዕባይ ማለተከስ ነዚ ዘይምዝንጋዕ እዩ። ጸጋ ብከምኡ ዝወሃበና ነጻ ትዕድልቲ እዩ።”

ካብ ጐይታ ንቕበሎ ኩሉ ሠናይ ነገር ብነጻ እዩ ዝወሃበና! ካን ብከምኡ! ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም መስኪን ልብና ገለ ካብቲ ዘርኢ ትዕቢት ይዕብልሎ እሞ ክንዲ ዚዓቢ ክሽንቘጥ ክንእስ ይርከብ እሞ ብኣኡ ኣቢሉ ልኩት ኢሉ ይዕጾ ነቲ ብከምኡ ዚወሃብ ፍቅሪ ክቅበል ኣይክእልን። ስለዚኸስ ምስ እግዚአብሔር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክውረድ ከምዘይከኣል ንፍለጥ እንክብሉ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሩን ጸጋኡን ልቢ ኣዕቢኻ ምቅባል ከምዘድሊ ኣብሪሆም።

የቀንየለይ ኢልካ ምስጋና ምቅራብ!

ቅዱስነቶም ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጸገማት ደቂ ሰባት የቀንየለይ ኢልካ ምስጋን ዘይምቅራብ ምዃኑ ገሊጾም። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ናብ ጓሶት ቤተክርስትያን ምልስ ኢሎም ቀንዲ ጸገሞም እዚ ምዃኑን ብዓንዲ ርእሱ ከኣ ኩሉ ኣሎና እንብሎ ብከምኡ ዝተቀበልናዮ ምዃኑ! ስለ’ዚ ብከምኡ ክንዕድሎ ከምዘሎና እንክንዝንግዕ እዩ። እዚ ብሓቂ የሕምም ይብሉ ቅዱስነቶም ዘሕምመሉ ምኽንያት ከኣ ገሊኦም ጓሶት ነፍሳት ነቲ ብከምኡ ዝተቀበልዎ ጸጋ እግዚአብሔር ናይ ንግድን ረብሓን መጋበሪ ምግባሮም እዩ። ብሓቂ የሕዝን ገለ ጓሶት ነፍሳት ኣነ ነዝን ነዝን ክገብረልካ እየ እዚ ኸኣ ክንድዚ ክትከፍል ይግድደካ ክብሉ ክትሰምዕ ከሎኻ ኣታ ብከምኡ ኢኻ ተቀቢልካዮ ብከምኡ ከይትዕድሎ ዝዕንቅጸካ እንታይ እዩ ክትብል የደናድነካ ኢሎም።

“[ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ሕይወትና ናብ ዋጋ ዕዳጋ ሸተት ናይ ምባል ሓደጋ ወትሩ ምስ ኣንጸላለወና እዩ፣ እዚ ከኣ ንጐይታ ጉቦ ከም ምሃብ እዩ። በጃኹም እዚ ፈጺምካ ዘይከውን እዩ። ዳርጋ ንጐይታ ‘ኦ ጐይታ ነዚኣ እንተገርካለይ ክንድዚ ክኸፍለካ እየ’ ዚዓይነቱ ዋጋ ዕዳጋ እዩ። ስለዚኸስ ምስ ጐይታ ዝኾነ ቃል ክንኣቱ እንከሎና ንክነመስግን እምበር ዋጋ እቲ ዝተገብረልና ንምኽፋል ኣይኮነን። ቀንዲ ትርጉሙ ከኣ ከምቲ ጐይታ ምሳና ዝገበሮ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንገብር እዩ። ከምቲ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ዝብሎ ሕይወት ክርስትና ጉዕዞ እዩ እዚ ከኣ ንክትሰብኽን ንክተገልግልን እምበር ንክትግልገል ኣይኮነን። ስለዚ ሕይወትና ልቢ ኣዕቢኻ ምምስጋንን ብከምኡ ንዝተቀበልካዮ ብከምኡ ምሃብን እዩ ከምኡ ከአ ይግበረልና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ። ]”

ብድምጺ ንምክትታል!
11 June 2019, 19:20
ንኩሉ ኣንብብ >