ንእግዚአብሔር ስለ’ቲ ኩሉ ዝገበረልና ምምስጋን ንብጾትና ክነገልግል ይሕግዘና! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ ክብረ በዓል ቅዱስ በርናባስ ሓዋርያ ዘኪራ እንክትውዕል ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ክልእኾም እንከሎ ‘ናብ መንገዲ ኣሕዛብ ኣይትኺዱ፥ ናብ ከተማ ሳምራውያን እውን ኣይትእተው . . . ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤተ እስራኤል ኪዱ! ኬድኩም ከኣ ‘መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ’ እናበልኩም ስብኹ። ንሕሙማት ኣሕውዩ ንሙታን ኣተንሥኡ ንለምጻማት ኣንጽሑ ንአጋንንቲ ኣውጽኡ ብከምኡ ዝተቀበልኩምዎ ብኸምኡ ሃቡ’ ዝብል ስለዝነበረ ቅዱስነቶም ኣብዛ ሓረግ እዚኣ ተመስሪቶም ‘እንታይ ከ ኣሎ ብነጻ ካብ እግዚአብሔር ዘይተቀበልናዮ ብዘስምዕ ቃና ነታ ‘ብከምኡ ዝተቀበልኩምዎ ብከምኡ ሃቡ ማለት ብነጻ ንዝተቀበልኩምዎ ብነጻ ነሕዋትኩም ዓድሉ ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘት ቃል ወንጌል ዳግም ብምጥቃስ ኩልና እንትርፎ ተሓባቢርካ ምምስጋን ናብ ጐይታ ዝቀርብ ካልእ ምንም ነገር ከምዘይብልና ነዚ ከኣ እንተስ ነሕዋትናን ኣሓትናን ምስክርነት ብምሃብ ኣብ ግብሪ ክነውዕሎ ንኽእል። ስለዚ ነሕውትና ብምግልጋልስ ይኹን ምስክርነትና ብምሃብ ልብና ክነዕብየሉ እንኽእል ጸጋ ምልማን የድሊ። ጸጋ ኣይዕድገን እዩ። ከምቲ ጐይታ ዝበለ ንክትግልገል ዘይኮነስ ጸጋ ንኽተገልግሎ እዩ ዝወሃብ ኢሎም።
ጸዋዕታ ክርስትና ንክተገልግል እምበር ንኽትግልገል ኣይኮነን!
ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ተልእኮ ሓዋርያት እንክዛረብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ተልእኮ እውን እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ይገልጽ። ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ ሓደ ክርስትያን ኣብ ዘለዎ ቈይሙ ክተርፍ የብሉን። ሕይወት ክርስትና ጒዕዞ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ‘ንእግረ መንገድኹ እንክትጐዓዙ ውነጌል ስበኹ ነዚ ከኣ መንግሥተ ሰማያት ቀረባ እያ እናበልኩም ስበኹ። ንሕሙማት ኣሕውዩ ንሙታን ኣተንሥኡ ንለምጻማት ኣንጽሑ ንአጋንንቲ ኣውጽኡ ብከምኡ ዝተቀበልኩምዎ ብኸምኡ ሃቡ’ እናበለ ዝእዝዝ። ተልእኮናኸስ ተልእኮ ኣግለሎት ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ልቢ ምዕባይ!
ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም መንነት ክርስትያን ኣገልግሎት ምዃኑ ምስ ገለጹ ቀጺላ እትመጽእ ነጥቢ ምስጋና ምቅራብ እዚ ከኣ ብኣበሃህላ ኩሉ ብሔረሰባት ልቢ ምዕባይ ከምዝኾነ ብዓቢኡ ግን ነቲ ብነጻ ዝተቀበልካዮ ብነጻ ንካልኦት ክትልግስ ከምዘሎካ ዘመልክት ክፍሊ `ኣውጽኡ ብከምኡ ዝተቀበልኩምዎ ብኸምኡ ሃቡ’ ዝብል ብሓቂ ልቢ ናይ ምዕባይን ክርስትናውን ሥነ ምግባር ምዃኑ ንምግላጽ እዚ ኣገባብ እዚ ንግላዊ ሕይወትና እውን ክሳብ ክንደይ ከምዝትንክፎ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ኣመስገንቲ ኰና ልቢ ምስ እነዕቢ ነሕዋትና ንምግልጋል ስንድዋት ከም እንኸውን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ካብ ጐይታ ንቕበሎ ኩሉ ሠናይ ነገር ብነጻ እዩ ዝወሃበና! ካን ብከምኡ! ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም መስኪን ልብና ገለ ካብቲ ዘርኢ ትዕቢት ይዕብልሎ እሞ ክንዲ ዚዓቢ ክሽንቘጥ ክንእስ ይርከብ እሞ ብኣኡ ኣቢሉ ልኩት ኢሉ ይዕጾ ነቲ ብከምኡ ዚወሃብ ፍቅሪ ክቅበል ኣይክእልን። ስለዚኸስ ምስ እግዚአብሔር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክውረድ ከምዘይከኣል ንፍለጥ እንክብሉ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሩን ጸጋኡን ልቢ ኣዕቢኻ ምቅባል ከምዘድሊ ኣብሪሆም።
የቀንየለይ ኢልካ ምስጋና ምቅራብ!
ቅዱስነቶም ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጸገማት ደቂ ሰባት የቀንየለይ ኢልካ ምስጋን ዘይምቅራብ ምዃኑ ገሊጾም። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ናብ ጓሶት ቤተክርስትያን ምልስ ኢሎም ቀንዲ ጸገሞም እዚ ምዃኑን ብዓንዲ ርእሱ ከኣ ኩሉ ኣሎና እንብሎ ብከምኡ ዝተቀበልናዮ ምዃኑ! ስለ’ዚ ብከምኡ ክንዕድሎ ከምዘሎና እንክንዝንግዕ እዩ። እዚ ብሓቂ የሕምም ይብሉ ቅዱስነቶም ዘሕምመሉ ምኽንያት ከኣ ገሊኦም ጓሶት ነፍሳት ነቲ ብከምኡ ዝተቀበልዎ ጸጋ እግዚአብሔር ናይ ንግድን ረብሓን መጋበሪ ምግባሮም እዩ። ብሓቂ የሕዝን ገለ ጓሶት ነፍሳት ኣነ ነዝን ነዝን ክገብረልካ እየ እዚ ኸኣ ክንድዚ ክትከፍል ይግድደካ ክብሉ ክትሰምዕ ከሎኻ ኣታ ብከምኡ ኢኻ ተቀቢልካዮ ብከምኡ ከይትዕድሎ ዝዕንቅጸካ እንታይ እዩ ክትብል የደናድነካ ኢሎም።