2019.05.19 ኣብ ሃገረ ኤውሮጳ ዘገልግሉ ኤርትራውያን ካህናት ምስ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ መንግሥተኣብ ዝተሳተፍዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ር.ሊ.ጳ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2019.05.19 ኣብ ሃገረ ኤውሮጳ ዘገልግሉ ኤርትራውያን ካህናት ምስ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ መንግሥተኣብ ዝተሳተፍዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ር.ሊ.ጳ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

ክርስትያን ማለት ንሕጊ እግዚአብሔር ዘፍቅሩ ደአ እምበር ነቓጻት ኣይኮኑን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብምኽንያት ሓዋርያዊ ጒዕዞ ኣቋሪጾሞ ዝቀንዩ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ምስ ዝተፈላለዩ ጒጅለታት ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሎሚ ዕለት 10 ግንቦት 2019 ዓምፈ ድርቅና ቅዱስ ጳውሎስን ናብ ጐይታ ምምላሱን ዝገልጽ ክፍሊ ግብረ ሓዋርያት መሠረት ብምግባር ‘ልባትና ንድምጺ እግዚአብሔር ክፉት ክንገብሮን ክንእዘዞን እንከሎና ሓቀኛ ለውጢ ይመጽእ` እንክብሉ ድርቅና ጳውሎስ ኣብ ቅንኣት ሕጊ እግዚኣአብሔር ብምንባሩ ሓዋርያ ኣሕዛብ ክኸን በቂዑ ኢሎም። ኣብ’ቲ ቅዳሴ ኣብ ሃገረ ኤውሮጳ ዘገልግሉ ኤርትራውያን ካህናት ምስ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ መንግሥተኣብ ከም ዝተሳተፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ብዛዕባ ምእማን ሳውል ዘዘንቱ ግሐ 9 ነበረ። ሳውል ንክርስትያን ከሳድድ እንክጐዓዝ ኣብ መንገዲ ደማስቆ ጐይታ ‘ሳውል ሳውል ስለምንታይ ተሳድደኒ’ እንክብል ብዓቢ ብርሃን ምስ ደጐሖ ‘መን ኢኻ’ ኢሉ ሓተተ። ጐይታ ከኣ ‘እቲ ንስኻ እተሳድደኒ ዘሎኻ ክርስቶስ እየ’ ክብል መሊሱ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ሓቢሩ ኣብ መወዳእታ ሓዋርያኡ ኰይኑ ብኡ ንብኡ ወንጌል ክሰብኽ ከምዝጀመረ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዚ መበገሲ ብምግባር ንድምጺ እግዚኣአብሔር ሰሚዕካ እንክትእዘዞ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ነገር ምዃኑ ንምግላጽ ‘እዚ ፍጻሜ እዚ ጒዕዞ ታሪኽ ድሕነት ዝለወጠ ለውጢ ልቢ ኮይኑ ነቶም ብትውልዲ እስራኤላውያን ንዘይኮኑ ነቶም ኣሕዛብ ዝበሃሉ ብሥራት ድሕነትን ወንጌልን ተጀሚሩ። ብሓጺሩ ናይ ቤተክርስትያን ካቶሊካውነት ኩላውነት ማዕጾ ተራሕዩ። እዚ ከኣ ብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ` ኢሎም።

ቅዱስነቶም ነቲ ታሪኽ ክነስተንትነሉ በብሓደ ይደግምዎ እዚ ሓዋርያ ኣሕዛብ ንሠልስተ መዓልቲ ዓዊሩ ብዘይ መግብን ማይን ጐይታ ንኣናንያ ክሳብ ዝሰደሉን በብቊሩብ ጒዕዞ ለውጢ ኣጀሚሩ ብመንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝምላእ ዘሰንዮን ነዊሕ ተጋዲሉ ድሕሪ ቢሎም ነዚ ንምብቃዕ ክልተ ነገራት ከምዘድልያ ንሰን ከኣ እትዛረቦን እትገብሮን ሓደ ምዃንን ንቃል እግዚአብሔር ምሉእ ብምሉእ ተኣዛዚ ምዃንን እየን ኢሎም።

ዘረባን ግብርን ሓደ ምዃንን ልኡምነት!

ንቅዱስ ጳውሎስ ንምግላጽ እንጥቀመሎም ቃላት ብዙሕ ግዜ ሓያል ሰብኣይ ከምዝነበረን ኣብ ሕጊ እግዚኣአብሔር ቀናእ ብፍቅሪ እግዚአብሔር ዝሰኸረን ብምንባሩ ሓንቲ እኳ ክትጐድል ይደሊ ዘይነበረ ኰይኑ ቅኑዕ ዝብሎን ዝገብሮን ሓደ ዝኾነ ልኡም ተኣዛዚ ሕጊ እግዚአብሔር ነበረ።

ቅድሚ ዝኣገረ ንእግዚአብሔር ክፉት ብምንባሩ ዝብሎን ዝገብሮን ሓደ ነበረ። ንክርስትያን እንተኣሳደደ እግዚአብሔር ነዚ ከምዝደሊ 100% ርግጸኛ ነሩ። እዚ ዘቃጽል ቅንኣት እዚ ንንጽሕና ቤተ እግዚአብሔር ንክብሪ እግዚአብሔር እዩ ዝነበረ። ልቢ ቅዱስ ጳውሎስ ንእግዚአብሔር ክፉት ነበረ ድምጹ ክሰምዕ ወትሩ ስንድው ምስ ሰምዔ ከኣ የማነ ጸጋም ከይበለ ይእዘዞ ነበረ። ንኩሉ ሓዲጉ ጠኒኑ ፍቃድ ኣምላኽ ንምፍጻም ይጐዓዝ ነበረ። ማዕረ ማዕረ እቲ ሕያያል ምዃኑ ልኡም ነበረ ተኣዛዚ ነበረ ደረቅ ኣይነበረን።

ከም ቅዱስ ጳውሎስ ድርቅና ነፍስና ክትንክፍ የብሉን!

ቅዱስ ጳውሎስ ምናልባት ካብ ዝሓዞን ዝመደቦን ፈልከት ዘይብል ነቃጽ ይመስል ኮይኑ ግን ነፍሱ ከምኡ ኣይነበረትን ንቃል ኣምላኽን ንትእዛዝ ኣምላኽን ክፉት እዙዝ ነበረ። ንክርስትያን ከሳድድን ክቀትልን ዝነቀለ ድምጺ ጐይታ ምስ ሰምዔ ንኩሉ ገዲፉ ከም ሓድ ሕጻን ንሱ ክመርሖ ምሉእ ፍቃዱ ሂቡ።

ዓዊሩስ ናብ ኢየሩሳሌም ሰባት ክመርሕዎ ኣመን ኢሉ ይቅበል! ሠለስተ መዓልቲ ይጸውም ጐይታ ክሳብ ዝነግሮ ብትዕግሥቲ ይጽበ። እቲ ዝነበሮ ቅንኣትን ሃረርታን እምንቶን ብቃል ጐይታ ይዕበሱ። ናብ ጐይታ ቊሊሕ ኢሉ ከኣ ‘ጐይታየ እንታይ እየ ክገብር ይብል’። ናብ ደማስቆስ ከይዱ ንኣናንያ ክረክብ ምስ ተሓበረ ይኸይድ ንዝተዋህቦ ትምህርቲ ኩሉ ይቅበል ከም ሓደ ሕጻን ከኣ ይጥመቅ። ሱቚ ኢሉ ከኣ ዝተባህሎ ጥራይ ክገብር ይጅምር። ኣብ ምድረ በዳ ስዑዲ ዓረብ ንክጽሊ ይኸይድ ዕለታትዶ ጸልዩ ዓመታት ኣይንፈልጦን። ዘገድሰና ልኡምነቱን ተኣዝዞኡን እዩ። ንቃል ኣምላኽ ልብኻ ምኽፋት ንኣኡ ምእዛዝን ንኣኡ ዝመስል የለን። እዚ ከኣ ንዓና ዓቢ ኣብነት እዩ። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
10 May 2019, 19:48
ንኩሉ ኣንብብ >