ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ናይ ሕይወትናን ኣብ ሕይወትናን ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ናይ ሕይወትናን ኣብ ሕይወትናን ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ናይ ሕይወትናን ኣብ ሕይወትናን ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን

ኣብ መንጐ ኢየሱስን ኒቆዲሞስን ዝተኻየደ ዝርርብ፥ ኢየሱስ፥ ብዛዕባ ካልእይ ምውላድ ይዛረብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ሎሚ ዕለት 30 ሚይዝያ 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ምእመናን ኣብ ሕይወቶም ንመንፈስ ቅዱስ ቦታ ክህቡ  ይዕድሙ።

ቅዱስነቶም ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ኣብ ካብ

ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 32-37

ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 7-15

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጐ ኢየሱስን ኒቆዲሞስን ዝተኻየደ ዝርርብ፥ ኢየሱስ፥ ብዛዕባ ካልእይ ምውላድ ይዛረብ፡ እዚ ምውላድ’ዚ ውልዶ ካብ ላዕሊ ዝብል ኰይኑ፡ ነዚ ምንባብ’ዚ ምስ በዓለ ፋሲካን ትንሳኤ ዘእግዚእነን ብምትሕሓዝ፡ ኢየሱስ ኣብ ቀዳማይ ግልጸት ድህረ ትንሳኤኡ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቱ መንፈስ ቅዱስ ተቐብሉ እንክሉ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ቅዱስ መንፈስ የሕድረሎም፡

መንፈስ ቅዱስ ሓይልና እዩ

ሓይልና መንፈስ ቅዱስ ብሙዃኑ ብዘይ ብኣኡ እንገብሮ ነገር የሎን፡ ሕይወት ክርስትና ሰናይን ቅኑዕን ምፍጻም ኣብ ዝብል ግብረ ገባዊ ሚዛን ዝንበር ጥራሕ ኣይኰነን ካብኡ ንላዕሊ ካብ መንፈስ ቅዱስ ምውላድ ዝሓትት እዩ፡ ስለዚህ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወትና ቦታ ንምሃብ ዝተጸዋዕና ምዃንና የብርሁ።

ክንየው ውስንነትና ክንየው ሞትን ንኸነብል ዘብቅዓና መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ቦታ ዘይህብ ክርስትና ኣልቦ እምነት ዝዀነ ክርስትና እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ናይ ክርስትና ሕይወት ቀንደይና ተዋሳኢ እዩ፡ ንሱ የስንየና ይልውጠናን ሓጢኣት ንኸነሰንፍ እውን የብቅዓና።

ካብ ሰማይ ዝወረደ እንተዘይኰይኑ ካልእ ማንም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ’ኳ የልቦን፡ እቲ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ ይብለና፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወት ክርስትና ዘሰንይ ብምዃኑ፡ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዘሰንየና፡ ህያብ ኣብን ወልድን እዩ፡ ፍቕሪ ኣብ መንጐ ኣብን ወልድን እዩ ምስ በሉ ኣስዒቦም፡ እዚ ኣስትውዕሎ’ዚ መታን ክህልወና ሓገዝ ካብ ጐይታ ንለምን፡ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ክርስትያናዊ ሕይወት ኰነ ክርስትያናዊ ምግባር ክህሉ ኣይክእልን፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወተይ እንታይ ዓይነት ቦታ እየ ዝህቦ? ቢልና ንግዛእ ርእስና ንሕተት፡ ነዚ ኣብ ሕይወትና ዘሰንየና ጸጋ ብዕምቆት ንኸነስተውዕል እግዚኣብሔር ድጋፉ ይሃበና እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ናይ ሕይወትናን ኣብ ሕይወትናን ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን
30 April 2019, 16:59
ንኩሉ ኣንብብ >