ናብ ጐይታ እንክንጽሊ ብትብዓት ክንገብሮ የድሊ! ላንጋ ላንጋ ዘይኮነ ብኩለንትናኻ ምጽላይ የድሊ! ር.
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ነቲ ሕዝበ እስራኤል ሙሴ ኣብ ደብረሲና ምስ ደንጐየ ንኣሮን ጣዖት ጣዕዋ ሥርሓልና ኢሎም ንኣኡ ከምልኹ ምስ ጀመሩ እግዚአብሔር ብግብሮም ተቘጢዑ ከጥፍኦም ምዃኑ ንሙሴ ምስ ሓበሮ ሽሕ’ኳ ንኣኻ ዓቢ ሕዝቢ ክገብረካ እየ እንተበሎ ሙሴ ግን ስለ ሕዝቡ ብግምባሩ ተደፊኡ ተማሕጸነ እግዚአብሔር እውን ከምዝሰምዖ እሞ ከምዝመሓሮም ዝገልጽ ነበረ።
ቅዱስነቶም ካብዚ ብምንቃል ጸሎት ማለት እዚ እዩ። ብትብዓት ዝግበር ጸሎት! ምስ ኣምላኽ ገጽ ንገጽ እናተራኣኣኻ ዝግበር ጸሎት እምበር ኣይምውቕ ኣይዝሑል ዘይኮነስ ኩለንትናኻ ወፊኻ ዝግበር ጸሎት እዚ እዩ እንክብሉ ምናዳ ከኣ ኣብዚ ዘመነ ኣርብዓ ብጾምን ምግባረ ሠናይን ዝተሰንየ ጸሎት ንትንሣኤ የሰናድወና ኢሎም። ምእንቲ ካልኦት እተዕርጎ ጸሎት ከመይ ኢሉ ከምዝቆመ ንምግላጽ ከኣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ምእንቲ ካልኦት ዘማልዱ ሙሴ ኣብርሃም ሃና ኣደ ሳሙኤል ከምኡ እውን እታ ጓላ ዝሓመመታ ከነዓናዊት ሰበይቲ ይጠቅሱ።
ናይ ሙሴ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ እንክኸውን ናይ ኣብርሃም ከኣ እግዚአብሔር ንሶዶም ብሓውን ዲንን ከጥፍኣ ምስ መደበ ኣብርሃም ምእንቲ ሰዶም ኣብ ዝለመነሉ 50 ጻድቃን እንተዝርከቡስ ንኣኦም ክትብል ኣይምመሓርካያንዶ ክብል ክሳብ ዓሠርተ ምስ በጽሐ ማንም ክረክብ ብዘምኽኣሉ ንሱን ቤተሰቡን ክሃድሙ ወሲኖም። ኣብርሃምከስ ከም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ውረድ ደይብ ዝብሉ ዓይነት ምስ እግዚአብሔር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይኣቱ። ከምኡ ሃና ኣደ ሳሙኤል ዒሊ ሊቀ ካህናት ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ውሉድ ብምስኣና ኣብ ብርቱዕ ጓሂ ኰይና እግዚአብሔር ብዝሰምዖ እህህታ ሱቚ ኢላ ክትጽሊ ከላ ዔሊ ምናልባት ሰኺራ ዶ ትኸውን ክሳብ ዝብላ ከናፍራ ጥራይ ክንቀሳቀስ ይዕዘባ ኣብ መወዳእታ ከኣ መንፈስ ቅዱስ መሪሕዎ ኪድ ኣምላኽ እስራኤል ይርዳእኪ ክብል ይምርቃ እሞ ኣብ ዓመቱ ንሳሙኤል ትወልድ። ከምኡ እታ ጓላ ዝሓመመታ ሲሮፎኒቃዊት ሰበይቲ ኢየሱስ መጀመርያ ገጽ ይኸልኣ መግቢ ቈልዑት ንኣኽላባት ምሃብ ግቡእ ኣይኮነን ይብላ ንሳ ግን እታ ብጋኔን ትሳቀ ጓላ ብዙሕ ስለዘሕዘነታ ኣኽላባት እውን ካብ መኣዲ ጐይቶቶም ዝወደቀ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም ክትብል ኣምሪራ ትልምን እሞ ኢየሱስ ዕብየት እምነታ ርእዩ ጓልኪ ሓውያ ይብላ።
ምስ እግዚአብሔር ገጽ ንገጽ ክትዘራረብ ዘድሊ ትብዓት!
ጸሎት ክንብል እንከሎና ለፍሊፍካ ምኻድ ዘይኮነስ ንጹሕ ሕልና ሃልዩካ ነቲ እትልምኖ ከም እትቅበሎ ተኣማሚንካ ምስ እግዚአብሔር ገጽ ንገጽ ክትዘራረብ ምኽኣል እዩ። ሓንሳእ ሓንሳእ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት እንክትርኢ ዳርጋ ምስ እግዚአብሔር ኣብ ቅልስ ዚኣትው እሞ ክሳብ እግዚአብሔር ነቲ ዝደልይዎ ዝህቦም ደው ዘይብሉ ይመስሉ። ከምዚ ምግባሮም ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም ጐይታ ነታ ተድልዮም ጸጋ ከምዝህቦም ስለዝኣምኑ እዮም ኢሎም።
ኢየሱስ ናብ እግዚአብሔር አብ ምእንታና የማልድ!
እቲ ኣብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ኰይኑ ምእንታና የማልድ ኣሎ። ነዚ ከኣ ከምቲ ቀቅድሚ ሕማማቱ ንጴጥሮስ ዝበሎ ምእንቲ ነፍሲወከፍና እውን የማልድ እዩ።