መሥዋዕተ ቅዳሴ  ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ  (ANSA)

ናብ ጐይታ እንክንጽሊ ብትብዓት ክንገብሮ የድሊ! ላንጋ ላንጋ ዘይኮነ ብኩለንትናኻ ምጽላይ የድሊ! ር.

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 4 ሚያዝያ 2019 ዓምፈ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክንጽሊ እንከሎና ጸኒዕና ከይሰልቾና ክንልምን ከምዘሎና ገሊጾም። ናይ ሪፓብሊክ ሃገረ ኢጣልያ ፕረሲደንት ሰርጆ ማተረላ እውን ብግሊ ኣብቲ ቅዳሴ ተሳቲፎም ከምዝነበሩ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ነቲ ሕዝበ እስራኤል ሙሴ ኣብ ደብረሲና ምስ ደንጐየ ንኣሮን ጣዖት ጣዕዋ ሥርሓልና ኢሎም ንኣኡ ከምልኹ ምስ ጀመሩ እግዚአብሔር ብግብሮም ተቘጢዑ ከጥፍኦም ምዃኑ ንሙሴ ምስ ሓበሮ ሽሕ’ኳ ንኣኻ ዓቢ ሕዝቢ ክገብረካ እየ እንተበሎ ሙሴ ግን ስለ ሕዝቡ ብግምባሩ ተደፊኡ ተማሕጸነ እግዚአብሔር እውን ከምዝሰምዖ እሞ ከምዝመሓሮም ዝገልጽ ነበረ።

ቅዱስነቶም ካብዚ ብምንቃል ጸሎት ማለት እዚ እዩ። ብትብዓት ዝግበር ጸሎት! ምስ ኣምላኽ ገጽ ንገጽ እናተራኣኣኻ ዝግበር ጸሎት እምበር ኣይምውቕ ኣይዝሑል ዘይኮነስ ኩለንትናኻ ወፊኻ ዝግበር ጸሎት እዚ እዩ እንክብሉ ምናዳ ከኣ ኣብዚ ዘመነ ኣርብዓ ብጾምን ምግባረ ሠናይን ዝተሰንየ ጸሎት ንትንሣኤ የሰናድወና ኢሎም። ምእንቲ ካልኦት እተዕርጎ ጸሎት ከመይ ኢሉ ከምዝቆመ ንምግላጽ ከኣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ምእንቲ ካልኦት ዘማልዱ ሙሴ ኣብርሃም ሃና ኣደ ሳሙኤል ከምኡ እውን እታ ጓላ ዝሓመመታ ከነዓናዊት ሰበይቲ ይጠቅሱ።

ናይ ሙሴ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ እንክኸውን ናይ ኣብርሃም ከኣ እግዚአብሔር ንሶዶም ብሓውን ዲንን ከጥፍኣ ምስ መደበ ኣብርሃም ምእንቲ ሰዶም ኣብ ዝለመነሉ 50 ጻድቃን እንተዝርከቡስ ንኣኦም ክትብል ኣይምመሓርካያንዶ ክብል ክሳብ ዓሠርተ ምስ በጽሐ ማንም ክረክብ ብዘምኽኣሉ ንሱን ቤተሰቡን ክሃድሙ ወሲኖም። ኣብርሃምከስ ከም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ውረድ ደይብ ዝብሉ ዓይነት ምስ እግዚአብሔር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይኣቱ።  ከምኡ ሃና ኣደ ሳሙኤል ዒሊ ሊቀ ካህናት ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ውሉድ ብምስኣና ኣብ ብርቱዕ ጓሂ ኰይና እግዚአብሔር ብዝሰምዖ እህህታ ሱቚ ኢላ ክትጽሊ ከላ ዔሊ ምናልባት ሰኺራ ዶ ትኸውን ክሳብ ዝብላ ከናፍራ ጥራይ ክንቀሳቀስ ይዕዘባ ኣብ መወዳእታ ከኣ መንፈስ ቅዱስ መሪሕዎ ኪድ ኣምላኽ እስራኤል ይርዳእኪ ክብል ይምርቃ እሞ ኣብ ዓመቱ ንሳሙኤል ትወልድ። ከምኡ እታ ጓላ ዝሓመመታ ሲሮፎኒቃዊት ሰበይቲ ኢየሱስ መጀመርያ ገጽ ይኸልኣ መግቢ ቈልዑት ንኣኽላባት ምሃብ ግቡእ ኣይኮነን ይብላ ንሳ ግን እታ ብጋኔን ትሳቀ ጓላ ብዙሕ ስለዘሕዘነታ ኣኽላባት እውን ካብ መኣዲ ጐይቶቶም ዝወደቀ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም ክትብል ኣምሪራ ትልምን እሞ ኢየሱስ ዕብየት እምነታ ርእዩ ጓልኪ ሓውያ ይብላ።

ምስ እግዚአብሔር ገጽ ንገጽ ክትዘራረብ ዘድሊ ትብዓት!

ጸሎት ክንብል እንከሎና ለፍሊፍካ ምኻድ ዘይኮነስ ንጹሕ ሕልና ሃልዩካ ነቲ እትልምኖ ከም እትቅበሎ ተኣማሚንካ ምስ እግዚአብሔር ገጽ ንገጽ ክትዘራረብ ምኽኣል እዩ። ሓንሳእ ሓንሳእ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት እንክትርኢ ዳርጋ ምስ እግዚአብሔር ኣብ ቅልስ ዚኣትው እሞ ክሳብ እግዚአብሔር ነቲ ዝደልይዎ ዝህቦም ደው ዘይብሉ ይመስሉ። ከምዚ ምግባሮም ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም ጐይታ ነታ ተድልዮም ጸጋ ከምዝህቦም ስለዝኣምኑ እዮም ኢሎም።

“ከምዚ ዓይነት ጸሎት ንምግባር ትብዓት የድሊ። ንሕና ብዙሕ ግዜ ኣይምውቃት ኣይዝሑላት ኢና። ገለና ከኣ ‘እዚ ጸገም እዝን ካልእን ስለዘሎኒ እየ ዝጽሊ ዘሎኹ . . በዚ ከኣ ሓደ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ሓንቲ ሰላም ንዓኺ ይብል እሞ እዝንግዕ . . ንብል። ከምዚ ኢልካ ግን ጸሎት ኣይኮነን ከም ሕንጻይ ወይ ፓፓጋሎ ቃላት ምድጋም እዩ። እታ ሓቐኛ ጸሎትሲ ብትብዓት ምስ ጐይታ ፊት ንፊት እናገጠምካ ዝግበር እዩ። ከማልድ እንተዀይነ ብከምዚ ዝበለ ኣገባብ ብትብዓት ክገብሮ ኣሎኒ። ሰባት ኣብ ዕለታዊ ኣዘራርባኦም ዝብልዋ ቃል ኣላ - ኩለንትናይ ወፊየ - ጸንቂቀ ዝብል ኣበሃህላ ኣብ ጸሎት የድልየና ምንም ከየትረፍና ኩሉ ክንገብር ኣሎና። ምናልባት ኣብዚ ክንጠራጠር ንኽእል ንኸውን ኣነ እዚ እገብር ኣሎኹ እንድዒኸ ጐይታ ይሰምዓኒዶ ኾን ዝብል ሓሳብ ጥቃና ክቀርብ የብሉን። ንሕና ሓንቲ ርግጽነት ኣላትና ኢየሱስ እቲ ዝዓበየ ጠበቃና እዩ ምእንታ ዘማልድ ዓቢይ ኣማላዲ ስለዝኾነ ምንም ክንጠራጠር የብልናን።”

ኢየሱስ ናብ እግዚአብሔር አብ ምእንታና የማልድ!

እቲ ኣብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ኰይኑ ምእንታና የማልድ ኣሎ። ነዚ ከኣ ከምቲ ቀቅድሚ ሕማማቱ ንጴጥሮስ ዝበሎ ምእንቲ ነፍሲወከፍና እውን የማልድ እዩ።

“እታ ኢየሱስ ምእንታና ዘዕርጋ ጸሎት ወትሩ ኣላ። ኣነ እንክጽሊ ብዝኾነ መንገዲ ንጥቅመይ ድዩ ንዋጋ ዕዳጋ ድዩ ብዝኾነ መንገዲ ምስ ጐይታ እንክማጐት ነታ ጸሎተይ ተቀቢሉ ናብ እግዚአብሔር አብ ዘቅርባ ኢየሱስ እዩ። ነቲ ምእንታይ ዝተወግኤ ኣእዳውን እግሩን ጐድኑን ኣናኣርኣየ ምእንታና የማልድ። እግዚአብሔር ኣቦ ከኣ ነቲ ኣቊሳል ይርኢ ጸጋ ከኣ ይዕድል። ክንጽሊ እንከሎናኸስ ምስ ኢየሱስ ሓቢርና ከምእንገብሮ ንዘክር። ትብዓት ዘድልዮ ሓያል ጸሎት እንክነዕርቅ ምስ ኢየሱስ ኰና ንግበር። ትብዓትና ኢየሱስ እዩ ርግጽነትናን ዋሕስናን እውን ኢየሱስ እዩ። ንሱ ወትሩ ምእንታና የማልድ። ድሕሪ ቢሎም ጐይታ በዚ መንገዲ እዚ ክንጐዓዝ ጸጋኡ ክዕድለናን ምእንቲ ካልኦት ንምምላድ ክምህረናን ንለምኖ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
04 April 2019, 16:43
ንኩሉ ኣንብብ >