2019.03.28 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2019.03.28 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ተሪር ልቢ ምትእምማን የጥፍእ! ብጐይታ የማርር ንጐይታ ከኣ ይሓሚ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 28 መጋቢት 2019 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ኣብ ትሪ ልቢ ወዲቅና ኢድ ጐይታ ካብ ምስባር ምእንቲ ክንድሕን ንድምጺ ጐይታ ንስማዕ’ እንክብሉ እግዚአብሔር በዓል ምሉእ ምሕረት ብምዃኑ ብምሉእ ልብና ናብኡ ክንምለስ ወትሩ ከምዝጽዋዓና ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ  ንዕለቱ ዘቅረቦ ቀዳማይ ንባባ ካብ ትንቢት ኤርምያስ 7.23-28 ኮይኑ ‘ዝኣዘዝክዎምሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም። ጽቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡውን፡ በቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘበለ ዂሉ መገድታት ተመላለሱ። ግናኸ ብምኽሪ ርእሶምን በቲ ኽፉእ ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ ድማ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ጽን ኣይበላን። ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዂላቶም ግዙኣተይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ ኣብ ጸጽባሕ ኣንጊሄ ለኣኽኩልኩም። ግናኸ ክሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ከኣ ኣባይ ጽን ኣይበላን፡ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዚገድድ ድማ ገበሩ። እዚ ዂሉ እኳ እንተ ነገርካዮም፡ ኣይኪሰምዑኻን እዮም፡ እንተ ጸዋዕካዮምውን ፡ ኣይኪመልሱልካን እዮም፡ እምበኣርስኸ፡ እቲ ንድምጺ እግዚኣብሔር ኣምላኹ ዘይሰምዕ፡ ተግሳጽ ከኣ ዘይቕበል ህዝቢ እዚ እዩ። ሓቂ ጠፍኤ፡ ካብ ኣፎምውን ኣቋረጸ፡ ክትብሎም ኢኻ።’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዚ ኣመልኪቶም እንክሰብኩ `እዘን ቃላት እዚኤን ልዕሊኤን ኣሎ ክትብሎ ዘይከኣል ንንስሓን ንለውጥን ዝዕድማ ኰይነን ድምጺ ኣምላኽ ምስማዕ ዚኣቢ ተሪር ልቢ ከም ማይ ብምስኣን ዝደረቀ መሬት ኮይኑ ከም እምኒ ይተርር። ገለ ንኣኡ ዘይጥዕሞ ነገር ምስ ዘጋጥሞ ከኣ ምስ ጐይታ ይራገመን ስም ጐይታ የጒድፍን ንጐይታ ይሓምን። ነዚ ከኣ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ‘እቲ ምሳይ ዘይኮነ ተጻየይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ድማ ይብትን’ (ሉቃ 11.23) እዚ ከኣ ወይ ተሪር ልቢ ከምዘሎካ ወይውን ምትእምማን ከምዘጥፋእካ የመልክት` እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ምትእምማን ናይ ምጥፋእ ሓደጋ!

ቅዱስነቶም በታ ካልአይቲ ነጥቢ ይጅምሩ እሞ እምነት ኣጒዲልካ ተኣማንነት ስኢንካ ምትእምማን ኣብ ምጥፋእ ዘሎ ሓደጋ ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ። ንሕና ብዙሕ ግዜ ጸማማት ኢና ድምጺ ጐይታ ከኣ ኣይንሰምዖን። ከም ምስማዕ እኳ ብዙሕ ግዜ ስለዝንገረና ንሰምዖ ግን ንማንም ዜና ከምእንሰምዖ ጌርና ኢና እንሰምዖ። ጐይታ ዝምሕጸነና ዘሎ ግን ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ንባብ ዝሰማዕናዮ ድምጹ ንክንሰምዕን ልብና ንከይነትርርን እዩ። ንጸገም ኣምላኽ ምስ ሕዝቢ እስራኤል ብኣፍ ኤርምያስ ነቢይ እንክገልጾ ‘ግናኸ ብምኽሪ ርእሶምን በቲ ኽፉእ ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ ድማ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ጽን ኣይበላን።’ ይብል። እዚ ከኣ ጓሂ እግዚአብሔር ዝገልጽ ኰይኑ ቀጺሉ ዝብሎ ድምጹ እንተደኣ ሰሚዖም ንሱ ኣምላኾም ንሶም ከኣ ሕዝቢ ከምዝኾኑ የተስፍዎም። ኮይኑ ግን እቲ ሕዝቢ ኣይሰምዖን እዝኑ ዓጸወ። ሎሚ እውን እንተኾነ ንነፍስወከፍና ድምጹ ክንሰምዕ ይዕድመና ኣሎ! ነዙይ ምስ ዘይንገብር ከኣ እታ ኣብ ላዕሊ ዝሰማዕናያ ህልኽ ልቢ ክትሕዘና እሞ ንጐይታ ሕቈና ክንህብ ኢና።  ጐይታ ግን ንበድልናን ክሕደናን ከይጸብጸበ ወትሩ ይጽበየና። ነቲ ኣቀዲሙ ዝገበረልና እውን የዘኻኽረና። ኮይኑ ግን ከምቲ ናይ እስራኤላውያን ልቦም ብምትራር ካብ ኣቦታቶም ዝገደዱ ዝኾንዎ እዩ። ከምቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ እውን ንኤርምያስ ነቢይ እንታይ ግድኻ ንገሮም ግን ኣይክሰምዑኻን እዮም ቢሉ እንከብቅዕ ናይ ለበዋ ቃናን ትሕዝቶን ብዘለዎ ላዛ ደጊም ምትእምማን ጠፊኣ እያ ይብሎ።

“ምትእምማን ዘይብሉ ሕዝቢ ናይ ተኣማንነት ትርጉም ዝረሰዔ እዩ። ቅድስት ቤተክርስትያን እውን ሎሚ ኣብ ቦታ ነቢያት ኮይና ነዚ ሕቶ እዚ ተቅርበልና። እሞ ነፍሲወከፍና ኣብ ሕልናና ምልስ ኢልና ‘ኣብ ጐይታይ ዘሎኒ ምጥእምማን ኣጥፊአያዶኾን! ኢልና ንሕተት። ምናልባ ያእ! ኣባቴ ኣነስ ኣየጥፋእክዋን ሰንበት ሰንበት ቅዳሴ እሳተፍ እየ! ክትብሉኒ ትኽእሉ! ኣነ ግን እታ ናይ ልቢ ምትእምማን እየ ዝሓትት ዘሎኹ! ስለዚ ናብ ሕልና ምልስ ኢልና ኣነስ ነዛ ናይ ልቢ ምትእምማን ኣጥፊአያ ልቢ ተሪር እዩ ህልኸኛ እዩ ጸማም እዩ ንጐይታ ክሰምዖ ፍቃደኛ ኣይኮንኩን ሓደ ክልተ ነገር ይስለጠለይ እምበር ባዕሉ ይፈልጥ በሃላይ ድየ! እዚ ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእስና ክነቅርቦ ዘሎና ሕቶ እዩ። ምናዳ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዘመነ ጾመ ኣርብዓ ናይ ሕልና መርመራ ንምግባር ክሕግዘና እዩ። ዕድመ ቤተክርስትያን ከስ ንድምጺ ጐይታ ንምስማዕ ሎሚልብኹም ኣይተትርሩ ዝብል እዩ። ተሪር ልቢ ሒዙ ዝነብር ንድምጺ ጐይታ ዘይሰምዕ ሰብ ክንዮ እዚ ይሰግር እሞ ንኣኡ ዘየሐጒስ ሓደ ነገር ከጋጥሞ እንከሎ ጐይታ ፋሕ ከምዘበለሉ ይሓስብ እሞ ከምዚ ዝገበረኒ ኣምላኽ እናበለ የማርር ስም ኣምላኽ የካፍእ የጒድፍ። ኢየሱስ ከኣ ኣግሂዱ ምሳይ ዘይኮነ ተጻየይ እዩ ይብለና ኣሎ።”

ኢየሱስ፡ ምሳይ ዘይኮነ ተጻየይ እዩ፡ ይብል።

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምልስ ይብሉ እሞ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘጋጠሞ ጸገም እውን ድምጺ ጐይታ ጽን ኢልካ ናይ ዘይምስማዕ ጸገም ከምዝነበረ ይግለጹ። ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ሉቃ 11.14-23 ኮይኑ ጐይታና ኢየሱስ ንነፍሳትናን ንልባትናን ንከሕዊ ተኣምራት ይገብርን ሕሙማት የሕውን ነበረ። ንሓደ ዓባስ ሰብኣይ ምስ ኣሕወየ እዞም ድንዙዛት ልቢ ዝበልዎ ሰሚዕኩምዶ ብበዔልዜቡል ማለት ብሓለቃ ኣጋንንቲ ጌሩ እዩ ዘሕውዮም ዘሎ ኢሎም ክሓምይዎ ጀሚሮም። እዚ ከኣ ነቲ ሓይልን ተኣምርን ንምቚንጻብ ዋጋ ከምዘይህልዎ ንምግባርን ሰብ ብኣኡ ከምዘይድነቅን ንእግዚአብሔር ክብሪ ከምዘይህብን ንምግባር ነበረ። መጀመርያ ድምጺ እግዚአብሔር ንክሰምዕ ብዘይምፍቃድ ንልብኻ ምትራር ደሓን ከኣ ምቊንጻብ እዚ እዩ ሥራሕ ጸላኤ ሠናያት። ኣብዚ ሓደ ሓደጋ ኣሎ እዚ ከኣ ሣልሳይ ደረጃ ኰይኑ መምልሲ ዘይብሉ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸርፊ መንፈስ ቅዱስ ዝብሎ እዩ።

“ጐይታና ኢየሱስ ንከእምኖም ሒዅ ይብል ግን ዋይከ! ኣብ መወዳእታ ከኣ ከምቲ ኤርምያስ ነቢይ ‘ምትእምማን ጠፊኣ’ ዝብሎ `ምሳይ ዘይኮነ ተጻየይ እዩ’ ይብል። ምናልባት ገለኹም ኣይፋሉን ኣባ ከምኡ ኣይኮነን ኣነ ምስ ኢየሱስ እየ ግን ኣይርሑቅ ኣይቅሩብ ኰይነ ክከታተሎ ይሕሸኒ! ክብል ይኽእል ኣነ ከኣ ከምኡ ዝበሃል የለን ወይ ምስ ኢየሱስ ኢኻ ወይውን ተጻይ ኢየሱስ ኢኻ ወይ ብኢየሱስ ትእመን ወይ ዘይእትመን ኢኻ! ወይ ተኣዛዚ ልቢ ኣሎና ወይውን ዘይተኣማመን ተሪር ልቢ ኣሎካ። ነፍስወከፍና ኣብ ግዜ ቅዳሴስ ይኹን ንሎሚ ምሉእ መዓልቲ ምትእምማነይ ከመይ ኣላ ኢሉ የስተንትን። ንጐይታ ንክኽሕድን ንከቈንጽቦን ምኽንያት ሃሰስዶ እብል! ተስፋይ እሕልዋዶ! እተን ክልተ ቃላት ማለት እታ ናብ ነቢይ ዝ ‘ምትእምማን ጠፊኣ` ከምኡ እውን ናይ ኢየሱስ ‘ምሳይ ዘይኮነ ተጻየይ እዩ’ ዝብላ ንዓናውን ንተስፋ ዝኸውን ቦታ ስለዝፈጥራልና ንጠቀመለን እሞ ናብ ጐይታ ንመለስ።”

ናብ ጐይታ ምምላስ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ናይ ዕለቱ ምስማክ ካብ ትንቢት ኢዮኤል 2.13 ‘እምብኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ይብል እግዚኣብሔር። ንሱ ንዅራ ደንጓዪ፣ብሳህሊ ኸኣ ምሉእ፣ ብእከይ ድማ ተጣዓሳይ፣ ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፣ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።’ ንዝብል መሠረት ብምግባር ሽሕ’ኳ ብዙሕ ግዜ በዲልናዮን ኣስተናዒቅናዮን ሓሚናዮን እንተኾና ገና ዕድል ኣሎኩም ናባይ ተመለሱ ይብለና ኣሎ።

“ጐይታ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ ከመይ ኣነ ምሕረት ዝመልኦን ሩሕሩሕን ስለዝኾንኩ ንኩሉ እርስዖ። ንኣይ ዘገድሰኒ ናባይ ምምጻእካ ጥራይ እዩ። እቲ ቀንዲ ውራይ ከኣ እዚ እዩ። ይብለና ኣሎ። እዚ ዘሎናይዮ ግዜ ናይ ምሕረት ግዜ ናይ ርሕራሔር ጐይታ ግዜ ስለዝኾነ ንሱ ናባና ንኽመጽእ ልብና ንኽፈተሉ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
28 March 2019, 17:46
ንኩሉ ኣንብብ >