ተሪር ልቢ ምትእምማን የጥፍእ! ብጐይታ የማርር ንጐይታ ከኣ ይሓሚ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንዕለቱ ዘቅረቦ ቀዳማይ ንባባ ካብ ትንቢት ኤርምያስ 7.23-28 ኮይኑ ‘ዝኣዘዝክዎምሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም። ጽቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡውን፡ በቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘበለ ዂሉ መገድታት ተመላለሱ። ግናኸ ብምኽሪ ርእሶምን በቲ ኽፉእ ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ ድማ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ጽን ኣይበላን። ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዂላቶም ግዙኣተይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ ኣብ ጸጽባሕ ኣንጊሄ ለኣኽኩልኩም። ግናኸ ክሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ከኣ ኣባይ ጽን ኣይበላን፡ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዚገድድ ድማ ገበሩ። እዚ ዂሉ እኳ እንተ ነገርካዮም፡ ኣይኪሰምዑኻን እዮም፡ እንተ ጸዋዕካዮምውን ፡ ኣይኪመልሱልካን እዮም፡ እምበኣርስኸ፡ እቲ ንድምጺ እግዚኣብሔር ኣምላኹ ዘይሰምዕ፡ ተግሳጽ ከኣ ዘይቕበል ህዝቢ እዚ እዩ። ሓቂ ጠፍኤ፡ ካብ ኣፎምውን ኣቋረጸ፡ ክትብሎም ኢኻ።’ ዝብል ነበረ።
ቅዱስነቶም ነዚ ኣመልኪቶም እንክሰብኩ `እዘን ቃላት እዚኤን ልዕሊኤን ኣሎ ክትብሎ ዘይከኣል ንንስሓን ንለውጥን ዝዕድማ ኰይነን ድምጺ ኣምላኽ ምስማዕ ዚኣቢ ተሪር ልቢ ከም ማይ ብምስኣን ዝደረቀ መሬት ኮይኑ ከም እምኒ ይተርር። ገለ ንኣኡ ዘይጥዕሞ ነገር ምስ ዘጋጥሞ ከኣ ምስ ጐይታ ይራገመን ስም ጐይታ የጒድፍን ንጐይታ ይሓምን። ነዚ ከኣ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ‘እቲ ምሳይ ዘይኮነ ተጻየይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ድማ ይብትን’ (ሉቃ 11.23) እዚ ከኣ ወይ ተሪር ልቢ ከምዘሎካ ወይውን ምትእምማን ከምዘጥፋእካ የመልክት` እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ምትእምማን ናይ ምጥፋእ ሓደጋ!
ቅዱስነቶም በታ ካልአይቲ ነጥቢ ይጅምሩ እሞ እምነት ኣጒዲልካ ተኣማንነት ስኢንካ ምትእምማን ኣብ ምጥፋእ ዘሎ ሓደጋ ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ። ንሕና ብዙሕ ግዜ ጸማማት ኢና ድምጺ ጐይታ ከኣ ኣይንሰምዖን። ከም ምስማዕ እኳ ብዙሕ ግዜ ስለዝንገረና ንሰምዖ ግን ንማንም ዜና ከምእንሰምዖ ጌርና ኢና እንሰምዖ። ጐይታ ዝምሕጸነና ዘሎ ግን ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ንባብ ዝሰማዕናዮ ድምጹ ንክንሰምዕን ልብና ንከይነትርርን እዩ። ንጸገም ኣምላኽ ምስ ሕዝቢ እስራኤል ብኣፍ ኤርምያስ ነቢይ እንክገልጾ ‘ግናኸ ብምኽሪ ርእሶምን በቲ ኽፉእ ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ ድማ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ጽን ኣይበላን።’ ይብል። እዚ ከኣ ጓሂ እግዚአብሔር ዝገልጽ ኰይኑ ቀጺሉ ዝብሎ ድምጹ እንተደኣ ሰሚዖም ንሱ ኣምላኾም ንሶም ከኣ ሕዝቢ ከምዝኾኑ የተስፍዎም። ኮይኑ ግን እቲ ሕዝቢ ኣይሰምዖን እዝኑ ዓጸወ። ሎሚ እውን እንተኾነ ንነፍስወከፍና ድምጹ ክንሰምዕ ይዕድመና ኣሎ! ነዙይ ምስ ዘይንገብር ከኣ እታ ኣብ ላዕሊ ዝሰማዕናያ ህልኽ ልቢ ክትሕዘና እሞ ንጐይታ ሕቈና ክንህብ ኢና። ጐይታ ግን ንበድልናን ክሕደናን ከይጸብጸበ ወትሩ ይጽበየና። ነቲ ኣቀዲሙ ዝገበረልና እውን የዘኻኽረና። ኮይኑ ግን ከምቲ ናይ እስራኤላውያን ልቦም ብምትራር ካብ ኣቦታቶም ዝገደዱ ዝኾንዎ እዩ። ከምቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ እውን ንኤርምያስ ነቢይ እንታይ ግድኻ ንገሮም ግን ኣይክሰምዑኻን እዮም ቢሉ እንከብቅዕ ናይ ለበዋ ቃናን ትሕዝቶን ብዘለዎ ላዛ ደጊም ምትእምማን ጠፊኣ እያ ይብሎ።
ኢየሱስ፡ ምሳይ ዘይኮነ ተጻየይ እዩ፡ ይብል።
ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምልስ ይብሉ እሞ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘጋጠሞ ጸገም እውን ድምጺ ጐይታ ጽን ኢልካ ናይ ዘይምስማዕ ጸገም ከምዝነበረ ይግለጹ። ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ሉቃ 11.14-23 ኮይኑ ጐይታና ኢየሱስ ንነፍሳትናን ንልባትናን ንከሕዊ ተኣምራት ይገብርን ሕሙማት የሕውን ነበረ። ንሓደ ዓባስ ሰብኣይ ምስ ኣሕወየ እዞም ድንዙዛት ልቢ ዝበልዎ ሰሚዕኩምዶ ብበዔልዜቡል ማለት ብሓለቃ ኣጋንንቲ ጌሩ እዩ ዘሕውዮም ዘሎ ኢሎም ክሓምይዎ ጀሚሮም። እዚ ከኣ ነቲ ሓይልን ተኣምርን ንምቚንጻብ ዋጋ ከምዘይህልዎ ንምግባርን ሰብ ብኣኡ ከምዘይድነቅን ንእግዚአብሔር ክብሪ ከምዘይህብን ንምግባር ነበረ። መጀመርያ ድምጺ እግዚአብሔር ንክሰምዕ ብዘይምፍቃድ ንልብኻ ምትራር ደሓን ከኣ ምቊንጻብ እዚ እዩ ሥራሕ ጸላኤ ሠናያት። ኣብዚ ሓደ ሓደጋ ኣሎ እዚ ከኣ ሣልሳይ ደረጃ ኰይኑ መምልሲ ዘይብሉ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸርፊ መንፈስ ቅዱስ ዝብሎ እዩ።
ናብ ጐይታ ምምላስ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ናይ ዕለቱ ምስማክ ካብ ትንቢት ኢዮኤል 2.13 ‘እምብኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ይብል እግዚኣብሔር። ንሱ ንዅራ ደንጓዪ፣ብሳህሊ ኸኣ ምሉእ፣ ብእከይ ድማ ተጣዓሳይ፣ ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፣ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።’ ንዝብል መሠረት ብምግባር ሽሕ’ኳ ብዙሕ ግዜ በዲልናዮን ኣስተናዒቅናዮን ሓሚናዮን እንተኾና ገና ዕድል ኣሎኩም ናባይ ተመለሱ ይብለና ኣሎ።