ድለ

2019.03.07 መሥዋዕተ ቅዳሴ  ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2019.03.07 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ጐይታ ኣብ ሕይወትና ንዝገበረልና ፈጺምና ክንርስዖ የብልናን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 7 መጋቢት 2019 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ንልብና ከድሓርሕር ክጅምር እንከሎ ኣንፈትና ክነጥፍእ ንኽእል። ስለዚ ታሪኽ ድሕነትና ወትሩ ክንዝክሮ ኣሎና።’ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ድሮ ትማሊ ዝተጀመረ ጾመ አርብዓ ብምልዓል ኣብ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ክንምህለሎ ዘሎና ቀንዲ ጸጋ እግዚአብሔር ዝኽሪ ዝተገበረልና ነገራት ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሕይወቱ እግዚአብሔር ንዝገበረሉ ነገራት ክዝክር ኦ ጐይታ ጸጋኻ ሃበኒ ንበሎ ኢሎም። ሕይወት ክርስትና ምስቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶ ብግሊ ብምርኻብን ነዚ ርክብ እዚ ወትሩ ሕያው ጌርካ ምንባርን ኮይኑ ካብቲ ከቢቡና ዘሎ ሓደጋ ኣምልኾ ጣዖት ክንጥቀቅ ነፍስና ክትዛረብ እንከላ ክንሰምዓ ኣሎና እውን ኢሎም።

ብመሠረት ግጽዊ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንሎሚ ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ዘዳ 30.15-20 ኮይኑ ‘ርኤ፡ ሎሚ ህይወትን፡ ሞትን: ጽቡቕን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ። ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርን ክትበዝሕን፡ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺባርኸካ ድማ፡ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ብመገዱ ኸኣ ክትከይድ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ኣነ ሎሚ እእዝዘካ ኣሎኹ። ግናኸ ልብኻ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ እሞ እንተ ዘይሰማዕካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግድ ከኣ እንተ ተስሐብካን እንተ ኣምለኽካዮምን፡ ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ እምስክረልኩም ኣሎኹ። ኣብታ ኽትወርሳ ዮርዳኖስ ተሳጊርካ እትኣትዋ ምድሪ መዓልትታትኩም ኣይተንውሑ። ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ።  ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን፡ ንያእቆብን፡ ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትነብርሲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ።’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ነታ ልብኻ ድሕሪት እንተተመልሰ እትብልን ሎሚ ነዚ ቃል ኣምላኽ እንተዘይሰማዕካን ዝብላ ሓረጋት ምልስ ይብሉ እሞ እዚ ሓያል ጻውዒት ሓርነት እዩ ይብሉ።

“ልቢ ንድሕሪት እንክምለስ ወይውን ነታ ቅንዕቲ መንገዲ ገዲፉ ነታ ዘይቅንዕቲ እንክመርጽ ኣንፈቱ የጥፍእ ነታ ብቅኑዕ መንገዲ ክትመርሖ እትኽእል ቡሶላ የጥፍእ። ቡሶላ ዘይብሉ ልቢ ንኩሉ ሕዝቢ ሓደጋ እዩ። ነቲ ሰብ ይኹን ንካልኦት ሓደጋ እዩ። ልቢ ሰብ ነዚ ምርጫ እዚ ዚኽተል ከኣ ምስማዕ ምስ ኣበየ እዩ። ኣማልኽቲ ብዘይኮኑ ብጣዖታት ክግዛእን ከምልኾምን ምስ ጀመረ እዩ እዚ ሓደጋ እዚ ዘጋጥሞ። ስለዚ እግዚአብሔር ንነፍስና ሕሹዅ ክብላ ከሎ ብነፍስና ጸማማት ካብ ምዃን ንጠንቀቅ ኢሎም።”

ብነፍስና ጸማማት ምዃን!

ቅዱስነቶም ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጸገማት ደቂ ሰባት ዝኾነ ፈሊጥካ ምጽቃጥ ወይ ጸማም እዝኒ ምሃብ ምዃኑ ይጠቅሱ እሞ ምናዳ ነፍስና ካብ ውሽጢ ብሕሹዅታ መንፈስ ቅዱስ ተደፊኣ ድምጺ እግዚአብሔር ክመጻ ከሎ ዘይምስማዓ ጸገም እዩ ይብሉ። እዚ ከኣ ብነፍስና ጸማማት ምዃን እዩ።

“ከምቲ እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ ክረኽቡ ኣብ ዝጐዓዙሉ ዝነበሩ ብዙሕ ግዜ ብካልኦት ኣማልኽቲ ክጋገዩን ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምስማዕ ዚኣብዩን ዝነበሩ ንሕና ከኣ ነቲ ሓቀኛ መሪሕ ዝኾነ ክርስቶስ ክንረኽቦ ክንጐዓዝ ከሎና ካልእ ጣዖታት ከጋግዩና ስለዝኽእሉ ካብዚ ሓደጋ`ዚ ንጠንቀቅ ኢሎም። ኣብዚ ክረድኣና ዝኽእል ከኣ እናሻዕ ነቲ እግዚአብሔር ዝገበርልካ ሠናይ ነገራትን ዝዓደለካ ጸጋታትን ምዝካር እዩ። ኣብዚ ግዜ ጾመ ኣርባዓ ከኣ ነዛ ጸጋ ናይ ዝኽሪ ንማህለል ኢሎም።”

07 March 2019, 16:55
ንኩሉ ኣንብብ >