2019.03.18 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2019.03.18 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ንርሕራሔ እግዚአብሔር ደአ ተኸተሉ እምበር ጅባኻ ምዕጻውስ ንየው በልዎ! ር.ሊ.ጳ

ኣብ’ዚ ዘመነ ጾመ ኣርብዓ ቅዱስነቶም ሓሓሊፎም ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እዚ ምሩጽ ግዜ ጸጋን ድሕነትን ዝኾነ ዘመነ ጾመ አርባዓ ፍረ ዘለዎ ንክኸውን ክንገብሮ ዘሎና ሓድሓደ ነገራት ኣመልኪቶም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ንባባት ብሓጢኣቱን ሓጢኣት ሕዝቡን ዝናሳሕ ዳኒኤል ነቢይ ጀሚሩ ኦ ጐይታ ከም ምሕረትካ እምበር ከም ብዝሒ ሓጢኣትና ኣይትፈረደና ዝብል ንንስሓ ዝዕድም ብምንባሩ ቃለ ወንጌል ከኣ ካብ ወንጌለ ሉቃስ 6.36 ‘ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ከኣ ኢኹም፣ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን እውን ኢኹም፡ ይቕረ ድማ ኺበሃለልኩም እዩ። ሃቡ ኪወሃበኩም እዩ። ከመይሲ በቲ ዝሰፈርኩምሉ መስፈር ኪስፈረልኩም እዩ። እኳ ደኣ ዝተሰጐደን ዝተነኽነኸን ቅጽጽ ዝበለ ጽቡቕ መስፈር ኪውሃበኩም እዩ` ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም ከኣ ዳርጋ ቃል ብቃሉ ነዚ ብምውሳድ ኣብ ሕይወትኩም ከይትጋገዩ ከይትሓጥኡ እንተደለኹም እታ ዝቀለለ መንገዲ ንጐይታ ምምሳል ኮይና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብመንገዲ ምሕረት ምምልላስ ከምቲ ንሱ መሓሪ ዝኾነ መሓሪ ምዃን ነቲ ኣብ ቃል ወንጌል ተጠቂሱ ዘሎ ዘይምፍራድ ዘይምዂናን ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ከምዘይጽግም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ምሕረት እግዚኣአብሔር ክንበጽሖ ዘይንኽእል ብጣዕሚ ዓቢ ነገር እዩ። ነዚ ከይንርስዕ ሓደራ። ምናልባት ገለኹም ‘ኣነ ብዙሕ ሕማቅ ነገራት ፈጺመ። ዳርጋ ኣብ ገሃነመ እሳት ቦታይ ገዚኤ ክብል እኽእል። እንድዒ እምበር ዝድሕን ኣይመስለንን’ ዝብሉ ኣይሰኣኑን። ኣነ ግን ንምሕረት እግዚኣአብሔር ሕሰቡ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ትፈልጡዶ! ናብ ቅዱስ ዮሓንስ ቫያኒ ክትናዘዝ ዝኸደት ሓንቲ ሽማግለ ድኻ ሰበይቲ ዘክሩ! እዛ መሽኪን ሰብ’ዚኣ በዓል ቤታ ካብ ሓደ ነዊሕ ቢንቶ ዘሊሉ ኣብ ውሕጅ ብምጥሓል ነፍሰ ቅትለት ዝፈጸመ እዩ! ወያን መሽኪን ሰበይቲ እናበኸየት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ቫያኒ ትኸይድ እሞ ‘ኣነ ሓጢኣተኛ እየ ወይ ኣነ መሽኪን! መሽኪን በዓል ቤተይ ነፍሰ ቅትለት ፈጺሙ። ነፍሰ ቅትለት ዝፈጸመ ከኣ ትኽ ኢሉ ገሃነመ እሳት ስለዝኸይድ መሽኪናይ ኣብ ገሃነመእሳት እዩ ኣትዩ ዝኸውን` እናበለት ትበኪ ነበረት። ቅዱስ ዮሓንስ ቫያኒ ግን ከምዚ ክብል መለሰላ `እምበይተይ ሓንሳእ እስከ ዝግ ይበላ ምኽንያት ኣብ መንጎ እቲ ቢንቶን እቲ ውሒጅን ምሕረት እግዚአብሔር እኳ ኣሎ` ኢሎማ። ስለዚኸስ ክሳብ መወዳእታ ምሕረት እግዚአብሔር ኣሎ ኢሎም።

ንጾመ አርባዓ ክሕግዘና ዝኽእል ጽቡቅ ልማዳት!

ቅዱስነቶም ዕብየት ምሕረት እግዚአብሔር ምስ ገለጹ ተኻፈልቲ ናይ’ዚ ዓቢ ምሕረት ክንከውን ሎሚ ቃለ ወንጌል ዘቅርበልና ሠለስተ ነጥብታት የቅርቡ! ልዕሊ ኩሉ ኣይትፍረድ ይብሉ ንካልኦት ምፍራድ ሕማቅ ልማድ ስለዝኾነ ልዕሊ ኩሉ ኣብዚ ግዜ ጾመ ኣርባዓ ካብኡ ንጹም ኢሎም።

እዚ ልምዲ እዚ ወላ ከይተረደኣና ኣብ ሕይወትና ክተሓዋወስ ይኽእል እዩ፣ ወላ ዝኾነ ዕላል ክንጅምር ከሎና ‘ርኢኻዶ እቲ እከለ ዝገበሮ! ብማለት ንጅምር። ንካልኦት ምፍራድ ሕማቅ እዩ። እስኪ ነስተንትን ኣብ መዓልቲ ክንደይ ግዜ ንካልኦት ንፈርድ። በጃኻትኩም ከመይ ኩልና ደያኑ ንመስል ክንፈርድ ንውዕል። ኩልና! እቲ ዘገርም ዕላል ክትጅምር ዳርጋ ንካልኦት ብምፍራድ ኢና እንጅምሮ!

ብካልኣይ ደረጃ ዘይምስፋር ከመይ ብዝሰፈርናዮ ክስፈረልና ስለዝኾነ ብሳልሳይ ደረጃ ከኣ ሽሕ’ኳ ብጣዕሚ ከቢድ እንተኾነ ምሒርካ ምኽኣል የድሊ ከመይ መስፈር እግዚአብሔር በታ ዝሰፈርናያን ዝመርሃርናያን መስፈር ስለዝውሰን ኢሎም።

ጅባታትና ወትሩ ንልግሲ ክፉት ይኹን!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ናይ ልግሲ ጥበብ ነቲ ናይ ሕሜታ ጸገማትና ከወግደልና ስለዝኽእል ነቲ ብቀጻሊ እንፈርዶን እንዅንኖን ገዲፍና ናብ ምሕረት ገጽና ክወስደና ዝኽእል ልግሲ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ጐይታ ኣብ ወንጌል ምሃብ ይምህር! ሃቡ ክትወሃቡ ንምሃብ ለጋሳት ኩኑ ይብል። ንድኻታት ኣብ ምርዳእ ጁባታትኩም ዕጽዋት ኣይኹና ነቶም ብዙሕ ነገር ክህቡ ዝኽእሉ ክንሶም ብስእነት ሓገዝኩም ዝሓቱ ድኻታት ሃቡ! ዝወሃብ ገንዘብ ጥራይ ኣይኮነን ምኽሪ ፍሽኽታ ወዘተ ኣሎ። ወትሩ ሃቡ! ሃቡ ክወሃበኩም ድማ እዩ ነገሩ! ከምቲ ወንጌል ዝብሎ እኳ ደኣ ዝተሰጐደን ዝተነኽነኸን ቅጽጽ ዝበለ ጽቡቕ መስፈር ኪውሃበኩም እዩ! ንሕና ሓንቲ ነገር እንተሃብና ንሱ ሚእቲ ካዕበት ገሩ ክፈድየና እዩ። እዚ ሠናይ ተግባር እዚ ንከይንፈርድ ንከይንኩንን ይዓግተና መሓርቲ ንክንከውን ከኣ መንገዱ ይኸፍተልና። ንጽጉማት ምጽዋት ምሃብ ኣድላዪ ኣዩ። ኮይኑ ግን ንዋታዊ ሓገዝ ጥራይ ምውፋይ ኣይኮነን ዘድሊ መንፈሳዊ ምጽዋት ክንብሎ እንኽእል ምስ ጽጉም ግዜ ክተሕልፍ ፍቃደኛ ምዃን ሕሙም ምብጻሕ ንኩሉ ብሕጉስ ገጽ ብፍሽኽታ ምስናይ እውን ምጽዋት እዩ ኣንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
18 March 2019, 18:47
ንኩሉ ኣንብብ >