2019.02.01 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  2019.02.01 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  

ኩሎም ጠሊሞምኻ ኣብ ትንጸለሉ ግዜ ጽንዓት የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 1 ለካቲት 2019 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዛዕባ ተጻዋርነትን ጽንዓትን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ‘ኣብ ጒዕዞ እምነትስ ይኹን ኣብ ኣገልግሎት ጐይታ ጽንዓት የድሊ’ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ንዕለቱ ካብ ዝቐረቡ ንባባት ቀዳማይ ካብ መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን 10.32-38 ዝተወስደ ኮይኑ ‘ነተን ብዙሕ ገድልን ስቓይን ተዓጊስኩም፡ ብርሃን እተቐበልኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን፡ ብሓደ ወገን ብጸርፍን ብጸበባን መላገጺ ዄንኩም፡ ብሓደ ወገን ድማ ምስቶም ከምዚ ዘመሰለ ዝበጽሖም ሰባት ተማቐልቲ ዄንኩም፡ ዚሐይሽን ዚነብርን ገንዘብ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡ ምስቶም እሱራት እንተ ዀነ፡ መከራ ጸገብኩም፡ ምግባት ገንዘብኩም ድማ እንተ ዀነ፡ ብሓጐስ ተዓገስኩም። እምብኣርሲ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ። ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። ማለት፡ ገና ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን እዩ፡ እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ። ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዚነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ።’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብ’ዚ ቃል ኣምላኽ እዝን ኣብ ዕለታዊ ናብራናን ብምትኳር ንሕና ኲልና ኣብ ናብራና ዝተፈላለዩ ናይ ጸልማት ግዝያት ናይ ተነጽሎ ግዝያት ከም ዘጓንፉና ኣብ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ ፈታኒ ሁመት ከኣ ኩሉ ነገር ትርጉም ኣልቦ ከምዝኾነና ድሕሪ ኣመልኪቶም ሓቀኛ ክርስትያን እምነቱን ተስፋኡን ዝምስክረሉ ሁመት ምዃኑ ንምዝኽኻር ‘ክርስትያን ዘቦኡ ናብቲ ጐይታ ዝሃቦ ተስፋ ንምብጻሕ ተስፋ ከይቈረጸን ንድሕሪት ገጹ ከይሃደመን ጸኒዑ ክጐዓዝ ኣለዎ` ኢሎም። ኣብ’ቲ ዝቀረበ ንባብ ተመልኪቱ ከምዘሎ ቀዳሞት ክርስትያን ብርቱዕ ፈተና ዘለዎ ግዜ ከምዘሕለፉ እዚ ከኣ ቅድሚ ዝኣገረ መምህርናን ጐይታናን ንዝኾነ ክርስቶስ ዘጋጠመ ተነጽሎን ፈተናን ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሕይወት ሓደ ክርስትያን ኣብ ቀጻሊ በዓልን ደስታን እትርከብ ናይ ካርናቫለ ሕይወት ኣይኮነትን እኳ ደኣ ከምቲ ጥዑምን ጽቡቅን ግዝያት ዘለዋ መረርቲ ግዝያት ናይ ነውጺ ግዝያት ናይ ተነጽሎ ግዝያት ኩሉ ጸልሚቱ ትርጉም ናይ ትስእነሉ ግዝያት እውን ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ግዝያት ናይ ውሳጣዊ ስደትስ ይኹን ኣፍኣዊ ስደት ክርስትና ደራሲ መልእኽቲ ዕብራውያን ‘ተጻዋርነት ጸንዓት ጥራይ እዩ ዘድልየኩም’ ክብል ይምዕዶም። ይኹን እስቲ! ግን ስለምንታይ ተጻዋርነት! ቢልና ኣንተሓተትና ‘ፍቃድ እግዚአብሔር በዚ ከምዚ እንተፈጺምና ጥራሕ ኢና ነታት ዝተዋህበትና ተስፋ ክንጭብጣ እንኽእል።’ ስለዚኸስ ናብታ ተስፋ ንምብጻሕ ተጻዋርነት ጽንዓት የድሊ’ ኢሎም።”

ንተነጸሎ ንምሽናፍ ዝኽርን ተስፋን እየን ዘዐውታና።

ቅዱስነቶም ስብከቶም ብምቅጻል ንተነጽሎስ ይኹን ንብሕታውነት ንምሽናፍ ዘኽእላና ክልተ ነገራት የመልክቱ። ንሰን ከኣ ዝኽሪ ወይውን ተዝካር ከምኡ እውን ተስፋ እየን ከኣ ይብሉ። ከምቲ ሓዋርያ ዘመልክቶ ዝኽሪ ናይ ዝሓፍለ ጥዑም ግዝያት ምናዳ እታ ምስ ጐይታ ንመጀመርያ ግዜ ተራኺብካ ሕይወትካ ትልወጠላ ናይ ፍቅሪ ግዜ ምዝካር ዓቢ ሓገዝ ከምዘለዎ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ እታ ብዘይጠልም ኪዳኑ ገሩ ዝሃበና ተስፋ ምቚማት የድሊ። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ከመይ ሕይወትና በዚ ከምዚ እያ ቈይማ ዘላ ብጥዑምን ብመሪርን፣ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ከኣ መምስ መረረካ ረማዕማዕ ኢልካ ምውዳቕ ወይውን ንድሕሪት ገጽካ ምህዳም ከምዘይኰነ ምግንዛብ የድሊ ኢሎም።

“ኣብ ፈታኒ ግዝያት ተቋዊምካ ምኽኣል የድሊ እዚ ተቋውሞ እዚ ግን ናይ ዝኽርን ናይ ተስፋን ኮይኑ ካብ ጽኑዕ ልቢ ዝነቀለ ክኸውን የድሊ። ከመይ ልቢ ኣብ ግዜ ፈተነ ነቲ ዝሓለፈ ጽቡቅ ግዝያት ብምዝካር ቊሩብ የስተንፍስ ብተስፋ ንቅድሚ እንክምልከት እውን ከስተስንፍስ ይኽእል። ተነጽሎ እንክስመዓና ኩሉ ዝኸሓዱናን ዝገደፉናን ኰይኑ እንክስመዓና ክንገብሮ ዘሎና እዚ እዩ። በዚ ከኣ እታ ቀዳመይቲ ምጽንናዕ ጐይታን ነታ ንሱ ዘተስፈወና ምጽንናዕን በዚ መንገዲ እዚ ኢና እንረኽባ። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ከኣ ጽንዓት ሰማዕታት ክርስትያን እዩ።”

ጽንዓት ሰማዕታት ክርስትያን!

ቅዱስነቶም ኣብ መዛዘሚ ስብከቶም ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2018 ዓምፈ ኣብ ሃገረ ሊትዋንያ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብዛዕባ ታሪኽ እታ ሃገርን ዘሕለፈቶ ስደት ክርስትናን ምስ ሰምዑ ምናዳ ከኣ ብዙሓት ሰማዕታት ናይ’ቲ ዓዲ ኣብ እምነቶም ዘርኣይዎ ዓቢ ጽንዓት ከምዝመሰጦም ገሊጾም።

“ሎሚ እውን እንተኾነ ብዙሓት እኳ ደኣ ብጣዕሚ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ስለ እምነቶም ብዙሕ ይሳቀዩ ኣለው ኮይኑ ግን ነታ ምስ ክርስቶስ ዝተራኸቡላ ቀዳመይቲ ርክቦም እናዘከሩ ተስፋ ኣለዎም ንቅድሚት ገጾም ከኣ ይግስግሱ ኣለው። ደራሲ መልእኽቲ ዕብራውያን ዝህቦ ምኽሪ ከኣ እዚ እዩ ኣብ ግዜ ስደት ክርስትያን ክጥቅዑን ክስደዱን እንከለው ጽንዓት ክህልዎም ይምዕድ። ንሕና እውን እንተኾነ ዲያብሎስ ብፈተና ከጥቅዓና እንከሎ ኣብ ሕማቅ ኩነት ከውድቀና ስለዝጽዕር እንኮ እነሸንፈሉ መንገዲ ናብ ጐይታ ምጥማትን ናይ ዕጸ መስቀሉ ጽንዓት ምዝውታርን እንክኸውን ነቲ ናይ መጀመርያ ርክብ ምሳኡ ዝነበረና ጥዑም ግዝያት ብምዝካርን ነቲ ዝጽበየና ተስፋ ብምሕሳብን ክንዕወት ንኽእል። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
01 February 2019, 16:46
ንኩሉ ኣንብብ >