ኩሎም ጠሊሞምኻ ኣብ ትንጸለሉ ግዜ ጽንዓት የድሊ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ንዕለቱ ካብ ዝቐረቡ ንባባት ቀዳማይ ካብ መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን 10.32-38 ዝተወስደ ኮይኑ ‘ነተን ብዙሕ ገድልን ስቓይን ተዓጊስኩም፡ ብርሃን እተቐበልኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን፡ ብሓደ ወገን ብጸርፍን ብጸበባን መላገጺ ዄንኩም፡ ብሓደ ወገን ድማ ምስቶም ከምዚ ዘመሰለ ዝበጽሖም ሰባት ተማቐልቲ ዄንኩም፡ ዚሐይሽን ዚነብርን ገንዘብ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡ ምስቶም እሱራት እንተ ዀነ፡ መከራ ጸገብኩም፡ ምግባት ገንዘብኩም ድማ እንተ ዀነ፡ ብሓጐስ ተዓገስኩም። እምብኣርሲ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ። ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። ማለት፡ ገና ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን እዩ፡ እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ። ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዚነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ።’ ዝብል ነበረ።
ቅዱስነቶም ኣብ’ዚ ቃል ኣምላኽ እዝን ኣብ ዕለታዊ ናብራናን ብምትኳር ንሕና ኲልና ኣብ ናብራና ዝተፈላለዩ ናይ ጸልማት ግዝያት ናይ ተነጽሎ ግዝያት ከም ዘጓንፉና ኣብ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ ፈታኒ ሁመት ከኣ ኩሉ ነገር ትርጉም ኣልቦ ከምዝኾነና ድሕሪ ኣመልኪቶም ሓቀኛ ክርስትያን እምነቱን ተስፋኡን ዝምስክረሉ ሁመት ምዃኑ ንምዝኽኻር ‘ክርስትያን ዘቦኡ ናብቲ ጐይታ ዝሃቦ ተስፋ ንምብጻሕ ተስፋ ከይቈረጸን ንድሕሪት ገጹ ከይሃደመን ጸኒዑ ክጐዓዝ ኣለዎ` ኢሎም። ኣብ’ቲ ዝቀረበ ንባብ ተመልኪቱ ከምዘሎ ቀዳሞት ክርስትያን ብርቱዕ ፈተና ዘለዎ ግዜ ከምዘሕለፉ እዚ ከኣ ቅድሚ ዝኣገረ መምህርናን ጐይታናን ንዝኾነ ክርስቶስ ዘጋጠመ ተነጽሎን ፈተናን ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ንተነጸሎ ንምሽናፍ ዝኽርን ተስፋን እየን ዘዐውታና።
ቅዱስነቶም ስብከቶም ብምቅጻል ንተነጽሎስ ይኹን ንብሕታውነት ንምሽናፍ ዘኽእላና ክልተ ነገራት የመልክቱ። ንሰን ከኣ ዝኽሪ ወይውን ተዝካር ከምኡ እውን ተስፋ እየን ከኣ ይብሉ። ከምቲ ሓዋርያ ዘመልክቶ ዝኽሪ ናይ ዝሓፍለ ጥዑም ግዝያት ምናዳ እታ ምስ ጐይታ ንመጀመርያ ግዜ ተራኺብካ ሕይወትካ ትልወጠላ ናይ ፍቅሪ ግዜ ምዝካር ዓቢ ሓገዝ ከምዘለዎ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ እታ ብዘይጠልም ኪዳኑ ገሩ ዝሃበና ተስፋ ምቚማት የድሊ። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ከመይ ሕይወትና በዚ ከምዚ እያ ቈይማ ዘላ ብጥዑምን ብመሪርን፣ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ከኣ መምስ መረረካ ረማዕማዕ ኢልካ ምውዳቕ ወይውን ንድሕሪት ገጽካ ምህዳም ከምዘይኰነ ምግንዛብ የድሊ ኢሎም።
ጽንዓት ሰማዕታት ክርስትያን!
ቅዱስነቶም ኣብ መዛዘሚ ስብከቶም ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2018 ዓምፈ ኣብ ሃገረ ሊትዋንያ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብዛዕባ ታሪኽ እታ ሃገርን ዘሕለፈቶ ስደት ክርስትናን ምስ ሰምዑ ምናዳ ከኣ ብዙሓት ሰማዕታት ናይ’ቲ ዓዲ ኣብ እምነቶም ዘርኣይዎ ዓቢ ጽንዓት ከምዝመሰጦም ገሊጾም።