2019.02.19  መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ! 2019.02.19 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ!  (Vatican Media)

ብማይኣይኂ ናይ ዘመንና ንዝምሰል ውግኣት ዋጋ ዝኸፈሉ ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ወገናትና እዮም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 19 ለካቲት 2019 ዓምፈ እውን ከምቲ ልሙድ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ `እግዚአብሔር ብልቢ እምበር ብሓሳብ ጥራይ ኣይኮነን ዘፍቅረና እሞ ኣብ ዓለምና ንዝወርድ ዘሎ ዕንወትን ዝስደዱ ኣሕዋትናን ኣብ`ቲ ከረመለ ከምዘዝንቡ ቦምባታት እናኣዝነሙ ዝቀዝፍዎም ዘለው ኣሕዋትና ምእንቲ ክንበኪ ጸጋ ንብዓት ዓድለና ንበሎ’ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ከም ግጽዊ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንሎሚ ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ብዛዕባ ማይ ኣይኅን ኅሬት ኖኅን ምስንዳእ ጃልባኡን ኣባኦ ከዕቚቦም ዘለዎም ፍጡራትን ዝምልከት ነበረ። ቅዱስነቶም ነዚ ጥፍኣት ማይ ኣይኂ ምስ ናይ ዘመና ኩነታት እንከገናዝብዎ ኣብ መላእ ዓለምና ብኣልማማ ተዘርጊሑ ዘሎ ውግኣትን ሳዕቤኑን ናይ ዘመንና ማይ ኣይኂ ኢሎሞ። ቅዱስነቶም ንክልቲኡ ማዕረ ማዕረ ብምሥራዕ እኳ ደኣ ኣብ’ዚ ዘመንና ዝወርድ ሥቃይ ናይ ብዓጸቦ ጥሜት ዝግረፉን ብዝክትምና ዝሳቀዩን ሕጻናት ከምኡ እውን እቶም ዝከላኸለለሎም ዘይብሎም ጽጉማትን ድኻታትን ነቲ እዚ ኅልቂት እዚ ዘስዕቦ ዋጋ ከምዝኸፍሉ ገሊጾም። ከምቲ እግዚአብሔር ኣቦና ሩሕሩሕ ልቢ ዘለዎ እሞ ወትሩ ብርሕራሔ ዝጥምተናን ዘፍቅረናን ነንሕድሕድና ክናፈቀርን ርሕራሔ ክነዘውትርን ነቶም ኣብ ሥቃይ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣሕዋትን ኣሓትን ክንኮኖም ሰብኣውን መለኮታውን ርሕሩሕ ልቢ ክህበና ንለምኖ ኢሎም።

እግዚአብሔር ንፍጡሩ እንክምከት ክልተ ስምዒታት ኣለዎ።

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ብዝርዝር ዝቀረበ ታሪኽ ማይ ኣይኅን ኖኅን ምልስ ይብሉ እሞ ኣብ ቅድሚ መጠን ዝሰኣነ ክፍኣት ደቂሰባት እግዚአብሔር ይጉሂ ክሳብ ኣብ ምፍጣሩ ምጥዓስ እውን ይበጽሕ እሞ ንኩሉ ፍጡር ካብ ገጽ ምድሪ ንክድምስስ ይብገስ። እዚ ስምዒት እዚ ብሓንጎልካ ተሰላስሎ ዘየሎን ዘይጭበጥን ዘይኮነስ እግዚአብሔር ብሓቂ ከምዝጉሂ ከምዝሓዝን እዩ ዘመልክት ኢሎም።

“ናይቲ ወትሩ ዘፍቅር ኣቦ ናይ እግዚአብሄር ስምዒታት ፍቅሪ እኳ እንተኾነ ዘይከውን ምስ ረኣየ ከኣ ክቚጣዕ ክገንሕ ዝኽእል እዩ። እቲ ካብኡ ናባና ዝመጸ ኢየሱስ እውን ብልቡ ከምዝሳቀ ንምልከት። ስለዚ እግዚአብሔር ኣቦና ስምዒታት ኣለዎ። ብልቢ ብሓቂ የፍቅረና እዚ ፍቅሪ እዚ ጭቡጥ ፍቅሪ እምበር ምስልሳል ጥራይ ኣይኮነን። ክቀርበና ከሎ ብልቡ እዩ ዝቀርበና ከም ሕያዋይ ኣቦ ኸኣ እናተስቀየ ንዝገበርናዮ ጥፍኣት ይቀጽዓና። ምናልባት ነቶም ናይ ዘመነ ኖኅ ከይንፈርደሎም ዘመንና እውን ካብ ዘመነ ጥፍኣት ማይ ኣይኂ ዚሓይሽ ኣይኮነን።”

ዘመንና እውን ካብ ዘመነ ጥፍኣት ማይ ኣይኂ ዚሓይሽ ኣይኮነን።

ልቢ ንልቢ ከም ኣቦን ውሉድን ምስ እግዚአብሔር ኣቦና ክንዋሳእ እንተኽእሊና ከምቲ ንሱ ሕማቅ ምስ ረኣየ ብልቡ ዚሓዝን ንሕና እውን ኣብ ቅድሚኡ ምሳኡ ክንሳቀን ክንሓዝንን ክንክእል ኣሎና ዝበሉ ቅዱስነቶም እዚ ግን ብላዕሊ ላዕሊ ዝግበር ምድንጋጽ ዘይኮነስ ብሓቂ ካብ ልቢ ዝነቅል ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ኣብ ዘመንና ንዝረኤ ዓመጻት በብሓደ እናዘርዘሩ ብሓቂ ክንሓዝነሎም ዝግበኣና ናይ ዘመንና ጥፍኣት ማይ ኣይኂ ከምዘሎ ገሊጾም። ሎሚ ኣብ ዓለምና ቈጺርካ ዘይውዳእ ጸገማት ኣሎ ባህርያዊ ሓደጋታት ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም የጋጥም ዝገደደ ከኣ መወዳእታ ዘይትርእየሎም ውግኣት ንድኻታት ንሕጻናት እናኣሳቀዩ ንብዙሓት የሳድዱን የሳቅዩን ኣለው። እቲ ዘገርም ይብሉ ቅዱስነቶም ከምዛ ሠናይ ነገር ንቆልዑት ከረመለ ካብ ሰማይ ከምዘዝንቡ ቦምባታት ኣብ ርእሲ ንጹሓት ብምዝናብ መዓት የዝንቡ ሕዝቢ ይመውት ኢሎም።

“ዘሎናዮ ኩነታት ካብ ኩነታት ኅልቂት ማይ ኣይኂ ዝሓሸ ኮይኑ ኣይስመዓንን ኣይመስለንን እውን እቲ ጥፍኣት ዳርጋ ማዕረ ማዕረ እዩ። ንኣብነት ጉዳይ ናይቶም ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ድኹማትን ሕጻናትን እሞ ንሕሰቦ። ብዝሒ ብዓጸቦ ጥሜት ዝሳቀዩ ሕጻናት ኩሉ ዕድል ናይ ትምህርቲ ዝተነፍጎም ሕጻናት ብሰላም ምዕባይ ዝትነፍጎም ሕጻናት ብዘይወለዲ ዘኺቶሞም ዝተረፉ ከመይ ወለዶም ኣብ ውግኣት ተቀቲሎም እዚ ከይኣክል ከኣ ሕጻናት ወተሃደራት ወዘተ ንካልእ ኩሉ ገዲፍና ነዞም ሕጻናት እዚኦም እሞ ንሕሰብ። እዚ ከምቲ ኢየሱስ ዝበኸዮ ከብክየና ኣለዎ።”

ከም ኢየሱስ ንብከ!

ነዚ ኩሉ ጸገማት እናረኣየ ከምዘይረኣየ ኰይኑ ዘሎ ደረቅ ልባትና ናብ ርሕራሔን ድጋጼን ክምለስ ከም ናይ እግዚአብሔር ኣቦና ምስ ውሉድ ኣቦ ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓውን ሓፍትን ኰና ክንመላለሰሉ እንኽእል ልቢ ወዲሰብ ክህበና ከምቲ መለኮታዊ ልቡ ክገብረልና ንለምኖ።

[ ቢ ኅልቂት ማይ ኣይኂ ኣብ ቦታኡ እንከሎ ዓቢ ኅልቂት ናይ ዘመንና ውግኣት ንርእዮን ንሰምዖን ኮይኑ ነዚ ዋጋ ዝኸፍሉ እቶ ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ድኹማት ድኽታት ሕጻናት ብሓጺሩ እቶም ክሃድሙ ንቅድሚት ክብሉ ዘይክእሉ እዮም። ነቲ ነዚ እናረኣየ ብዙሕ ዚሓዝን እግዚአብሔር ኣቦና እሞ ንሕሰብ ቅርብ ኢልና ከኣ ‘ጐይታየ እዚ ነገራት ተመልከት ምሕዛንካ ይረደኣኒ እዩ’ እነበልና ንጐይታ ክነጸናንዕ ንፈትን እሞ ‘እወ ጐይታየ ይርደኣካ እየ ምሳኻ እሓዝን ኣሎኹ። እታ ዝኽእላ ጸሎት ብምግባር ከሰንየካ እየ ናይቲ ጸረሠናይታ ዝኾነ ንኩሉ ሥርሓትካ ከዕኑ ዝደሊ ዲያብሎስ ተግባር ምዃኑ ይርደኣኒ እዩ።` እናበልና እዚ ጥፍዓት ክዝሕል ብምልማን ንጐይታ ነጸናንዓዮ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ። ]

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
19 February 2019, 16:56
ንኩሉ ኣንብብ >