ድለ

2018.12.04 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  2018.12.04 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

ሰላም ኣብ መንፈስካ ኣብ ስድራቤትካን ኣብ ዓለምን ከይሓመኻን ብመልሓስካ ሰባት ብዘይምቊሳልን ድለያ!

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመነ ምጽኣት ዝጀመርዎ ስብከት ብምቅጻል ሎሚ እውን ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ዘመነ ምጽኣትሲ ኣብ መንፈስካን ሥድራቤትካን ዓለምን ሰላም ምንጋሥን ምህናጽን እምበር ውግእ ንክተልዕል ምኽንያት ንምድላይ ፈቆዶኡ ኰለል ምባል ኣይኮነን’ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

በመሠረት ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንሎሚ ዝቀረቡ ንባባት ብዛዕባ ቅብዓት ኢየሱስን መንፈስ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሌኡ ምዃኑ ዝገልጹን ንሱ ከኣ መስፍን ሰላም ስለዝኾነ ዘድሊ ጥበብን ጸጋን ከምዝተዓደሎ ዝገልጽ ነበረ። ቀዳማይ ንባብ ካብ ትንቢት ኢሳያስ 11.1-10 ኮይኑ ‘ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሔር፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ኪዐርፍ እዩ።’ ዝብል ብዛዕባ ኢየሱስ ዝንበ ከምኡ ኣብ ዘመኑ ‘ተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ።’ ዝምልክቱ ሰላም ከምዝነግሥ ዝገልጽ ነበረ።

ቅዱስነቶም ካብዚ ብምብጋስ ኣብዚ ንበዓለ ልደት እንሰናደወሉ ዘሎና ግዜ ሃነጽቲ ሰላም ክንከውን ነዚ ከኣ ንእግዚአብሔር ክንመስል ብምጽዓርን ንእሽቶ ትሕትና ብምልባስን ንካልኦት ካብ ምሕማይን ካብ ምቊሳሎምን ብምቊጣብ ኢና እንገብሮ ኢሎም።

ኣብ ቃላት ኢሳያስ ጐይታ ሰላም ከምዘንገሥ ይግለጽ ነዚ ከኣ ተዂላ ምስ ዕየት ክሰፍር እናበለ እቲ ኢየሱስ ከምጽኦ ዘለዎ ሰላም ንክንደይ ነገራት ብዘድንቅ መንገዲ ከምዝልውጥን ብኡ ኣቢሉ ከኣ ንሕይወትን ታሪኽን ደቂ ሰባት ከምዝልውጥ በዚ ኸኣ መስፍን ሰላም ከምዝተሰምየን ይገልጽ። ነዚ ሰላም እዚ ከኣ ክህበና ዝመጽእ። ስለዚ ኣብዚ ዘመን ምጽኣት ንመስፍን ሰላም ዝኾነ ክርስቶስ ንመንፈስና ብሰላም ከዕርፎ ንለምኖ። ኦ ናይ ሰላም መስፍን ሰላምካ ሃበና ንበሎ።

ንመስፍን ሰላም ንመንፈስና ከትሃዳድኦን ሰላም ክህቦን ንለምን!

ቅዱስነቶም ናብ ዘመነ ምጽኣት ምልስ ይብሉ እሞ ንምጽኣት መስፍን ሰላም እንጸየሉ ግዜ ብምዃኑ ቅድሚ ዝኣገረ ምስ ገዛእ ርእስና ክንዕረቅ ዝተረጋገኤ መንፈስ ክህልወና ሃውሁ ሰላም ክዓስለና ንለምኖ። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም `ብዙሕ ግዜ ንህወጽ ሰላም ይርሕቀና ንሳቀ ተስፋ ንቆርጽ`። ኣብዚ ኅሩይ ዘመነ ምጽኣት ጐይታ ዘቅርበልና ሕቶ ከኣ ‘ሎሚ መንፈስካ ከመይ ኣሎ! ነፍስኻ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ትርከብ! ሰላምዶ ኣሎካ! ቢሉ ይሓተና ኣሎ። ይብሉ እሞ ምናልባት ኣብ ሰላም እንተዘየሎና ነቲ መስፍን ሰላም ዝኾነ ምሳኡ ንምርኻብ ንምስንዳው ንክሕግዘና ሰላምካ ሃበና ኢልና ንለምኖ። እቲ ቀንዲ ጸገምና ጉዳይና ረሲዕና ናይ ካልኦት ኣብ ምዕዛብ ንርከብ ኮይኑ ግን እቲ ዝበለጸ ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ኢልና ነፍስና ምጥማት እዩ። ድሕሪ ኩነታት ግላዊ ሰላምና ናይ ሥድራቤት ሰላም ይስዕብ!

ሰላም ሥድራቤት ኣሎዶ! ፈላላዪ መናድቅዶ መራኸቢ ቢንቶታት!

ቅዱስነቶም ናይ ነፍሲወከፍና ግላዊ ሰላም ኣድላይነት ምስ ገለጹ ቀጺሉ ዝስዕብ ናይቲ እንነብሮ ገዛ ሰላምን ቅሳነትን ስለዝኾነ ሥድራቤትናኸ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኣሎ ኢልና ክንሓትት ይዕድሙ! ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብዚ ዘመንና ኣብ ብዙሓት ሥድራቤታት ሓዘንን ግጭትን ክትዕን ናእሽቱ ውግኣት ሓንሳእ ሓንሳእ እውን ምፍልላያት ይረኣዩ! ድሕሪ ቢሎም ነፍሲወከፍና ናብ ሥድራቤትና ምልስ ኢልና ሥድራቤተይ ኣብ ውግእዶ ኣብ ሰላም ትርከብ ተጻይ ነንሕድሕድናስ ይኹን ምስ ካልኦት ናይ ምፍልላይ መናድቅዶ ንሓንስ መራኸቢ ቢንቶታት ኢልና ነስተንትን ኢሎም። እዚ ካብቶም ዝነኣሱ ኣባላት ሥድራቤትና ይጅምር። እዚ ከኣ ንደቅና ምስ ካልኦት ብሰላምዶ ትነብሩ ወይስ ኣብ ምፍርራህን ባእስን ትርከቡ ኢልና ንሕተቶም ኢሎም።

ድሕሪ ሥድራቤት ዝመጽእ እንነብረሉ ዓለም እዩ፣ ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሎሚ ዓለምና ካብ ሰላም ውግእ በጺሕዎ ይርከብ። ብዙሕ ውግእን ምፍልላይን ጽልእን ዓመጽን ይረኤ። ሰላም የለን።

“ንናይ ዓለምና ሰላም እንታይ ከበርክት እኽእል! ንዝብል ሕቶ እነከቅርብ ምናልባት ሓደ ካባኹም ዋእ ኣባቴ ዓለም ካባና ኣመና ርሒቁ ኣሎ ክብለኒ ይኽእል። ኮይኑ ግን ርሑቅ ከይከድካ ኣብ ከባቢኻ ሰላም ምእንቲ ክነግስ ኣብ ቤትትምህርትኻ ኣብ ናይ ሥራሕ ቦታኻ ሰላም ምእንቲ ክነግሥ እንታይ ተበርክት እብሎ። ገሊኦም ናግራማት ከምዝገብርዎ ኣብ ውግእ ንክኣቱን ንክጸልእን ንካልኦት ንክሓምን ምኽንያትዶ ሃሰውሰው እብል! እዚ እዩ እቲ ውግእ! ወይስ ትህት ኢለ እመላለስ! ኣብ መንጎይን መንጎ ካልኦት መራኸቢ ድልድላትዶ እሓንጽ! ንካልኦት ካብ ምፍራድ እቁጠብዶ! ነዚ ወላ ነቶም ደቅና ናኣሽቱ ሕጻናት ንሕተቶም ሓደ ናይ ትምህርቲ ብጻዮም ደስ እንተዘኢልዎም ወይውን እንተጸሊኦምን ድኽም ዝበለ እንተኾይኑን ናብ ዓመጽ ገጾምዶ ይጐዩ ወይስ ሰላም ይገብሩ! ሰላም እንተዘይገሮም ንኩሉ ከምዘጥፍኡ ምንጋሮም የድሊ፣ ናይ ሰላም መጋበሪ ክኾኑ የድሊ። ዘመነ ምጽኣትከስ ነቲ ዝመጽእ መስፍን ሰላም ንምቅባል ምስንዳው እዩ። ሰላም ምግባር ከኣ ነቲ ናይ ሰላም ንጉሥ ዝኾነ እግዚአብሔር ምምሳል እዩ።”

ሰላም ምግባር ንእግዚአብሔር ምምሳል እዩ!

ሰላም ኩሉ ግዜ ንቅድሚት እያ እትግሥግስ! ብምንም ተኣምር ደው ኣይትብልን! ከመይ ፈራዪት ጸጋዪት እያ! እዚ ከኣ ካብ መንፈስ ነፍሲወከፍና ይጅምር ንኩሉ ጉዕዞ ሥድራቤትን ዓለምን ምስ ገበረት ከኣ ኣባና ተመሊስና ኣብ መንፈስና ትሓድር።

“ሰላም ምግባር ንእግዚአብሔር ምምሳል እዩ። እግዚአብሔር ምሳና ሰላም ክገብር ምስ ደለየ ምሂሩና እንኮ ወዱ ናይ ሰላም መስፍን ንክኾነና ሰላም ንክገብር ልኢኹልና። ምናልባት ሓደ ካባኹም እወ ኣባቴ ኮይኑ ግን ኣነ ሰላም ከመይ ኢልካ ከምዝግበር ኣይተመሃርኩን ምሁር ሰብ ኣይኮንኩን መንእሰይ እየ ወዘተ ሰላም ከመይ ከምዝግበር ኣይፈልጥን ኢሉ ክሓትት ይኽእል። ኢየሱስ ግን ነዚ ዝኸውን መልሲ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ቀሪቡልና ኣሎ ‘በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ደስ በሎ እሞ ‘‘ኦ ጐይታ ሰማይን ምድርን ኣቦይ ነዚ ነገራት እዚ ካብ ጥበበኛታትን ለባማትን ሰዊርካ ንሕጻናት ስለ ዝገለጽካዮ አመስግነካ ኣሎኹ፣ እወ ኦ ኣቦይ ፍቃድካ ከምኡ ስለዝኾነ እዩ’’ (ሉቃ 10.21) ይብል። ስለዚ ንስኻ ዘየጽናዕካ ጥበበኛ ዘይኮንካ ትሕት በል ከምቶም ናኣሽቱ ሕጻንት ኩን ኣገልጋሊ ናይ ካልኦት ኩን ሽዑ ባዕሉ ክገልጸልካ እዩ እብለኩም። ድሕሪ ቢሎም ብዙሕ ግዜ ቀንዲ ጸገምና ክነወግዶ እንኽእል ዓቢ ውግእ ዘስዕብ ንኣሽቱ ውግኣት እንከጋጥሙ ክንሃድም ደው ክንብል ብዘይምኽኣልና እዩ ኢሎም።”

ውግእ ከልዕል ኣብ ቅድሚ ዝኽእል ኩነት ደው ምባል!

ቀንዲ መለለዪ ዘመነ ምጽኣት ተጊህካ ምሕላውን ምጽላይን ብምዃኑ ኣብዚ ዝመነ ምጽኣት ነዚ ጸጋ ናይ ሰላም ንምርካብ ክነቅርቦ ዘሎና ጸሎት ከስ ኦ ጐይታ ምስ ገዛእ ርእሰይስ ይኹን ምስ ሥድራቤተይ ከምኡ ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ሰላማዊ ክኸውን ሓግዘኒ ትብል እያ።

“ኣብ ገዛናስ ይኹን ኣብ ውሽጢ ልብና ኣብ ቤትትምህርትስ ይኹን ኣብ ናይ ሥራሕ ቦታ ዝኾነ ምልክት ናይ ንእሽቶ ውግእ እንተርኢና ደው ንበል እሞ ነታ ሰላም ኣብ ውሽጢ ልብና ሃሰስ ንበላ። ንካልኦት ብቃላትና ከይነቊስል ሓደራ። ምናልባት ካባኹም ሓራይ ኣባቴ ከምኡ ይኹን ግን ከመይ ኢለ እየ ንካልኦት ካብ ምቊሳል ዝድሕን እንተኢሉኒ ኣይትሕመ ብዛዕባ ካልኦት ፍርዲ ንምሃብ ቀዳማይ ኣይትኹን እብሎ። ንሕና ኩልና ነዚ ምስ እንገብር ማለት ካብ ሕሜታ ካልኦት ምስ እንቊጠብ ሰላም ንቅድሚት ትግሥግስ፣ ንመስፍን ሰላም ክንቅበል ንእንሰናደወሉ ዘሎና ጐይታ ልብና የሰናድወልና። ነዚ ግን ንሕና ነቲ ኩሉ ካባና ዝድሊ ከምእንገብር ብምግባር ይፈጽመልና ሰላም ኣብ ውሽጢ ልብና ሰላም ኣብ መንፈስና ሰላም ኣብ ስድራቤትና ሰላም ኣብ ቤትትምህርትና ሰላም ኣብ ከባቢናን ናይ ሥራሕ ቦታናን እንነግሥ ይግበረና። ናይ ሰላም ሰባት ይግበረና።”

እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ። 

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
04 December 2018, 18:59
ንኩሉ ኣንብብ >