ር.ሊ.ጳ - መሥዋዕተ ቅዳሴ  ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ር.ሊ.ጳ - መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (ANSA)

ቅዱስ ዮሴፍ ብግልጸት ሕልሚ ዝምራሕን ብትሕትናን ሱቚታን ንኩሉ ዘሰንን ጻድቅ ሰብ ነበረ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 18 ታሕሳስ 2018 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንመቀራረቢ ልደት ኣብ ዝቀረበ ናይ ዕለቱ ወንጌል ቅዱስ ዮሴፍ ጻድቅ ብምንባሩ ነታ ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ዝጸነሰት ድንግል ማርያም ከመይ ከምዝገብራ ክማታእ እንከሎ እግዚአብሔር ብሕልሚ ምስ ገለጸሉ ምንም ከይበለ ንቅድስት ሥድራ ዘሰነየ ምዃኑ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ትሕትናን ጽድቅን ዮሴፍ ንምግላጽ ‘ቅዱስ ዮሴፍ ብዘይ ረአዩለይ ስምዑለይ ብሱቚታ ዘሰኒ ብግልጸት ሕልሚ ዝምራሕ’ ምንባሩ ብምዝካር ኣብታ ብዘይረኣዩለይ ስምዑለይ ብሱቚታ ምስናይ እትብል ሓረግን ብግልጸት ሕልሚ ዝምራሕ እትብል ሓረግን ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ተንቲኖም።

ቅዱስ ዮሴፍ ኣብነት ናይ ንፉዓት ወለዲ ኰይኑ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝገልጾ ጻድቅ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዘለዎ ንሕጊ እግዚአብሔር ዝሕሉ ትጉህ ሠራሕተኛ ትሑት ንድንግል ማርያም ብልቡ ዘፍቅር እናበለ ዝገልጾ ልዕሊ ኩሉ ግን ንማንም ከይነገረ ብሱቚታ ንማርያም ብክብሪ ከሰናብት ምሕሳቡ ኮይኑ እግዚአብሔር ተልእኾኡ እንታይ ምዃኑ ምስ ገለጸሉ ነግ ፈረግ ከይበል ከምቲ መልኣኽ ዝበለ ንማርያም ምሳኡ ወሲደ ክሳብ መወዳእታ ብትሕትናን ብሱቚታን ምስ ወዳ ኢየሱስ ኣሰንይዎም።

ተበዓት ወለዲ!

ቀሊል ተልእኮ ኣይኮነን ንወልደ እግዚአብሔር ከም ኣቦ ኰንካ ክተሰንን ብጽቡቕ ክተዕብዮን። ኣብዚ ዘመንና ከምዚ ዓይነት ትሑትን ምንም ዘይዛረብን ዘይሓምን ዘየጒረርምን ዘይፈርድን ክትረክብ እኳ ንጋዳ እንተኾነ ቅዱስ ዮሴፍ ግን ብሓቂ ጽድቁ ብግብሪ ኣመስኪሩ።

[ ንካልኦት ንክዓብዩን ንክምዕብሉን ምሕጋዝ ዋዛ ኣይኮነን። ብኡ ንብኡ ሓላፍነቱ ስለዝለበሰ ናይ ኢየሱስ ምውላድ ግዜ ምስ በጽሔ ቦታ ሃሰው ይብል! ይከናኸኖ ይሕልዎ ሒዝዎ ንግብጺ ይስደድ ኣብ ዓዱ ተመሊሱ ንወዱ የዕብዮ ሥራሑ ይምህሮ ኲስኰሳ ዝበሃልከስ እዚ እዩ። ንኲስኰሳ ውሉድ ብዘድሊ ኩሉ ይሕግዞ። ነዚ ከኣ ሱቚ ኢሉ ይገብሮ። ተልእኮኡ ንጹር ስለዝነበረ ወልደ እግዚአብሔር ወደይ እዩ ናተይ እዩ ዝብል መንፈስ ከየሕደረ ኣዕብይዎ። እዚ ኣብነት እዚ ንዓና ነዞም ወጣማት ዝኾናን ኣብ ዘይመንጠቢትና ኢድና ክንመልስ መን እዩ እንታይ ይገብር ኣሎ ስለምንታይ እናበልና ኣብ ዝምልከተናን ዘይምልከተናን ኢድና ንእነእቱ ዓቢ ትምህርቲ እዩ፣ ብትሕትናን ብሱቚታን ነታ ትምልከተካ ምፍጻም ዓቢ ነገር እዩ። ] 

ቅዱስነቶም ሽሕ’ኳ ብናይ ኣብዛሓ ጠባያት እንተወቀሱና ነቶም ሓደ ክልተ ውፉያትን ኣብነታውያንን ወለዲ ብዓቢ ጥበብ ንደቆም ብትዕግሥቲ ከዕብዩ እንተተጋገዩውን ክሳብ ዝርድኦምን ዝምለሱን ዝጽበዩ ዓው ዓው ዘይብሉ ኣመስጊኖም። ቅድሚ ዝኾነ ዘረባ ምዝራብ ብትዕግሥቲ ምጽባይን ብሱቚታ ምስዓብን ዝመስልዎ የለን። እግዚአብሔር ምሳና ዘርእዮ ባህርይ እዚ እዩ ንሕና ደቁ ዝበደልና ንበድል ዝዓበድና ንዕበድ ብዓቢ ትዕግሥቲ ክሳብ መወዳእታ ይጽበየና።

ቅዱስ ዮሴፍ ብግልጸት ሕልሚ ዝምራሕ!

እዛ ሕልሚ ትብል ቃል ከምቲ ኣብ ዕለታዊ ቋንቋ እንጥቀመሉ ናይ ዘይጭበጥ ሓሳባት ዝሓስብ ዘይኮነስ ዮሴፍ ብሓቂ ናይ ሥራሕ ሰብ ኮይኑ ልቡ ግን ወትሩ ንእግዚአብሔር ምስ ተኸፍተን ምርሒቱ እናተጸበየን ክግለጸሉ ከሎ ብዘይወዓል ሕደር ዝፍጽምን ጻድቅ ሰብ ነበረ።

“ሕልሚ ብዙሕ ግዜ ንሓቂ ንምድላይ ምሩጽ ቦታ እዩ ከመይ ኣብ ሕልሚ ካብ ሓቂ ዝከላከለልና የለን። ባዕሉ ይመጽእ! እግዚአብሔር ብሕልሚ እውን ይዛረበና እዩ። እዚ ግን ኣብ ዝኾነ ሕልሚ ኣይኮነን እንታይ ደኣ እግዚአብሔር ብዙሕ ግዜ ብሕልሚ ክዛረበና ይመርጽ። እዚ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ብዙሕ ቦታ ንረኽቦ። ንብዙሓት ብሕልሚ ከምዝተዛረቦም ነንብብ። ቅዱስ ዮሴፍ እውን ሓደ ካብዚኦም እዩ።”

ስለዚ ነዚ ከምዚ ዓይነት ሕልሚ ልብና ንእግዚአብሔር ንምኽፋትን ንጽባሕ ብምትእምማን ንምጽባይን ስለዝሕግዝ ሃረር ንበሎ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
18 December 2018, 17:21
ንኩሉ ኣንብብ >