መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (ANSA)

ከምቲ ሰማዕታት ብእግዚአብሔር ክጸናንዑ ዘፍቀዱ ንሕና እውን ብእግዚአብሔር ክንጸናናዕ ነፍቅደሉ! ር.ሊ

ሎሚ እውን ከም ትማሊ ምእንቲ እምነቶም ሰማዕትነት ዝቅበሉ ከምዘይወሓዱ ዝገለጹ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተቀትሉ ሰማዕታት ዘመንና ብምዝካር እዞም ሰማዕታት እዚኦም ብእግዚአብሔር ክጸናንዑ ስለዝፈቀዱ ንምስክርነት በቂዖም ንሕናውን ከምኡ ንግበር ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ናይ ዘመንና ኩነታት ምናዳ ከኣ ከም ርሕራሔን ምጽንናዕን ዝበሃላ ቃላት ዳርጋ ካብ መዝገበ ቃላትና ክንኣልዮ ቁሩብ ተሪፉና ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ልብና ክንምለስ እሞ እግዚአብሔር ወትሩ ከምቲ ንዝበኪ ውሉዳ እተጸናንዕ ወላዲት ብርሕራሔኡ ከምዘጸናንዓና ንዘክር ኢሎም። ሓደ ሕጻን ዝሓንቀቀ ይሓንቅቅ! ዝድረቀ ይድረቅ! ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ተረኺቡ ከልቅስ እንከሎ ርሕሩሕ ምጽናንዕ ኣዲኡ በምንም ተኣምር ክነጽጎ ከምዘይክእል ንሕናውን ነቲ እግዚአብሔር ብርሕራሔኡ ዕለት ዕለት ዘቅርበልና ርሕራሔ ዝመልኦ ምጽንናዕ ወይ ከንቃወሞ ወይውን ከይንኣቢ ሓደራ እንክብሉ ተማሕጺኖም።

ንምጽንናዕ ዘምቅዋም!

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ኢሳ 40.1.-11 ኮይኑ ‘ንህዝበይ ኣጸናንዑ፡ ኣጸናንዑ፡ ይብል ኣምላኽኩም። ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡ፡ ጸበባኣ ኸም እተፈጸመ፡ ኣበሳኣ ኸም እተሐድገላ፡ ስለ ዂሉ ሓጢኣታ ድማ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ካዕበት ከም ዝረኸበት ኣውጁ። ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልው፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን። ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኪግለጽ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ሐቢሩ ኺርእዮ እዩ። ድምጺ፡ ኣውጅ፡ ይብል። ሓደ ኸኣ፡ እንታይ ኢለ ኽእውጅ? በለ። ስጋ ዘበለ ዂሉ ሳዕሪ እዩ፡ ኲሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕምባባ መሮር እዩ። ትንፋስ እግዚኣብሄር ነፊስዎ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ። ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር። ኣቲ ብስራት እተበስሪ ጽዮን፡ ናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ፡ ኣቲ ብስራት እተበስሪ የሩሳሌም፡ ድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊ፡ ብዘይ ፍርሃት ዓው በሊ፡ ንኸተማታት ይሁዳ፡ እንሆ ኣምላኽኩም፡ ኢልኪ ንገሪ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓይሊ ይመጽእ፡ ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ። እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፡ ካሕሳኡ ኸኣ ቀቅድሚኡ ይኸይድ። ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።’ ዝብል ብሓቂ ልብኻ ዝትንክፍን ቀጺልካ ነቲ ምዕራፍ ብምሉኡ ክተንብቦ ዝደፋፍእን ክፍሊ ነበረ።

እዚ ምጽንናዕ’ዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ናይ ድሕነት ምጽንናዕ ኮይኑ በደል ከምዝተደምሰሰ ከምዝተረሰዔ እግዚአብሔር ብርሕራሔኡን ምሕረቱን ናብ ሕዝቡ ቊሊሕ ከምዝበለ ዝገልጽ ኮይኑ ከምቲ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንኣርባዓ መዓልታት ንሓዋርያቱ ዝገበሮ ምጽንናዕ ዓይነት እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገም ኣባና እዩ ዘሎ። ነዚ ከምዚ ዓቢ ምጽንናዕ ከይነጥፍኦ ክንጥቀቅ ዝገደደ ከአ ልብና ኣትሪርና ከንቃወሞ ። ከመይ እዚ ዳርጋ ኣብ ማእከል ሓያል ማዕበል ዘለዎ ባሕሪ ኰንኳስ ርግጽነት ከም ዝስምዖ ኣይጥዑይ ኣይጽሉል እዩ። ወይውን ዝገደደ ተስፋ ቈሪጽካ ክንዲ ነቲ ምጽንናዕ ትምልከት ናብቲ ዘጥፍኣካዮን ዘሎካ ጸገማትን ሽንፈትን ምትኳር እዩ። ጐይታ ግን ብምሉእ ሓይሉ ከድሕነና ይሰርሕ! ኣብዚ ግን ብኣና ወገን ተቃውሞ ከጋጥም እንከሎ ዓቢ ጸገም እዩ። ኣብ ኩነት ሓዋርያት ኣብ ጽባሕ ፋሲካ ምልስ እንተበልናውን እዚ ከምዚ ዓይነት ፈተነ ኣይተሳእነን እስኪ ንተንክንፎ ነረጋግጽ እስኪ ዝብል ፈተነ ነሩ እዩ። እዚ ከኣ ሽቚረራን ፍርሕን ናይ ተሳዓርነት ናይ ምጥርጣርን ዘይርግጽነትን እዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ርሕራሔ እግዚአብሔርን ምሕረቱን ምትእምማን የድሊ።

ዓለምና ርሕራሔ ንትብል ቃል ካብ መዝገበ ቃላቱ ዝሓኸኻ ይመስል!

ኣብ ሕይወት ኣዎንታዊ ጐድኒ ዝርእዩን ዝሕጐሱን ኣሉታዊ ጐድኒ ጥራይ ብምቅባል ከስቈርቁሩ ዝነበሩ ኣይሰኣኑን ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት እውን እዚ ኣሉታዊ ጐድኒ ጥራይ እናሓሰብካ ናይ ምስቊርቋር ዝንባሌ ይረኤ፡ ድሕሪ ቢሎም ኣብ ማእከል ሕዝቢ ተዘዋዊሮም ሰላም ኣብ ዝብሉሉን ዝባርኹሉን ሕዝባዊ ርክባት ምልስ ኢሎም ከኣ ከም ኣብነት ነቶም ወለዶም ንክባርኽዎም ናብኦም ዘቅርብዎም ሕጻናትን ብኽያት ሕጻናትን ይዝክሩ እሞ እቶም ቆልዑት ዘብክዮም ሓደ ዘይፈልጥዎ ሰብ ጻዕዳ ዝተኸድነ ብቀጥታ ዘዘክሮም ንነርሳት ኮይኑ ነታ ዝተወግእዋ መርፍእ ወይ ሕክምና ዘኪሮም እዚ እውን ከምኡ ክገብር እዩ ኢሎም ይበኽዩ። ኣብ ሕይወት ክርስትና እውን ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ጐይታ ብትንቢት ኢሳያስ ገሩ ኣጸናንዑ ንሕዝበይ ኣጸናንዑ ይብል ኣሎ ኢሎም።

“ጐይታ ከመይ ገቢሩ እዩ ዘጸናንዕ! ብርሕራሔ! እዛ ርሕራሔ ትብል ቃል ናይ ዘመንና ናይ ጥፍኣት ነቢያት ዘይፈልጥዋ ቃል እያ። እዛ ቃል እዚኣ በቲ ካብ ኣምላኽ ዘርሕቀና ናይ ዘመንና መጠን ኣልቦ ሕማቅ ጠባያት ተሓኺኻ እያ። እዚ ሕማቅ ጠባያት እዚ ካብ ናይ ካህናትን ምእመናንን ምንም ክገብሩ ዘይደልዩ ኣይምውቃት ኣይዝሑላት ጀሚርካ ንኩሉ ለኻኺሙ ኣሎ። ርሕራሔ የፍርህ እዩ። ክንበብ ዝሰማዕናዮ ትንቢት ኢሳያስ ‘እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፡ ካሕሳኡ ኸኣ ቀቅድሚኡ ይኸይድ።` ኣናበለ ይዛዝም። ከም ሓደ ጓሳ ከም ሓንቲ ኣደ ብርሕራሔ ክንደይ ከምዝገብር እውን ይገልጽ። ናይ እግዚአብሔር ናይ ምጽንናዕ ኣገባብከስ እዚ እዩ። ርሕራሔ እግዚአብሔር የጸናንዕ። ቀሊል ኣብነት ኣደታት ሓደ ሕጻን ክበኪ ምስ ረኸባ ይሓቚፋኦ የተሃዳድኣኦ ብርሕራሔ ከኣ የጸናንዓኦ። እዛ ርሕራሔ ትብል ቃል እያ ሎሚ ጠፊኣትና ዘላ ኢሎም።”

ኣብ ግዜ ሰማዕትነት ዘሎ ምጽንናዕ!

ጐይታ ወትሩ ብኣኡ ክንጸናናዕ ይደልየና እዚ ከኣ ኣብዚ ንልደት መድኃኒና እንሰናደወሉ ግዜ ክሕግዘና እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ መጠቃለሊ ጸሎት ኩልና ነዛ ጸጋ እዚኣ ክህበና ለሚና፣

“ኣነ በዛ ነፍሰይ ናይ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ልማዳዊ ኩነት ምጽንናዕ ክኸውን ኣለዎ ምበልኩ። ወላውን ኣብቲ ጽንኩት ኣጋጣሚታት ሕይወት! ኣብ ታሪኽ ሰማዕታት ምልስ እንተበልና ንሰማዕትነት ናብ ኮለሰዩም ክኣትው እንከለው እናዘመሩ ይኣትው ነሮም ሎሚ እውን እንተኾነ ሰማዕታት ሎሚ እንክሓስብ ኣእምሮይ ብቀጥታ ናብቶም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ስለእምነቶም ጽዋዕ ሰማዕትነት ዝጨልጡ ንፉዓት ክርስትያን ቅብጢ እዝክር። ከም ጤለ በጊዕ ክሕረዱን ክሳቀዩን እንከለው ኢየሱስ ክርስቶስ እናበሉ ሞይቶም። ብሓቂ ምጽንናዕ ነርዎም ኣብ ውሽጦም ብርቱዕ ምጽንናዕን ሓጐስን ከምዝነበረ መስኪሮም። ስለዚኸስ ኣብ ሰማዕትነት እውን ዓቢ ምጽንናዕ ኣሎ። ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ሕይወቱ ብምጽንናዕ ክዕሰል ኣለዎ። እዚ ምጽንናዕ እዚ ምናልባት ኩነተ ኣእምሮን ኣዎንታዊ ጐድኒ ምሕሳብን ከይመስለና ክንዮኡ እዩ። መልእልተ ባህርያዊ ሓይሊ ኮይኑ ካብ ሰማይ ዝወሃብ ብርሃን ልብኻን ኣእምሮኻን ኣብሪሁ ንኩሉ በዚ ኣዎንታዊ ብርሃን ንምርኣይ ዘኽእል ሓይሊ እዩ።”

ጐይታ ኣብ ማዕጾ ልብና ኮይኑ ብርሕራሔ ይኩሕኩሕ ኣሎ! ኣይንቃወሞ!

ርግጽ እዩ ኣብ ጸገምን ፈተነን እንክንርከብ ምጽንናዕ ክስመዓካ ንጋዳ እዩ ኮይኑ ግን ክርስትያን ሓንቲ ፍልይቲ ትዕድልቲ ኣላቶ ንሳ ከኣ እታ ክርስቶስ ዝዓደላ ሰላም እያ! ዝመጸ ይምጻእ ወላውን ከም ዕንቚ ይጽበብ ሓደ ክርስትያን ብምንም ተኣምር ነዚ ሰላም እዚ ከጥፍእ የብሉን። እዚ ጐይታ ዝዕድለና ሰላም ወትሩ ዘሰንየና እዩ ወላውን ኣብቲ ሕማቅ ግዜ ድሕሪ ቢሎም ኣብዚ ንልደት ኣንሰናደወሉ ዘሎና ግዜ ብዘይ ምንም ፍርሃት ነዛ ሰላም እዚኣ ክንቅበልን በቲ ምጽንናዑ ክንጸናናዕ ነፍቅደሉ ኢሎም።

“እንተሓሰመ እንተሓሰመ ነዛ ልደት ብሰላም ክሰናዶ! ሰላም ናይ ልቢ ናይ ህላዌኻ ሰላም ሰላም ናይ ርሕራሔኡን ምጽናናዑን ፍቅሩን ክሰናዶ ሓግዘኒ ጐይታ ንበሎ። ምናልባት ሓደ ካባኹም `እወ ኣባቴ ሓቅኹም ኮይኑ ኣነ ብዙሕ ሓጢኣት ኣሎኒ ‘ ክብለኒ ይኽእል እወ ሓቅኻ ግን ወንጌል እንታይ ከምዝብለናዶ ትፈልጥ ጐይታስ ከም ሓደ ሕያዋይ ጓሳ ከጸናንዓና ከምዝመጸን ሓንቲ ካብተን መጓሲኡ እንተጠፊኣ ከምቲ ኣብነት ናይቲ ካብ ሚእቲ ሓንቲ እንተጠፍኤት ንተስዓን ትሽዓተን ገዲፉ ንኣኣ ክደሊ ዝኸይድ እዩ ነገሩ። ምስ ነፍሲ ወከፍና እግዚአብሔር ከምኡ እዩ ዝገብር። ሽሕዃ ኣነ ንሰላም እንተተሓሲሙ ንምስናናዑ እንተኣቢየ ንሱ ግን ወትሩ ንማዕጾ ልበይ ብርሕራሔ ይኩሕኩሕ። ነዚ ዝገብር ከኣ ሰላሙ ንክህበኒ ንከጸናንዓኒ እዩ። ነዚ ከኣ ብርሕራሔን ጥዑም ልብን እዩ ዝገብሮ እቲ ኣኳሓኳሓ ዳርጋ ምሽሓር ምቅብጣር እዩ ክንብሎ ንኽእል።”

እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
11 December 2018, 18:11
ንኩሉ ኣንብብ >