ከምቲ ሰማዕታት ብእግዚአብሔር ክጸናንዑ ዘፍቀዱ ንሕና እውን ብእግዚአብሔር ክንጸናናዕ ነፍቅደሉ! ር.ሊ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ናይ ዘመንና ኩነታት ምናዳ ከኣ ከም ርሕራሔን ምጽንናዕን ዝበሃላ ቃላት ዳርጋ ካብ መዝገበ ቃላትና ክንኣልዮ ቁሩብ ተሪፉና ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ልብና ክንምለስ እሞ እግዚአብሔር ወትሩ ከምቲ ንዝበኪ ውሉዳ እተጸናንዕ ወላዲት ብርሕራሔኡ ከምዘጸናንዓና ንዘክር ኢሎም። ሓደ ሕጻን ዝሓንቀቀ ይሓንቅቅ! ዝድረቀ ይድረቅ! ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ተረኺቡ ከልቅስ እንከሎ ርሕሩሕ ምጽናንዕ ኣዲኡ በምንም ተኣምር ክነጽጎ ከምዘይክእል ንሕናውን ነቲ እግዚአብሔር ብርሕራሔኡ ዕለት ዕለት ዘቅርበልና ርሕራሔ ዝመልኦ ምጽንናዕ ወይ ከንቃወሞ ወይውን ከይንኣቢ ሓደራ እንክብሉ ተማሕጺኖም።
ንምጽንናዕ ዘምቅዋም!
ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ኢሳ 40.1.-11 ኮይኑ ‘ንህዝበይ ኣጸናንዑ፡ ኣጸናንዑ፡ ይብል ኣምላኽኩም። ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡ፡ ጸበባኣ ኸም እተፈጸመ፡ ኣበሳኣ ኸም እተሐድገላ፡ ስለ ዂሉ ሓጢኣታ ድማ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ካዕበት ከም ዝረኸበት ኣውጁ። ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልው፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን። ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኪግለጽ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ሐቢሩ ኺርእዮ እዩ። ድምጺ፡ ኣውጅ፡ ይብል። ሓደ ኸኣ፡ እንታይ ኢለ ኽእውጅ? በለ። ስጋ ዘበለ ዂሉ ሳዕሪ እዩ፡ ኲሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕምባባ መሮር እዩ። ትንፋስ እግዚኣብሄር ነፊስዎ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ። ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር። ኣቲ ብስራት እተበስሪ ጽዮን፡ ናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ፡ ኣቲ ብስራት እተበስሪ የሩሳሌም፡ ድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊ፡ ብዘይ ፍርሃት ዓው በሊ፡ ንኸተማታት ይሁዳ፡ እንሆ ኣምላኽኩም፡ ኢልኪ ንገሪ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓይሊ ይመጽእ፡ ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ። እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፡ ካሕሳኡ ኸኣ ቀቅድሚኡ ይኸይድ። ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።’ ዝብል ብሓቂ ልብኻ ዝትንክፍን ቀጺልካ ነቲ ምዕራፍ ብምሉኡ ክተንብቦ ዝደፋፍእን ክፍሊ ነበረ።
እዚ ምጽንናዕ’ዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ናይ ድሕነት ምጽንናዕ ኮይኑ በደል ከምዝተደምሰሰ ከምዝተረሰዔ እግዚአብሔር ብርሕራሔኡን ምሕረቱን ናብ ሕዝቡ ቊሊሕ ከምዝበለ ዝገልጽ ኮይኑ ከምቲ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንኣርባዓ መዓልታት ንሓዋርያቱ ዝገበሮ ምጽንናዕ ዓይነት እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገም ኣባና እዩ ዘሎ። ነዚ ከምዚ ዓቢ ምጽንናዕ ከይነጥፍኦ ክንጥቀቅ ዝገደደ ከአ ልብና ኣትሪርና ከንቃወሞ ። ከመይ እዚ ዳርጋ ኣብ ማእከል ሓያል ማዕበል ዘለዎ ባሕሪ ኰንኳስ ርግጽነት ከም ዝስምዖ ኣይጥዑይ ኣይጽሉል እዩ። ወይውን ዝገደደ ተስፋ ቈሪጽካ ክንዲ ነቲ ምጽንናዕ ትምልከት ናብቲ ዘጥፍኣካዮን ዘሎካ ጸገማትን ሽንፈትን ምትኳር እዩ። ጐይታ ግን ብምሉእ ሓይሉ ከድሕነና ይሰርሕ! ኣብዚ ግን ብኣና ወገን ተቃውሞ ከጋጥም እንከሎ ዓቢ ጸገም እዩ። ኣብ ኩነት ሓዋርያት ኣብ ጽባሕ ፋሲካ ምልስ እንተበልናውን እዚ ከምዚ ዓይነት ፈተነ ኣይተሳእነን እስኪ ንተንክንፎ ነረጋግጽ እስኪ ዝብል ፈተነ ነሩ እዩ። እዚ ከኣ ሽቚረራን ፍርሕን ናይ ተሳዓርነት ናይ ምጥርጣርን ዘይርግጽነትን እዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ርሕራሔ እግዚአብሔርን ምሕረቱን ምትእምማን የድሊ።
ዓለምና ርሕራሔ ንትብል ቃል ካብ መዝገበ ቃላቱ ዝሓኸኻ ይመስል!
ኣብ ሕይወት ኣዎንታዊ ጐድኒ ዝርእዩን ዝሕጐሱን ኣሉታዊ ጐድኒ ጥራይ ብምቅባል ከስቈርቁሩ ዝነበሩ ኣይሰኣኑን ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት እውን እዚ ኣሉታዊ ጐድኒ ጥራይ እናሓሰብካ ናይ ምስቊርቋር ዝንባሌ ይረኤ፡ ድሕሪ ቢሎም ኣብ ማእከል ሕዝቢ ተዘዋዊሮም ሰላም ኣብ ዝብሉሉን ዝባርኹሉን ሕዝባዊ ርክባት ምልስ ኢሎም ከኣ ከም ኣብነት ነቶም ወለዶም ንክባርኽዎም ናብኦም ዘቅርብዎም ሕጻናትን ብኽያት ሕጻናትን ይዝክሩ እሞ እቶም ቆልዑት ዘብክዮም ሓደ ዘይፈልጥዎ ሰብ ጻዕዳ ዝተኸድነ ብቀጥታ ዘዘክሮም ንነርሳት ኮይኑ ነታ ዝተወግእዋ መርፍእ ወይ ሕክምና ዘኪሮም እዚ እውን ከምኡ ክገብር እዩ ኢሎም ይበኽዩ። ኣብ ሕይወት ክርስትና እውን ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ጐይታ ብትንቢት ኢሳያስ ገሩ ኣጸናንዑ ንሕዝበይ ኣጸናንዑ ይብል ኣሎ ኢሎም።
ኣብ ግዜ ሰማዕትነት ዘሎ ምጽንናዕ!
ጐይታ ወትሩ ብኣኡ ክንጸናናዕ ይደልየና እዚ ከኣ ኣብዚ ንልደት መድኃኒና እንሰናደወሉ ግዜ ክሕግዘና እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ መጠቃለሊ ጸሎት ኩልና ነዛ ጸጋ እዚኣ ክህበና ለሚና፣
ጐይታ ኣብ ማዕጾ ልብና ኮይኑ ብርሕራሔ ይኩሕኩሕ ኣሎ! ኣይንቃወሞ!
ርግጽ እዩ ኣብ ጸገምን ፈተነን እንክንርከብ ምጽንናዕ ክስመዓካ ንጋዳ እዩ ኮይኑ ግን ክርስትያን ሓንቲ ፍልይቲ ትዕድልቲ ኣላቶ ንሳ ከኣ እታ ክርስቶስ ዝዓደላ ሰላም እያ! ዝመጸ ይምጻእ ወላውን ከም ዕንቚ ይጽበብ ሓደ ክርስትያን ብምንም ተኣምር ነዚ ሰላም እዚ ከጥፍእ የብሉን። እዚ ጐይታ ዝዕድለና ሰላም ወትሩ ዘሰንየና እዩ ወላውን ኣብቲ ሕማቅ ግዜ ድሕሪ ቢሎም ኣብዚ ንልደት ኣንሰናደወሉ ዘሎና ግዜ ብዘይ ምንም ፍርሃት ነዛ ሰላም እዚኣ ክንቅበልን በቲ ምጽንናዑ ክንጸናናዕ ነፍቅደሉ ኢሎም።
እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም።