2018.12.03 መሥዋዕተቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.12.03 መሥዋዕተቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ዘመነ ምጽአት ንእምነትና እነንጽሓሉ ግዜ ስለዝኾነ ብዓለማዊ መንፈስ ክዕብለል ኣይነፍቅድ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 3 ታሕሳስ 2018 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተቅዳሴ ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ትማሊ ዝጀመረ ዘመነ ምጽኣት ብምዝካር ‘ዘመነ ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሔም ምእንታና ከምዝተወልደ ንምርዳእ ምስትንታንን ንወልደ እግዚአብሔር ናይ ግልኻ መድሓኒ ጌርና ምሳኡ ንዘሎካ ርክብ ንምሕያል ዝኸውን ምሩጽ ግዜ እዩ’ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ካብ ትማሊ ኣትሒዞም ደጋጊሞም ሓደራ ዝብልዎ ንዘመነ ምጽኣት ብግብእ ናይ ምጥቃም ምሕጽንታ ብምቅጻል ሎሚ ንግሆ እውን ዘመነ ምጽኣት ካብቲ ብዙሕ ትርጉማቱ ሠለስተ ጐድንታቱ ንተዓዝብ ክብሉ ከም ልማዶም ሠለስተ ቃላት ወስ ኢሎም። ሕሉፍ መጻኢ ሕጂ ክብሉ ከኣ ጠቂሶመን።

ብሓፈሻ እንክረኤ ዘመነ ምጽኣት ቅድሚ ዝኣገረ መንፈስና ክነንጽሕ ምሩጽ ግዜ ኮይኑ በዚ ምንጻሕ እዚ ገርና ከኣ ሃይማኖትና ነዕቢ ኢሎም። ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 8.5-11 ኮይኑ ነቲ ሓለቃ ሚእቲ ጊላኡ ሓሚሙ ኢየሱስ ከሕውየሉ ዝልምን እሞ ጐይታ ክኸይድ ቅሩብነቱ ምስ ኣርኣየ ኣብ ቤተይ ክትኣቱ ኣይግበኣካን ኣብኡ ኰንካ ኣዝዝ ሓንቲ ቃል ተዛረብ ኣነ እውን በዛ ዓቅመይ ሓላፊ ስለዝኾንኩ ኣብ ዘሎኹ ኣልየ ንዓ ዝበልክዎ ይመጽእ ኪድ ዝበልክዎ ይኸይድ ግበር ዝበልክዎ ይፍጽም ብማለት ኢየሱስ እውን ዝነኣዶ ዓቢ እምነት ዝገልጽ ነበረ። እምነት እንተዘይኣበራቢርካዮ ክድስክል ስለዝኽእል ቅዱስነቶም እንከዘኻኽሩ ሎሚ እውን እንተኾነ በዘልማድ ጥራይ እንተመላለስና ነዚ ሕያው ዝኾነ ጠባይ እምነት ክንዝግዕ ከምዝከኣል እዚ ንሓይሊ እምነትና ከምዘዳኽሞ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ከምዝደስከሎ ድሕሪ ምግላጽ እምነት ወትሩ ሕያው ስለዝኾነ ሓዲስ ነገራት ክፍጸም ተአምር ክረኤ ኣንተኾይኑ ወትሩ ሕያው ክንገብሮ ኣሎና ኢሎም። ንእምነት ካብ ዘደስክሉ ሓደ ንበዓለ ልደት ዓለማዊ መንፈስ ምልባስ ምልባስ እዩ።

ንበዓለ ልደት ዓለማዊ መንፈስ ኣይነልብሶ!

ቅዱስነቶም ናብታ ቀዳመይቲ ቃል ዝበልዋ ማለት ሕሉፍ እትብል ቃል ምልስ ይብሉ እሞ ናይ ዘመነ ምጽኣት ቀዳማይ ገጽታ ሕሉፍ ዝምልከት ኮይኑ እዚ ከኣ ንሕሉፍ ንዝኽሪ ምንጻሕ እምበር ኦም ልደት ምትካል ወይ ምቅንጃው ከምዘይኮነ ዘኪርና ዝተወልደስ መድኅን ዓለም ክርስቶስ እዩ ኢሎም።

“ጐይታ ተወሊዱ መድኃኔ ዓለም ተወሊዱ ከድሕነና ከኣ መጺኡ። ርግጽ እዩ ዓቢይ በዓል እዩ ኮይኑ ግን ንሕና ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደጋ ኢና እንነብር ኣብ ውሽጥና ንበዓለ ልደት መንፈስ ዓለም ናይ ምልባስ ፈተና ኣሎና፣ እቲ ናይ ኣስተንትኖ ወገን ይርሳዕ እሞ ብላዕ ስተ ተሓጐስ ዝብል ኣተሓሳስባ ናብ ዕዳጋ ገጽካ እናጐየኻ ዝብላዕን ዝስተን ህያብ ዝኸውንን ነገራት ሃሰው እናበልካ መንፈስ ዓለም ይሕዘካ ጐይታ ከኣ ኣባኡ ይርሳዕ። ኣብ ሕይወትና እውን ከይተረፈ እወ ኢየሱስ ኣብ ቤተልሔም ተወሊዱ ኮይኑ ግን . . ንብል ስለዚኸስ ዘመነ ምጽኣት ናይ ዝሓለፈ ዝኽርኻን ታሪኽካን ምንጻሕ መንፈስካ ምንጻሕ ቀዳማይ ዕዮኡ እዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ንዝመጽእ ብምጥማት ተስፋኻ ምንጻሕ እዩ።”

ንተስፋ ምንጻሕ!

ካልአይቲ ዕዮ ናይ ዘመነ ምጽኣት ንዝመጽእ ትምልከት ኮይና ነቲ ጽባሕ ክንቀባበሎ እንጽበዮ ዘሎና ጐይታ ርክብ ከም ተስፋ ሰኒቃ ነዚ ተስፋ እዚ ንምንጻሕ ይሕግዘና።

“እቲ ንከድሕነና ዝመጸ ጐይታ ክምለስ እዩ! እወ ብርግጽ ክምለስ እዩ! እንታይ ክገብር እንተበልኩም ‘ሕይወትኩም ከመይ ኣሕሊኩምዎ’ ቢሉ ንክሓተና ክምለስ እዩ። እዚ ርክብ እዚ ግላዊ ርክብ እዩ ክኸውን። ነዚ ግላዊ ርክብ እዚ ከኣ ሎሚ ሕጂ ኣብዚ ብቅዱስ ቊርባን ኢና እነማዕብሎ። ምስቲ ቅድሚ 2000 ዓመታት ዝተፈጸመ ልደት ክርስቶስ ከምኡ ዓይነት ግላዊ ርክብ ክህልወና ኣይክእልን። ዝኽሪ ናቱ እዩ ዘሎና። ኮይኑ ግን ብኽብርን ብግርማን ክምለት ከሎ እቲ ኣካላዊ ግላዊ ርክብ ሽዑ እዩ ክፍጸም! ተስፋና ከኣ እዚኣ እያ! ነዛ ተስፋ እዚኣ ኢና ክነንጽሕ ዘሎና። እዚ ሓሶት ከይመስለና ከኣ ከምቲ ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ዝብሎ ኣብ ማዕጾ ልብና ኮይኑ ወትሩ ይኲሕኲሕ ኣሎ።”

ጐይታ ዕለት ዕለት ማዕጾ ልብና ይኲሕኲሕ!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዝጠቀሰዋ እታ ሎሚ ሕጂ ትብል ሣልሰይቲ ገጽታ ዘመነ ምጽኣት ኮይና እዚኣ ከኣ ነቲ ዕለት ዕለት እንነብሮ እምነትና ምስቲ በየማነ ጸጋም ከቢቡና ዘሎና ቈጺርካ ዘይውዳእ ሳህሮ ናብራ ብምዝማድ ነታ ኢየሱስ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 6.6 ‘ክትጽሊ ከሎኻ ናብ ገዛኻ እቶ መዓጹ ሸጒርካ ናብቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ጸሊ’ ዝበሎ እሞ ንሱ ከኣ ብሕቡእ ዝምልሽ ኣምላኽ ድንቅን መንክራትን ስለዝኾነ ክርስትያን ዘቦኡ ዕለት ዕለት ናብት ምልክታት ሰማያዊ ኣቦኡን ድንቅታቱን ቚሊሕ ክብል ኣለዎ።

“እታ ሣልሰይቲ ገጽታ ዘመነ ምጽአት ዕለታዊት ኮይና ነታ ነቂሕካ ምሕላው ትብል ክነንጽሕ ኣሎና። ነቂሕካ ምሕላውን ጸሎትን ክልተ ዓንድታት ዘመነ ምጽአት እየን ከመይ ጐይታ ኣብ ታሪኽ ኣብ ቤተልሔም መጺኡ እዩ ገና ከኣ ኣብ መወዳእታ ዓለምን መወዳእታ ነፍሲወከፍናን ብክብርን ብግርማን ክመጽእ ንጽብዮ። ኮይኑ ግን ዕለት ዕለት ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣብ ልብና ብሕሹዅታ መንፈስ ከኣ ይመጽእ እዩ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

03 December 2018, 18:52
ንኩሉ ኣንብብ >