መወዳእታኻ ምስትንታን ልቦና እዩ! ከመይ ምሕረት ዝመልኦ ርክብ ምስ እግዚአብሔር ስለኾነ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ከም ግጽዊ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ሎሚ ቀድማይ ንባብ ካብ ራእይ ዮሓንስ ኮይኑ 14።14-19 ኮይኑ “ሽዑ ቚሊሕ በልኩ፡ እንሆ ድማ ፃዕዳ ደመና ረኣኹ፣ ኣብቲ ደመና ከኣ ወዲ ሰብ ዚመስል ተቐሚጡ ነበረ። ንሱ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ኂዙ ነበረ። . . . ካብቲ መሠውዒ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ሥልጣን ዘለዎ ሓደ ካልእ መልኣኽ ወጸ። ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝኃዘ መላኣኽ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምፂ ‘እቲ ዘለላ ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፣ ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘለላ ወይኒ ኣክቦ” እናበለ ጸውዖ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ሰዲዱ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወይኒ ኣከቦ እሞ፣ ናብቲ ዓቢይ መጽሞቚ ናይ ቊጠዓ ኣምላኽ ደርበዮ።’ ዝብል ነበረ።
እዛ ዓጺድ ትብል ቃል ከምቲ ጐ.ኢ.ክ. ኣብ ወንጌሉ ብተደጋጋሚ ዘስተምሃሮ ‘ማእረሩሰ ኅልቀተ ዓለም ውእቱ ወዐጸድኒ መላእክት እሙንቱ - እቲ ማእረር መወዳእታ ዓለም እንክኾን እቶም ዓጸድቲ ከኣ መላእኽቲ እዮም’። ቅዱስነቶም ከኣ መወዳእታ ዓለምን ኩነታትናን ኣገናዚቦም! ‘ብምጥቃስ ‘መወዳእታስ ከመይ ኮን ይኸውን! ጐይታ ክጽወዓኒ እንከሎስ ከመይ ኢለ ክጸንሕ ምደለኹ!’ ብማለት ፈቲና ጸሊእና ክንጥዕሞ ዘሎና ጽዋዕ ምስ ኣዘኻኸሩ ‘መወዳእታኻ ምስትንታንሲ ልቦና እዩ ከመ ንቅድሚት ገጽና ክንግሥግስ ወትሩ ናይ ኅልና መርመራ ብምግባር ንቅድሚት ክሰጒመኒ ዝኽእል ኣየናይ ሠናይ ተግባራት ክገብር ኣሎኒ ካብ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ክዕንቅጽኒ ዝኽእሉ ክእርሞም ዘሎኒ ጉዳያትከ ኣየኖት ኮን ይኾኑ ንክብል የኽእለና’ ምስ በሉ ዳግም ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ የቅርቡ እሞ ‘ኣብ’ዚ መወዳእታ ሶሙን ሥርዓተ ኣምልኾና ቤተክርስትያን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ክነስተንትን ትዕድመና እዚ ከኣ ሓደ ዓቢ ጸጋ እዩ ከመይ ንሕና ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ መወዳእታና ክንሓስብ ደስ ኣይበልናን ይጽንሓለይ እስኪ ጽባሕ የርክበሉ እናበልና ክንሃድም ንፍትን። ብዛዕባ መወዳእታ ዓለምስ ይኹን ብዛዕባ መወዳእታ ሕይወትና ምሕሳብ ግን ልቦና እዩ ከመይ ኣብ መወዳእታ ምስቲ ምሉእ ምሕረትን ኣፍቃርን ዝኾነ እግዚአብሔር ኣቦና ክንራኸብ። እዚ ከኣ ምኽንያት ሓጐስ እምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን’ ኢሎም።
ኅልቀተ ዓለም ከም ዓጺድ!
ኣብ ላዕሊ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቀዳማይ ንባብ ኣብ መወዳእታ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስን ሓደ መልኣኽን ነፍሲወከፎም ማዕጺድ ሒዞም ክፍጽምዎ እዮም ንዝብል ምሳሌኣዊ ዘረባ ብምሳሌ ዝተንተኑ ቅዱስነቶም ዓጺድ ምስ በልካ ብዛዕባ ምህርቲ ክትዛረብ ግድን እዩ፣ ኣብ መወዳእታ ዝረኤኸስ ከመይ ዓይነት ምህርቲ እዩ ካብ ነፍሲወከፍና ክሕፈስ! ሕይወትና ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኮን ትርከብ! ዝብል ሕቶ ክንምልሶ ግድን እዩ፣ ምስ በሉ ቅድስነቶም ኣብ ኩነታትናን ናብራናን ምልስ ይብሉ እሞ ምናልባት ሓደ ካባኻትኩም ‘እወ ኣባቴ ሓቂ ኮይኑ ግን ክሳብ ክንድዙይዶ ኣድላዪ እዩ! ዘይጸንሓልና ብዙሕ ደስ ኣየብልን ክብለኒ ይኽእል ኣነ ኸኣ ፈቲኻ ጸሊእካ እታ ሓቂ እዚኣ እያ እብል’ ኢሎም።
ብዛዕባ መወዳእታና ምስትንታን ንቅድሚት ንክንግሥግስ ይሕግዘና!
ቅዱስነቶም ኣብዚ’ኣ ብዙሓት እንሃድመላ ሕቶ ‘ሎሚ ጐይታ ናብ ቤቱ እንትዝጽውዓንስ እንታይ ኮን ምበልኩ’ ኢሎም ቶግ የብልዋ እሞ ‘ወይጸገም! ኣይተረድኣንን ነሩ! ዘንጊዔ ነረ’ ክንብል ንኽእል ኮይኑ ንሕና ዕለቱ ኣይንፈልጥ ሰዓቱ ኣይንፈልጥ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ዋእ ኣቱም ኣባቴ! በጃኹም ኢለኩም ከምኡ ኢልኩም ኣይትዛረቡኒ ኣነ ገና መንእሰይ እየ ክብለኒ ይኽእል ኣነ ከኣ ንምዃኑ ክንደይ መንእሰያት ዕለት ዕለት ይሓልፉ ኣለው ክንደይ መንእሰያት ይጽውዑ ኣለው። ቊሩብ እባ ኣስተውዕል! ኣብዚ ዓለምዚ ሕይወቱ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ውሕስነት ዘላ የሎን። እታ ርግጸኛ ነገር ንሕና ኩልና መወዳእታ ከምዘሎና መወቲ ከምዝኾና እዩ። ምናልባት ኣብዚ እውን መዓስ እንተኢልኩምኒ ንዕለታን ሰዓታን እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ዝፈልጣ እብለኩም።
ንዘለዓለም ኣብዚ ክነብር ኣይኮንኩን! መወዳእታ ከመይ ክኸውን እደሊ!
ቅዱስነቶም ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ብዛዕባ መወዳእታና ክነስተንትን ! መወዳእታይስ ከመይ ኮን ይኸውን! ጐይታ ክጽውዓኒ ከሎስ ከመይ ኢለ ክጸንሖ እደሊ! ካብ ሕጂ ብእዋኑ ናይ ሕልና መርመራ ክገብር እሞ ‘ጽቡቅ ዘይከዱ ኣየኖት ጉዳያት ክእርም ኣሎኒ! ሠናይ ዝኾኑ ነገራትከ ከድንፍዖምን ንቅድሚት ከሰጒሞምን ዘሎኒ ኣየኖት ይኾኑ! ነፍሲወከፍና ብዙሕ ጽቡቅ ነገራት ኣሎና። ኣብዚ ኣስተንትኖ እዚ በይንና እኳ እንተኾና ወትሩ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጐድንና ኮይኑ ይሕግዘና።