2018.11.27 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.11.27 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

መወዳእታኻ ምስትንታን ልቦና እዩ! ከመይ ምሕረት ዝመልኦ ርክብ ምስ እግዚአብሔር ስለኾነ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 27 ኅዳር 2018ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዛዕባ ዓጺድ ዝዛረብ ክፍሊ ራእዩ ለዮሓንስ ብምጥቃስ ‘መወዳእታስ ከመይ ኮን ይኸውን! ጐይታ ክጽወዓኒ እንከሎስ ከመይ ኢለ ክጸንሕ ምደለኹ!’ ኢሎም ይሓቱ እሞ ምሕረት ዝመልኦ ርክብ ምሳኡ ስለኾነ መወዳእታኻ ምስትንታን ልቦና እዩ!’ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ከም ግጽዊ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ሎሚ ቀድማይ ንባብ ካብ ራእይ ዮሓንስ ኮይኑ 14።14-19 ኮይኑ “ሽዑ ቚሊሕ በልኩ፡ እንሆ ድማ ፃዕዳ ደመና ረኣኹ፣ ኣብቲ ደመና ከኣ ወዲ ሰብ ዚመስል ተቐሚጡ ነበረ። ንሱ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ኂዙ ነበረ። . . . ካብቲ መሠውዒ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ሥልጣን ዘለዎ ሓደ ካልእ መልኣኽ ወጸ። ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝኃዘ መላኣኽ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምፂ ‘እቲ ዘለላ ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፣ ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘለላ ወይኒ ኣክቦ” እናበለ ጸውዖ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ሰዲዱ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወይኒ ኣከቦ እሞ፣ ናብቲ ዓቢይ መጽሞቚ ናይ ቊጠዓ ኣምላኽ ደርበዮ።’ ዝብል ነበረ።

እዛ ዓጺድ ትብል ቃል ከምቲ ጐ.ኢ.ክ. ኣብ ወንጌሉ ብተደጋጋሚ ዘስተምሃሮ ‘ማእረሩሰ ኅልቀተ ዓለም ውእቱ ወዐጸድኒ መላእክት እሙንቱ - እቲ ማእረር መወዳእታ ዓለም እንክኾን እቶም ዓጸድቲ ከኣ መላእኽቲ እዮም’። ቅዱስነቶም ከኣ መወዳእታ ዓለምን ኩነታትናን ኣገናዚቦም! ‘ብምጥቃስ ‘መወዳእታስ ከመይ ኮን ይኸውን! ጐይታ ክጽወዓኒ እንከሎስ ከመይ ኢለ ክጸንሕ ምደለኹ!’ ብማለት ፈቲና ጸሊእና ክንጥዕሞ ዘሎና ጽዋዕ ምስ ኣዘኻኸሩ ‘መወዳእታኻ ምስትንታንሲ ልቦና እዩ ከመ ንቅድሚት ገጽና ክንግሥግስ ወትሩ ናይ ኅልና መርመራ ብምግባር ንቅድሚት ክሰጒመኒ ዝኽእል ኣየናይ ሠናይ ተግባራት ክገብር ኣሎኒ ካብ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ክዕንቅጽኒ ዝኽእሉ ክእርሞም ዘሎኒ ጉዳያትከ ኣየኖት ኮን ይኾኑ ንክብል የኽእለና’ ምስ በሉ ዳግም ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ የቅርቡ እሞ ‘ኣብ’ዚ መወዳእታ ሶሙን ሥርዓተ ኣምልኾና ቤተክርስትያን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ክነስተንትን ትዕድመና እዚ ከኣ ሓደ ዓቢ ጸጋ እዩ ከመይ ንሕና ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ መወዳእታና ክንሓስብ ደስ ኣይበልናን ይጽንሓለይ እስኪ ጽባሕ የርክበሉ እናበልና ክንሃድም ንፍትን። ብዛዕባ መወዳእታ ዓለምስ ይኹን ብዛዕባ መወዳእታ ሕይወትና ምሕሳብ ግን ልቦና እዩ ከመይ ኣብ መወዳእታ ምስቲ ምሉእ ምሕረትን ኣፍቃርን ዝኾነ እግዚአብሔር ኣቦና ክንራኸብ። እዚ ከኣ ምኽንያት ሓጐስ እምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን’ ኢሎም።

ኅልቀተ ዓለም ከም ዓጺድ!

ኣብ ላዕሊ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቀዳማይ ንባብ ኣብ መወዳእታ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስን ሓደ መልኣኽን ነፍሲወከፎም ማዕጺድ ሒዞም ክፍጽምዎ እዮም ንዝብል ምሳሌኣዊ ዘረባ ብምሳሌ ዝተንተኑ ቅዱስነቶም ዓጺድ ምስ በልካ ብዛዕባ ምህርቲ ክትዛረብ ግድን እዩ፣ ኣብ መወዳእታ ዝረኤኸስ ከመይ ዓይነት ምህርቲ እዩ ካብ ነፍሲወከፍና ክሕፈስ! ሕይወትና ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኮን ትርከብ! ዝብል ሕቶ ክንምልሶ ግድን እዩ፣ ምስ በሉ ቅድስነቶም ኣብ ኩነታትናን ናብራናን ምልስ ይብሉ እሞ ምናልባት ሓደ ካባኻትኩም ‘እወ ኣባቴ ሓቂ ኮይኑ ግን ክሳብ ክንድዙይዶ ኣድላዪ እዩ! ዘይጸንሓልና ብዙሕ ደስ ኣየብልን ክብለኒ ይኽእል ኣነ ኸኣ ፈቲኻ ጸሊእካ እታ ሓቂ እዚኣ እያ እብል’ ኢሎም።

“ግዜ ዓጺድከስ ነፍሲወከፍና ምስ ጐይታ እንራኸበሉ ግዜ እዩ። እዚ ርክብ እዚ ነፍሲወከፍና ‘ጐይታየ ሕይወተይ እዚኣ እያ። ምህርተይ እዚ እዩ። ዘሕለፍክዎ ሕይወት ነዚ ይመስል ነሩ። በዲለ! ክብል እዩ። ኩልና ስለእንጋገ ኩልና ከምኡ ክንብል ኢና። ገለ ጽቡቅ ነገር እውን ስለእንገብር ከኣ ንጐይታ ምህርትና ከነርኢ ከአ `ጐይታየ እዚኤን ሠናይ ነገራት እዚኤን ከኣ ገረ’ ክንብሎ ኢና።”

ብዛዕባ መወዳእታና ምስትንታን ንቅድሚት ንክንግሥግስ ይሕግዘና!

ቅዱስነቶም ኣብዚ’ኣ ብዙሓት እንሃድመላ ሕቶ ‘ሎሚ ጐይታ ናብ ቤቱ እንትዝጽውዓንስ እንታይ ኮን ምበልኩ’ ኢሎም ቶግ የብልዋ እሞ ‘ወይጸገም! ኣይተረድኣንን ነሩ! ዘንጊዔ ነረ’ ክንብል ንኽእል ኮይኑ ንሕና ዕለቱ ኣይንፈልጥ ሰዓቱ ኣይንፈልጥ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ዋእ ኣቱም ኣባቴ! በጃኹም ኢለኩም ከምኡ ኢልኩም ኣይትዛረቡኒ ኣነ ገና መንእሰይ እየ ክብለኒ ይኽእል ኣነ ከኣ ንምዃኑ ክንደይ መንእሰያት ዕለት ዕለት ይሓልፉ ኣለው ክንደይ መንእሰያት ይጽውዑ ኣለው። ቊሩብ እባ ኣስተውዕል! ኣብዚ ዓለምዚ ሕይወቱ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ውሕስነት ዘላ የሎን። እታ ርግጸኛ ነገር ንሕና ኩልና መወዳእታ ከምዘሎና መወቲ ከምዝኾና እዩ። ምናልባት ኣብዚ እውን መዓስ እንተኢልኩምኒ ንዕለታን ሰዓታን እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ዝፈልጣ እብለኩም።

“ኣብዛ ሶሙን እዚኣ ብዛዕባ መወዳእታ ምስትንታን ክሕግዘና እዩ። ጐይታ ሎሚ እንተዝጽውዓኒ እንታይ ኮን ምገበርኩ! እንታይከ ምበልኩ! ኣየናይ ምህርቲ መርኣኽዎ! ብዛዕባ መወዳእታና ምሕሳብ ንቅድሚት ንክንስጉም ይሕግዘና! ከመይ እዚ ሓሳብ እዚ ዝደስከለ ሓሳብ ኣይኮነን! እንታይ ደኣ ንመንፈሳውያን ሓይልታትን ንተስፋ ጐይታን ንቅድሚት ዘገሥግስ ሓሳብ እዩ። ርግጽ እዩ መወዳታስ ኣሎ እዚ ግን ናይ ርክብ መወዳእታ እዩ ምስ ጐይታ እንራከበሉ እዩ። ኤእ ካልእ ርግጽነት ከኣ ኣሎ ኣብ ምሉእ መዋዕልና ዝገበርናዮ ጸብጻብ ክንህበሉ ኢና ምስ እዚ ግን ምሕረት ዝመልኦ ርክብ እውን ስለዝኸውን ናይ ታሕጓስን ደስታን ርክብ እውን እዩ። ብዛዕባ መወዳእታ ምስትንታን ምስ መወዳእታ ፍጥረትስ ይኹን ብዛዕባ መወዳእታ ሕይወትና ምስትንታንከስ ልቦና እዩ! ጥበበኛታት ከኣ ነዚ ይገብሩ።”

ንዘለዓለም ኣብዚ ክነብር ኣይኮንኩን! መወዳእታ ከመይ ክኸውን እደሊ!

ቅዱስነቶም ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ብዛዕባ መወዳእታና ክነስተንትን ! መወዳእታይስ ከመይ ኮን ይኸውን! ጐይታ ክጽውዓኒ ከሎስ ከመይ ኢለ ክጸንሖ እደሊ! ካብ ሕጂ ብእዋኑ ናይ ሕልና መርመራ ክገብር እሞ ‘ጽቡቅ ዘይከዱ ኣየኖት ጉዳያት ክእርም ኣሎኒ! ሠናይ ዝኾኑ ነገራትከ ከድንፍዖምን ንቅድሚት ከሰጒሞምን ዘሎኒ ኣየኖት ይኾኑ! ነፍሲወከፍና ብዙሕ ጽቡቅ ነገራት ኣሎና። ኣብዚ ኣስተንትኖ እዚ በይንና እኳ እንተኾና ወትሩ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጐድንና ኮይኑ ይሕግዘና።

“ኣብዚ ሶሙንዚ ንመንፈስ ቅዱስ ጥበብ ኣጠቃቅማ ግዜን ልቦና መወዳእታን ጥበብ ትንሣኤ ሙታንን ምስ ኢየሱስ ንዘለዓለም እንራኸበሉ ልቦናን ክህበና እሞ ነዚ ኣብ እምነትና ዘሎ ጥበብ ክንርዳእ የኽእለና። ምስ ኢየሱስ እንራኸበላ ዕለት ናይ ታሕጓስ ዕለት ክትከውን እያ። ጐይታ ንከሰናድወና ንለምኖ። ነፍስወከፍና ከኣ ኣብዛ ሶሙን እዚኣ ብዛዕባ መወዳእታኡ የስተንትን። ኣነ ክሓልፍ እየ! ንዘለዓለም ኣብዚ ክነብር ኣየኮንኩን! መወዳእታይሲ ከመይ ኮን ክኸውን እዩ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
27 November 2018, 16:49
ንኩሉ ኣንብብ >