2018.11.15 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.11.15 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ቤተክርስትያን ብዘይ ረኣዪለይ ስምዑለይ ብጽሞና እያ እትዓቢ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 15 ሕዳር 2018ዓፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቤተክርስትያን እትግለጸሉ ‘ኣብ ቅዱስ ቊርባንን ምግባረ ሠናይን` ምዃኑ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤ - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኮ ንዕለቱ ዘቅረቦ ቃለ ወንጌል ካብ ሉቃ 17.20 ኮይኑ ፈሪሳውያን ንጐ.ኢ.ክ ‘መንግሥቲ እግዚአብሔር መኣስ እያ እትመጽእ’ ቢሎም ምስ ሓተትዎ ድማ ‘መንግሥቲ እግዚአብሔርሲ ብርኡይ ምልክት ኣይኮነትን እትመጽእ ‘እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ’ ዚብላውን የልቦን። መንግሥቲ እግዚአብሔር እሃ ኣብ ማእከልኩም እያ ዘላ’ ቢሉ መለሰሎም ይብል። ቅዱስነቶም ካብዚ ብምብጋስ ቤተክርስትያን እትዓብየሉስ ብገርህነት ብጽምዋ ኣብ መዝሙር ምስጋናን መሥዋዕተ ቅዱስ ቊርባንን ናይ ሕውነት ማሕበር ኮይና ኩሎም ዝፋቀሩሉ እምበር ቈርበት ዘይቀላለጡሉ ምስ ዝኸውን እዩ ኢሎም። ከምቲ ክርስቶስ ዘመልከቶ ከኣ መንግሥቲ ኣምላኽ ብጽሞና እምበር ብረኣዩለይ ስምዑለይ ዝግበር ኣይኮነን።

ሠናይ ተግባራት ኣብ ዜና ኣይጋውሑን!

ሽሕ’ኳ ሠናይ ተግባራት ኣብ ዕለታዊ ዜናታት ዘይጋውሑ እንተኾኑ ቤተክርስትያን እትግለጸሉ ብመስዋዕተ ቅዱስ ቊርባንን ብምግባረ ሠናይን እዩ። መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያንከስ ከምቲ ፈሪሳውያን ዝገብርዎ ጋሕ ገልጠምን ጥሩምባ ምንፋሕን ዘኮነስ  ብጽሞና እያ እትፈሪ።

“ጐ.ኢ.ክ ቤተክርስትያን ከመይ ኢላ ከምእትዓቢ ብአብነት ዘራኢ ገሊጹልና እዩ። እቲ ዘራኢ ይዘርእ እቲ ዘርኢ ከኣ ለይትን መዓልትን ይበቊል። ዘዕቢ እግዚአብሔር እዩ ደሓር ኣብ ፍረ ይበጽሕ። እዚ ኣገዳሲ እዩ ቤተክርስትያን ብጽሞና ብሕቡእ ተዓቢ። እዚ ኣብ ቤተክርስትያን ብኸመይ ይግለጽ እንተበልና ብፍረ ምግባረ ሠናይ ነዚ ብምርኣይ ከኣ ሰባት ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ይውድሱ። ኣብ ርእሲ እዚ በቲ ናይ ጐይታ ምሥጋናን መሥዋዕትን ዘመልክት ብቅዱስ ቊርባን እውን ይግለጽ።”

መሰሓሓቲ ፈተናታት!

ቤተክርስትያን እትዓብየሉ መንገድታት ምስክርነት ጸሎት በቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ስሕበት እምበር ብፍጻሜታት ኣይኮነን።

“ኣብ መሰሓሓቲ ፈተናታት ከይንወድቅ ጐይታ ይደግፈና። ሓደ ካብዚ ንሕና ቤተክርስትያን ጐሊሓ ክትረአ ምደለና ነዚ ንምግባር እንታይ ክንገብር ንኽእል ዝብል እዩ። በዚ ከኣ ኣብ ናይ ፍጻሜታት ቤተክርስትያን ንወድቅ እዚኣ ግን ብጽሞና ክትዓብን ብምግባረ ሠናይ ፍረ ክትፈርን ኣይትኽእልን እያ።”

መንፈስ ዓለም መሥዋዕትነት ኣይጻወርን!

ዓለምና ሎሚ ብፈተና ረኣዩለይ ስምዑለይ ተሸኒፉ ዘይኮንካዮ ኰንካ ክትረኤን ክተብለጭልጭን ዝጸዓረሉ እዩ። ነዚ ናይ ምርኢትን ጃህራን ፈተና ኢየሱስ እውን ኣጋጢምዎ እዩ ዲያብሎስ ሓንሳእ ካብዚ ጽደፍ ሓንሳእ ነእማን ናብ እንጌራ ቀይር ከምኡ እውን ገሊኦም እስኪ ኣርእየና ኢሎሞ እዮም። ንሱ ግን መንገዲ ስብከትን ጸሎትን ግብረ ሠናይን መንገዲ መስቀልን ሥቃይን እዩ መሪጹ።

“መስቀልን ስቃይን። ቤተክርስትያን ብደም እቶም ሕይወቶም ዝሃቡ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ሰማዕታት እውን ትዓቢ እያ። ሎሚ ብዙሓት ሰማዕታት ኣለውና። እቲ ዘገርም ግን ኣብ ዜና ብዛዕባኦም ኣይንሰምዕን። ዓለምና ነዚ ይሓብኦ። መንፈስ ዓለም ንሰማዕትነት ኣይጻወሮን ስለዚ ይሓብኦ። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
15 November 2018, 16:35
ንኩሉ ኣንብብ >