ቤተክርስትያን ብዘይ ረኣዪለይ ስምዑለይ ብጽሞና እያ እትዓቢ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤ - ከተማ ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኮ ንዕለቱ ዘቅረቦ ቃለ ወንጌል ካብ ሉቃ 17.20 ኮይኑ ፈሪሳውያን ንጐ.ኢ.ክ ‘መንግሥቲ እግዚአብሔር መኣስ እያ እትመጽእ’ ቢሎም ምስ ሓተትዎ ድማ ‘መንግሥቲ እግዚአብሔርሲ ብርኡይ ምልክት ኣይኮነትን እትመጽእ ‘እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ’ ዚብላውን የልቦን። መንግሥቲ እግዚአብሔር እሃ ኣብ ማእከልኩም እያ ዘላ’ ቢሉ መለሰሎም ይብል። ቅዱስነቶም ካብዚ ብምብጋስ ቤተክርስትያን እትዓብየሉስ ብገርህነት ብጽምዋ ኣብ መዝሙር ምስጋናን መሥዋዕተ ቅዱስ ቊርባንን ናይ ሕውነት ማሕበር ኮይና ኩሎም ዝፋቀሩሉ እምበር ቈርበት ዘይቀላለጡሉ ምስ ዝኸውን እዩ ኢሎም። ከምቲ ክርስቶስ ዘመልከቶ ከኣ መንግሥቲ ኣምላኽ ብጽሞና እምበር ብረኣዩለይ ስምዑለይ ዝግበር ኣይኮነን።
ሠናይ ተግባራት ኣብ ዜና ኣይጋውሑን!
ሽሕ’ኳ ሠናይ ተግባራት ኣብ ዕለታዊ ዜናታት ዘይጋውሑ እንተኾኑ ቤተክርስትያን እትግለጸሉ ብመስዋዕተ ቅዱስ ቊርባንን ብምግባረ ሠናይን እዩ። መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያንከስ ከምቲ ፈሪሳውያን ዝገብርዎ ጋሕ ገልጠምን ጥሩምባ ምንፋሕን ዘኮነስ ብጽሞና እያ እትፈሪ።
መሰሓሓቲ ፈተናታት!
ቤተክርስትያን እትዓብየሉ መንገድታት ምስክርነት ጸሎት በቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ስሕበት እምበር ብፍጻሜታት ኣይኮነን።
መንፈስ ዓለም መሥዋዕትነት ኣይጻወርን!
ዓለምና ሎሚ ብፈተና ረኣዩለይ ስምዑለይ ተሸኒፉ ዘይኮንካዮ ኰንካ ክትረኤን ክተብለጭልጭን ዝጸዓረሉ እዩ። ነዚ ናይ ምርኢትን ጃህራን ፈተና ኢየሱስ እውን ኣጋጢምዎ እዩ ዲያብሎስ ሓንሳእ ካብዚ ጽደፍ ሓንሳእ ነእማን ናብ እንጌራ ቀይር ከምኡ እውን ገሊኦም እስኪ ኣርእየና ኢሎሞ እዮም። ንሱ ግን መንገዲ ስብከትን ጸሎትን ግብረ ሠናይን መንገዲ መስቀልን ሥቃይን እዩ መሪጹ።