ድለ

2018.11.12 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.11.12 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

ኣቡን ወይ ጳጳስ ኣገልጋሊ እምበር መስፍን ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ

ኣቡንሲ ትሑቱን የዋህን ደኣ ይኹን እምበር ከም ሓደ መስፍን ናይ ሽመትን ሥልጣንን ሰብ ኣይኹን እንክብሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 12 ሕዳር 2018 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ሎሚ ዕለት 12 ሕዳር ተዘኪሩ ዝወዓለ በዓል ናይ ቅዱስ ዮሳፋጥ ኣቡንን ሰማዕትን ነበረ። ቅዱስ ዮሳፍጥ ኣብ ወሎዲሚር ዝበሃል ናይ ዩክረይን ከተማ ብ1580 ዓም ኣቢሉ ካብ ኦርቶዶክሳውያን ተወሊዱ ምስታ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሕብረት ዝነበራ ቤተክርስትያን ሩተና ተጸምቢሩ። ኣብ ገዳም ባሲልዮስ ዝነብሩ መነኮሳት ብ1604 ኣትዩ ብ1617 ሊቀጳጳሳሳት ናይ ፖሎዝክ ኮይኑ ንስፍሓተ ወንጌልን ምዕባሌ ሕብረተሰብን ሓድነት ክርስትያንን ብዙሕ ሰሪሑ። ማዕረ ማዕረኡ ዝጻረርዎን ዘሳድድዎን ተጻይ ስለዝበዝሑ ከኣ ከም ሰማዕት ኣብ ከተማ ቪትብስክ ናይ በላሩስያ ብ12 ህዳር 1623 ዓምፈ ዓረፈ። ዓመት መጸ ከኣ ዕለት 12 ሕዳር ዝኽረ በዓሉ ይግበር።

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ንጳጳሳት እትምልከት ናብ ቲቶ እተጻሕፈት መልእኽቲ ጳውሎስ ኮይና ካብ 1.1-9 ነበረት።  ኤጲስቆጶስ፡ ዝሽየም ሰብ ሓደ ግዜ ጥራይ ዝተመርዓወ ዝንቀፍ ዘይብሉ ብዝርጋን ወይ ብትኣዝዞ ዘይሓምይዎ አመንቲ ደቂ ዘለውዎ ይኹን።  እቲ ኤጲስቆጶስ፡ ዚሽየም ከም መጠን ኣመሓዳሪ ቤትእግዚአብሔር ሕሜታ ዘይብሉ፣ ተቀባል ጋሻ ፈታው ሠናይ መስተውዓሊ ቅኑዕ ጻድቅ ንርእሱ ዚመልኽ እምበር ቊጡዕ ቂምተኛ መስተ ዘብዝሕ ተዋቃዓይ ርኹስ ረብሓ ዚሃርፍ ኪኸውን የብሉን። ንሱ ትምህርቲ ሕይወት ኪምህር ክእለት ዘለዎ ነቶም ዝቃወሙዎ እውን ረቲዑ ዚኽእል በቲ ዝተማህሮ ጽንዓትን ብስለትን ዘለዎ ኪኸውን ይግብኦ’ ዝብል ነበረ። በዚ ከኣ ቤተክርስትያን ብኩሉ ኩሉ ስርዕትን ጽፍፍትን ኰይና ከምዘይተወልደት የመልክት።

ቤተክርስትያን ብኩሉ ኩሉ ስርዕቲ ኰይና ኣይተወልደትን!

ቤተክርስትያን ከመይ ኢላ ከምዝተወልደት እንከዘንትው ቅዱስነቶም ኣብ ሕይወት ኩሉ ግዜ ሕንፍሽፍሽ እኳ እንተሎ በዚ ክንደሃል ከምዘይብልና ሓይሊ መንናፍስትን እውን ከፍርሃና የብሉን እዚ ንክትስራዕ ጽቡቅ ዕድል እዩ ኢሎም።

“ቤተክርስትያን ብፍጹም ተሰሪዓን ኩሉ በቦታኡ ሒዙን ጸገም ዘይብላ ብዘይ ሕንፍሽፍሽ ኣይተወልደትን! ብፍጹም! ወትሩ ምስ እዚ ጸገማት እዚ ኣያ ተወሊዳ። እዚ ሕንፍሽፍሽ እዝን እዚ ዘይስሩዕነት እዝን ብህድኣት ይመሓደር። ርግጽ እዩ ኩነታት መስርዕ ክሕዙ ኣለዎም ንኣብነት ነቲ ፈላሚ ጉባኤ ኢየሩሳሌም ምሕሳብ ይከኣል። ኣብ’ዚ ጉባኤ እዚ ኣይሁዳውን ዘይኣሁዳውን ግዙርን ዘይግዙርን ዝብል ክትዕ ነበረ። ጉባኤ ይጽውዑ ነቲ ነገራት ከኣ መስርዕ የትሕዝዎ። ኣቡናትከስ ኣመሓደርቲ ጉድያት እግዚአብሔር እምበር ናይ’ዚ ዓለም’ዚ ንብረት ዘመሓድር ኣይኮነን።”

ኣቡነ ኣመሓዳሪ ጉዳያት እግዚአብሔር እምበር ንብረት ዓለም ኣይኮነን!

ቅዱስ ጳውሎስ ንቲቶ ኣብ ቀርጤስ ንኩሉ ክሰርዕ ይሓድጎ ልዕሊ ኩሉ ግን ቀዳምነት ዝወሃቦ እምነት ምዃኑ ይገልጸሉ። ኣብ ርእሲ እዚ ከኣ ኤጲስ ቆጶስ ዝስየም ከማልኦ ዘለዎ መምዘኒታት ኣነጺሩ ይሕብሮ።

“ብዛዕባ ኣቡን ዝህቦ መግለጺ ከኣ ኣመሓዳሪ ጉዳያት እግዚአብሔር እምበር ኣመሓዳሪ ንብረት ዓለም ኣይኮነን! እንክብል የነጽሮ። ከምኡ እውን ናይ ሥልጣንን መድያይቦኡን ዘይኮነ ጉዳይ እግዚኣብሔር እዩ። ወትሩ ንገዛእ ርእሱ ክእርም ኣለዎ ‘ኣነስ ኣመሓዳሪ ጉዳያት እግዚአብሔር ድየ ወይስ ጥቅሚ ገዛእ ርእሱ ዘቀድም!’ እናበለ ሕልናኡ ክሓትት ኣለዎ። ኣቡነስ ከስ ኣመሓድርያ ጉዳያት እግዚአብሔር እዩ። ሓላፍነቱ ክስከም ኣለዎ። እዛ ቃል እዚኣ ምስታ እግዚአብሔር ንኣብርሃም ዝሓተታ ሓንቲ እያ ‘ኣብ ቅድመይ ተመላለስ መንቅብ ዘይብሉ ከኣ ኩን’ ትብል እያ። ናይ ሓደ ርእሲ መሥራቲት ቃል እያ።”

ኣቡነ ንምምራጽ ዘድልዩ ረቋሒታት!

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ላዕሊ ክንበብ ዝሰማዕናዮ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ቲቶ ዘርዚርዎ ንዘሎ ይዝርዝር እሞ ሓደ ወላ ሓንቲ ካብዘን ቅዱስ ጳውሎስ ዝዝርዝረን መንቅባት እንተልየንኦ ኣኸለ ኩሉ ፋሕ ይብል። ደሓር እተን ክህልዋኦ ዘለዋኦ ጽቡቅ ነጥብታት ተቀባል ጋሻ ፈታው ሠናይ መስተውዓሊ ቅኑዕ ጻድቅ ንርእሱ ዚመልኽ እንክብሉ ይዝክሩ እሞ ከምዚ ይብሉ።

“ጳጳስ ክኸውን ዘለዎ ከምዚ እዩ። ረቋሒታት ሓደ ኣቡን ከኣ ንሰን እየን። ሓደ ጳጳስ ንክትሰይም መጽናዕቲ ክግበር እንከሎ ነዘን ሕቶታት እዚአን ቅድምያ ሂብካ እንተዝሥራሓለን ክንደይ ምጠዓመ። ልዕሊ እቲ ኣቡን ትሑት ለዋህ ኣገልጋሊ እምበር ሓደ መስፍን ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። እዚ ቃል ኣምላኽ እዩ። ኮይኑ ግን ምኽኒት ብምፍጣርን ዘመን ሓዋርያትን ዘመናን ፍሉይ እዩ ምዕባሌ’ባ እዚ’ባ ክልወጥ እናተባህለ ዘልሓጥሓጥ ይኸውን ኣብ’ዚ ቤተክርስትያን ምስቶም ከምዚ ዓይነት ምኽኒት ዝፈጥሩ ኣቡናት ጉዳያት ክተጻርን ሥርዓት ክተክልን ኣለዋ። በዚ ኣመለኻኽታ እዚ ኣብ ቤተክርስትያን ሥርዓት ክትገብር ማለት ኣጸጋሚ እዩ። ዝኽሪ ቅዱስ ዮሳፍጥ ጳጳስን ሰማዕትን እንክንገብር ስለ ኣቡናት ክንጽሊ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሓቶ ክግብሩ ንማህለል እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
12 November 2018, 16:13
ንኩሉ ኣንብብ >