ኣቡን ወይ ጳጳስ ኣገልጋሊ እምበር መስፍን ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ሎሚ ዕለት 12 ሕዳር ተዘኪሩ ዝወዓለ በዓል ናይ ቅዱስ ዮሳፋጥ ኣቡንን ሰማዕትን ነበረ። ቅዱስ ዮሳፍጥ ኣብ ወሎዲሚር ዝበሃል ናይ ዩክረይን ከተማ ብ1580 ዓም ኣቢሉ ካብ ኦርቶዶክሳውያን ተወሊዱ ምስታ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሕብረት ዝነበራ ቤተክርስትያን ሩተና ተጸምቢሩ። ኣብ ገዳም ባሲልዮስ ዝነብሩ መነኮሳት ብ1604 ኣትዩ ብ1617 ሊቀጳጳሳሳት ናይ ፖሎዝክ ኮይኑ ንስፍሓተ ወንጌልን ምዕባሌ ሕብረተሰብን ሓድነት ክርስትያንን ብዙሕ ሰሪሑ። ማዕረ ማዕረኡ ዝጻረርዎን ዘሳድድዎን ተጻይ ስለዝበዝሑ ከኣ ከም ሰማዕት ኣብ ከተማ ቪትብስክ ናይ በላሩስያ ብ12 ህዳር 1623 ዓምፈ ዓረፈ። ዓመት መጸ ከኣ ዕለት 12 ሕዳር ዝኽረ በዓሉ ይግበር።
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ንጳጳሳት እትምልከት ናብ ቲቶ እተጻሕፈት መልእኽቲ ጳውሎስ ኮይና ካብ 1.1-9 ነበረት። ኤጲስቆጶስ፡ ዝሽየም ሰብ ሓደ ግዜ ጥራይ ዝተመርዓወ ዝንቀፍ ዘይብሉ ብዝርጋን ወይ ብትኣዝዞ ዘይሓምይዎ አመንቲ ደቂ ዘለውዎ ይኹን። እቲ ኤጲስቆጶስ፡ ዚሽየም ከም መጠን ኣመሓዳሪ ቤትእግዚአብሔር ሕሜታ ዘይብሉ፣ ተቀባል ጋሻ ፈታው ሠናይ መስተውዓሊ ቅኑዕ ጻድቅ ንርእሱ ዚመልኽ እምበር ቊጡዕ ቂምተኛ መስተ ዘብዝሕ ተዋቃዓይ ርኹስ ረብሓ ዚሃርፍ ኪኸውን የብሉን። ንሱ ትምህርቲ ሕይወት ኪምህር ክእለት ዘለዎ ነቶም ዝቃወሙዎ እውን ረቲዑ ዚኽእል በቲ ዝተማህሮ ጽንዓትን ብስለትን ዘለዎ ኪኸውን ይግብኦ’ ዝብል ነበረ። በዚ ከኣ ቤተክርስትያን ብኩሉ ኩሉ ስርዕትን ጽፍፍትን ኰይና ከምዘይተወልደት የመልክት።
ቤተክርስትያን ብኩሉ ኩሉ ስርዕቲ ኰይና ኣይተወልደትን!
ቤተክርስትያን ከመይ ኢላ ከምዝተወልደት እንከዘንትው ቅዱስነቶም ኣብ ሕይወት ኩሉ ግዜ ሕንፍሽፍሽ እኳ እንተሎ በዚ ክንደሃል ከምዘይብልና ሓይሊ መንናፍስትን እውን ከፍርሃና የብሉን እዚ ንክትስራዕ ጽቡቅ ዕድል እዩ ኢሎም።
ኣቡነ ኣመሓዳሪ ጉዳያት እግዚአብሔር እምበር ንብረት ዓለም ኣይኮነን!
ቅዱስ ጳውሎስ ንቲቶ ኣብ ቀርጤስ ንኩሉ ክሰርዕ ይሓድጎ ልዕሊ ኩሉ ግን ቀዳምነት ዝወሃቦ እምነት ምዃኑ ይገልጸሉ። ኣብ ርእሲ እዚ ከኣ ኤጲስ ቆጶስ ዝስየም ከማልኦ ዘለዎ መምዘኒታት ኣነጺሩ ይሕብሮ።
ኣቡነ ንምምራጽ ዘድልዩ ረቋሒታት!
ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ላዕሊ ክንበብ ዝሰማዕናዮ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ቲቶ ዘርዚርዎ ንዘሎ ይዝርዝር እሞ ሓደ ወላ ሓንቲ ካብዘን ቅዱስ ጳውሎስ ዝዝርዝረን መንቅባት እንተልየንኦ ኣኸለ ኩሉ ፋሕ ይብል። ደሓር እተን ክህልዋኦ ዘለዋኦ ጽቡቅ ነጥብታት ተቀባል ጋሻ ፈታው ሠናይ መስተውዓሊ ቅኑዕ ጻድቅ ንርእሱ ዚመልኽ እንክብሉ ይዝክሩ እሞ ከምዚ ይብሉ።