ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅ. ማርታ፥ ሓለውቲ መላእኽቲ ዕለታዊ ሕይወትና መዓጹ ናብ ደረት ሰገርነት እያቶም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅ. ማርታ፥ ሓለውቲ መላእኽቲ ዕለታዊ ሕይወትና መዓጹ ናብ ደረት ሰገርነት እያቶም  (Vatican Media)

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅ. ማርታ፥ ሓለውቲ መላእኽቲ ዕለታዊ ሕይወትና መዓጹ ናብ ደረት ሰገርነት እያቶም

ኣብ ዘለኹሉ ጽቡቕ ኣለኹ፡ ጌጋ ኣይፈትውን፡ ስለዚህ ኣብ ደውታይ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስግኣት ብዓንተውኡ ከየጋጥመኒ ገዛእ ርእሰይ እከላኸል ምባል፡ ከም እንፈልጦ ግና ዘይውሕዝ ማይ ኣብ ዘለሉ ዝረግኤ ኰይኑ ወይ ይነቅጽ ወይ ከኣ፡ ጣንጡ መሰል ሓሳኹ ይኣኻኽብ እሞ ይሽትት፡ ሓላዊ ቅዱስ መልኣኽ ነዚ ኹሉ ኣይፋል ቢልና ክንጓዓዝ ይድርኸና።

ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ዕለት 2 ጥቅምቲ ዓመታዊ በዓል ሓለውቲ መላእኽቲ እተብዕለሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብ ኦሪት ዘጸኣት ምዕ. 23፡ 20-23

         ወንጌል ማቴ. ምዕ. 18፡ 5-10

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም፡ ሓላዊ መልኣኽ፡ ኣብ ጐድኒ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ከይኑ ዝጓዓዝን፡ ሓላዊ ብጻይን መጓዕዝትን እዩ፡፡ ቡሶላ ዕለታዊ ሕይወትናን መዓጾ ዕለታዊ ሕይወትናን  ናብ እግዚኣብሔር ገጹ ዝርህዉ እያቶም ኢሎምል።

ሓላዊ መልኣኽ ኣብ ጉዕዞና ዝድግፍ ቡሶላ እዩ

ኣብ ጉዕዞን ዘሰንይናን ዝሕልወናን ቡሶል መገድታትና ንደልይ፡ ናበይ ገጽና ከምእነብል ዝመርሓና ሓገዝ ሰብ ኣይኹን ሓገዝ ደለይቲ ኢና፡ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ይብሉ ቅዱስነቶም ሰለሰተ ሓደጋታት ከጋጥመና ይኽእል

እቲ ቀዳማይ ሓደጋ ዘይምጉዓዝ እዩ፡ ምውዳቕ ፈሪሕካ ዘይምጉዓዝ። …. ኣብ ዘለኹሉ ጽቡቕ ኣለኹ፡ ጌጋ ኣይፈትውን፡ ስለዚህ ኣብ ደውታይ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስግኣት ብዓንተውኡ ከየጋጥመኒ ገዛእ ርእሰይ እከላኸል ምባል፡ ከም እንፈልጦ ግና ዘይውሕዝ ማይ ኣብ ዘለሉ ዝረግኤ ኰይኑ ወይ ይነቅጽ ወይ ከኣ፡ ጣንጡ መሰል ሓሳኹ ይኣኻኽብ እሞ ይሽትት፡ ሓላዊ ቅዱስ መልኣኽ ነዚ ኹሉ ኣይፋል ቢልና ክንጓዓዝ ይድርኸና።

መገዲ ከይጋገ ቢልካ ገዛእ ርእስካ ካም ምጉዓዝ ምትራፍ ኣብ ሕልኽላዀ ዕንክሊል ምባል

እቲ ካልኣይን ሳልሳይን ስግኣት ከኣ፡ ጌጋ ይኽልኣለይ ዝብልን መገዲ ከይጋገይ ዝብል ፍርሒ እዩ፡ ከይጠፍእ ዝብል፡ ስለዚህ ኣብ እትፈልጦ ሓጹር ውሽጢ ዕንክሊል ምባል ትመረጽ፡ እዚ ግና ናብ ክትበጽሖ ዝግብኣካ ዘየብጽሕ ዓይነት ጉዕዞ እዩ፡ እምበኣር ሓላዊ ቅዱስ መልኣኽ ኣብ ጉዕዞኻ መገዲ ከይትጋገ ምሳኻ ሓቢሩ ይጓዓዝ፡ ምሳና ሓቢሩ ንኽጓዓዝ ከኣ ርድኣና ቢልና ጸሎት ናብ ሓላዊ መልኣኽ ምድጋም የድሊ ኢሎም።

ሓላዊ መልኣኽ ናብ ኣብ ዘብጽሕ መገዲ ይሕብረና

ህልውናን ግደን ሓላዊ ቅዱስ መልኣኽ ኣብ ሕይወትና፡ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ስለምንታይ ብትኽክል ክንጓዕዝ ዝሕግዘና ስለ ዝዀነ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣበይ ክንበጽሕ ከምዘለና፡ ብሓጺሩ ናይ ጉዕዞና ፍጻሜ ከነማዕድው እውን ስለ ዝድግፈና፡ እቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ንሕጻናት ኣይተናሽዉ፡ ስለምታይ መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ስለ ዝርእዩ ዝብል ተጻሒፉ ዘሎ ቃል ህልውናን ግደን ሓላዊ መልኣኽ ብጥልቂ የብርሃልና ኣብዚ ናብ ኣስተንትኖ ወጅሂ ኣቦነት እግዚኣብሔር ምምራሕ ዝብል ናይ ሓላዊ መልኣኽ ኣገልግሎት ከነስተውዕል እግዚኣብሔር ጸጋኡ ይዓድለና እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም። 

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅ. ማርታ፥ ሓለውቲ መላእኽቲ ዕለታዊ ሕይወትና መዓጹ ናብ ደረት ሰገርነት እያቶም
02 October 2018, 17:12
ንኩሉ ኣንብብ >