ር.ሊ.ጳ.፥ እቶም ኢየሱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓዲጐም ዝነበሩ ምስሉያን ክርስቲያን ወይለኦም ር.ሊ.ጳ.፥ እቶም ኢየሱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓዲጐም ዝነበሩ ምስሉያን ክርስቲያን ወይለኦም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ እቶም ኢየሱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓዲጐም ዝነበሩ ምስሉያን ክርስቲያን ወይለኦም

ብሰንኪ ዘይምእማን ብኢየሱስ ዝተወቕሳ ከተማታት፥ ኵራዝን ቤተ ሳይዳን ቀፈርናሆምን፡ ኢየሱስ ስለ ዝተነጽገ ኣዚዩ ይጉህይ፡ እተን ኣረማውያን ከተማታት ጢሮስን ሲዶናን ተኣምራቱ ዝረኣያ ነረን እንተዝዀና ብርግጽ ምተለወጣ ነይረን፡ እዚ ወለዶስ’ዚ ምፍቃር ብዘይ ምኽኣሉ ኢየሱስ ይነብዕ፡ ንሱ ብመልእኽቱ መላኺ ዘይኰነስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰብ በቲ ብናይ ፍቕሪ መልእኽቱ ኣቢሉ ክበጽሕ እዩ ዝደልይ፡

ዕለት 5 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት፡ ነግህ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፥ ብላቲን ስርዓተ ኣምልኮ መሰረት ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ 

መጽሓፈ ኢዮብ፡ ምዕ. 38. 1, 12-21, ምዕ. 40. 3-5

ወንጌል ሉቃስ፡ ምዕ. 10. 13-16

ዝተወስዱ ምንባባት ኣመርኵይዞም፥ እቲ ኣብ ቅኑዓት ኢና ዝብሉ ሰባት ዘሎ ምስሉይነት እንከብርሁ፡ ክርስትና እምነቶም ከም ማሕበራዊ ልምዲ ኣብ ዝነብሩ ቅኑዓት ኢና በሃልቲ፡ ኢየሱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጠንጢኖም ዝወጹ ኣብ ዕለታዊ ሕይውቶም ዘይምስክርዎ ካብ ልቦም ዝነጽግዎç ክርስትና ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዘይነብር ምስሉይ ሕይወት ክርስትና ከነስተትን ዓዲሞም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣንሕና ኣብ ክርስቲያን ሕብረትሰብ ዝተወለድና፡ እምነት ክርስትና ከም ማሕበራዊ ልማድ ንምንባሩ ስግኣት ዝተቓላዕና ኢና፡ እዚ ኸኣ ንኽፍቀሩ ገዝእ ርእሶም ናይ ዘይሓድጉ ቅኑዓን ዝነብርዎ ምስሉይነት ዝንጸባርቖም ንምዃን ፈተና ብቐሊሉ የቃልዓና። መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ተዛዘመ፡ ንኢየሱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጠንጢንናዮ ንወጽእ፡ (መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ሓባር ሱታፌ እምበር መፈሳነቱ ግዜን ቦታን ሙያን ዝድርቶ ኣይኰነን) ምሳና ሒዝናዮ ናብ ቤትናን መነባብሮናን ኣይንኸይድን፡ በዚ መገዲ’ዚ ንኢየሱስ ነወግድ ሰባት ወይለና፡ ክርስቲያን ክነሱ ከም ኣረሜን ዝነብር።  ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኵሉ ተንቲኖም ናይ ሕልና መርመራ ክገብር ይዕድሙ፡

ኢየሱስ ስለ እቲ ናይ ምፍቓር ብቕዓት ዘጥፍኤ ይነብዕ

ብሰንኪ ዘይምእማን ብኢየሱስ ዝተወቕሳ ከተማታት፥ ኵራዝን ቤተ ሳይዳን ቀፈርናሆምን፡ ኢየሱስ ስለ ዝተነጽገ ኣዚዩ ይጉህይ፡ እተን ኣረማውያን ከተማታት ጢሮስን ሲዶናን ተኣምራቱ ዝረኣያ ነረን እንተዝዀና ብርግጽ ምተለወጣ ነይረን፡ እዚ ወለዶስ’ዚ ምፍቃር ብዘይ ምኽኣሉ ኢየሱስ ይነብዕ፡ ንሱ ብመልእኽቱ መላኺ ዘይኰነስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰብ በቲ ብናይ ፍቕሪ መልእኽቱ ኣቢሉ ክበጽሕ እዩ ዝደልይ፡

ክርስቲያን ኰይንና ዝተወለድና፡ ንኢየሱስ ዝዝንግዑ

ከምተን ኣብ ወንጌል ሉቃስ ናይ ዕለቱ ምንባብ ተመልኪተን ዘለዋ ሰለስተ ልማዳውያን ከተማታት ከኣ፡ ኣነ ካብ ጐይታ ብዙሕ ዝተቐበልኩን ኣብ ክርስቲያን ሕብረተሰብ ዝተወለድኩን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈለጥኩን ድሕነት ዝፈለጥኩን ኣብ እምነት ዝተሓነጽኩን ክነሰይ ብቐሊሉ ንኢየሱስ ዝርእስዕ እኸውን፡ ገሊኣቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ከኣ ቃል ወንጌል ንፈለማ ግዜ ሰሚዖም ክልወጡን ክርስትና ክቕበሉ ንሰምዕ፡ ኣንሕና ግና ምልዋጥ ዘይፈልጦም፡ ክርስትና ብልማድ ዝነብሩ ንኸውን።

“እዚ ክርስትና ብልማድ ምንባሩ የሕምመና እዩ፡ ስለምንታይ ወንጌል ምስ ኢየሱስ ናይ ዘሎና ግላዊ ርክብ ተመክሮ ዘይኵነስ ናብ ማሕበራውን ስነ ስበኣውን መዳይ ክወርድ ስለ ዝገበርናዮ። ኢየሱስ ንኣይ ይዛረበኒ ንኣኻን ንኣኽን ይዛረብ፡ ስብከት ኢየሱስ ንኹሉ እዩ። እቶም ኣረማውያን ኣብቲ ቃል ኢየሱስ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝሰምዑሉ ህሞት ደድሕሪኡ ይኸዱን ይስዕብዎን፡ እቲ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ግና ክርስትና ኣብ ልማዳውነት ይመላለሶ፡ ስለዚህ ማሕበኣውን ሰብኣውን ልምዲ ኰይኑ ይተርፍ እሞ፡ ደልዮ ይኽደኖን ክደልዮ የውጽኦ፡ ምእንቲ እዚ እዩ ከኣኣ ኢየሱስ ይነብዕ፡ … ስለ እቶም ክርስትና ብጭቡጥ ዘይንነብሩ ይነብዕ፡”

ክፍቀር ገዛእ ርእሱ ዘይሓድግ ናይ ረቲዓን ምስሉይነት እዩ

ናይ ረቲዓን ምስሉይነት፡ ናይ ሓጥኣን ምስሉይነት ከምዘሎ ናይ ረቲዓን ምስሉይነት እውን ኣሎ፡ ናይ ረቲዓን ምስሉይነት ንናይ ኢየሱስ ዓይነት ምፍቃር ምፍራሕ ማለት እዩ፡ ብኣኡ ንኸይፍቀር ገዛእ ርእሱ ዘይፈቕድ፡ እዚ ምስ እንገብርን እንፍጽምን፡ እቲ ምስ ኢየሱስ ዝህልወና ርክብ ኢየሱስ ዘይኰነስ ተቆጻጸርቱን ዘወርቱን ኣንሕና ንኸውን፡ ፍቃዱ ዘይኰነ ፍቓደይ ንብል፡ ኣነ ኣብ ቅዳሴ ንኽረኽበካ ናብ ቅዳሴ ክኸይድ እየ፡ እቲ ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ ግና፡ ንስኻ ኣብኡ ኣነ ከኣ ናብ ገዛእ በሃልቲ፡

“ኢየሱስ ምሳና ሓቢሩ ናብ ቤትና ዘይመጽእ ይኸውን፡ ናብ ስድራና ዘይመጽእ ኣብ ምሕናጽ ደቃትና ዘይሕወስ ኣብ ኣባይቲ ትምህርትናን ከባቢናን ከይመጽእ መኸላእታ ንኸውን”

ኢየሱስ ዘለዎ ዝመስል ዘይሓቀይና፡ ሓሳዊ ሕይወት ነርእይ፡ እቲ ሓቂ ግና ኢየሱስ ካብ ሕይወትና ሰጔይግናዮ ኢና፡ … ኣስተውዕሉ እሞ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መስቀሉ ስቑል ኰይኑ ይተርፍ፡

“እምበኣር ከስ እዛ ዕለት እዚኣ ንኣና ናይ ሕልና መርመራ እንገብረላ ዕለት ክትከውን ትኽእል እያ፡ ወይለይ ወይለይ ንብለል፡ .. ኵለንተናይ ሂበካ…ገዛእ ርእሰይ ምእንታኻ ኵሉ ኰነ … ክርስትያን ክትከውን ሓረዅኻ … ንስኻ ግና ጐደሎ ሕይወትን ክርስቶሳውነት ኣብ ፈረቓ ምንባሩን መረጽካ፡ … ሓሓሊፉ ዝንበር ሕይወት ክርስትና መረጽካ። እዚ ዓይነት ተግባር’ዚ ኢየሱስ ካብ ልብና ይሰጉግ፡ ኢየሱስ ክህልወና ብዙሕ ንጽዕር እሞ ምስ ረኸብናዮ ቀልጢፍና ንርስዖን ንነጽጐን፡ ክርስቲያን ብምኻንና ሕቡናትን ኰይና ንረአይ ግኹን ደኣ እምበር ከም ኣረመን ንነብር።”

ንስኻ ኵሉ ዝብካንን ስለ ኵሉ ኰንካን ኣነ ግና ኣልቦ ምስጋና

ነፍሲ ወከፍና ኣነ ኵራዚን ድየ በትሳይዳ ድየ ቢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት። ኢየሱስ ይነብዕ እንተሎ ኣንሕና እውን ምሳኻ ሓቢርና ንኽንነብዕ ጸጋኻ ሃበና ንበሎ፥ ጐይታ ኵለንተናኻ ሂብካና፡ ልበይ ግና ተሪሩ ናባይ ንኸይትኣትው ዓገትኩኻ፡ ናይ ዘይምምስጋን ሓጢኣት ኣሎ… ኢየሱስ ናብ ውሻጤና ንኽኣትው መታን መንፈስ ቅዱስ ነዓ ኣፈት ልባትና ጋይ ኣቢልካ ክፈቶ፡ መልእኽቲ ሰሚዕና ንኽንትንስእ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ሂወቱ ስለ ዝገበካዮ ሰናይ ኩሉ ተነስግበጃ ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ እቶም ኢየሱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓዲጐም ዝነበሩ ምስሉያን ክርስቲያን ወይለኦም
06 October 2018, 18:06
ንኩሉ ኣንብብ >