ድለ

2018.10.26 መሥዋዕተ ቅዳሴ  ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.10.26 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ሰላምሲ ብትሕትናን ለውሃትን ልቢ ምዕባይን ዝግበር ጉዕዞ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ወትሩ ከምዝገብርዎ ሎሚ ንግሆ እውን ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና ዓለምለኻውያን ተቊዋማት እውን ከይተረፋ ስለሰላም ናብ ሓደ ስምምዕ ምብጻሕ ተሳኢንወን ኣብ ዘሎ ግዜ ንሕና ሓድነት ንክንፈጥርን ንከነጽንዖን ንጽዋዕ ኣሎና’ እንክብሉ ምሕጽንታኦም ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብ ናይ ዕለቱ ግጽዊ ቀዳማይ ንባብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌውሶን 4.1-6 ኮይኑ ‘ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣሎኹ። ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ። ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ።’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ነተን ትሕትና ለውሃት ልቢ ምዕባይ ዝብላ ቃላት ይወስዱ እሞ እዘን ቃላት እዚአን ዓቢ መልእኽቲ ዝሓዛ እንክኾና ንሰላም ናይዛ ዓለምና ከኣ መንገዲ እየን። ንዓለም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ማሕበረሰብና ኣብ ስድራቤታትና ኣብ ኩሉ መሠረት ሰላም እየን። ቅዱስ ጳውሎስ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሥቃይን ማእሰርትን እንከሎ ነዚ ናይ ሓድነት ማሕሌት ጽሒፉ ጸዋዕታኦም ከኽብሩ ሓድነት ክገብሩ ሰላም ክገብሩ ይዕድሞም።

ሰላም ብጻዕሪ እያ እትርከብ!

ቅዱስ ጳውሎስ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ባሕታዊ ኮይኒ ኣብ ሮማ ዝርከብ ትረ ፎንታነ ሠለስተ ዓይኒ ማያት ዝበሃል ቦታ ዝስየፍ ብዙሕ ጽዒሩ። እቶም ክርስትያን ግን ወትሩ ኣብ ውሳጣዊ ቅርሕንትን ምምቅቃልን እናኣተወ ነንሕድሕዶም ይባልዑ ነሮም። ኢየሱስ እውን እንተኾነ እዚኣ ምምቅቃልናን ነንሕድሕድና እንባልዖን ስለዝተራእዮ ኣብ ድሮ ሞቱ ኩልና ሓደ ምእንቲ ክንከውን ኣምሪሩ ይጽሊ። ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ተለቪዥን ኣብ ጋዜጣታት ኣብ ኩሉ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ መወዳእታ ዘይብሎም ግርጭታት ሓደ ድሕሪ ሓደ ብዛዕባ ውግእ ስእነት ሰላም ስእነት ሓድነት ይውረ። ሽሕ’ኳ ዕለት ዕለት ኣብ ዝተፈላለያ ኲርናዓት ዓለም ናይ ሰላም ውዑላት እንተተገብሩ ናይቲ ዝተፈራረሙሉ ቀለም ከይነቀጸ ክጠሓሱ ንዕዘብ። በዚ ከኣ ኣጽዋር ናይ ምፍራይ ስራሕ ናይ ውግእ ከበሮ ምድሳቅ ዕንወትን ጥፍኣትን ሥራሖም ይሰርሑ።

“ሎሚ ከም እንዕዘቦ እተን ብሠናይ ድልየት ደቂሰባት ተመሥሪተን ንሓድነት ደቂሰባን ንሰላምን ክሕግዛ ዝተባህላ ዓለምለኻውያን ተቊዋማት ኣውን ከይተረፋ ኣብ ጸገም ይርከባ ከመይ እተን ርእሰ ሓያላን ዝበሃላ በቲ ዘለወን ናይ ቀውፊ ወይ ቨቶ ናይ ምግባር ሥልጣን ተንከስ ከምዘይብላ እንክገብራ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ሕኸኸኒ ክሓኸካ ዚዓይነቱ ናይ ጥቅሚ ምትእስሳር ብዛዕባ ሰላም ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ይዕንቅጸን። እዚ ኩሉ እናኾነ ከኣ ሕጻናት ዝብላዕ የብሎምን ናብ ቤትትምህርቲ ኣይከዱን ኣይኲስኰሱ ኣይመሃሩ ውግእ ንኩሉ ስለዘዕነወ ሆስፒታላትን ናይ ጥዕና ትካላትን ኣሰሩ የለን። ብዝመስል ንዕንወትን ንውግን ንፋሕጭንግራሕን ዝዛዘወ ዝንባሌ ኣሎ። እዚ ዝንባሌ እዚ እቲ ጸላኤ ሠናያት ኣዕናዊ ዘመደ ኣዳም ዲያብሎስ ኣብ ልብና ዝዘርዖ ክፉእ ዘርኢ እዩ። ኣብ ላዕሊ ክንበብ ዝሰማዕናዮ መልእክቲ ጳውሎስ ናብ ሓድነት ንዝግበር ጒዕዞ ይምህረና። ሰላም ናብ ሓድነት ከምዘብጽሕ ከኣ የረጋግጸልና። ንሰላም ንምርካብ ከኣ ልብና ክንከፍት የድሊ!”

ልብኻ ምኽፋት!

እተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ትሕትና ለውሃትን ልቢ ምዕባይንከስ ናይ ሓደ ክርስትያን መለለዪ ኮይነን ንሰላም መሠረታ እየን።

“ሰላም ንኽተምጽእ ኣብ መንጎና ሓድነት ንኽነንግሥ ብቀዳምነት ትሕትና ብካልኣይ ደረጃ ከኣ ነቲ ዋዕዋዕ ናይ ምባልን ጸርፍን ምውራዳን ልምድና ገዲፍና ለውሃት ተቀኒትና ልቢ ክነዕቢ ኣሎና። ነቲ ጸገማት ስገሮ ረሰዓዮ ልብኻ ክፈት። ንምዃኑ በዘን ሠለስተ ናኣሽቱ ነገራት ኣብ መላእ ዓለምና ሰላም ክተንግሥዶ ይከኣል ይኸውን! ይከኣል እወ ከመይ እዚ ጒዕዞ እዩ። ናብ ሓድነትከ ክብጻሕዶ ይከኣል ይኸውን! እወ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ጒዕዞ ብምኽታል ‘ትሕትና ለውሃት ልቢ ምዕባይ’። ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ተግባር ሰብ ስለዝነበረ ናብ ጭቡጥ ተግባር ይሳገር እሞ ብተግባር ነንሕድሕድኩም ተፋቀሩ ይብል። ነንሕድሕድኩም ተደጋገፉ ይብል። እዚ ግን ቀሊል ኣይኮነን። ከመይ ልማድና ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ምሃብ ሕሜታ ኩነኔ ስለዝኾነ ናይዚ ውጽኢት ከኣ ምምቅቃልን ካብ ነንሕድሕድካ ምርሕሓቅን ይወልድ።”

ዘይምርድዳእ ብቀሊሉ ይጅምር!

ቅዱስነቶም ናብ ክውን ነገራት ናይታ ባእታ ሓድነትን ሥምረትን ዝኾነት ሥድራቤት ምልስ ይብሉ እሞ ‘ብዙሕ ግዜ የጋጥም እዩ! ዋላ ኣብ ሥድራቤት በብቁሩብ ክትረሓሓቅ ትጅምር። ሠይጣን ይሕጐስ በዚ ከኣ እቲ ውግእ ይጅምር። ነዚ ዝኸውን ምኽሪ ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ተጸዋወሩ ተዓጋገሱ ተደጋገፉ ዝብል እዩ። ከማይ ነፍሲወከፍና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክነሰልቹ ክነቈጥዕ ክነጸግም ንኽእል ከመይ ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና ነፍስወከፍና ነናትና ጉድለት ኣሎና ፍጹማን ኣይኮናን። እዚ ስለዝኾነ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ `ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ’ ብማለት ይላቦ። እዘን ቃላት እዚአን ብብርሃን ናይተን ኢየሱስ ድሕሪ ድራር ዝበለን ቃላት እየን ዝግለጻ። ኢየሱስ ሽዑ ‘ሓደ ሰውነትን ሓደ መንፈስን’ ኢሉ ነሩ። ከምቲ ኢየሱስ ኣብታ ጸሎቱ ‘ኣቦየ ከምቲ ኣነን ንስኻን ሓደ ዝኾናዮ ንሶም እውን ሓደ ምእንቲ ክኾኑ’ ኢሉ ዝለመኖ ቅዱስ ጳውሎስ ሓደ ኩኑ ኢሉ እዩ ዝምሕጸን ዘሎ። ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌል ሉቃስ 12 ብዛዕባ ምስ መባእስቱ ናብ እንዳ ዳኛ ገጹ ዝጐዓዝ ሰብ ምሳሌ ኮይኑ ኣብ እንዳዳኛ ከይበጻሕካ ምስ መባእስትኻ ክትዕረቅ ዝምዕድ ዓቢ ትምህርቲ እዩ ይብሉ ቅዱስነቶም `ከመይ ነገራት ኣጸቢቆም ፋሕ ፋሕ ከይበሉ እንከለው ግጭት ጅምር ከብል ከሎ መፍትሒ ክትረኽበሉ ቀሊል እዩ’።

“እታ ምስ መባእስትኻ ኣብ መንገዲ እንከሎኻ ተዓረቅ ትብል ምኽሪ ኢየሱስ ብቀንዱ ትሕትና እንከተመልክት ምሳኡ እውን ነታ ለውሃት ትብል ትልክማ ኣብ መወዳእታ ድማ ነታ ልቢ ኣዕቢ ዝብላ ተጠቃልል። በዘን ሠለስተ ንኣሽቱ ዝመስላ ዓበይቲ ሓይልታትከስ ኣብ ዓለም ምሉእ ሰላም ክትሃንጽ ይከኣል ከመይ ኣዝማምያአን ኣዝማምያ ኢየሱስ ስለዝኾና። ኢየሱስ ትሑትን ለዋህን ንኩሉ ዝምሕረን እዩ። ናይ ሎሚ ዓለምና ልዕሊ ኩሉ ሰላም የድልዮ ኣሎ ንሕና ሰላም የድልየና ኣሎ ስድራቤታትና ሰላም የድልዮም ኣሎ ማሕበረሰብና ሰላም የድልዮ ኣሎ። ስለዚኸስ ኣብ ገገዛና ነዘን ሠለስተ ነገራት ካብ ሎሚ ጀሚርና ንፈትንን። በዚ መንገዲ እዚ ንቅድሚት ንገስግስ። ሓድነት ንፍጠር ሓድነትና ንደልድል። እግዚአብሔር ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ይደግፈና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
26 October 2018, 12:24
ንኩሉ ኣንብብ >