ሰላምሲ ብትሕትናን ለውሃትን ልቢ ምዕባይን ዝግበር ጉዕዞ እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብ ናይ ዕለቱ ግጽዊ ቀዳማይ ንባብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌውሶን 4.1-6 ኮይኑ ‘ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣሎኹ። ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ። ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ።’ ዝብል ነበረ።
ቅዱስነቶም ነተን ትሕትና ለውሃት ልቢ ምዕባይ ዝብላ ቃላት ይወስዱ እሞ እዘን ቃላት እዚአን ዓቢ መልእኽቲ ዝሓዛ እንክኾና ንሰላም ናይዛ ዓለምና ከኣ መንገዲ እየን። ንዓለም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ማሕበረሰብና ኣብ ስድራቤታትና ኣብ ኩሉ መሠረት ሰላም እየን። ቅዱስ ጳውሎስ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሥቃይን ማእሰርትን እንከሎ ነዚ ናይ ሓድነት ማሕሌት ጽሒፉ ጸዋዕታኦም ከኽብሩ ሓድነት ክገብሩ ሰላም ክገብሩ ይዕድሞም።
ሰላም ብጻዕሪ እያ እትርከብ!
ቅዱስ ጳውሎስ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ባሕታዊ ኮይኒ ኣብ ሮማ ዝርከብ ትረ ፎንታነ ሠለስተ ዓይኒ ማያት ዝበሃል ቦታ ዝስየፍ ብዙሕ ጽዒሩ። እቶም ክርስትያን ግን ወትሩ ኣብ ውሳጣዊ ቅርሕንትን ምምቅቃልን እናኣተወ ነንሕድሕዶም ይባልዑ ነሮም። ኢየሱስ እውን እንተኾነ እዚኣ ምምቅቃልናን ነንሕድሕድና እንባልዖን ስለዝተራእዮ ኣብ ድሮ ሞቱ ኩልና ሓደ ምእንቲ ክንከውን ኣምሪሩ ይጽሊ። ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ተለቪዥን ኣብ ጋዜጣታት ኣብ ኩሉ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ መወዳእታ ዘይብሎም ግርጭታት ሓደ ድሕሪ ሓደ ብዛዕባ ውግእ ስእነት ሰላም ስእነት ሓድነት ይውረ። ሽሕ’ኳ ዕለት ዕለት ኣብ ዝተፈላለያ ኲርናዓት ዓለም ናይ ሰላም ውዑላት እንተተገብሩ ናይቲ ዝተፈራረሙሉ ቀለም ከይነቀጸ ክጠሓሱ ንዕዘብ። በዚ ከኣ ኣጽዋር ናይ ምፍራይ ስራሕ ናይ ውግእ ከበሮ ምድሳቅ ዕንወትን ጥፍኣትን ሥራሖም ይሰርሑ።
ልብኻ ምኽፋት!
እተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ትሕትና ለውሃትን ልቢ ምዕባይንከስ ናይ ሓደ ክርስትያን መለለዪ ኮይነን ንሰላም መሠረታ እየን።
ዘይምርድዳእ ብቀሊሉ ይጅምር!
ቅዱስነቶም ናብ ክውን ነገራት ናይታ ባእታ ሓድነትን ሥምረትን ዝኾነት ሥድራቤት ምልስ ይብሉ እሞ ‘ብዙሕ ግዜ የጋጥም እዩ! ዋላ ኣብ ሥድራቤት በብቁሩብ ክትረሓሓቅ ትጅምር። ሠይጣን ይሕጐስ በዚ ከኣ እቲ ውግእ ይጅምር። ነዚ ዝኸውን ምኽሪ ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ተጸዋወሩ ተዓጋገሱ ተደጋገፉ ዝብል እዩ። ከማይ ነፍሲወከፍና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክነሰልቹ ክነቈጥዕ ክነጸግም ንኽእል ከመይ ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና ነፍስወከፍና ነናትና ጉድለት ኣሎና ፍጹማን ኣይኮናን። እዚ ስለዝኾነ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ `ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ’ ብማለት ይላቦ። እዘን ቃላት እዚአን ብብርሃን ናይተን ኢየሱስ ድሕሪ ድራር ዝበለን ቃላት እየን ዝግለጻ። ኢየሱስ ሽዑ ‘ሓደ ሰውነትን ሓደ መንፈስን’ ኢሉ ነሩ። ከምቲ ኢየሱስ ኣብታ ጸሎቱ ‘ኣቦየ ከምቲ ኣነን ንስኻን ሓደ ዝኾናዮ ንሶም እውን ሓደ ምእንቲ ክኾኑ’ ኢሉ ዝለመኖ ቅዱስ ጳውሎስ ሓደ ኩኑ ኢሉ እዩ ዝምሕጸን ዘሎ። ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌል ሉቃስ 12 ብዛዕባ ምስ መባእስቱ ናብ እንዳ ዳኛ ገጹ ዝጐዓዝ ሰብ ምሳሌ ኮይኑ ኣብ እንዳዳኛ ከይበጻሕካ ምስ መባእስትኻ ክትዕረቅ ዝምዕድ ዓቢ ትምህርቲ እዩ ይብሉ ቅዱስነቶም `ከመይ ነገራት ኣጸቢቆም ፋሕ ፋሕ ከይበሉ እንከለው ግጭት ጅምር ከብል ከሎ መፍትሒ ክትረኽበሉ ቀሊል እዩ’።