ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ዓለማውያን ምእመናን ጓሶትን ኣብ ጽንኩር ስራሕ ንምባል ኣይፍርሑ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ዓለማውያን ምእመናን ጓሶትን ኣብ ጽንኩር ስራሕ ንምባል ኣይፍርሑ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ዓለማውያን ምእመናን ጓሶትን ኣብ ጽንኩር ስራሕ ንምባል ኣይፍርሑ

ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም ዓለማውያን ምእመናንን ጓሶት ነፍሳትን እንከተባብዑ፡ ነቲ ጐይታ ዕለት ብዕለት ዝጽግወልና ኩሉ ክፉታት ዲና፡ ልክዕ ከምቲ ነቲ ሳምራዊ ሰብኣይ ካብ ዝወጠኖ ጉዕዞ ዘቧኹሮ ንናይ እግዚኣብሔር ኣግራሞት ክፉታት ዲና፡ ወይ ከኣ ግቡእኻ ኣብ ምፍጻም ጥራሕ ዝተሓጸረ ክርስትና ከም መዝነት ሕጊ ኣብ ምኽባር ኣናበለ ምስቲ ሕጊ ገዛእ ርእሱ ዘመሳስል (ንኢየሱስ ካብ ምምሳል ንሕጊ ምምሳል) ኰይናን ኢና እንነብሮ?

ሎሚ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ዓለማውያን ምእመናንን ጓሶትን ብስራሕ ኣእዳዎም ክሕርፍፍን ክረስሕን ኣይፍርሑ ዝብልን ክርስቲያን ምዃን፡ ነቶም ኣብ ጽንኩር ኩነት ሓሳርን መከራን ንዝርከቡ ቀረባ ብምዃን ንኣግርሞት እግዚኣብሔር ክፉታት ምዃን ማለት እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ብላቲን ስርዓተ ኣምልኾ ቀዳማይ ምንባብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ምዕ. 1 ካብ ፍቕዲ 6-12 ን ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 10 ካብ ፍቕዲ 25-37 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኰይዞም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ፥ ነሕዋት ቀረባ ኣብ ምዃን ብስራሕ ኣእዳዉ ከይሕርፍፍን ኣእዳዉን ልብስን ከይረስሕ ዘይፈርሕ ንናይ እግዚኣብሔር ኣግራሞት ክፉታት ዝዀኑ ስለ ካልኦት ኵሉ ዝዀኑን ዝነብዑን ሓቀይና ክርስቲያን ንኽንከውን ይዕድሙ፡ ቅዱስነቶም ካብ ሉቃስ ወንጌል ተበጊሶም፡ እቶም ኣብዚ ምንባብ’ዚ ዝተጠቕሱ ሽዱሽተ ሰባት ኣናሓሰቡ፡ እቲ ናይ ሕጊ መምህር፡ ናይ ሕጊ ሊቅ ንኢየሱስ ክፍትን ቢሉ መን እዩ ብጻየይ/ቀረባይ እንክብል ዘቕረበሉ ሕቶ ጠቒሶም፡ እቶም ከተርትን፡ እቲ ዝቖሰለን፡ ካህንን ሌዋውን ሳምራውን ሓደ ብሓደ ኵሎም ኣብቲ ወንጌል ዝተገልጹ እናዘርዘሩ፥

ኣማዕዲኻን ክኔውን ኣይትሕለፍ፡ ጠጠው በል፡ ናይ ስቓይ ተኻፋሊ ብምዃን ስንድው ንረድኤት ኵን

እቶም ከተርቲ ነቲ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያርኰ ዝኸይድ ንዝነበረ ሰብኣይ ኣድሚዮም ኣይምዉት ኣይስሩር ገይሮም ገደፍዎ፡ ሓደ ካህን ነቲ ዝቖሰለ ሰብኣውይ ተልእኾኡ ዝዘንግዔ ካህን፡ ቅዳሴ ንኽቅድስ ሰዓት ስለ ዝኣኸሎ ኣብታ ሰዓቱ ዝኣኸለትሉ ጥርሕ እናሓሰበ ጐስይዎ ይሓልፍ፡ እቲ ሌዋዊ ናይ ሕጊ መምህርን ሊቕን ምሁርን እውን ልክዕ ከምቲ ካህን። ንኣይ ኣይምልክተንን ምባል፡ እቲ ሳምራዊ ሓጢኣተይና ብሕዝቢ እስራኤል ዝተዀነነ እቲ ኣዚዩ ሓጥኣን ተባሂሉ ዝንገረሉ ግና ደንገጸሉ፡ እዚ ሳምራዊ’ዚ ምናልባት ነጋዳይ ዝነበረ ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ናብ ውራይ ንግዱ እናኸደ እንከሎ፡ ኵሉ ሓዲጉ ደው ይብል ኣሞ ኣብ ምድጋፉ እቲ ዝተጐድአ ሰብ ይጽመድ።

ሰዓቱ ኣይረኣየን ነቲ ብደም ዝጨቀወ ርእዩ ደም እውን ኣየፍረሖን፡ ቀረባኡ ኰይኑ፡ ነቑሳሉ ዘይትን ወይንን ኣፍሲሱ ስቓዩ ዝግ ክብል ገይሩ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጠሖ ናብ መዕርፎ ኣጋይሽ ድማ ወሰዶ፡ ኣብቲ ቤት ኣጋይሽ ሓዲግዎ በሉ ሓኻይም ጸውዕሉ ኣነ ዝግብኣነኒገይረ እየ ቢሉ ናብ ጉዳይ ኣይከደን፡ ተኸናኸንዎ እሞ ኣብ ምምላሰይ ዘጥፋእክምዎ ኵሉ ክኸፍለኩም እየ ይብል፡ እወ ኣነ እየ ዋናኻ ንክገዝኣካ ዘይኰነስ ንኸገልግለካ ዝብል እዩ፡ ንኽገልግሎ ቢሉ ናቱ ዝገበሮ፡ ሰራሕተይናን ማሕበራዊ ጉዳይ ዝምልከቶ ኣካል ኣይነበረን፡ ተራ ሰብ፡ ክፉት ልቢ ዝመበሮ ሰብ እዩ ነሩ።

ንናይ እግዚኣብሔር ኣግራሞት ክፉታት ምዃን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ወንጌል ዝተጠቕሱ ስዱሽተ ሰባት እናሓሰቡ፡ እቲ በዓል ቤት ኣጋይሽ እቲ መጻእተይና ሳምራዊ ዝገበሮ ግብረ ሰናይ የደንቖ፡ ሓደ ኣረመን፡ ኣካል ሕዝበ እስራኤል ዘይነበረ፡ መገዱ ኰሊፉ ነቲ ዝወደቐ ሰብ ክረድእ ዝበለ፡ ክልተ ዲናር ከፊሉን እቲ ዘድሊ ግበረሉ እሞ ምስ ተመለስኩ ክኸፍለካ እየ ዝበለ። እቲ በዓል መቐበል ኣጋይሽ ከኣ ንናይ እግዚኣብሔር ኣግራሞት ክፉት ብምንባሩ ሕጂ ደኣ ክፈለኒ ኣይበለ፡ ጽባሕ ከምለስ እየ ዝብለኒ መን ይፍለጥ፡ ብኡ ኣቢሉ እንተተዓዘረኸ ኣብ ዝብል ምጥርጣር ኣይተረፈን፡ ልክዕ ከምቲ ሳምራዊ ንናይ እግዚኣብሔር ኣግራሞት ክፉት ዝዀነ እዩ ነሩ።

እቲ በዓል መቐበል ኣጋይሽን እቲ ሳምራውን ናይ ማሕብራዊ ጉዳይ ሰራሕተይናታት ኣይነበሩን፡ ዝዀንካ ኵን ዝዀነን ዘለካን ሓላፍነት ይሃልኻን በዓል መዚ ኵን ኣይትኹን፡ ክርስቲያን ምዃን እዩ ዘድሊ፡ ሰንበት የኽብር ዕለተ ሰንበት የቐድስ ርትዓዊ ተግባር ኣብ ምፍጻም እጽዕር፡ ኣይሓምን ዝብል፡ ሓማዪ፡ ኵሉ ብጽቡቕ ዝፍጽም በሃሊ፡ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዝናዘዘን ቆራብን ሕጊ ኣኽባርን፡።ክርስትና ከም መዝነት እትነብር  ዲኻ ወይ ከኣ ንናይ እግዚኣብሔር ኣግራሞት ክፉት ክርስቲያን ኢኻ? ኣብ ቅድሚ ምስክርነት ኣግራሞት ዘይነብር፡ ዝገደደ እውን ምስክርነት ናይ ምሃብ ብቕዓት ዘይብሉ ክርስቲያን ዲኻ?

ኢየሱስን ቤተ ክርስቲያኑን

ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም ዓለማውያን ምእመናንን ጓሶት ነፍሳትን እንከተባብዑ፡ ነቲ ጐይታ ዕለት ብዕለት ዝጽግወልና ኩሉ ክፉታት ዲና፡ ልክዕ ከምቲ ነቲ ሳምራዊ ሰብኣይ ካብ ዝወጠኖ ጉዕዞ ዘቧኹሮ ንናይ እግዚኣብሔር ኣግራሞት ክፉታት ዲና፡ ወይ ከኣ ግቡእኻ ኣብ ምፍጻም ጥራሕ ዝተሓጸረ ክርስትና ከም መዝነት ሕጊ ኣብ ምኽባር ኣናበለ ምስቲ ሕጊ ገዛእ ርእሱ ዘመሳስል (ንኢየሱስ ካብ ምምሳል ንሕጊ ምምሳል) ኰይንካ ኢኻ እትነብሮ፡ ብዙሓት ጥንታውያን ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ነቲ ሎሚ ዝተነበ ቃለ ወንጌል፥ ምሉእ ወንጌል እንክብሉ ይገልጽዎ፡

ነፍሲ ወከፍና ልክዕ ከምቲ ዝቖሰለ ሰብ ኢና፡ እቲ ሳምራዊ ከኣ ኢየሱስ እዩ፡ ካብ ኣቝሳልና ፈዊሱና፡ ቀረባና ኰነ፡ ተኸናኸነና፡ ምእንታና ኵሉ ከፈለ፡ ንቤተ ክርስቲያን ድማ ዘድሊ ኩሉ ግበርሎም ተኸናኸንዮም ብዙሕ ወጻኢ ዝሓትት እውን እንተዀነ ዘድሊ ግበርሎም እሞ ኣብ ምምላሰይ እቲ ስሌኦም ዝፍጣእክዮ ኩሉ ክፈድየኪ እየ፡ ኣጸቢቕኩም ሕስብ እሞ ኣብሉ፡ ኣብዚ ቃል ወንጌል ሉቃስ ምሉእነት ወንጌል ኣሎ፡

ንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ዓለማውያን ምእመናን ጓሶትን ኣብ ጽንኩር ስራሕ ንምባል ኣይፍርሑ
08 October 2018, 17:42
ንኩሉ ኣንብብ >