ሓቀኛ ክርስትያን ንጐይታ ብልቡ ዘፍቅር እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ኣብ ናይ ዕለቱ ንባባት ከም ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ገላ 1.13 ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝነበሮን ዝመስከሮን ዝሰበኾን ፍቅሪ ጐይታ እንከመልክት ንፍቅሪ ኣምላኽ ኣብ ምስትንታንን ንካልኦት ኣብ ምግልጋልን ንዘሎ ሚዛናዊ ኣተና ዝገልጽ ከኣ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ሉቃ 10.38 ማርያን ማርታን ኣብ ምቅባልን ምግልጋልን ጐይታ ዝነበረን ኩነታት የብርህ።
ቅዱስነቶም ነዚ ኣብነት ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ወትሩ ከምዘጋጥም ብምግላጽ እቶም ኣብ ሥራሕ ጥራይ ዝተጸምዱ ክርስትያን ብዛዕባ ፍቅሪ ጐይታ ግን ብዙሕ ዘይዓጅቦም ዝሰርሑ ይስርሑ ዝኾነ ነገር የበርክቱ ነታ ምስ ጐይታ እትርከብ ሰላም በዚ መንግዲ እዚ ክረኽብዋ ስለዘይክእሉ ኣብ መንጎ ኣገልግሎትን ኣስተንትኖን ዝተመዛዘነ ሕይወት ክንመርጽ ይመኽሩ። ነዚ ዝምህራና ከኣ እተን ክልተ ኣሕዋት ማርያን ማርታን እታ ሓንቲ ንጐይታ ተሃኒና እንክትሰምዕ እታ ሓንቲ ከኣ ምሉእ ብምሉኡ ኣብ ኣገልግሎት ተጸሚዳ ላዕልን ታሕትን ትብል ነበረት። ቅዱስነቶም ንኩነታት ማርታ እንክገልጹ ሓያል ሰበይቲ ጻዕራም ንኩሉ ክተገልግል ስንድውቲ ዘይትደክም ነታ ትስመዓ ተጒ ንከተብላ ዕጅብ ዘይብላ ወላ ንጐይታ ከይተረፈ ነታ ኣብ እግሩ ኰይና ቃሉ ትሰምዕ ዝንበረት ሓፍታ ኣንታ ተላዓሊ ሓግዝያ እባ በላ ክትብል ሰጋእ ዘይበለት ኮይኑ ግን እታ ቀንዲ ክፍሊ ዝብላ ጐይታ ኣስተንትኖንን ቃል ኣምላኽ ጽን ኢልካ ምስማዕን ይጐድላ።
ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ጸገም ከም ፍታሕ ይኸውን ዝበለ ዓቢ ቅዱስ ቅዱስ በነዲክቶስ ኣቡነ ብሩኽ ማለት’ዩ ንመነኮሳቱ `ጸሎትን ሥራሕን’ ዝብል ነቶም ዕጽዋት እውን ከይተረፈ ከም መምርሒ ክኾኖም ይህቦም። ስለዚኸስ እቶም መነኮሳት 24 ሰዓት ሰማይ እንክጥምቱ ከይርከቡ ብጸሎትን ብሥራሕን ንጐይታ ክ ውድሱን ከመስግኑን ይርከቡ፣
ነዚ ኣብነት ዝኾነና ከኣ እቲ ኣብ ቀዳማይ ንባብ ናይ ዕለቱ ዘሎ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ተሓርየ ተቀዳዲሙ ንክጽልን ንከስትንትንን ከምዝኸደ እንኪናዘዝ ዓቢ ትምህርቲ እዩ ዝህበና፣