2018.10.09 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.10.09 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ሓቀኛ ክርስትያን ንጐይታ ብልቡ ዘፍቅር እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዕለቱ ዝቀረበ ብዛዕባ ማርያምን ማርታን ዘዘንቱ ክፍሊ ወንጌል መሠረት ብምግባር እዘን ክልተ ኣሕዋት ኣብ ሕይወት ክርስትና ፍቅሪ ጐይታ ከመይ ገቢርካ ከምዝዝውተር ከምዝምህራ ኣመልኪቶም ሕይወት ክርስትና ብፍቅሪ ጐይታ እንተዘይተዓሊሳ ትርጉም የብላን ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ናይ ዕለቱ ንባባት ከም ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ገላ 1.13 ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝነበሮን ዝመስከሮን ዝሰበኾን ፍቅሪ ጐይታ እንከመልክት ንፍቅሪ ኣምላኽ ኣብ ምስትንታንን ንካልኦት ኣብ ምግልጋልን ንዘሎ ሚዛናዊ ኣተና ዝገልጽ ከኣ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ሉቃ 10.38 ማርያን ማርታን ኣብ ምቅባልን ምግልጋልን ጐይታ ዝነበረን ኩነታት የብርህ።

ቅዱስነቶም ነዚ ኣብነት ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ወትሩ ከምዘጋጥም ብምግላጽ እቶም ኣብ ሥራሕ ጥራይ ዝተጸምዱ ክርስትያን ብዛዕባ ፍቅሪ ጐይታ ግን ብዙሕ ዘይዓጅቦም ዝሰርሑ ይስርሑ ዝኾነ ነገር የበርክቱ ነታ ምስ ጐይታ እትርከብ ሰላም በዚ መንግዲ እዚ ክረኽብዋ ስለዘይክእሉ ኣብ መንጎ ኣገልግሎትን ኣስተንትኖን ዝተመዛዘነ ሕይወት ክንመርጽ ይመኽሩ። ነዚ ዝምህራና ከኣ እተን ክልተ ኣሕዋት ማርያን ማርታን እታ ሓንቲ ንጐይታ ተሃኒና እንክትሰምዕ እታ ሓንቲ ከኣ ምሉእ ብምሉኡ ኣብ ኣገልግሎት ተጸሚዳ ላዕልን ታሕትን ትብል ነበረት። ቅዱስነቶም ንኩነታት ማርታ እንክገልጹ ሓያል ሰበይቲ ጻዕራም ንኩሉ ክተገልግል ስንድውቲ ዘይትደክም ነታ ትስመዓ ተጒ ንከተብላ ዕጅብ ዘይብላ ወላ ንጐይታ ከይተረፈ ነታ ኣብ እግሩ ኰይና ቃሉ ትሰምዕ ዝንበረት ሓፍታ ኣንታ ተላዓሊ ሓግዝያ እባ በላ ክትብል ሰጋእ ዘይበለት ኮይኑ ግን እታ ቀንዲ ክፍሊ ዝብላ ጐይታ ኣስተንትኖንን ቃል ኣምላኽ ጽን ኢልካ ምስማዕን ይጐድላ።

“ብዙሓት ክርስትያን ኣለው ሰንበት ሰንበት ንቅዳሴ ቤተ ክርስትያን ይመላለሱ ኮይኑ ግን ወትሩ ኣብ ሥራሕ ምስ ተጸምዱ እዮም። ንደቆም ዝኸውን ግዜ የብሎምን ምስ ደቆም ክጻወቱ ዘይሕሰብ እዩ። እዚ ግን ናብራ ኣይኮነን! ሕማቅ እዩ! ከመይ ንርእስኻስ ይኹን ንካልኦት ‘ብዙሕ ዝግበር ኣሎኒ ተታሒዘ ኣሎኹ ወዘተ እናበልካ ንደቅኻ ዝኸውን ግዜ ክሳብ ምስኣን ይብጻሕ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ወትሩ ሰብ ሥራሕ ኰና ንርከብ፣ ነጻ ግዜ ዝበሃል የሎን። ሓንሳእ እባ ደው በል ንቃል ኣምላኽ ዝኸውን ግዜ ይሃሉኻ ነስተንትኖ ዝኸውን ግዜ ፍለ እንተበልካዮም ኖኖ ሥራሕ ኣሎኒ ይብሉኻ። ቋንቋኦም ቋንቋ ዝንቀሳቀስ ኣእዳው ኮይኑ ካብቲ ቀንዲ ነገር ይበዂሩ። ጽቡቅ እዩ ጽቡቕ እውን ይገብሩ ኮይኑ ግን እቲ ቀንድን ዋናን ነገር ኣስተንትኖ ይተርፎም ጐይታ ንማርታ ዝበላ ኸኣ እዚ እዩ። ምናልባት ንገሊኦም ኣስተንትኖ ምንም ዘይምስራሕን ቅሱን ናብራን ኮይኑ ክረኣዮም ይኽእል እቲ ሓቂ ግን ከምኡ እይኮነን። እኳ ደኣ በንጻሩ ከምቲ ማርያም ንልባ ዝትንክፍ ዝነበረ ጐይታ ትከታተል ዝበረት ንድምጺ ጐይታን ኣስተንፍሶኡን ጽን ኢልካ ምስማዕ ሓያል ኣተኲሮ ይሓትት።”

ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ጸገም ከም ፍታሕ ይኸውን ዝበለ ዓቢ ቅዱስ ቅዱስ በነዲክቶስ ኣቡነ ብሩኽ ማለት’ዩ ንመነኮሳቱ `ጸሎትን ሥራሕን’ ዝብል ነቶም ዕጽዋት እውን ከይተረፈ ከም መምርሒ ክኾኖም ይህቦም። ስለዚኸስ እቶም መነኮሳት 24 ሰዓት ሰማይ እንክጥምቱ ከይርከቡ ብጸሎትን ብሥራሕን ንጐይታ ክ ውድሱን ከመስግኑን ይርከቡ፣

ነዚ ኣብነት ዝኾነና ከኣ እቲ ኣብ ቀዳማይ ንባብ ናይ ዕለቱ ዘሎ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ተሓርየ ተቀዳዲሙ ንክጽልን ንከስትንትንን ከምዝኸደ እንኪናዘዝ ዓቢ ትምህርቲ እዩ ዝህበና፣

“ዝኾነ ቅዱስ ጳውሎስ ዝገብሮ ዝነበረ ነገር ብመንፈስ ኣስትንትኖን ንጐይታ እናጠመተን ነበረ። ጐይታ እዩ ኣብ ልቡ ዝዛረቦ ዝነበረ ከመይ ጳውሎስ ብፍቅሪ ጐይታ ተማሪኹ ስለዝነበረ እዩ። ስለዚ ከይትጋገዩ እታ ፍታሕ እዚኣኣ እያ ብፍቅሪ ጐይታ ምምራኽ። ኣብ ሕልናና ምልስ ኢልና ብፍቅሪ ጐይታዶ ተማሪኸ ኣሎኹ! ንሱ ከምዝመረጸኒ ርግጸኛ ድየ! ወይስ ክርስትያን ከምኡ ከምኡ ኮይኑ ኣብ ነገራት ምድርዳርን ምፍጻምን ጥራይ ኣተኩር! ወይስ ነዚ ፍቅሪእዚ አስተንትን ኢልና ክንሓስብከስ እዋኑ እዩ። ዚኣክል ግዜ ወሲድና ምስ ጐይታ ነዋግዕ ነስተንትን። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
09 October 2018, 18:16
ንኩሉ ኣንብብ >