ድለ

2018.10.12 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.10.12 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ጸዋዕታ ዲያብሎስ ንሥራሕ እግዚአብሔር ምዕናው እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተጻይ ዲያብሎስ ጥንቃቄ ከምዘድሊ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ተጻይ እቶም ንቁሓት መሰሓሓቲ ሰይጣውንቲ ክንጥቀቅ ከመይ ማንም ከይተረድኦም ኣብ ነፍሳት ኣትዮም ዓቢ ጉድኣት ስለዘውርዱ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃስ 11.15 ኮይኑ ኢየሱስ ንኣጋንንቲ ብብዔልዜቡል ከምዘይውጽኦም ዘመልክት እንክኸውን ሓንሳብ ካብ ሓንቲ ነፍሲ ዝተሰጐ ጋኔን መእተዊ ምስ ሰኣነ ካልኦት ካብኡ ዝገዱ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ሒዙ ከምዝምለስን ነታ ነፍሲ ካብ ዝቀደመ ዝገደደ ጸገም ከምዘጓንፍ ዝገልጽን ቀዳሞት ዳሕሮት ዳሕሮት ከኣ ቀዳሞት ከምዝኾኑ ዝገልጽ ነበረ። ቅዱስነቶም ነዚ መሠረት ብምግባር ከኣ ቅዱስነቶም ‘ባህርያት ሰይጣን ንዕንቀት ወይውን ብቀጥታ ብቅንዕን ሽርሕን ከምኡ ኣውን ብወግእን ካልእ ዝመሳሰሎምን ገሩ ብዙሕ ጉርሕን ሽርሕን ብዝመልኦ መንገዲ ዓለማውነት ዝዓብለሎ ሕይወት ንምንባር ይደፋፍእ። እንክብሉ ሰቢኾም።

ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ኢና እንርከብ! ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍና ኣብ መንጎ ኢየሱስን ድያብሎስን ቀጻሊ ቅልስ አሎ።

ዲያብሎስ ንልቢ ሓደ ሰብ ክመልኽ ከሎ ከም ኣብ ገዛኡ ኣባኡ ክጸንሕ እዩ ዝመርጽ ካባኡ ክወጽእ እውን ፈጺሙ ኣይደልን። ብዙሕ ግዜ ኢየሱስ ነቶም ጸላእቱን ጸላእትንናን ዝኾኑ ርኹሳት መንፋስቲ እንከውጽእ ንዕዘብ። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ሠናይ ነገርን ጽቡቅ ነገር ዝግበር ሓንሳብ ሓንሳብ እውን ኣብ ሕውታቴን ሓሳባዊ ኩነትን ዘሎ ዝመስል ኩነት ንዕዘብ። ኮይኑ ግን እዚ ቃልሲ እዚ መንጎ እግዚአብሔርን መንጎ እቲ ጥንተ ጸሊና ዝኾኑ ናይ ጥንቲ ተመንን ማለት ኣብ መንጎ ኢየሱስን ዲያብሎስን ዝካየድ ቃልሲ እዩ። እዚ ቃልሲ እዚ ከኣ ኣብ ውሽጥና እዩ ዝፍጸም። ነፍሲ ውከፍና ኣብ ቃልሲ ንርከብ ምናልባት ክንፈልጦን ክስመዓናን ኣይክእልን ይኸውን ኮይኑ ግን ኣብ ቃልሲ ከምእንርከብ ዘይምዝንጋዕ።  ኮይኑ ግን ሎሚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቃለ ወንጌል ኢየሱስ ንኣጋንንቲ ብሓለቃ ኣጋንንቲ ብዔል ዜቡል ከምዘውጽኦም ይዛረቡ። እዚ ግን እንትርፎ ሕማቅ መልሓስ ከምዘሎ ንግዘብ። ስለዚ ከኣ መንጎ ኢየሱስን ዝስዕብዎ ዝነበሩን ሓደ ክትዕ ይለዓል።

ጸዋዕታ ጸላኤ ሠናያት ንተግባር እግዚአብሔር ምድምሳስ እዩ።

መንነት ዲያብሎስ ምዕናው እዩ፣ ምዕናው ብምዕናው ከኣ ምዕናው ተግባር እግዚአብሔር እዩ። ምናልባት ገሊኦም እዚ ጉዳይ እዚ ብካህናት ዝተማህዘ ኰይኑ ዝረኣዮምን ከምቶም ኣእዳዎም ዝጠብው ሕጻናት ዝሓስቡ ኣይሰኣኑን። ኮይኑ ሠይጣን ሥራሕ ዕንወቱ ወትሩ ምስ ገበረ እዩ። ርግጽ እዩ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቆይሙ ፊት ንፊት ከዕኑ ኣይክእልን እግዚአብሔር ስለዝከላኸለልና ስለዘሎ ብዘይመጠን ክጐርሕ ግድን እዩ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ሓለዋን ምክልኻልን እግዚአብሔር ዘሎ ሰብ ንከጥቅዕ ዘይፍንቅሎ እምንን ዘይጥቀመሉ ጉርሕን የብሉን እሞ ንጠንቀቀሉ ኢሎም። ነዚ ከመይ ገይሩ ይገብሮ እትነበልና ከኣ ዝተፈላለዩ ዘይቅርዑይ ሃረርታ ብምፍጣርን ናይ ውግእን ዕንወትን ከበሮ ብምድሳቅን ይገብሮ።

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ዘተኰረሉ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ፍጻሜ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቀረበ ሓሳብ እዩ። እዚ ከኣ ‘ሓደ ርኹስ መንፈስ እንካብ ሓደ ሰብ ምስ ወጽአ ዕረፍቲ ደልዩ ኣብ ኣጻምእ ይኹብልል።ምስ ሰኣነ ከኣ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ክምለስ እየ ይብል። ምስ ተመልሰ ድማ ተዀስቲራን ተሸሊማን ይረኽባ። ሽዑ ኸይዱ ካብኡ ዚኸፍኡ ኻልኦት ሾብዓተ መንፍስቲ የምጽእ። ኣብኣ ኣትዮም ከአ ይነብሩ። ናይቲ ሰብ እቲ ዅነታት ድማ ኻብቲ ቐዳማይ እቲ ዳኅረዋይ ዝገደደ ይኸውን’ ንዝብሎ ብምጥቃስ ዲያብሎስ ብቀለልቲ ነገራት ከሸንፈና ምስ ዘይከኣለ ካልእ መንገዲ ሃሰስ ይብል ማለቱ ከምዝኾነ ከምዚ እንክብሉ ገሊጾም።

“ንሕና ክርስትያን ኢና! ካቶሊካውያን ኢና! ናብ ቅዳሴ ንኸይድ! ንጽሊ! ኩሉ ሥሩዕ ይመስል! እወ ኮይኑ ግን ጒድለታትና ኣሎና ንኣሽቱ ሓጢኣት ኣለውና ኮይኑ ግን ኩሉ ደሓን ይመስል። በዚ ከኣ ንሱ እቲ ጸላኤ ሠናያት ሰላሕታዊ ስለዝኾነ ንኩሉ ይዕዘብ ብከመይ ከምዘሰሓሕት መገዲ ሃሰስ ይብል። ማዕጾ ይኩሕኩሕ! ፍቃድ ድዩ ክኣቱ ዶ እኽእል እናበለ ቃጭል ይድውል። ኮይኑ ግን እዞም ሰይጣውንቲ እዚኦም ብጣዕሚ ጐራሓት ንቁሓት መታለልቲ እዮም። ካብቶም ቀዳሞት ብሸውዓተ ዕጽፊ ዝሓስሙ እዮም። ክተለልዮም እውን ኣይከኣልን ኣምሲሎም ብዝተፈላለየ መንገዲ የጋግዩ። ዝተፈላለይ ዝንባሌታትን ፈተነታትን እናቅረቡ የዕንው! ውግእ ኢፍትሓውነትን እናንገሱ ሰላሕታዊ ወራር የካይዱ! ብሰላሕታ የዕንው! ድምጾም ኣይስማዕን እዩ! ከም ኣዕሩኽ ይቀርቡ! የታልሉ! ኣጆኻ ኪድ ዳሕን እዩ! ግበሮ! ጽቡቅ እዩ እናበሉ ይደፋፍኡ። እቲ ፍጻሜ ግን ገደል እዩ። ብመንፈስ ዓለማውነትን ኣይውዑይ ኣይዝሑል ብምዃንን ኣይኣብቲ ኣይኣብዚ ይገብሩኻ። ከም ጸላእቲ ኣይቀርቡኻን እዮም። ስለዚ ንትሓሎ እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም።”

ነዚ መድብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
12 October 2018, 19:32
ንኩሉ ኣንብብ >