2018.10.11 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.10.11 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

ኢየሱስ ኣብ ጸሎትና ጸኒዕና ክሳብ መወዳእታ ክንረባረብ ይምህረና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ልሙድ ናይ ንግሆ ቅዳሴ ቅድስት ማርታ ‘ካብ ጐይታ ሓደ ነገር ክንልምን ኣንከሎና ትብዓትን ጽንዓትን የድሊ’ እንክብሉ ነቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ 11.5-13 ተጠቂሱ ፍርቂ ለይቲ ናብ ዓርኩ ከይዱ ብትብዓትን ዝልምን እሞ ዓርኩ በቲ ጽንዓቱ ተደሪኹ ንዝደለዮ ዝህቦ ምስ ጐይታ እውን ከምኡ እዩ ክኸውን ዘለዎ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ዕለቱ ወንጌል ` ቀጺሉ ድማ፥ ‘ካባኻትኩም መን እዩ ዓርኪ ኣልይዎስ። ብፍርቂ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፥ ‘ኣታ ዓርከይ፡ ሓደ ፈታውየይ ብመገሻ መጺኡኒ፡ ዝቕርበሉ ኸኣ ስለዝሰኣንኩ፡ ሠለስተ እንጌራ እንዶ ኣለቅሓኒ’ እንተ በሎ፡ እቱይ ድማ ኣብ ውሽጢ ኾይኑ፥ ‘ክላ ኣይትሃውኸኒ፡ ማዕጾ ተሸጕሩ፡ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት ደቂሶም አለዉ፡ ተንሢኤ ሓደ ነገር እኳ ክህበካ ኣይክእልን እየ’ ቢሉ ዝምልሸሉ? ዓርኩ ስለ ዝዀነ እኳ ተንሢኡ እንተዘይሃቦ፡ ምእንቲ ከየሕስሮ ተንሢኡ ዜድልዮ ይህቦ እዩ’። ለምኑ ኢውሃበኩም ከኣ እዩ ድለዩ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም ኳሕኵሑ ኪኽፈተልኩም እውን እዩ። ከመይሲ እቲ ዚልምን ይቕበል እቲ ዜናዲ ይረክብ ነቲ ዝዅሕኵሕ ከኣ ይኽፈተሉ እዩ። ካባኻትኩም እንታዋይ ወላዲ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዝህቦ፡ ዓሣ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሣ ተመን ዚህቦ? ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢት ዚህቦ? ንስኻትኩም ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንውሉድኩም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ እትፈልጡ ካብ ኮንኩምስ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ግዳ ነቶም ዚልምንዎ ኽንደይ ኣዕዚዙ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም?’ ኢልዎም።’ ዝብል ነበረ።

ከይረብረብካ ወትሩ ብትብዓት ምጽላይ የድሊ!

ቅዱስነቶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ካብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሠለስተ ቃላት ኣብ ጸገም ዘሎ ሰብ ሓደ ዓርክን ቁሩብ እንጀራን ክብሉ ይከፋፍልዎ። ጸጊሙካ ብሃንደበት ናብ ሓደ ዓርክኻ ሓገዝ ደሊኻ እንክትከይድ እተቅርቦ ሕቶ ጽኑዕ ኮይኑ ኣዎንታዊ መልሲ ከምእትረክብ ከኣ ርግጸኛ ኢኻ ከመይ ዓርኪ ማለት ተጸጊምካ ኣምሪርካ ክትልምኖ እንከሎኻ ዝሰምዕ እዩ። ጐይታ እውን ከምኡ እዩ ከመይ ገርካ ክትጽሊ ከምዘሎካ እውን በዚ ምሳሌ እዚ ገሩ ይምህረና።

“ትብዓት ተዓጢቅካ እዩ ዝጽለ ከመይ ክንጽሊ እንከሎና ሓደ ግድነት ኣሎና ዘድልየና ነገር ኣሎ ማለት እዩ። እግዚአብሔር ዓርክና እዩ። እዚ ዓርኪ እዚ ሃብታም እዩ። እንጌራስ ይኹን ካልእ ዘድልየና ነገር መሊኡ ኣለዎ። ኢየሱስ በዚ ምሳሌ እዚ ገሩ ክትጽልዩ እንከሎኹም ጠኒንኩም እተው ኣይትሰልችው እዩ ዝብለና ዘሎ። ካብ ምንታይ እዩ ኣይትሰልችው ዝብለና እንተበልና ካብ ምልማን ካብ ምሕታት ከመይ ለምኑ ክወአሃበኩም እዩ ስለዝብለና ኢሎም።”

ጸሎት በትሪ ኩንሉ ኣይኮነትን!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ጸሎት ንዘሎና ርድኢት ኣስፍሕ ክነብሎ ማለት ከም ጥንቁላዊ ኣገባብ ሽዑ ንሽዑ ዝፍጸም በትሪ ኩንሉ ጌርና ከይንግምቶ የጠንቅቁ። ክልተ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ደጊምካ ኩሉ ዝፍጸም ከይመስለና እውን ይብሉ።

“ጸሎትሲ ሥራሕ እዩ! እዚ ሥራሕ እዚ ድላይ ይሓትት ከምኡ እውን ጽንዓትን ብዘይ ሕፍረትን ፍርሕን ብቀጻሊ ክግበር ኣለዎ። ስለምታይ እንተኢልና ከምቲ ምሳሌ ዝገልጾ እንክጽሊ ማዕዞ እሙን ዓርከይ ከም ምኲሕኳሕ እዩ። እግዚአብሔር እሙን ዓርኪ እዩ ምስ እሙን ዓርኪ ከኣ ከምዚ ክገብር ጸገም የብሉን። ንቀጻልን ተባዕን ጸሎት ኣብነት ትኾነና ኣደ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ቅድስት ሞኒካ ኮይኑ ምስ ብዙሕ ንብዓት ዝተገብረ ጸሎታ ንወዳ ክመልሶን ናብ ደረጃ ቅድስና ከብጽሖን ክኢሉ። ኣብ መወዳእታ ጐይታ መዓጹኡ ከፊቱላ። ከመይ ብቀጻሊ ከይሰልከየት ትኵሕኵሕ ነራ።”

ነቲ ዘድልየና ከም ፍቃዱ ክህበና ምስ ጐይታ ክንረባረብ የድሊ!

ቅዱስነቶም ነዚ ብዝምልከት ኣብ ቦነስ ኣየርስ እንከለው ዘጋጠሞም የዘንትው። ሓደ ሠራሕተኛ ሰብኣይ ጓሉ ሓሚማ ዳርጋ ናብ ሞት ዝተገማመት ሓካይም ምንም ክግበር ከምዘይከኣል ይነግርዎ። ካብቲ ሆስፒታል ወጺኡ 70 ኪሎሜትር ዝኸውን ርሒቁ ኣብ ዝርከብ መካነ ንግደት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሉኻን ገጹ ተጓዕዘ። ለይቲ በጺሑ እቲ መካነ ንግደት ተዕጽዩ ጸኒሕዎ። ምሉእ ለይቲ ኣብቲ ማዕጾ መካነ ንግደት ክጽሊ ሓዲሩ። ‘ጓለይ እደሊ ኣሎኹ ጓለይ እደሊ ኣሎኹ ንስኺ ክትህብኒ ትኽእሊ’ ኢኺ ክብል ምሉእ ለይቲ ብንብዓት ጸለየ። ምድሪ ምስ ወግሔ ናብቲ ሆስፒታል ተመሊሱ በዓልቲ ቤቱ ጐፍ ትብሎ እሞ ‘ሓካይም መርመራ ክገብሩላ ናብ ቤት ምርመራ ምስ ወሰድዋ ምንም ክርድእዎ ብዘይክእሉ ኣገባብ ጓልና ተበራቢራስ ዝብላዕ ሃቡኒ ኢላ ምንም ጸገም የብላን ጽቡቅ ኣላ ኩሉ ሓደጋ ሓሊፉ ኣዩ’ ትብሎ። ይብሉ እሞ እቲ ሰብኣይ ከመይ ጌርካ ከምዝጽለ ይፈልጥ ነሩ እንክብሉ ኸኣ ካብኡ ንመሃር ዝዓይነቱ ቃና ኣስሚዖም።

ንዝደለይዎ ክሳብ ዝረኽቡ ዝበኽዩ ሕጻናት!

ቅዱስነቶም ኣብ መጨረሻ ናይ ሕንቁቃት ቈልዑት ኣብነት ብምጥቃስ ሽሕ’ኳ እዚ ኣገባብ እዚ ዘይንኡድ እንተኾነ ማለት `ኣቦ/ኣደ ነዚ እደሊ ከምዚ እደሊ’ ክብሉ ክሳብ ዝህብዎም ብኽያት ዘየቋርጹ ወለዶም ከኣ ኣብ መወዳእታ ከይፈተው ሱቚ ምእንቲ ክብሉ ዝገብሩሎም ይጠቅሱ እሞ ምስ እግዚአብሔር እውን ከምኡ እንተገበርና ኣየኽፈእልናን እዩ። ከመይ ኢየሱስ ኣብዚ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ‘ንስኻትኩም ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንውሉድኩም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ እትፈልጡ ካብ ኮንኩምስ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ግዳ ነቶም ዚልምንዎ ኽንደይ ኣዕዚዙ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም?’ እንክብል የረጋግጸልና።

“እግዚአብሔር ከም ዓርክና እዩ ወትሩ ሠናይ ዘበለ ይህበና። ኣብዚሑ እውን ይህበና። ነዚ ጸገም እዚ ፍትሓለይ ኢልና ንልምኖ ንሱ ከኣ ነቲ ጸገም ፈቲሑ ኣብዚሑ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ይህበና። ናብ ሕልናና ምልስ ንበል እሞ ከመይ ኢለ እጽሊ! ከም ሕንጻይዶ ሱቊ ኢለ ቃላት እድርድር! ገለ ከድልየኒ እንከሎ ጥራይዶ እጽሊ! እግዚአብሔር ነቲ ዝልምኖ ክሳብ ዝህበና ብቅንዕና ክሳብ መወዳእታዶ እረባረብ! ስለዚኸስ ካብዚ ክፍሊ ወንጌል ከመይ ገርካ ከምዝጽለ ንመሃር እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
11 October 2018, 18:36
ንኩሉ ኣንብብ >