ኢየሱስ ኣብ ጸሎትና ጸኒዕና ክሳብ መወዳእታ ክንረባረብ ይምህረና! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ብግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ዕለቱ ወንጌል ` ቀጺሉ ድማ፥ ‘ካባኻትኩም መን እዩ ዓርኪ ኣልይዎስ። ብፍርቂ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፥ ‘ኣታ ዓርከይ፡ ሓደ ፈታውየይ ብመገሻ መጺኡኒ፡ ዝቕርበሉ ኸኣ ስለዝሰኣንኩ፡ ሠለስተ እንጌራ እንዶ ኣለቅሓኒ’ እንተ በሎ፡ እቱይ ድማ ኣብ ውሽጢ ኾይኑ፥ ‘ክላ ኣይትሃውኸኒ፡ ማዕጾ ተሸጕሩ፡ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት ደቂሶም አለዉ፡ ተንሢኤ ሓደ ነገር እኳ ክህበካ ኣይክእልን እየ’ ቢሉ ዝምልሸሉ? ዓርኩ ስለ ዝዀነ እኳ ተንሢኡ እንተዘይሃቦ፡ ምእንቲ ከየሕስሮ ተንሢኡ ዜድልዮ ይህቦ እዩ’። ለምኑ ኢውሃበኩም ከኣ እዩ ድለዩ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም ኳሕኵሑ ኪኽፈተልኩም እውን እዩ። ከመይሲ እቲ ዚልምን ይቕበል እቲ ዜናዲ ይረክብ ነቲ ዝዅሕኵሕ ከኣ ይኽፈተሉ እዩ። ካባኻትኩም እንታዋይ ወላዲ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዝህቦ፡ ዓሣ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሣ ተመን ዚህቦ? ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢት ዚህቦ? ንስኻትኩም ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንውሉድኩም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ እትፈልጡ ካብ ኮንኩምስ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ግዳ ነቶም ዚልምንዎ ኽንደይ ኣዕዚዙ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም?’ ኢልዎም።’ ዝብል ነበረ።
ከይረብረብካ ወትሩ ብትብዓት ምጽላይ የድሊ!
ቅዱስነቶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ካብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሠለስተ ቃላት ኣብ ጸገም ዘሎ ሰብ ሓደ ዓርክን ቁሩብ እንጀራን ክብሉ ይከፋፍልዎ። ጸጊሙካ ብሃንደበት ናብ ሓደ ዓርክኻ ሓገዝ ደሊኻ እንክትከይድ እተቅርቦ ሕቶ ጽኑዕ ኮይኑ ኣዎንታዊ መልሲ ከምእትረክብ ከኣ ርግጸኛ ኢኻ ከመይ ዓርኪ ማለት ተጸጊምካ ኣምሪርካ ክትልምኖ እንከሎኻ ዝሰምዕ እዩ። ጐይታ እውን ከምኡ እዩ ከመይ ገርካ ክትጽሊ ከምዘሎካ እውን በዚ ምሳሌ እዚ ገሩ ይምህረና።
ጸሎት በትሪ ኩንሉ ኣይኮነትን!
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ጸሎት ንዘሎና ርድኢት ኣስፍሕ ክነብሎ ማለት ከም ጥንቁላዊ ኣገባብ ሽዑ ንሽዑ ዝፍጸም በትሪ ኩንሉ ጌርና ከይንግምቶ የጠንቅቁ። ክልተ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ደጊምካ ኩሉ ዝፍጸም ከይመስለና እውን ይብሉ።
ነቲ ዘድልየና ከም ፍቃዱ ክህበና ምስ ጐይታ ክንረባረብ የድሊ!
ቅዱስነቶም ነዚ ብዝምልከት ኣብ ቦነስ ኣየርስ እንከለው ዘጋጠሞም የዘንትው። ሓደ ሠራሕተኛ ሰብኣይ ጓሉ ሓሚማ ዳርጋ ናብ ሞት ዝተገማመት ሓካይም ምንም ክግበር ከምዘይከኣል ይነግርዎ። ካብቲ ሆስፒታል ወጺኡ 70 ኪሎሜትር ዝኸውን ርሒቁ ኣብ ዝርከብ መካነ ንግደት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሉኻን ገጹ ተጓዕዘ። ለይቲ በጺሑ እቲ መካነ ንግደት ተዕጽዩ ጸኒሕዎ። ምሉእ ለይቲ ኣብቲ ማዕጾ መካነ ንግደት ክጽሊ ሓዲሩ። ‘ጓለይ እደሊ ኣሎኹ ጓለይ እደሊ ኣሎኹ ንስኺ ክትህብኒ ትኽእሊ’ ኢኺ ክብል ምሉእ ለይቲ ብንብዓት ጸለየ። ምድሪ ምስ ወግሔ ናብቲ ሆስፒታል ተመሊሱ በዓልቲ ቤቱ ጐፍ ትብሎ እሞ ‘ሓካይም መርመራ ክገብሩላ ናብ ቤት ምርመራ ምስ ወሰድዋ ምንም ክርድእዎ ብዘይክእሉ ኣገባብ ጓልና ተበራቢራስ ዝብላዕ ሃቡኒ ኢላ ምንም ጸገም የብላን ጽቡቅ ኣላ ኩሉ ሓደጋ ሓሊፉ ኣዩ’ ትብሎ። ይብሉ እሞ እቲ ሰብኣይ ከመይ ጌርካ ከምዝጽለ ይፈልጥ ነሩ እንክብሉ ኸኣ ካብኡ ንመሃር ዝዓይነቱ ቃና ኣስሚዖም።
ንዝደለይዎ ክሳብ ዝረኽቡ ዝበኽዩ ሕጻናት!
ቅዱስነቶም ኣብ መጨረሻ ናይ ሕንቁቃት ቈልዑት ኣብነት ብምጥቃስ ሽሕ’ኳ እዚ ኣገባብ እዚ ዘይንኡድ እንተኾነ ማለት `ኣቦ/ኣደ ነዚ እደሊ ከምዚ እደሊ’ ክብሉ ክሳብ ዝህብዎም ብኽያት ዘየቋርጹ ወለዶም ከኣ ኣብ መወዳእታ ከይፈተው ሱቚ ምእንቲ ክብሉ ዝገብሩሎም ይጠቅሱ እሞ ምስ እግዚአብሔር እውን ከምኡ እንተገበርና ኣየኽፈእልናን እዩ። ከመይ ኢየሱስ ኣብዚ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ‘ንስኻትኩም ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንውሉድኩም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ እትፈልጡ ካብ ኮንኩምስ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ግዳ ነቶም ዚልምንዎ ኽንደይ ኣዕዚዙ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም?’ እንክብል የረጋግጸልና።