ደረቅ ኣቋም ዝሓዙን ፍጹማን ክርስትያን ኢና ካብ ዝብሉን ንተሓሎ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዘቅረቦ ክፍሊ ወንጌል ሉቃስ 11.37 ኮይኑ ‘ኪዛረብ እንከሎ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኺምሳሕ ለመኖ፣ ስለዚ ኣትዩ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። እቲ ፈሪሳዊ ቅድሚ ምሳሕ ኪሕጸብ ስለዘይረአዮ ተገረመ። ሽዑ ጐይታና ‘ንስኻትኩም ፈሪሳውያን ንዝባን ጣሳን ጻሕልን ተጽርይዎ ኢኹም። ውሽጥኹም ግን ብኽፍኣትን ዓመጽን ዝመልአ እዩ። ኣንቱም ዓያሹ እቲ ንዝባኑ ዝፈጠረስ ንውሽጡ እውንዶ ኣይገብሮን እዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ እሞ መጽውቱ እንሆ እውን ኩሉ ጽሩይ ኪኾነልኩም እዩ።’ ዝብል ነበረ።
ሊቃውንቲ ሕጊ ብኢየሱስ ይዕንቐፉ!
ቅዱስነቶም ነቲ ተጻራሪ ዝመስል መንጎ ኢየሱስን ሕዝቡን ዝነበረ ፍቅርን እቲ ንሱ ዝገረብረሎም ሠናይ ነገራትን ይዝክሩ እሞ በንጻሩ ከኣ ጽልኢ ሊቃውንቲ ሕግን ጸሓፍትን ሰዱቃውያንን ፈሪሳውያንን ከጋግይዎ ሒዅ ዝብሉ ዝነበሩን ይዝክሩ ከምዚ ከኣ ይብሉ።
ልቅሉቃት መቃብር!
ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ከምዝሰማዕናዮ ኢየሱስ ነቲ ፈሪሳዊ ዘቅረበሉ ናይ ምሳሕ ዕድመ ይቅበሎ ከመይ ነጻ ሰብ ነበረ ናቲ ዝዓደሞ እውን ይኸይድ። እቲ ፈሪሳዊ ግን ንልማድ ኣይሁድ ብዘይምኽባሩ ብኢየሱስ ይዕንቀፍ ኢየሱስ ከኣ ‘ንስኻትኩም ፈሪሳውያን ንዝባን ጣሳን ጻሕልን ተጽርይዎ ኢኹም። ውሽጥኹም ግን ብኽፍኣትን ዓመጽን ዝመልአ እዩ።’ እንክብል ነታ ሓቂ ተጒ የብላ።
ግብዛት ዘገድሶም ኣምሰሉነት እዩ!
ቅዱስነቶም ኢየሱስ ንኣምሰሉነትን ግብዝናን ክሳብ ክንዲ ኣየናይ ይዂንን ከምዝነበረ ንምግላጽ ኣብቲ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ ዘቅርቦ ምሳሌ ካብቲ ናይ ኣምሰሉነት ጾምን ምጽዋትን ናይ ረኣዩለይ ስምዑለይ ኩነት ሓሊፎም ናብራ ግብዝነት ቶባ ኢሎም ክሓድጉ ይምሕጸን። ከመይ ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት ሎሚ እውን ኣብ መንጎና ከምዘለውን ስም ሰብ ከጥፍኡን ሕይወት ሰብ ክቐትሉን ክሳብ ገንዘብ ምኽፋል ድሕር ዘይብሉ ከምኡ እውን ሰባት ዘይወዓሉሉን ዘይገበርዎን ነገራት ከምዝገብርዎ ከም መልክዕ ዜና ንምቅራብን ሰባት ንምጽላምን ድሕር ዘይብሉ ሎሚ እውን ኣለው ኢሎም። እቲ ጸገም ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ክንዮ እዚ ድርቅና እዝን ክንዮ እዚ ግብዝና እዝን ወትሩ ዓቢ ጸገም ከምዘሎ እዩ። ስለዚ ካብ ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት ምናዳ ከኣ ክርስትያን ምእመናንስ ይኹን ውሉደ ክህነት ክንጥንቀቅን ልብናን መንፈስናን ንጐይታ ክንከፍትን ብምዝኽኻር ስብከቶም ዛዘሙ።