2018.10.16 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ! 2018.10.16 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ!   (Vatican Media)

ደረቅ ኣቋም ዝሓዙን ፍጹማን ክርስትያን ኢና ካብ ዝብሉን ንተሓሎ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሰሉስ ዕለት 16 ጥቅምቲ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘቅረብዎ ስብከት ‘ድሕነት ጸጋ ጐይታ እዩ። ጐይታ መንፈስ ነጻነት ይህበና’ እንክብሉ ካብቶም ልቦም ንጸጋ ጐይታ ዕጽው ዝኾነ ረሲዓን ክንሕሎ ተማሕጺኖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዘቅረቦ ክፍሊ ወንጌል ሉቃስ 11.37 ኮይኑ ‘ኪዛረብ እንከሎ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኺምሳሕ ለመኖ፣ ስለዚ ኣትዩ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። እቲ ፈሪሳዊ ቅድሚ ምሳሕ ኪሕጸብ ስለዘይረአዮ ተገረመ። ሽዑ ጐይታና ‘ንስኻትኩም ፈሪሳውያን ንዝባን ጣሳን ጻሕልን ተጽርይዎ ኢኹም። ውሽጥኹም ግን ብኽፍኣትን ዓመጽን ዝመልአ እዩ። ኣንቱም ዓያሹ እቲ ንዝባኑ ዝፈጠረስ ንውሽጡ እውንዶ ኣይገብሮን እዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ እሞ መጽውቱ እንሆ እውን ኩሉ ጽሩይ ኪኾነልኩም እዩ።’ ዝብል ነበረ።

ሊቃውንቲ ሕጊ ብኢየሱስ ይዕንቐፉ!

ቅዱስነቶም ነቲ ተጻራሪ ዝመስል መንጎ ኢየሱስን ሕዝቡን ዝነበረ ፍቅርን እቲ ንሱ ዝገረብረሎም ሠናይ ነገራትን ይዝክሩ እሞ በንጻሩ ከኣ ጽልኢ ሊቃውንቲ ሕግን ጸሓፍትን ሰዱቃውያንን ፈሪሳውያንን ከጋግይዎ ሒዅ ዝብሉ ዝነበሩን ይዝክሩ ከምዚ ከኣ ይብሉ።

“እዞም ንርእሶም ዝጽድቁ ዝነበሩ ኣብ ንቡርን ግቡርን ዝደረቁ ነበሩ። ኮይኑ ግን ብደዎም ዝሞቱ ሕይወት ዘይብሎም ነበሩ። ኢየሱስ ከኣ ነዚ ባህርዮም ይፈልጦ ነይሩ። ኢየሱስ ሓጢኣት ክምሕር እንከሎ ብዕለተ ሰንበተ ኣይሁድ ክፍውስ እንከሎ ይወሓጠሎም ኣይነበረን በዚ ከኣ ይዕንቀፉ ነሮም። ብዛዕባ ህዝቢ ይግደሱ ኣይነበሩን፣ ዘገድሶም እቲ ሕግን ምሳኡ ዝነበረ ምልክታትን እዩ። እዚኣ ጐደለት እዚኣ ተፈጸመት እዩ ነሩ ጸገሞም። ንሶም ክዕንቀፉን ክቚጥዑን ኢየሱስ ግን ንኩነታቶም ግልጽ ኣቢሉ ኣቱም ልቅሉቃት መቃብር ይብሎም።”

ልቅሉቃት መቃብር!

ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ከምዝሰማዕናዮ ኢየሱስ ነቲ ፈሪሳዊ ዘቅረበሉ ናይ ምሳሕ ዕድመ ይቅበሎ ከመይ ነጻ ሰብ ነበረ ናቲ ዝዓደሞ እውን ይኸይድ። እቲ ፈሪሳዊ ግን ንልማድ ኣይሁድ ብዘይምኽባሩ ብኢየሱስ ይዕንቀፍ ኢየሱስ ከኣ ‘ንስኻትኩም ፈሪሳውያን ንዝባን ጣሳን ጻሕልን ተጽርይዎ ኢኹም። ውሽጥኹም ግን ብኽፍኣትን ዓመጽን ዝመልአ እዩ።’ እንክብል ነታ ሓቂ ተጒ የብላ።

“ጥዑማት ቃላት ኣይኮናን! ኢየሱስ ግብዝ ስለዘይነበረ ነታ ሓቂ ተጒ የብላ ነበረ። ዘረባኡ ንጹር ነበረ። ስለዝኾነ ከኣ ንምንታይ ኢኹም ብደገ ጥራይ ትጥምቱ ኣብ ውሽጢ እንታይ ከምዘሎ እባ ተዓዘቡ ይብሎም። ኣብ ካልእ ክፍሊ ወንጌል ከኣ ‘ኣንቱም ልቅሉቃት መቃብር’ ይብሎም። ትግብኦም ዘረባ እያ ነራ። ብደገ ጽቡቃት ፍጹማት ክመስሉ ይኽእሉ ብውሽጢ ግን ሬሳን በድንን ዝኾነ ቅንእን ክፍኣትን መሊእዎም ከምዘሎ ይነግሮም። ኢየሱስ ከስ ካብቲ ኣፍኣዊ ምስትምሳል ናብቲ ውሳጣዊ ሓቀኛ ኩነት ይሓልፍ። እዚኦም ሊቃውንቲ ግን ናይ ኣምሰሉነት ሊቃውንቲ ስለዝነበሩ ብደገ ፍጹማት ብውሽጢ ግን ጺእ ዝመልኦም ነበሩ። ስለዝኾነ ከኣ ንግቡዛት ብደገ ዝረኤ ነገር ጥራይ የገድሶም ነበረ።”

ግብዛት ዘገድሶም ኣምሰሉነት እዩ!

ቅዱስነቶም ኢየሱስ ንኣምሰሉነትን ግብዝናን ክሳብ ክንዲ ኣየናይ ይዂንን ከምዝነበረ ንምግላጽ ኣብቲ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ ዘቅርቦ ምሳሌ ካብቲ ናይ ኣምሰሉነት ጾምን ምጽዋትን ናይ ረኣዩለይ ስምዑለይ ኩነት ሓሊፎም ናብራ ግብዝነት ቶባ ኢሎም ክሓድጉ ይምሕጸን። ከመይ ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት ሎሚ እውን ኣብ መንጎና ከምዘለውን ስም ሰብ ከጥፍኡን ሕይወት ሰብ ክቐትሉን ክሳብ ገንዘብ ምኽፋል ድሕር ዘይብሉ ከምኡ እውን ሰባት ዘይወዓሉሉን ዘይገበርዎን ነገራት ከምዝገብርዎ ከም መልክዕ ዜና ንምቅራብን ሰባት ንምጽላምን ድሕር ዘይብሉ ሎሚ እውን ኣለው ኢሎም።  እቲ ጸገም ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ክንዮ እዚ ድርቅና እዝን ክንዮ እዚ ግብዝና እዝን ወትሩ ዓቢ ጸገም ከምዘሎ እዩ። ስለዚ ካብ ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት ምናዳ ከኣ ክርስትያን ምእመናንስ ይኹን ውሉደ ክህነት ክንጥንቀቅን ልብናን መንፈስናን ንጐይታ ክንከፍትን ብምዝኽኻር ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

16 October 2018, 18:19
ንኩሉ ኣንብብ >