2018.10.23 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.10.23 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

ተስፋና ትሕዝቲ እያ! ንሳ ኸኣ ምስ ክርስቶስ ንክትራኸብ ምንባር እያ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2018ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዛዕባ ተስፋ ኣብ ዝሰበኽዎ ‘ተስፋ ዘይጭበጥ ነገር ሱቚ ቢልካ ትህውትቶ ዘይኮነስ ብጭቡጥ መንገዲ ምስ ክርስቶስ ትራኸበሉን በቲ ምስ ጐይታ ዘራኽብ ናኣሽቱ ነገራትን ናኣሽቱ ርክባትን ዓጊብካን ተሓጒስካን ምኽኣል እዩ’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንጉዳይ ተስፋ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ኣውርድ ኣቢሎም ቅልል ብዝበለ መንገዲ ንክንርድኦ ኣብነት ሓንቲ ነፍሰጾር የምጽኡ እሞ እዛ ምሉእ ብምሉኡ ተስፋኣን እምነታን ኣብ ጐይታ እትገብር ሕያው ፍጡር ኣብ ከርሣ ሒዛ እትጐዓዝ ፍጥረት ካብ ጽንሲ ክሳብ ምላድ ናይቲ ሕጻን ብዓቢ ተስፋ ነቲ መጠን ኣልቦ ደስታ ምሕቋፍ ውሉዳ ትጽበ። ነቲ ገና ክውለድ ዘለዎ ኣብ ከርሣ ንዘሎ ዕሸል ከኣ ዕለት ዕለት ንከብዳ ብኢዳ ብምሽሓር ፍቅራ ትገልጸሉ። ተስፋ ክርስትያን እውን ልክዕ ከምኡ እዩ ከምቲ እዛ ነፍሰጾር ሓደ መዓልቲ ውላዳ ኣብ ብርሃን ዓለም ኣምጺእ ክትርእዮን ክትሓቚፎን ክትሕጐሶን ንዘለዋ ነገራት ብምሉእ ተስፋ ከምትጽበዮ ክርስትያን እውን ከምኡ ኣብ ዕለት ዕለት ምስ ኢየሱስ ዝገብሮ ንኣሽቱ ርክባት ተመስሪቱ ጥበብ ብዝመልኦ ኣገባብ ብሃንቀውታ እንክጽበ እዩ ኢሎም።

ዜግነትን ውርሻን!

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ኤፌውሶን 2.12-22 ዝተወስደ ኰይኑ “በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ነበርኩም፡ ምስ እስራኤል’ውን ርክብ ኣይነበረኩምን፡ ነቲ ተስፋ ኺዳን  እውን ኣጋይሹ፡ ብዘይ ተስፋ ነበርኩም፡ ኣብዚ ዓለም እዚ ድማ ብዘይ እግዚአብሔር ከም ዝነበርኩም ዘክርዎ። ቀደም ርሒቅኩም ነበርኩም ሕጂ ግና፡ ብሳላ ጸጋ ደም ክርስቶስ ብኣኡ ቐረብኩም። ንሱ ነታ ኣብ ሞንጎኦም ጋሪዱ ፈልዩዎም  ዝነበረ፣ ናይ መንደቕ ጽልኢ ብሥጋኡ ኣፍሪሱ፣ ክልተ ዝነበሩ ሓደ ሕዝቢ ዝገበሮም ዓራቒ እዩ። ንሱ ነቶም ክልተ ዝነበሩ ኣብ ርእሱ ሓደ ሓዲስ ሰብ ምእንቲ ክገብሮም ነቲ ጽሑፍ ሥርዓታትን ሕግታትን ዝነበረ ብሥጋኡ ኣፍሪሱ ሰላም ገበረ። ንኽልቲኦም ምስ እግዚአብሔር ዓሪቑ ሓደ ኣካል ምእንቲ ክገብሮም ብመስቀሉ ገይቱ ነቲ ዝጸንሔ ጽልኢ ኣብ ነፍሱ ቐተሎ። ንኣኻትኩም ርሑቕኩም ንዝነበርኩም ሰላም ኬበሥረኩም መጸ፣ ነቶም ኣብ ቀረባ ዘለው እውን ሰላም ኣበሠሮም። ብኣኡ ገይርና ክልቴና ናብ’ቲ ሓደ ኣቦና ብሓደ መንፈስ ንቐርብ ኣሎና።  እምበኣርከስ ደጊም ንስኻትኩም ንእግዚአብሔር ቤተሰቡን ማሕበር ቅዱሳኑን ኢኻትኩም እምበር ወጻእተኛታትን ኣጋይሽን ኣይኰንኩምን። ንኢየሱስ ክርስቶስ እምኒ መኣዝንኩም ገይርኩም ኣብ መሠረት ነቢያትን ሓዋርያትን ተሓኒጽኩም ኢኻትኩም። ቤተመቅደስ እግዚብሔር ምእንቲ ኪኸውን ኵሉ እቲ ህንጻ ኣብ ክርስቶስ እዩ ተኣሣሲሩ እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ። ንስኻትኩም’ውን ብመንፈስ ቅዱስ ማሕደት እግዚአብሔር ምእንቲ ክትኮኑ ምስ ካልኦት ትህነጹ ኣሎኹም” ዝብል ነበረ።

ብኢየሱስ ሰማያዊ ዜግነት ካብ ሃለወና መዋረስቲ ቅዱሳን ካብ ኮና ኸስ ዜግነትና ብጐይታ ዝሓወና ኰና ኣብታ ማሕበሩ ተሃኒጽና ኣብ ውሽጥና መንፈስ ቅዱስ ክህልወና ኣለዎ። በዚ ከኣ እግዚአብሔር ናብቲ ዘለዓለማዊ ውርሻ ገጽና ንክንምርሽ ይሕግዘና። እዚ ውርሻ እዚ ኣብ ጉዕዞና እናጠመትና ክሳብ መጨረሻ ምስ መረሽና እንረኽቦ እዩ።  ኮይኑ ከይደለኻ ሃሰስ ከይበልካ ዝርከብ ነገር ስለዘየልቦ ዕለት ዕለት ክንደልዮ ኣሎና። ነዚ ከይሰልከና ክንገብሮ ዝሕግዘና ከኣ እታ ተስፋ እያ። ዝነኣሰት መለኮታዊ ሓይሊ ትመስል ንክትርድኣ እውን ዝጸንከረት ትመስል ኰይኑ ግን እንኮ መንገድና ንሳ እያ። ከመይ ብተስፋ ስለዝደሓና ወትሩ ተስፋ ግበር ጨሪሽካ ከኣ ዝተተስፎኻዮ ኣይክትስእንን ኢኻ ከመይ እቲ ተስፋ ዝሃበ ቃለ ኣይዕጽፍን ኪዳኑ ከኣ ኣይጠልምን እዩ።

ተስፋ እንተደኣ ገርካ ዝተተስፋኻዮ ፈጺምካ ኣይክትስእኖን ኢኻ!

ከምቲ ቤተክርስትያን እትምህረና እተን ሰለስተ መለኮታውያን ሓይላት ማለት እምነት ተስፋ ፍቅሪ ኩሉ ካብ ኣምላኽ ዝወሃበና ጸጋ እዩ። እምነትን ፍቅርን ብዙሕ ተቃሊስካ ክትርደአን ክፍተን ይከኣል ናይ ተስፋ ግን ጽንክር ዝበለ እዩ። ተስፋ እንታይ እዩ እንተበልና ንመንግሥተሰማያት ምትስፋው ምስ ቅዱሳን ክትራኸብ ምትስፋው ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ዘለዎ ሕይወት ንምርካብ ምትስፋ ክንብል ንኽእል ኮይኑ እዚ ሰማይ ንብሎ እንታይ ኮን ይኸውን ኢሎም ይሓቱ እሞ ከምዚ ቢሎም ይምልሹ!

‘ብተስፋ ምንባር ማለት ንቅድሚት ምምራሽ ምግስጋስ እዩ! ሓደ ትበጽሖ ነጥቢ ወይ ትቅበሎ ሽልማት ኣልዩካ ናብኡ ገጽካ ምግስጋስ እዩ። እዚ ሽልማት እዚ ኣብዚ ክንረኽቦ ዘይከኣልና ዘለዓለማዊ ታሕጓስ እዩ። ኰይኑ እዚ ብቐሊሉ እርድኦ ኣይኮነን። ስለዚኸስ ትሕትና የድሊ ከመይ እዛ መልእልተ ባሕርያዊ ሓይሊ እዚኣ ብጣዕሚ ትሕቲ እያ። ኮይኑ ግን ፈጺም ዘይትጠልም ዘይተጣዕስ እያ። ብጭብጢ ኣብ ኢድና ዘላ እውን እያ። ምናልባት ኣብ ሓሳባትና ዋእ ነቲ ሰማያዊ ሕይወት ኣይፈልጦን ነቲ ዝጽበዮ ደኣ ከመይ እዩ ክብል እየ! ዝብል ሓሳብ ቅጅል ክብለና ይኽእል። ተስፋና ኣብቲ ዘለዓለማዊ ታሕጓስና ዝኾነ ኣብ ሰማይ ዝጽበየና ዘሎ ጐይታን ንኣኡ ንምርካብን ብምዃኑ ነዚ ከኣ በቲ ዘይዕጸፍ ቃሉ ስለዝነገረና ርግጽ እዩ ሓደ ሓሳብ ኣይኮነን። ኣብ ቦታ ታሕጓስ ኰንካ ደስ ኢሉካ ምንባር ኣይኮነን ንጐይታ ምርካብ ምሳኡ ምንባር እዩ። ተስፋናኸስ ምሳኡ ንክንራኸብ ሃንቀው እናበልና እንገብሮ ጉዕዞ እዩ።

ንውሉዳ ክትሓቑፍ ብምጽባይ እትነብር ነፍሰጾር!

ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃ 12.35-38 ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታ ዝገልጽ እሞ እቶም ተጊሆም ዝጽበይዎን መጺኡ ማዕጾ ኳሕኳሕ ምስ ኣበለ ብኡ ንብኡ ዝኸፍትዎን እሞ ክሳብ ክንደይ ዕደለኛታት ከምዝኾኑን የዘንቱ። ቅዱስነቶም ነዚ ንኽገልጹ ከምዚ ይብሉ።

“ብዛዕባ ተስፋ እንክሓስብ ሓደ ምስሊ ቅጅል ይብለኒ! ነፍሰጾር ሰበይቲ! ሕጻን እትጽበ ሰበይቲ! ናብ ሓኪም ትኸይድ ብኤኮግራፊ ዝብሃል መጋበሪ ገሪ ነቲ ኣብ ከርሣ ዘሎ ዕሸል ይርእዮ እሞ ጽቡቕ ኣሎ ምስ በላ ሕጉስ ትብል! ከምኡ ኣይኮነንድዩ! ብጣዕሚ ሕጉስቲ እያ! ዕለት ዕለት ከኣ ከብዳ ቀስ ኣቢላ ብኢዳ እናደረዘት ኣብ ብርሃን ዓለም ምምጻኡ ትጽበ ብተስፋ ከኣ ትነብር። እዚ ኣብነት እዚ ተስፋ እንታይ ምዃኑ ክገልጸልና ይኽእል ምስ ሓደ እትፈትዎ ክትራኸብ ሃንቀው ምባልን ከምእትረኽቦ ርግጸኛ ኰንካ ምጽባይን እዩ። ናብዛ ነፍሰጾር ክመልሰኩም እሞ እዛ ነፍሰጾር ምስ ኩሉ ቃልሳ እቲ ክውለድ ዘለዎ እቲ ክትረኽቦ ዘለዋ እቲ ብፍቅሪ ክትሓቊፎ ዘለዋ ሕጻን ከመይ ኮን ይኸውን ኢላ ኣብ እተሰላስለሉ ግዜ ሕብሪ ዓይኑስ ይኹን ተኽለ ቊምናኡ ሰሓቑስ ይኹን ኩሉ ኩነታት ከምዚዶ ይኸውን ከምዚ እናበለት ትጽበ። ልዕሊ ኩሉ ግን ምስቲ ፍረ ከርሣ ንእትራኸቦን ዝህባ ደስታን እናኣሰላሰለት ብተስፋ ትጽበ።”

በተን ዕለት ዕለት ዘጋጥማና ናኣሽቱ ርክብ ኢየሱስ ተሓጐስካ ምኽኣል!

ቅዱስነቶም እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስዎ ኣብነት ነፍሰጾር ሓደ ክልተ ብዛዕባ እንታይነት ተስፋ ክንሓትትን ክነስተንትንን ይዕደመና ኢሎም።

“ኣነ ከምዚ ክኸውን ተስፋ ኣሎኒ እንክንብል ብትሕዞ ብጭብጢ እንክንሓስቦ እንታይ ምበልናዮ! ዕለት ዕለት ምስ ኢየሱስ ስለእንራኸብ እዚ ተስፋ እዚ ክውን እዩ። ኣብ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባንን ይኹን ኣብ ጸሎትስ ይኹን ኣብ ቅዱስ ቃሉ ቃለ ወንጌልስ ይኹን ኣብቶም ኣምሳሉ ዝኾኑ ድኻታትስ ይኹን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትናስ ይኹን ከመይ ክልተ ወይ ሰለስተ ብስሙ ኣብ ዝተኣከብናሉ ንሱ ኣብ መንጎና ኣሎ ነፍሲወከፍ ርክብ ናብቲ ወሳኒ ዝኾነ ናይ መወዳእታ ርክብ የሰናድወና። ርግጽነት እውን ይህበና። እታ ተድልየናስ ኣብዘን ናኣሽቱ ምስ ኢየሱስ እንገብረን ናይ ዕለታዊ ሕይወትና ርክባት ንዘሎ ሓጐስ ክነለልዮን ደስ ክብለናን ናብቲ ወሳኒ ናይ መወዳእታ ርክብ ብግቡእ ክንሰናዶን የድሊ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ስብከቶም እንክዛዝሙ ኣብታ መንነት ውርሻን ዝብላ ቃላት ምልስ ይብሉ እሞ በቲ ዝተዓደልናዮ መንነትን ክንወርሶ ናብኡ ገጽና እንምርሽ ዘሎና ዘለዓለማዊ ውርሻን ብተስፋ ንቅድሚት ከምእንግስግስ ዝገብረና ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ ከም ክርስትያን እዚ ነገርዚ ጭቡጥ ምዃኑ ኣሚና ክንጐዓዝ እንተዘየለ ክርስትናና ከምዘጠራጥር ብምግላጽ ስብከቶም ዛዚሞም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
23 October 2018, 19:00
ንኩሉ ኣንብብ >