2018.10.18 መሥዋዕቲ ቅዳሴ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ! 2018.10.18 መሥዋዕቲ ቅዳሴ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ!   (Vatican Media)

ኣብ ግዜ ስደትን በይንኻ ምትራፍን ዘድልያ ነገራት ካብ ንዋይ ዝተፈልየ ልብን ትዕግሥትን እየን! ር.ሊ

ሎሚ ሓሙስ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2018 ዓምፈ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤተመቅደስ ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሕይወት ክርስትና ብድኽነት ንምምባር ሠለስተ መንግድታት ከምዘለዋ ሎሚ ብዙሓት ክርስትያን ስለወንጌል ኣብ ዝስደዱሉ ከምዘለው ክንዝክርን ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዘቅረብወን ሠለስተ መንገድታት ድኽነት ብመጀመርያ ንኩሉ ሃብቲ ምሕዳግ ማለት ብልብኻ ምስ ገንዘብ ከይትጠብቅ ምጥንቃቅ ካልኣይ ስለወንጌል ንዝመጸካ ስደት ይዕበ ይንኣስ ወላ ነቲ ሕሜትን ስም ምኽፋእን ምቅባል ብሣልሳይ ደረጃ ከኣ ናይ ሰብ ድኽነት በይንኻ ብሕትኻ ኮይኑ ኣብ ዝስመዓካ ናይ ሕይወት ክፍሊ ነዚ እውን ምቅባል ኢሎም።

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓል ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ዘኪራ እንክትውዕል ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃ 10.101-9 ኮይኑ ብዛዕባ ምልኣኽ 72 ኣርድእትን ክገብርዎን ክኽተልዎን ዝነበሮም መምርሒታትን ዝምልከት ኮይኑ ‘ኪዱ ኣነ ከም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ እልእኸኩም ኣሎኹ። ሳንጣ ወይ ከረጢት ወይ ኣሳእን ኣይትማልኡ ኣብ መንገዲ ኸኣ ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ዝኣቶኹምዎ ቤት መጀመርያ ‘ሰላም ነዚ ቤት እዚ ይኹን’ በሉ’ እንክብል ሓደ ሰባኬ ወንጌል ክገብሮ ዘለዎ ነገራት ይዝርዝር።  በዚ ከኣ ረድኢ ክርስቶስ ተኸታሊ ክርስቶስ ልኡኽ ክርስቶስ ክኸውን ዝደሊ ኣብ ገንዘብን ሃብትን ክጠብቅ ከምዘይብሉ እንተደኣ እዚ ጸገም ኣልዩ ሓቀኛ ረድኢ ከምዘይኮነ ምልክት እዩ እንክብሉ ከኣ ቅዱስነቶም ገሊጾም።

ረድእሲ ብልቡ ካብ ሃብቲ ተፈልዩ ድኻ ድኣ ይኹን!

ቅዱስነቶም ንምሉእ ትሕዝቶ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሓደ ሓዋርያ ሓደ ሰባኺ ወንጌል ካብ ሃብቲ ጨሪሱ ክፍለ ከምዘለዎ ብምግላጽ ብድኽነት ክነብር ኣለዎ ምስ በሉ ነዚ ከኣ ብሰለስተ መንገዲ ይገልጽዎ። ብመጀመርያ ንኩሉ ሃብቲ ምሕዳግ ማለት ብልብኻ ምስ ገንዘብ ከይትጠብቅ ምጥንቃቅ እንክኾን ሓደ ሓዋርያዊ ንጐይታ ብሓቂ ክኽተል እንተኾይኑ እዚ መጀመሪ እዩ። ድኻ ልቢ ክህልዎ የድሊ። ኣብዚ ምናልባት ኣብ ስብከተወንጌል ንእንጥቀመሉ ዝተፈላለየ ተቊዋማትን ቤትጽሕፈታትን ጽፍሕታትን ከም ሃብቲ ክረኤ ይከኣል ግን ክንጥቀመሉ ጥራይ እምበር ምሳኡ ክንጠብቅ ወይውን ኣብ ምዕቃቡን ሓለዋኡን ጥራይ ክነድህብ የብልናን። ኣብነት ዝኾነና እቲ ኣብ ወንጌል እንረኽቦ ሃብታም መንእሰይ ሃረርታ ፍጽማናኡ ክሳብ ኢየሱስ ከምዘፍቅሮ ዝገበረ ኮይኑ ግን ብዙሕ ሃብቲ ስለዝነበሮ እናጐሃየ ነቲ ፍቅሪ ኢየሱስ ዝቈጸየ ምዝካር የድሊ። ልቡ ምስ ሃብቱ ተጣቢቁ ዝነበረ ሓንቲ ክገብር ኣይከኣለን።

ካልኣይ ስለወንጌል ንዝመጸካ ስደት ይዕበ ይንኣስ ወላ ነቲ ሕሜትን ስም ምኽፋእን ምቅባል እዩ!

ካልአይ ክፋል ናይ ድኽነት እታ ስለ ስብከተወንጌል እንቅበላ ስደት እያ። ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ‘ከም ኣባጊዕ ኣብ መንጎ ተዃሉ እልክእከኩም ኣሎኹ’ ዝብል ንረክብ። ሎሚ እውን እንተኾነ ስለ ወንጌል ዝስደዱን ስሞም ዚኸፍእን ከምዘለው ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ትማሊ ኣብ ሲኖዶስ መንእሰያት እከሎና ሓደ ኣብ ትሕቲ ስደት ካብ ዝነብሩ ዝመጸ መንእሰይ ንቤተክርስትያን ካብ ዝጸልኡ ኣኽረርቲ ብዝተበገሰ ጸገም ተሃሪሙ ኣብ ሓደ ጒድጓድ ተደርብዩ ኣብ ልዕሌኡ ዘሎን ዘየሎን ጐሓፍ ደርብዮም ኣብ መወዳእታ እቲ ሓመድን ጭቃን ጐሓፍን ክሓንቆ ምስ ቀረበ ‘ንመጨረሻ ግዜ ንኢየሱስ ክርስቶስ እኽሕድ በል’ ይብልዎ” ንሱ ከኣ ዘላ ዘየላ ትንፋሱ ኣኪቡ ‘ኣይፋል’ ይብሎም። ዓቢ ደንጎላ ደፊኦም ኣብ ርእሲኡ ብምውዳቅ ቀተልዎ። ኩልና ብዓቢ ሓዘን ሰሚዕናዮ። እዚ ዝብለኩም ዝሎኹ ኣብ ቀዳማይ ክፍለሰመን ኣይኮነን። ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝኾነ እዩ። ሓደ ኣብነት እዩ። ንምዃኑ ሎሚ ከም ሎሚ ክንደይ ክርስትያን ከምዚ ዓይነት ስደት የጓንፎም ኣሎ። እንክብሉ ብዛዕባ ስደት ምስ ተዛረቡ ካልእ ዓይነት ስደት ከምዘሎ እውን ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

ናይ ሕሜታ ስደት ናይ በላቤለው ስደት እንከጓንፍ ወዮ ክርስትያን ከኣ ሱቕ ይብል ይጻወሮ እዚ እቲ ካልእ ድኽነት እዩ። ሓንሳእ ሓንሳእ ዕንቅፋት ንከይትኸውን ንምክልኻል እተወፍዮ ናኣሽቱ ስደታት ኣብ ከባቢና ኣብ ቊምስናና የጋጥሙ። ኣዳቂቅካ እንክትጥምቶም ናኣሽቱ ይመስሉ ኮይኑ ግን ፈተነ እዩ ፈተነ ድኽነት። እምበኣርከስ እዚ እዩ እቲ ጐይታ ዚሓቶ ካልኣይ ድኽነት እዩ። እቲ ቀዳማይ ድኽነት ንሃብቲ ምግዳፍ ልቡ ምስ ሃብቲ ምንም ርክብ ከምዘይብሉ ምርግጋጽ እዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ብትሕትና ንስደት ምቅባል እንክኾን እዚኣ ከኣ ካልአይቲ ድኽነት እያ።

ሣልሳይ ከኣ ናይ ሰብ ድኽነት በይንኻ ብሕትኻ ኮይኑ ኣብ ዝስመዓካ ናይ ሕይወት ክፍሊ!

ሣልሳይ ከኣ ናይ ሰብ ድኽነት በይንኻ ብሕትኻ ኮይኑ ኣብ ዝስመዓካ ናይ ሕይወት ክፍሊ ነዚ እውን ምቅባል ኢሎም። ነዚ ድኽነት እዚ ኣብነት ዝኾነና ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ 2ጢሞ 4.10 እቲ ዓቢ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ምሳኡ እንትርፊ ሉቃስ ወላ ሓደ ከምዘይተረፈ እቲ ዚኣምኖ ዝነበረ ‘ዴማስ’ ከይተረፈ ከምዝገደፎን በይኑ ከምዝተረፈን ይገልጽ። ኮይኑ ግን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዘይገደፎን ወትሩ ከምዝረድኦን ይገልጽ። ቅዱስነቶም ነዚ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ክውን ኩነታት ዘመንና ምልስ ይብሉ እሞ ሎሚ እውን ደቂ 17 ወይ 20 ዓመት ንኩሉ ገዲፎም ንኢየሱስ ክስዕቡ እንከለው ዘጋጥሞም ስደትን መከራን ብምዝካር ነዚ ኩሉ ስም ምኽፋእን ዕለታዊ ስደትን ቅንእን ብጽንዓትን ምትእምማንን ክጻወርዎ እንክንምልከት ጐይታ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ‘ባሕታውነት’ እውን ከም ሓደ መልክዕ ድኽነት ክሕተት ይከኣል ኢሎም።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ካብ ደቂኣንስትዮ ካብ ዝተወልዱ ዚዓበየ ሰብ ማለት ኢየሱስ ዝመስከረሉ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ እዝክር። እዚ ዓቢ ሰባኺ እዚ ኩሎም ምእንቲ ክጥመቁ ናብኡ ይመጹ ነሮም። ፍጻሜኡ ከመይ ነበረ እንተበልና! ንብሕቱ! በይኑ ኰይኑ ኣብ ቤትማእሰርቲ ኮነ! እስኪ ሕሰብዎ ኣብ ቸላ ቤትማእሰርቲ ምዃን እንታይ የስምዕ ብዝገደደ ከኣ ኣብቲ ዘመን እቲ በይኑ ዝተረሰዔ ኣብ መወዳእታ ብጽልኢ ሓንቲ ዘማዊት ሰበይትን ክፍኣተ ግብሪ ሓንቲ ጓልን ክሳዱ ብሓደ ንጉሥ ዝተመንጠለ እዩ። እቲ ዓቢ ዝበልናዮ! ካብ ኣንስቲ ካብ ዝተወልዱ ልዕሊ ዘየሎ ሰብን ከስ መወዳእታኡ ከምዚ ኮነ። ርሑቅ ከይከድና ኣረጋውያን ክንክን ኣብ ዝረኽቡሎም ገዛውቲ ካህናትን ደናግልን ከይተረፉ ዝርከቡሉ ኣብ መወዳእታ በይኖም ባሕታውያን ኮይኖም ይተርፉ ዝዝክሮም ማንም የለን። ነዚ እውን ከም ሳልሳይ ኩነት ድኽነት ክንዝክሮ የድሊ።

ስለዚኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም ስለዚኸስ ኩሎም ሓዋርያት ክርስቶስ ክኾኑ ዝመርጹ መንገዲ ድኽነት ክመርጹ ኣለዎም: እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
18 October 2018, 19:21
ንኩሉ ኣንብብ >