ድለ

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

በእከይየ ኢልካ ሓጢኣትካ ምእማን ንክርስቶስ ንምፍላጥን ንምቅባልን ዝግበር ቀዳማይ ስጒምቲ እዩ! ር.ሊ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሓሙስ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2018 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተግባር ዘይብሎም ናይ ዘረባ ክርስትያን ጥራይ ኰና ከይንተርፍን ንፍቅሪ ክርስቶስ ክነለሊ እሞ ሕይወት ምስ ክርስቶስ ክንጅምር ዝሕግዘና ሓጢኣተኛታት ምዃና ፈሊጥናን ተኣሚናን ናብኡ ገጽና ምጉዓዝ ቀዳመይቲ ስጉምቲ ምዃና ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ንባባት ተመርኲሶም ብጭቡጥ ሕቶ ‘ክርስቶስ ንዓኻ መን እዩ!’ ክብሉ ስብከቶም ጀሚሮም። እዚ ንሶም ዝብልዎ ዘይኮነስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ክርስትያን ኢና ተኸተልቲ ክርስቶስ ኢና ክንብል ዝሰምዑና ‘ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓኻ መን እዩ’ ዝብል ቀዳማይ ሕቶ ምዃኑን ንሕና ከኣ በዘልማድ ኣብ ዝተመሃርናዮ ትምህርተ ክርስቶስን ካልእ ነገራትን ሃሰውሰው እናበላን ‘ኢየሱስ ክርስቶስ መድኀኔ ዓለም እዩ! ወልደ እግዚአብሔር እዩ’ እናበልና ነቲ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ዝተመሃርናዮ ንደግም። ኮይኑ እታ ዝኸበደት ሕቶ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ናይ ግሊ ሕይወትካ ኣቲኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓይ መን እዩ እትብል ሕቶ ኮይና እዛ ሕቶ እዚኣ ሓንሳእ ሓንሳእ ብሕፍረት ከም እንወሓጥ እውን ክትገብረና ትኽእል ከመይ ንክምልሻ ኣብ ልበይ ክምለስ ኣሎኒ ካብቲ ምስ ኢየሱስ ዘሎኒ ርክብ ተመኲሮ ነቂለ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓይ እዚ እዩ ወይ ከምዚ እዩ ክብል እንተዘይክኢለ ጸገም እዩ። ስለዚኸስ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ናይ ግሊ ተመኲሮና ምስ ኢየሱስ ካብ ዘሎና ግላዊ ርክብ ክነቅል የድሊ።

ከም ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ግላዊ ተመኲሮ ምንቃል የድሊ!

ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌውሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ 3.14-21 ‘ኣብ ርእሲ ኩሉ እታ ናይ ጽድቂ ሠንሰለትን መሠረትን ዝኾነ ፍቅሪ ትሃልውኩም። ናብ`ቲ ሓደ ዝኾነ ኣካለ ሰውነት ክርስቶስ ኢኻትኩም ተጸዊኩም ዘሎኹም እሞ መለስት ሞሳ ኩኑ . . . እቲ ብቃል ኮነ ብግብሪ እትገብሩዎ ኩሉ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ግበሩዎ ብእኡ ገይርኩም ከኣ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ኣመስግንዎ’ ይብል እሞ ኣብ ስድራቤት ብወገን ወለድስ ይኹን ዉሉድ ብወገን ደቂኣንስትዮስ ይኹን ደቂተባዕትዮ ከመይ ኢሎም ኪካየዱ ከምዘለዎም ይምዕድ።  ነዚ ዝብለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ ንባዕሉ ነቲ ብተመኲሮ ሕይወቱ ዝፈልጦ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ከሰብኽን ከፍልጥን ዝወፈረ። እታ ቀዳመይቲ ተመኲሮኡ ኣብ መንገዲ ካብ ፈረስ ምስ ወደቀ እዩ እምበር ብፍልስፍናን ብትምህርተ መለኮትን ኣይኮነን።

“ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ንሱ ዝሰምዖ ንሕና ኩልና ክርስትያን ክንሰምዖ ይደሊ። ነታ ንቅዱስ ጳውሎስ ‘ጳውሎስ ክርስቶስ ንዓኻ መን እዩ!’ እነቅርባ ንሱ ንዘጓነፎ ንተመክሮኡ እዩ ከምዘላታ ዘዘንትወልና። ንሳ ኸኣ ‘ክርስቶስ ኣፍቅሩኒ ምእንታይ ከኣ ተወፍዩ’ እያ ትብል። ኮይኑ ኣብኣ ተዓኒዱ ኣይተረፈን እጃሙ ኣበርኪቱ እዩ። ናብቶም ሰብ ኤፌውሶን ኣብ ዝጽሕፋ መልእኽቱኸስ እቶም ሰባት ነዚ ተመኲሮ እዚ ክካፈሉ እሞ ነፍሲ ወከፎ ክርስቶስ ንኣይ ‘ኣፍቂሩኒ ምእንታይ ከኣ ተወፍዩ’ ክብሉ ይደሊ ኮይኑ ግን ብዘረባ ዘይኮነ ብተመኲሮ ነቲ ዘስተማቀርዎ ከካፍሉ ይምነ።”

ብፍቅሪ ዝተሓርየ ግንከ ሓጢኣተኛ!

ኣብቲ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ኢየሱስ ዘስተማቀሮ ተመኲሮ ድሕነት ንክንበጽሕ ይብሉ ቅዱስነቶም ከምቲ እንገብሮ ጸሎተ ሃይማኖት ብዙሕ ግዜ ምድጋም ይሕግዝ እዩ ኮይኑ ግን እታ ዝበለጸት ስጉምቲ ቅድሚ ዝኣገረ ሓጢኣተኛታት ምዃና ምፍላጥ እዩ እዚኣ ኸኣ ቀዳመይቲ ስጉምቲ እያ። ቅዱስ ጳውሎስ ኢየሱስ ምእንታይ ተወፍዩ ክብል ከሎ ንዕዳ ሓጢእቱ ምእንቲ ክኸፍል በጃ ኮይኑ ማለት እዩ ነዚ ከኣ ኣብ መልእኽታቱ የዘንትዎ።

“ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝህባ ቀዳመይቲ መግለጺኸስ ሓጢኣተኛ ምዃኑ እዩ ነዚ ንክርስትያን ብምስዳድ ከምዘጋደዶ እንክነግር ኣብዚ ዚዓበየ ግብሪ ኣብ ዝወፈረሉ ግዜ ጐይታ ከምዝሓረዮ ስለዚ ‘ስለፍቅሪ እተሓርየ ኮይኑ ግን ሓጢኣተኛ’ ኢሉ ንገዛእ ርእሱ የፋልጥ። ኣብ ምሥጢረ ክርስቶስ ንምእታው ንኢየሱስ ክርስቶስ ንምፍላጥ ክግበር ዘለዎ ቀዳማይ ስጉምትኸስ ሓጢኣትካ ምእማን ሓጢኣትካ ምፍላጥ እዩ። ኣብ ምሥጢረ ንስሓ እንክንቀርብ በእከይየ በእከይየ ኢልና ሓጢኣትና ንዝርዝር ኮይኑ ግን ሓጢኣትካ ምንጋር ሓደ ጉዳይ እንክኸውን ብባህርና ሓጢኣተኛታት ምዃና ምቅባልን ምእማንን ኩሉ ሓጢኣት ክንገብር እንኽእል ብርስሓትና ብሓጢኣትና ምእማን ከኣ ካልእ ጉዳይ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ምስኪንነቱ ምስ ፈለጡ መን እዩ ዝኸፍለለይ ንክድሕን ወሉድ እግዚአብሔር ንክኸውን መን እዩ ዝኽሕሰለይ ይብል ነበረ። ንሕና ኩልና ከምኡ ኢና ክትብሎን ክስመዓካን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መሥዋዕትነት ግድን ኮነ። ስለዚኸስ ብጭቡጥ ሕፍረት እናተሰማዓና ሓጢኣተኛታት ምዃና ንተአመን። ክርስትናና ብቃል ጥራይ ዘይኮነ ንክርስቶስ ብሓቂ ክንፈልጦ ኣሎና።”

ናይ ዘረባ ክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ንክርስቶስ ምፍላጥ የድሊ!

ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምፍላጥ ካልኣይ ስጉምቲ ኣሎ እዚ ኸኣ ናይ ኣስተንትኖን ናይ ጸሎትን ደረጃ እዩ። ንኢየሱስ ክርስቶስ ንክትፈልጥ ጸጋ ክትልምን ክተስተንትን ግድን እዩ። ናይ ሓደ ቅዱስ ጽብቅቲ ጸሎት ኣላ ‘ኦ ጐይታ ንክፈልጠካን ንክትፈልጠንን ጸጋኻ ዓድለኒ’ ትብል። እዚ ከኣ ንገዛእ ርእስና ምፍላጥን ንኢየሱስ ምፍላጥን የጠቃልል። ስለዚኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም ሰለስተ ኣርባዕተ ቃላት ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዝተዛረብካ ተኸታሊኡ ፈላጢኡ ኰይኑ ከይስመዓካ ንኢየሱስ ምፍላጥ ምፍቃር ኮንዶኾን ዘለዎ ሓደገኛ ጉዕዞ ዳህሳስን እዩ። ከመይ ፍቅሪ ኢየሱስ መወዳእታ የብሉን።

“ባዕሉ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዝብሎ ‘ንሱ ክንዮ እንሓስቦን እንልምኖን ዝለዓለ ክገብር ኩሉ ሓይሊ ኣለዎ። ናይ ምግባር ክእለት ኣለዎ ኮይኑ ግን ክንልምኖ ኣሎና። ‘ኦ ጐይታይ ንክፈልጠካ ሓግዘነኒ ከመይ ብዛዕባኻ እንክዛረብ ከም ሕንጻይ ዘረባ ምድግጋም ዘይኮነስ ካብ ልበይ ካብ ተመኲሮይ ዝምንጩ ቃላት ብዛዕባኻ ክዛረብ ሓግዘኒ፣’ ንበሎ። ከም ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ‘ኢየሱስ ኣፍቂሩኒ ምእንታይ ከኣ ተወፍዩ’ ንክንብል ነዚ ከኣ ብምሉእ ተኣማንነት ክንብሎ የድሊ። ሓይልናኸስ እዚኣ እያ! ምስክርነትናውን እዚኣ እያ። ናይ ዘረባ ክርስትያን መሊኦም ኣለውና ንሕና እውን ብዙሕ ግዜ ናይ ዘረባ ክርስትያን ኢና። እዝስ ቅድስና ነይኮነ! ቅድስናስ ነቲ ኢየሱስ ኣብ ልብና ዝዘርኦን ኣብ ሕይወትና ንዘስተምሃሮን ብምግባር ዝንበር ክርስትና እዩ። ስለዚኸስ ዕለት ዕለት ንጐይታናን ንገዛእ ርእስናን ንክንፈልጥ ምጽላይ የድሊ።”

ንጐይታናን ንገዛእ ርእስናን ንክንፈልጥ ዕለት ዕለት ምጽላይ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ነተን ንኢየሱስ ንምፍላጥ ይሕግዛና ዝበልወን ክልተ ቀንዲ ስጉምታት ከምዚ ክብሉ ተንቲኖም።

“ቀዳማይ ስጉምቲ ገዛእ ርእስና ምፍላጥ! ሓጢኣተኛታት ምዃና ምፍላጥ። ብዘይካ እዛ ፍልጠት እዚኣ ከምኡ እውን ሓጢኣተኛ ምዃነይ ብልበይ ኣብ ውሽጢ ሕልናይ ብዘይምንዛዝ ንቅድሚት ክንስጉም ፈጺምና ኣይንኽእልን። ካልኣይ ስጉምቲ፥ ንጐይታ ብጸሎት ምልማን ከመይ በቲ ዓቢ ሓይሉ ገቢሩ ንምሥጢር ኢየሱስ ከምእንፈልጥ ክገብረና ነቲ ንሱ ናብዛ መሬት ዘምጽኦ ሓዊ ገቢሩ ከኣ ከብርሃልና ምልማኑ። ዕለት ዕለት ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ሁመት ‘ኦ ጐይታ ንኣኻ ንኽፈልጥን ንስኻ ንክትፈልጠንን ኣብርሃለይ’ ቢልካ ናይ ምጽላይ ልምዲ እንተነጥሪ ክንደይ ኮን ምጠዓመ በዚ ከኣ ንቅድሚት ምሰጐምና።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
25 October 2018, 19:28
ንኩሉ ኣንብብ >