በእከይየ ኢልካ ሓጢኣትካ ምእማን ንክርስቶስ ንምፍላጥን ንምቅባልን ዝግበር ቀዳማይ ስጒምቲ እዩ! ር.ሊ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ንባባት ተመርኲሶም ብጭቡጥ ሕቶ ‘ክርስቶስ ንዓኻ መን እዩ!’ ክብሉ ስብከቶም ጀሚሮም። እዚ ንሶም ዝብልዎ ዘይኮነስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ክርስትያን ኢና ተኸተልቲ ክርስቶስ ኢና ክንብል ዝሰምዑና ‘ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓኻ መን እዩ’ ዝብል ቀዳማይ ሕቶ ምዃኑን ንሕና ከኣ በዘልማድ ኣብ ዝተመሃርናዮ ትምህርተ ክርስቶስን ካልእ ነገራትን ሃሰውሰው እናበላን ‘ኢየሱስ ክርስቶስ መድኀኔ ዓለም እዩ! ወልደ እግዚአብሔር እዩ’ እናበልና ነቲ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ዝተመሃርናዮ ንደግም። ኮይኑ እታ ዝኸበደት ሕቶ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ናይ ግሊ ሕይወትካ ኣቲኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓይ መን እዩ እትብል ሕቶ ኮይና እዛ ሕቶ እዚኣ ሓንሳእ ሓንሳእ ብሕፍረት ከም እንወሓጥ እውን ክትገብረና ትኽእል ከመይ ንክምልሻ ኣብ ልበይ ክምለስ ኣሎኒ ካብቲ ምስ ኢየሱስ ዘሎኒ ርክብ ተመኲሮ ነቂለ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓይ እዚ እዩ ወይ ከምዚ እዩ ክብል እንተዘይክኢለ ጸገም እዩ። ስለዚኸስ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ናይ ግሊ ተመኲሮና ምስ ኢየሱስ ካብ ዘሎና ግላዊ ርክብ ክነቅል የድሊ።
ከም ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ግላዊ ተመኲሮ ምንቃል የድሊ!
ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌውሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ 3.14-21 ‘ኣብ ርእሲ ኩሉ እታ ናይ ጽድቂ ሠንሰለትን መሠረትን ዝኾነ ፍቅሪ ትሃልውኩም። ናብ`ቲ ሓደ ዝኾነ ኣካለ ሰውነት ክርስቶስ ኢኻትኩም ተጸዊኩም ዘሎኹም እሞ መለስት ሞሳ ኩኑ . . . እቲ ብቃል ኮነ ብግብሪ እትገብሩዎ ኩሉ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ግበሩዎ ብእኡ ገይርኩም ከኣ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ኣመስግንዎ’ ይብል እሞ ኣብ ስድራቤት ብወገን ወለድስ ይኹን ዉሉድ ብወገን ደቂኣንስትዮስ ይኹን ደቂተባዕትዮ ከመይ ኢሎም ኪካየዱ ከምዘለዎም ይምዕድ። ነዚ ዝብለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ ንባዕሉ ነቲ ብተመኲሮ ሕይወቱ ዝፈልጦ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ከሰብኽን ከፍልጥን ዝወፈረ። እታ ቀዳመይቲ ተመኲሮኡ ኣብ መንገዲ ካብ ፈረስ ምስ ወደቀ እዩ እምበር ብፍልስፍናን ብትምህርተ መለኮትን ኣይኮነን።
ብፍቅሪ ዝተሓርየ ግንከ ሓጢኣተኛ!
ኣብቲ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ኢየሱስ ዘስተማቀሮ ተመኲሮ ድሕነት ንክንበጽሕ ይብሉ ቅዱስነቶም ከምቲ እንገብሮ ጸሎተ ሃይማኖት ብዙሕ ግዜ ምድጋም ይሕግዝ እዩ ኮይኑ ግን እታ ዝበለጸት ስጉምቲ ቅድሚ ዝኣገረ ሓጢኣተኛታት ምዃና ምፍላጥ እዩ እዚኣ ኸኣ ቀዳመይቲ ስጉምቲ እያ። ቅዱስ ጳውሎስ ኢየሱስ ምእንታይ ተወፍዩ ክብል ከሎ ንዕዳ ሓጢእቱ ምእንቲ ክኸፍል በጃ ኮይኑ ማለት እዩ ነዚ ከኣ ኣብ መልእኽታቱ የዘንትዎ።
ናይ ዘረባ ክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ንክርስቶስ ምፍላጥ የድሊ!
ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምፍላጥ ካልኣይ ስጉምቲ ኣሎ እዚ ኸኣ ናይ ኣስተንትኖን ናይ ጸሎትን ደረጃ እዩ። ንኢየሱስ ክርስቶስ ንክትፈልጥ ጸጋ ክትልምን ክተስተንትን ግድን እዩ። ናይ ሓደ ቅዱስ ጽብቅቲ ጸሎት ኣላ ‘ኦ ጐይታ ንክፈልጠካን ንክትፈልጠንን ጸጋኻ ዓድለኒ’ ትብል። እዚ ከኣ ንገዛእ ርእስና ምፍላጥን ንኢየሱስ ምፍላጥን የጠቃልል። ስለዚኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም ሰለስተ ኣርባዕተ ቃላት ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዝተዛረብካ ተኸታሊኡ ፈላጢኡ ኰይኑ ከይስመዓካ ንኢየሱስ ምፍላጥ ምፍቃር ኮንዶኾን ዘለዎ ሓደገኛ ጉዕዞ ዳህሳስን እዩ። ከመይ ፍቅሪ ኢየሱስ መወዳእታ የብሉን።
ንጐይታናን ንገዛእ ርእስናን ንክንፈልጥ ዕለት ዕለት ምጽላይ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ነተን ንኢየሱስ ንምፍላጥ ይሕግዛና ዝበልወን ክልተ ቀንዲ ስጉምታት ከምዚ ክብሉ ተንቲኖም።