2018.09.20 ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.09.20 ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ኢየሱስ ሓቀኛ ፍቅሪ እንክምህር ዲያብሎስ ግን ንግቡዛት ከም መጋበሪ ይጥቀም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 20 መስከረም 2018 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረጕኦ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ከም ኢየሱስ መሓርቲ ክንከውን እምበር ንማንም ክንኲንን ከምዘይብልናን ንክርስቶስ ከኣ ዓንዲ ማእከል ሕይወትና ንግበር` ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብ ናይ ሎሚ ግጽው ዘቅረቦ ወንጌል ካብ ሉቃስ ኮይኑ 7.36-50 ኮይኑ ብዛዕባ እታ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተንበርኪኻ ክቡር ዋጋ ዘለዎ ሽቱ ገራ እግሩ ብምቅባእን ብንብዓታ ብምጥልቃይን ብጸጉራ ብምድራዝን ምሕረት ዝሓተት እሞ ኢየሱስ ከኣ ብዙሕ ስለዘፍቅረት ሓጢኣታ ከምዝተሓድጋ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ።  

ቅዱስነቶም ምሕረትን ይቅርታን ኢየሱስ ሎሚ እውን ንኩልና ከምዘድልየና ምናዳ ከኣ ነታ ብኣና ብሓጢኣተኛታት ዝቆመት ቤተክርስትያኑ ከምዘድልያ ከይሓብኡ `ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤተክርስትያና ብምሕረቱን ይቅሬታኡን ገቢሩ ክከላኸለላ ንማህለል፣ ከም ኣደ ቅድስቲ እያ ኮይኑ ግን ከማና ብዝኣመሰሉ ሓጢኣተኛታት መሊኣ ስለዘላ ምእንታኣ ንጸሊ` እንክብሉ ከምታ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ብዙሕ ክነፍቅር እሞ `ብዙሕ ሓጢኣት ተሓዲጉልኩም ብዙሕ ስለዘፍቅርኩም` ክብለና እዩ ከመይ ኢየሱስ ወትሩ ንንእሽቶ ተግባር ፍቅሪ እዩ ዝምልከት ኢሎም።

ኢየሱስ ወትሩ ንንእሽቶ ተግባር ፍቅሪ እዩ ዝምልከት

ቅዱሰንቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ንባባት ተመርኲሶም ንደቂሰባት ኣብ ሠልስተ ጉጅለ ከፊሎም ኣቅሪቦም። ቀዳማይ ኢየሱስን ሓዋርያቱን ካልኣይ ቅዱስ ጳውሎስን እዛ ሓጢኣታ ዝተሓድገላ ሰበይትን ብሳልሳይ ደረጃ ከኣ እቶም ንኩሉ ዝኸሱ ሊቃውንቲ ሕጊ ኢሎም። ከምቲ ቃለ ወንጌል ዘርዚሩ ዝገልጾ እታ መንቀሊ ናይ ስብከቶም ዝኾነ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ከምቲ ልማድን ሕግን ብሕቡእ ብምሥጢር እያ ናብ ኢየሱስ ክትከይድን ከም ኒቆዲሞስ ጸልማት ተጐልቢባ መሓረኒ ክትብል ትጽቢት ነሩ ወይውን ከምቲ ምሕረት ኣልቦ ሊቃውንቲ ዝብልዎ ብእምኒ ክትውገር ነርዋ፣ ኮይኑ ግን ሓጢኣተኛ ምዃና ክትሓብእ ኣደለየትን ናብ ኢየሱስ ከኣ ብፍቅሪ እኳ ደኣ ብዓቢ ፍቅሪ ትቀርብ ምሕረት ከኣ ትኸስብ። ቅዱስ ጳውሎስ እውን ከምቲ ኣብ መልእኽቱ ዘረጋግጾ ‘እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ’ (1ቆሮ 15.3)ይብል። ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ፍቅሪ ጐይታ ተላዒሉ ብዓቢ ቅንኣት ይንቀሳቀስ ነሩ። ኣብ ሕጊ ኦሪት ሃሰስ ኢልዎ። እዚ ግን ክሳብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝግለጸሉ ልቡ ዓጺይዎ ነበረ። ንክርስትያን የሳድድ ነሩ። ኮይኑ ግን እዚ ፍቅሪ እዚ ብሱል ኣይነበረን። ማዕረ ማዕረ እዚ እታ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ እውን በታ ዝከኣለታ ነታ ንእሽቶ ፍቅራ ትገልጽ ፈሪሳውያን ከኣ እዝስ ብሓቂ ነቢይ እንተዝኸውንሲ ነዚኣ ሓጢኣተኛ መለለያ ካብኣ ከኣ መንገዲ መዓልቲ ምሃደመ ኢሎም ክሓምዩ ይጅምሩ። ንኩሉ ዝምርምር ኢየሱስ ከኣ ከምዚ ክብል ይምልሽ።

“ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ብዙሕ ምሕረት ተዋሂብዋ ከመይ ብዙሕ ኣፍቂራ ይብሎም። ኮይኑ ግን ምፍቃር ማለት እንታይ ማለት እዩ እዝስ ጥዑይ ፍቅሪ ኣይመስልን እንክብሉ ንፍቅሪ ሃሰው ይብሉ። ኢየሱስ ከኣ ብዛዕባ እዚ እንክዛረብ እቶም ሓጢኣተኛታት ኢልና እንፍርጆም ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ቅድመና ክኾኑ እዮም ክብል ሓቐኛ ፍቅሪ ኣብኦም ከምዘሎ ይገልጽ። እዚ ንፈሪሳውያን ዓቢ ዕንቅፋት ነበረ። ኢየሱስ ግን ንናኣሽቱ ተግባራት ፍቅሪ እዩ ዝርኢ። ነቲ ንእሽቶ ተበግሶ ሃረርታን ናይ ፍቅሪ ተቀቢሉ ከኣ የዕብዮ። ምሕረት ኢየሱስ ከኣ እዚ እዩ። ወትሩ ይምሕር ወትሩ ይቅበል። እቲ ጸገም ግን እዚ ንግቡዛት ዓቢ ዕንቅፋት እዩ።”

ዕንቅፋት ግቡዛት

ኣብዚ ናይ ዕለቱ ወንጌል ፍጻሜ እቲ ዓቢ ጸገም ናይቶም ሊቃውንቲ ሕጊ ምዃኑ እንኪግለጽ እዚ ጸገም እዚ ከኣ ናይ ግቡዛት እዩ። ግቡዛት ሰባት ከምስሉ እዚ ዕንቅፋት እዩ እዚ ነውሪ እዩ እዚ ዘይከውን እዩ እንክብሉ ነቲ ንሳቶም ብሕቡእ ዝገብርዎ ሰብ ኣይፈለጠናን ኢሎም ብዓቢ ምሥጢር ዝሕዝዎ ነገር ከጋንኑን ክፈርዱን ይረኤ።

“ዋእ እስኪ ተመልከት ክንደይ ዚዓቢ ዕንቅፋት እዩ እዚ። ከምዚ ኢልካስ ናብራ ኣይኮነን! ንሕና ናትና ሕግን ሥርዓትን ባህልን ኣሎና መን ይኣቱ መን ይኽልከል ፍሉጥ እዩ። እዚ ግን ንኩሎም ኣብ ቤተክርስትያን ኪኣትው መሰል ይህብ። ኣብ ኩነትና እንተተመልከትና ወላ ነቶም ዝተፋትሑ ቃል ኪዳን ዘፍረሱ ንኩሎም መሰል ይህብ። ኣበይ ዲና በጺሕና! ይብሉ። ዕንቅፋት ግቡዛትከስ እዚ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ንኩሉ ዝምሕር ፍቅሪ ክርስቶስን ፍርቂ ፍርቂ ዝኾነ ፍቅርን ዝግበር ውረድ ደይብከስ እዚ እዩ። እዚ ከኣ እቲ ጳውሎስ ቅድሚ ምልዋጡ ዝነበሮ ፍርቂ ፍርቂ ዝኾነ ፍቅርን ናይዛ ምሕረት ዝረኸበት ሰበይቲ ምሉእ ፍቅርን የመልክት። ናትና ፍቅሪ እውን ምሉእ ኣይኮነን ፍርቂ ፍርቂ እዩ ከመይ ካባና ገና ወላ ሓደ እኳ ቅዱስ ተባሂሉ ኣይተኣወጀልናን። ነታ ሓቂ ቶግ ነብላ። ግብዝነት ናይ ንጹሓን ኢና ጻድቃን ኢና ፍጹማን ኢና ዝብሉን ብገዛእ ግብሮምን ጻዕሮምን ዝጸደቁ ዝመስሎምከስ እዚ እዩ። ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ከኣ ካብ ብጸላእቲ በዞም ግቡዛት ደቃ ዝወረዳ ስደትን መከራን ይበዝሕ።”

ኣብ ታሪኽ! ቤተክርስትያን ብግቡዛት ወትሩ ምስ ተሰደት እያ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዞም ግቡዛት ብእዋኑ እዩ ኣለልዪዎም ብደገ ኩሉ ጸቢቁን ተሰሪዑን ክረኤ ዝደልዩ እዮም ኣግህድ ኣቢሉ ከኣ ኣቱም ልቅሉቃት መቃብር ይብሎም ከመይ መቃብር ብላዕሊ ዝለቅለቅካ ለቅልቆ ኣብ ውሽጢ ሬሳ በድን እዩ ሓቊፉ ዘሎ።

“ቤተክርስትያን እውን ኣብ ታሪኽ ክትጐዓዝ እንከላ ብግቡዛትን ኣምሰሉታትን ተሰዲዳ እያ። ብውሽጥን ብደገን ኣምሰሉታት። ሰይጣን ምስቶም ዝተነስሑ ሓጢኣተኛታት ዋላ ሓንቲ ንርክብ የብሉን ከመይ ናብ እግዚአብሔር እናጠመቱ ኦ ጐይታ ሓጢኣተኛ እየ እሞ ደግፈኒ ይብሉ። ዲያብሎው ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ትሕትና ሓንቲ ሓይሊ የብሉን ኮይኑ ግን ምስቶም ኣምሰሉታት ዝለዓለ ሓይሊ ኣለዎ ከመይ ንሱ ንዕንወት ይጥቀመሎም ንሰባት የዕንዎ ንማሕበረሰብ የዕንው ንቤተክርስትያን እውን የዕንዎ። ናይ ውግእ ፈረስ ናይ ዲያብሎስ ከስ ግብዝነት ኣዩ ከመይ ንሱ ሓሳዊ ኣቦኣ ንሓሶት እዩ። ከም ከኣሊ መስፍን ከም ምልኩዕ ገዛኢ ኮይኑ ክረኤ ይደሊ ብድሕሪኡ ግን ቅትለትን ጥፍኣትን እዩ ዘሎ።”

ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ቅዱስነቶም ኢየሱስ ወትሩ መሓርን ርሕሩሕን ስለዝኾነ ብትሕትና ንዝመጾ ኩሉ ይቅበልን ምሕረትን ይቅርታን ሓጢኣት ከምዝልግስን ምስ ኣዘኻኸሩ እዛ ምሕረት ትብል ቃል ብዛዕባ ካልኦት ክንሓምን ክንፈርድን እንከሎና ንርስዓ ቃል እያ እሞ ቅድሚ ምሕማይን ምፍራድን ነዛ ምሕረት ትብል ቃል ዘኪርና ከም ኢየሱስ ክርስቶስ መሓርቲ ክንከውን ከም ኢየሱስ ክንከውን ንኢየሱስ ዓንዲ ማእከል ሕይወትና ንግበር ኢሎም። ኢየሱስ ንኩሉ ይምሕር ነቲ ኣሳዳድን ሓጢኣተኛን ዝነበረ ጳውሎስ ፍርቂ ፍርቂ ዝኾነ ፍቅሪ ሒዙ ዝጐዓዝ ዝነበረ ከምኡ እውን ነታ ሓጢኣተኛ ብንእሽቶ ተግባር ፍቅሪ ዝተማሕረት ንመልከት። ነቲ ሓቀኛ ፍቅሪ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስከስ በዚ ከምዚ ጥራሕ ኢና ክንረኽቦ እንክኽእል። እቶም ግቡዛት ግን ነዚ ሓቀኛ ፍቅሪ ክረኽብዎ ኣይክእሉን ከመይ ልቦም ድሮ ስለዝዓጸው እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

20 September 2018, 18:31
ንኩሉ ኣንብብ >