ኢየሱስ ሓቀኛ ፍቅሪ እንክምህር ዲያብሎስ ግን ንግቡዛት ከም መጋበሪ ይጥቀም! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብ ናይ ሎሚ ግጽው ዘቅረቦ ወንጌል ካብ ሉቃስ ኮይኑ 7.36-50 ኮይኑ ብዛዕባ እታ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተንበርኪኻ ክቡር ዋጋ ዘለዎ ሽቱ ገራ እግሩ ብምቅባእን ብንብዓታ ብምጥልቃይን ብጸጉራ ብምድራዝን ምሕረት ዝሓተት እሞ ኢየሱስ ከኣ ብዙሕ ስለዘፍቅረት ሓጢኣታ ከምዝተሓድጋ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ።
ቅዱስነቶም ምሕረትን ይቅርታን ኢየሱስ ሎሚ እውን ንኩልና ከምዘድልየና ምናዳ ከኣ ነታ ብኣና ብሓጢኣተኛታት ዝቆመት ቤተክርስትያኑ ከምዘድልያ ከይሓብኡ `ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤተክርስትያና ብምሕረቱን ይቅሬታኡን ገቢሩ ክከላኸለላ ንማህለል፣ ከም ኣደ ቅድስቲ እያ ኮይኑ ግን ከማና ብዝኣመሰሉ ሓጢኣተኛታት መሊኣ ስለዘላ ምእንታኣ ንጸሊ` እንክብሉ ከምታ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ብዙሕ ክነፍቅር እሞ `ብዙሕ ሓጢኣት ተሓዲጉልኩም ብዙሕ ስለዘፍቅርኩም` ክብለና እዩ ከመይ ኢየሱስ ወትሩ ንንእሽቶ ተግባር ፍቅሪ እዩ ዝምልከት ኢሎም።
ኢየሱስ ወትሩ ንንእሽቶ ተግባር ፍቅሪ እዩ ዝምልከት
ቅዱሰንቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ንባባት ተመርኲሶም ንደቂሰባት ኣብ ሠልስተ ጉጅለ ከፊሎም ኣቅሪቦም። ቀዳማይ ኢየሱስን ሓዋርያቱን ካልኣይ ቅዱስ ጳውሎስን እዛ ሓጢኣታ ዝተሓድገላ ሰበይትን ብሳልሳይ ደረጃ ከኣ እቶም ንኩሉ ዝኸሱ ሊቃውንቲ ሕጊ ኢሎም። ከምቲ ቃለ ወንጌል ዘርዚሩ ዝገልጾ እታ መንቀሊ ናይ ስብከቶም ዝኾነ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ከምቲ ልማድን ሕግን ብሕቡእ ብምሥጢር እያ ናብ ኢየሱስ ክትከይድን ከም ኒቆዲሞስ ጸልማት ተጐልቢባ መሓረኒ ክትብል ትጽቢት ነሩ ወይውን ከምቲ ምሕረት ኣልቦ ሊቃውንቲ ዝብልዎ ብእምኒ ክትውገር ነርዋ፣ ኮይኑ ግን ሓጢኣተኛ ምዃና ክትሓብእ ኣደለየትን ናብ ኢየሱስ ከኣ ብፍቅሪ እኳ ደኣ ብዓቢ ፍቅሪ ትቀርብ ምሕረት ከኣ ትኸስብ። ቅዱስ ጳውሎስ እውን ከምቲ ኣብ መልእኽቱ ዘረጋግጾ ‘እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ’ (1ቆሮ 15.3)ይብል። ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ፍቅሪ ጐይታ ተላዒሉ ብዓቢ ቅንኣት ይንቀሳቀስ ነሩ። ኣብ ሕጊ ኦሪት ሃሰስ ኢልዎ። እዚ ግን ክሳብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝግለጸሉ ልቡ ዓጺይዎ ነበረ። ንክርስትያን የሳድድ ነሩ። ኮይኑ ግን እዚ ፍቅሪ እዚ ብሱል ኣይነበረን። ማዕረ ማዕረ እዚ እታ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ እውን በታ ዝከኣለታ ነታ ንእሽቶ ፍቅራ ትገልጽ ፈሪሳውያን ከኣ እዝስ ብሓቂ ነቢይ እንተዝኸውንሲ ነዚኣ ሓጢኣተኛ መለለያ ካብኣ ከኣ መንገዲ መዓልቲ ምሃደመ ኢሎም ክሓምዩ ይጅምሩ። ንኩሉ ዝምርምር ኢየሱስ ከኣ ከምዚ ክብል ይምልሽ።
ዕንቅፋት ግቡዛት
ኣብዚ ናይ ዕለቱ ወንጌል ፍጻሜ እቲ ዓቢ ጸገም ናይቶም ሊቃውንቲ ሕጊ ምዃኑ እንኪግለጽ እዚ ጸገም እዚ ከኣ ናይ ግቡዛት እዩ። ግቡዛት ሰባት ከምስሉ እዚ ዕንቅፋት እዩ እዚ ነውሪ እዩ እዚ ዘይከውን እዩ እንክብሉ ነቲ ንሳቶም ብሕቡእ ዝገብርዎ ሰብ ኣይፈለጠናን ኢሎም ብዓቢ ምሥጢር ዝሕዝዎ ነገር ከጋንኑን ክፈርዱን ይረኤ።
ኣብ ታሪኽ! ቤተክርስትያን ብግቡዛት ወትሩ ምስ ተሰደት እያ!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዞም ግቡዛት ብእዋኑ እዩ ኣለልዪዎም ብደገ ኩሉ ጸቢቁን ተሰሪዑን ክረኤ ዝደልዩ እዮም ኣግህድ ኣቢሉ ከኣ ኣቱም ልቅሉቃት መቃብር ይብሎም ከመይ መቃብር ብላዕሊ ዝለቅለቅካ ለቅልቆ ኣብ ውሽጢ ሬሳ በድን እዩ ሓቊፉ ዘሎ።
ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ቅዱስነቶም ኢየሱስ ወትሩ መሓርን ርሕሩሕን ስለዝኾነ ብትሕትና ንዝመጾ ኩሉ ይቅበልን ምሕረትን ይቅርታን ሓጢኣት ከምዝልግስን ምስ ኣዘኻኸሩ እዛ ምሕረት ትብል ቃል ብዛዕባ ካልኦት ክንሓምን ክንፈርድን እንከሎና ንርስዓ ቃል እያ እሞ ቅድሚ ምሕማይን ምፍራድን ነዛ ምሕረት ትብል ቃል ዘኪርና ከም ኢየሱስ ክርስቶስ መሓርቲ ክንከውን ከም ኢየሱስ ክንከውን ንኢየሱስ ዓንዲ ማእከል ሕይወትና ንግበር ኢሎም። ኢየሱስ ንኩሉ ይምሕር ነቲ ኣሳዳድን ሓጢኣተኛን ዝነበረ ጳውሎስ ፍርቂ ፍርቂ ዝኾነ ፍቅሪ ሒዙ ዝጐዓዝ ዝነበረ ከምኡ እውን ነታ ሓጢኣተኛ ብንእሽቶ ተግባር ፍቅሪ ዝተማሕረት ንመልከት። ነቲ ሓቀኛ ፍቅሪ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስከስ በዚ ከምዚ ጥራሕ ኢና ክንረኽቦ እንክኽእል። እቶም ግቡዛት ግን ነዚ ሓቀኛ ፍቅሪ ክረኽብዎ ኣይክእሉን ከመይ ልቦም ድሮ ስለዝዓጸው እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም።