ድለ

2018.09.18 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.09.18 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (� Vatican Media)

ጓሳ ነፍሳት ትሑት እዩ! እንተተኸሲሱ እውን ገና ርኅራኄ ስለዝስምዖ ጸሎቱ ይቅጽል! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 18 መስከረም 2018 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ነቲ ምሳሌ ኩሎም ጓሶት ነፍሳት ዝኾነ ኢየሱስ ብምዝካር ነቲ ብትሕትናን ኃልዮት ብዝመልኦ መንፈስን ዝገልጾ ዝነበረ ትሕትናኡን ርኅራኄኡን ምሉእ ሥልጣን ከምዝነበሮ ብምዝኽኻር ‘ንሕና ጓሶት ነፍሳት እውን ካብቲ ንነፍስና ዝምርዙ ሥልጣንን ሥነሓሳብን ዘሳስዩ ካብ ምዃን ኣብ ጐድኒ ምእመናንና ኰና ክንጐዓዝ ኣሎና’ እንክብሉ ኣዘካኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ንሎሚ ዝቀረቡ ንባባት ብዛዕባ ሕያውነት ኢየሱስን ንሕዝቡ ዝነበሮ ርኅራኄን ዝገልጹ ኮይኖም ኣብ መዝሙረ ዳዊት 99 ዝተመሥረተ ‘ንሕነሰ ሕዝቡ ወኣባግዐ መርዔቱ - እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና’ (መዝ 100.3) ዝብል እንክኾን ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ከኣ ሉቃ 7.11-17 ብዛዕባ እንኮ ዝወዳ ዝሞታ ሰበይቲ ዝምልከት ኮይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ራኅሪኁ ካብ ሞት ኣተንሢኡ ነዲኡ ከምዘረክቦ ዘመልክት ነበረ። ቅዱስነቶም ኣብ’ዚ ቃል ኣምላኽ እዚ ተመሥሪቶም ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ዘመልክታ ነጥብታት ኣየኖት ኮን ይኾና ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ እንኪመስሉ ብቀዳመንት ትሕትናኡ ብካልኣይ ደረጃ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ ምዃኑ ኣብ ሓዘንስ ይኹን ኣብ ሓጐስ ከምኡ እውን ርኅራኄኡን ለውሃቱን እየን ኢሎም። ኩሉ ከም ዝሓሰብካዮ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ዝገደደ ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ኣብ ዝርከበሉ ግዜ ከም ኣብ ቀራንዮ ከኣ ሱቕታን ጸሎትን መለለዪኡ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም። በዚ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሓደ ጓሳ ነፋሳት እንኮ ኣብነትን ክሰዓብ ዘለዎ ምሳሌን ኮይኑ ሥልጣኑ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ወትሩ ኣብ ማእከል ሓፍሽ ሕዝቢ እምበር ወገነይ ወገንካ ዝብሉ ጒጅለታት ወይ ሰበሥልጣን ወይውን ፍሉይ ርእዮተ ዓለም ዘለዎም ሰባት ይኽተል ኣይነበረን።

ትንሣኤ እንኮ ውላድ መበለት!

ኣብ ላዕሊ ከምዝገለጽናዮ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ብዛዕባታ በዓልቲ ናይን መበለትን ሞት እንኮ ወዳን ዝገልጽ ኮይኑ ኢየሱስ ‘ኣይትብከዪ’ ኢሉ ነቲ ሬሳ ተንኪፉ ካብ እቲ መይቱ ዝነበረ ክዛረብ ምስ ጀመረ ነዲኡ ከምዘረከባ ዝገለጽ እሞ እቲ ሕዝቢ ከኣ ‘እግዚአብሔር ዓቢ ነቢይ ኣተንሲኡልና’ እንክብል ንእግዚአብሔር ክብሪ ዘቅረበሉ ሁመት ምንባሩ እዩ። እዚ ከኣ ኢየሱስ ኣብ መንጎ እቲ ሕዝቢ ስለ ኣቲ ዝሰብኮ ዝነበረ ዘይኮነስ ናይ ሙታን ምትንሣእ ሥልጣን እውን ከምዝነበሮ ዝገልጽ ነበረ። ትምህርቱን ፍልጠቱን እውን ልዕሊ ካልኦት እኳ እንተነበረ ብትሑትን ለዋህን ልቢ የቅርቦ ስለዝነበረ ካብ ናይ ካልኦት ብጣዕሚ ዝተፈልየ ነበረ። ንሱ ኣነ እቲ መሲሕ እየ ወይውን ኣነ ነቢይ እየ እናበለ ይጭርህ ኣይነበረን። ኣብ ቅድሚኡስ ይኹን ኣብ ድሕሪኡ መለኸት ይነፍሕ ኣይነበረን። ንሕሙማት ከሕዊ ከሎስ ይኹን ከም ምብዛሕ እንጌራን ዓሣን ዚኣመሰለ ተአምራት ክገብር እንከአሎ ምንም ምልክት ይህብ ኣይነበረን። ትሑት ነበረ። ብሱቚታ ይጐዓዝ ነበረ ወትሩ ከኣ ኣብ ጥቃ ሕዝቢ ይጐዓዝ ነበረ።

ኢየሱስ ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ እንኪጐዓዝ ሊቃውንቲ ሕጊ ግን ኣመና ርሒቆም ነበሩ!

ኣብ መንጎ ኢየሱስን ቅድሚኡ ዝነበሩ ሊቃውንቲ ሕግን ዝነበረ ፍልልይ ኢየሱስ እንኪምህርን ተኣምር እንኪገብርን ኣብ መንጎ ሕዝቢ ይመላለስ ነበረ፣ እቶም ሊቃውንቲ ሕጊ ግን ኣብ መንበረ ታቦት ኰይኖም ብዛዕባ ሕግን ካልእን ምስ መሃሩ ናብ ጥቃ ሕዝቢ ከይቀረቡ ብኡ ኣቢሎም ናብ ውራዮም ይኸዱ ነበሩ። ብዛዕባ ሕዝቢ እምብዛ ይግደሱ ኣይነበሩን፡ ንኣኦም ዘገድሶም ዝነበረ ሕግታት ምሃብ ጥራይ ነበረ። ነተን ዓሠርተ ቃላት እግዚአብሔር ልዕሊ ሠለስተ ሚእቲ ኣባዚሖም የቅርብዎ ነበሩ። ካብ ሕዝቢ ግን ኣመና ርሒቆም ነበሩ።

“ኣብ ወንጌል እንተተመልከትና ኢየሱስ ምስቲ ሕዝቢ ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ ምስ ሰማያዊ ኣቡኡ ኣብ ጸሎት ተጸሚዱ ከምዝነበረ ንምልከት። ዝበዝሔ ሕይወቱ ምስ ሕዝቢ ኣብ ዘሕልፈሉ ግዜ ኣብ ጐዳናታት ነበረ። እዚ ቅርበት እዚ እዚ ትሕትና እዚ ንኢየሱስ ሥልጣን የልብሶ ምስ ሕዝቢ ከምዝመላለስ ከኣ ይገብሮ። ነቲ ሕዝቢ ይትንክፎ ነሩ ይሓቅፎ ነሩ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተ ከኣ ጸገሞም ጽን ኢሉ ይሰምዖም ነሩ። ወትሩ ኣብ ጐድኖም ነሩ። እዚ ከኣ ሥልጣን የልብሶ ነሩ።”

 

ብልቡ ስለኦም ይሓስብ ስለዝነበረ ከኣ ምስቲ ሕዝቢ ይሳቀ ነበረ።

ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ ‘ምስ ረኣየ ደንገጸላ ኣይትብከዪ ከኣ በላ’ እንክብል ርኅራኄ ኢየሱስ ይገልጽ። እዚ ከኣ ምስቲ ዝሳቀ ክትሳቀ ምኽኣል ርኅራኄ ምህላው ብሓሳብ ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ ከመይ ከምዝኾነ የመልክት። እዚ ከኣ ብልቡ እምበር ካብ ኩነት ብዝረሓቀ ኣእምሮ ጥራይ ይሓስብ ከምዘይነበረ የመልክት።

“ኣብዚ ድንጋጼ ወይ ርኅራኄ እዚ ከስምረለን ዝደለኹ ክልተ ነጥብታት አለዋ። ትሕትናን ሓልዮትን እየን። ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ካባይ ተመሃሩ ኣነ ትሑት ልብን ሕያዋይን እየ ይብል። እዚ ትሕትና እዚ ብሓቂ ናቱ ከምዝነበር ዘመልክት ንሱ ኣብ ሕይወቱ ዓውዓው ይብል ኣይነበረን። ንማንም ይቀጽዕ ኣይነበረን። ኢየሱስ ይሓርቅዶ ነሩ ኢልና ኣንተሓተትና ምናልባት እታ ኣብ ቤተመቅደስ ገዛ ኣቦይ ቤተጸሎት ጸሎት እዩ ንስኹም ግን በዓቲ ጐሓላሉ ገርኩሞ እንክብል ነቶም ኣብ ቤተመቅደስ ዝሸጡን ዝልውጡን ዝነበሩ ብጭጉራፍ ገመድ ዝሰጐጎም ቅጅል ትብለና ትኸውን። እዚ ከምዚ ዝገበሮ ግን ነቦኡ የፍቅር ስለዝነበረን ቅንዓት ቤትኣቦኡ ስለዘቃጸሎን ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ትሑት ብምንባሩን እዚ ሓይሊ እዚ ገንፊሉ።”

ብሓልዮትን ትሕትናን ዝግበር ርኅራኄ!

ኢየሱስ ነታ ሰበይቲ ‘እምበይተይ ኣይትብከዪ’ እንክብል ኣጸናንዓ። ነዚ ግን ብማዕዶ ኮይኑ ኣይኮነን ዝበላ እንታይ ደኣ ቀሪቡ መንኩባ እናተንከፈ ኣጆኺ እናበለ ‘ኣይትብከዪ’ በላ። ኢየሱስ ከስ እዚ እዩ። ምሳና እውን ከምኡ እዩ ዚገብር ከመይ ወትሩ ኣብ ጐድንና ኣብ ጥቃና ምሳና እዩ ዘሎ እዚ ከኣ ሓደ ሕያዋይ ጓሳ ዚገብሮ እዩ። ብድሕር’ዚ ዚስዕብ ካልእ ተግባር ኢየሱስ ነቲ ካብ ሞት ዘተንሥኦ መንእሰይ ብኢዱ ሒዙ ነዲኡ ምሃቡ እዩ። ትሕትናን ለውሃትን ከስ እዚ እዩ። ኣብ ጥቃ መጓሰኻ ምዃን ንሱ ዝስምዖ ክስምዓካ ምኽኣል። ኢየሱስ ነዚ ምስ ነፍስወከፍና ይገብሮ። ጥራሕ ንሕና ኣይንርሓቆ።

ኢየሱስከስ ሓደ ጓሳ ነፋሳት ክመሃረሉ ዘለዎ ምሳሌ ጓሳ እዩ።

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ኮይኑ ኣብነትን ምሳሌን ናይ ነፍሲ ወከፍ ጓሳ ነፍሳት ምዃኑ ምስ ገለጹ ሎሚ ዘለው ጓሶት ነፍሳት ኩሎም ካብኡ ክመሃሩን ኣብነቱ ክኽተሉን እሞ ወትሩ ኣብ መንጎ መጓሲኦም ኣብ ጐድኒ ምእመናኖም ኮይኖም ክጐዓዙ እምበር ምስ ገለ ሥልጣንን ሓይልን ዘለዎም ጉጅለታት ወይውን ገለ ርእዮተ ዓለም ዘካይዱ ፖሎቲካውያን ከይቀርቡ ከመይ እዚኦም ንነፍሲ ይምርዙ የሕምሙ። ጓሳሲ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበሮ ክእለትን ሥልጣንን ደኣ ይልበስ እዚ ከኣ ናይ ትሕትናን ለውሃትን ሕያውነትን ጥቃ መጓሰኻ ምዃኑን ብርኅራኄ ንኣኦም ዝስምዖም ክስመዓካ ኣለዎ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ምናልባት ክሲ ዝቀረበሉ ጓሳ እንተሎ ከኣ ሕይወቱ ንጐይታ የወፊ ብጸጥታ ከኣ ይጽሊ!

ኣብነትናን መሪሕናን ኢየሱስ ስለዝኾነ ንኢየሱስ ዘይረኸቦ ነገር ክረኽበና ከምዘይክእል ብምምልካት ቅዱስነቶም ሓንሳእ ሓንሳእ ነገራት ፋሕ ምስ በሉ ዘይወዕልካሉ ዘረባ እንክውረ ብዘይገበርካዮ ነገራት እንክትክሰስ እንታይ ይግበር ይብሉ እሞ። ኢየሱስ ከምኡ ምስ ኣጋጠሞ እንታይ ገበረ ኢሎም ይሓቱ እሞ ባዕሎም ከኣ ከምዚ ክብሉ ይምልሹ፣

“ዕለተ ዓርቢ ስቅለት ሕዝቢ ክጸርፍዎን ስቀሎ ኢሎም ክጭርሑን እንከለው ሱቚ እዩ ዝበለ! ከመይ ነቲ ሕዝቢ ይርሕራሓሉ ነሩ ከመይ ብገንዘብን ሥልጣንን ብዝዓወሩ መራሕቲ ተታሊሉ ስለዝነበረ የደንግጾ ነበረ። ይጽሊ ነበረ። ሓደ ጓሳ ነፍሳትከስ ኣብ ጽጉም ግዝያት ዲያብሎስ ካብ ማእሰርቱ ኣብ ዝፍተሓሉ ግዝያት ክሲ ኣብ ዝቀርበሉ ግዝያት ምናዳ ኸኣ በቲ ሓሳውን ኣቦ ሓሰትን ዝኾነ ዓቢ ከሳሲ ዲያብሎ ክኽሰስ እንከሎ ብብዙሓት ሰባት ብብዙሓት ሰበሥልጣናት ክኽሰሰ ከሎ ከምቲ ኢየሱስ ዝገበረ ይሳቀ ንሕይወቱ የወፊ ይጽሊ ከኣ። ጸሎት ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ መስቀል ክሳብ ፍጻሜ ንከብጽሖ ኣኽኢልዎ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ቀውጢ ግዜ ሓይሊ ጸሎት ነቲ ኣብ የማኑ ዝነበረ ፈያታይ እውን ከድሕን ኣኽኢልዎ።”

እቲ ኣብ ግዜ ኢየሱስ ዝንበረ ሥልጣነ ጸጋ ንጓሶት ነፍሳት ናይ ሎሚ እውን ኣሎ!

ቅዱስነቶም ኣብ መዛዘሚ ስብከቶም ናብ ናይ ሎሚ ጓሶት ምልስ ይብሉ እሞ ነዛ ክፍሊ ወንጌል እንደገና ምልስ ኢሎም ከንብብዋ ብምሉኡ ወንጌለ ሉቃስ ምዕራፍ ሸውዓተ ቀስ ኢሎም ከንብብዎን ብዛዕባኡ ከስተንትኑን እሞ ናይ ኢየሱስ ሥልጣን ኣበይ ከምዘሎ ኣለልዮም ክኽእሉ ኣብ መወዳእታ ከኣ ነዚ ጸጋ ሥልጣን ኢየሱስ ክልምኑ ከመይ እዚ ሥልጣን እዚ ሓደ ጸጋ ናይ ትዕድልቲ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።  

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

Photogallery

ሎሚ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዝተላዕለ ኣሳእል!
18 September 2018, 19:13
ንኩሉ ኣንብብ >