ድለ

2018.09.10 Messa Santa Marta 2018.09.10 Messa Santa Marta  (Vatican Media)

ቅዱስ ኣቦና፥ ሕዳሴ ወንጌል ድርብ ወይ ማንታ ሕይወት ዘይቅበል እዩ

ቅዱስ ጳውሎስ ዘውግዞም ሰባት እቶም ኣይ ውዑን ኣይ ዝሑልን ዝዀኑ ማለት ዝሁማት ዝኾኑ እዩ፡ ነውራማት ዝዀኑ ( … ) ተምያናትን … ቀጥዓውያንን ምስሉያትን የውግዝ፡ ናይ ክርስቶስ ጸዋዕታ ናይ ሕዳሴ ጸዋዕታ ምዃኑ ይምስክር።

ኣብ መንጐ እቲ ዓለም ዘቕርቦን ክርስቶስ ዘምጽኦን ሕዳሴን ዓቢይ ፍልልይ ከምዘሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 መስከረም 2018 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ወንጌል ሰብ ብምሉእ ዝልውጥን ምስሉይነት ዘይቅበልን እዩ፡ መገዲ ክርስትና ሰማዕትነት እምበር ኣብ ክጥዕመኒ ዝብል ኣይኰነን ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ. 5፡ 1-8፡ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 6፡ 6-11 ኣሞርኵይዞም፥ “ኣሕዋተይ! ኣብ ኣረመን እኳ ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ነውራም (ኢግብረ ገባዊ ሕይወት) ኣብ ማእከልኩም ኣሎ” ንስኻትኵም ክርስቲያን እንከለዅም ከምዚ ኢዅም ትነብሩ እንክብል ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ድርብ ወይ ማንታ ሕይወት ንዝነብሮ ክርስቲያን ብዙሕ ተቖጢዑ ይዛረብ፡ ክፉታት ዝተፈላለየ ሓሳብ ንዘእንግዱን ክርስቲያን ብምዃኖም ንዝሕበኑን፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ምእማንን ነውራም ወይ ኢግብረ ገባዊ ሕይወት ምንባር ዘይጣመር እዩ፡ “ነቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ኣጽሪዅም ደርብይዎ፡ ሓድሽ መባዅዕቲ ተቐበሉ” እዩ ዝብል።

ወንጌል ሕይወት ብምልኣት እዩ ዝልወጥ

ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛምርቱ፡ ሓድሽ ወይኒ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ቢሉ እዩ ዝምዕዶም፡

“ናይ ወንጌል ሕዳሴ፡ ናይ ኢየሱስ ሕዳሴ ነፍስና ንምልዋጥ ጥራሕ ኣይኰነን፡ ብምልኣትና ዝልውጥ እዩ፡ … ናይ ወንጌል ሕዳሴ ምሉእነት እዩ፡ ኵለንተናዊ እዩ፡ ውሳጤናን ደጋዊናን ዝልውጥ፡ መንፈስናን ኣካልናን ዕለታዊ ሕይወትናን ዝልወጥ እዩ።”

ናይ ወንጌል ሕዳሴን ናይ ዓለም ሕዳሴን

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ ናይ ቆሮንጦስ ማሕበረ ክርስቲያን፡ እቲ ርእየተ ዓለም ወይ ከኣ ናይ ረሲኣን ኣገባብ ማሕበራዊ ሕይወት ዘይኰነስ ኵለንተናዊ ሕዳሴ ዝዀነ ወንጌላውነት ዘይተረደኦም እዮም ዝመስሉ ዝነበሩ፡ ናይ ወንጌል ሕዳሴ እቲ ኣብ ሕይወትና መታን ከሰንየና መንፈስ ቅዱስ ዝለኣኸልና ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ እዩ፡ ኣንሕና ክርስቲያን ናይ ሕዳሴ ሰብ እምበር፡ ናይ ሕዳሴታት ሰባት ኣይኰናን፥

“ብዙሓት ናይ ገዛእ ርእሶም “ሕዳሴታት” ክርስትና ክነብሩ እዮም ዝፍትኑ፡ ሎሚ ከምዚ ክንበር ኣይከኣልን፡ ትማሊ ከምዚ እዩ ኔሩ ሎሚ ግና ከምቲ ዝነበር ምንባር ዝክኣል ኣይኰነ እናበሉ ዝነብሩ … ነቲ ዓለም ዘቕርቦም ሕዳሴታት ዝነብሩ፡ እቲ ዘድሊ ናይ ዓለም ዝዀኑ ሕዳሴ ብምልኣት ዘይምቕባል እዩ፡ ኣብ መንጐ እቲ ናይ ኢየሱስ ሕዳሴን እቲ ዓለም ዘቕርቦ ሕዳሴ ተጋራጫውነት ኣሎ።”

ድኻምነትካ ምቕባልን ምስሉይነት ግና ኣይፋል

ቅዱስ ጳውሎስ ዘውግዞም ሰባት እቶም ኣይ ውዑን ኣይ ዝሑልን ዝዀኑ ማለት ዝሁማት ዝኾኑ እዩ፡ ነውራማት ዝዀኑ ( … ) ተምያናትን … ቀጥዓውያንን ምስሉያትን የውግዝ፡ “ናይ ክርስቶስ ጸዋዕታ ናይ ሕዳሴ ጸዋዕታ እዩ”፡

“ኣባቴ ድኹማትን ሓጢኣተይናታት ኢና ክንብል ንኽእል፡ ሓጢኣተይናን ድኹምንት ምዃንካ ምስ እትእመን ንሱ (እግዚኣብሔር) ምሕረቱ እዩ ዝህበካ፡ ስለምንታይ ድኻምነትካ ምእማን ካብ ናይ ወንጌል ሕዳሴ ስለ ዝነቅል፡ ማለት ክስስቶስ ክምሕርን ከድሕንን መጺኡ ኣብ ዝብል ምእማን ማለት ስለ ዝዀነ፡ ግን ክርስቲያን እየ እናበልካ ምስ ናይ ዓለም ምዃንን ኣጣሚርካ ኣብ ምስሉይ ሕይወት ምንባር ግን ኣይፋል በል፡ እዚ እዩ እቲ ፍልልዩ፡ ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ፥ ኢየሱስ ኣብትን ኣብዝን ኣሎ ክብልኹም እንከለዉ ተጠንቀቑ … ድሕነት ኣብትን ኣብዝን ኣይኰነ … ክርስቶስ ሓደ እዩ፡ ምድሓን ኣብኡ እምዃኑ ኣብ መልእክቱ ገሊጽዎ እዩ፡ መልእኽቱ ግልጺ እዩ፡”

ክርስቶስ ናይ ዝስዕብ መገዲ ሰማዕትነት እዩ

ኢየሱስ ክስዕቦ ንዝደልይ ኣየሕፍርን ኣየደናግርን ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፡ ናይቶም ናይ ክርስቶስ ሕድሴ እንተዘይኰነ ካልእ ሕዳሴታት ክነብሩ ናይ ዘይደልዩ መገዲ እንታይ ዓይነት መገዲ እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፡ ሎሚ ዝተነበ ወንጌል መምሃራን ሕግን ፈሪሳውያንን  በቲ ኢየሱስ ዝምህሮ ዝነበረ ነደሩ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ እንታይ ከም ዚገብርዎ ኣብ ልዕሊኡ ተማኸሩን ክቐትልዎ ድማ ወሰኑ፡ ስለዚህ እቶም ናይ ክርስቶስ ሕዳሴ ዝቕበሉን ዝስዕቡን መገዲ ሰማዕትነት እዩ፡ ሰማዕትነት ከበሃል እንከሎ ናይ ደም ሰማዕትነት ማለት ጥራሕ ኣይኰነ፡ ናይ ክርስቶስ ሕዳሴ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት እውን ምንባር ማለት እዩ፡ ካብቲ ዓቢይ ከሳሲና እቲ ከሰስትና ካብ ዘለዓዕል ንጠንቀቕ፡ ምስ ሕዳሴታት ኣይንዋገይን ምዝታይ እውን ኣይንምረጽ፡ ወንጌል ብዅለመናኡ ማይ ዘእትው ኣይንገበሮ ሓደራ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ኣጠቓሊሎም።  

ቅዱስ ኣቦና፥ ሕዳሴ ወንጌል ድርብ ወይ ማንታ ሕይወት ዘይቅበል እዩ
10 September 2018, 14:04
ንኩሉ ኣንብብ >