ድለ

2018.09.04 Messa Santa Marta 2018.09.04 Messa Santa Marta  (� Vatican Media)

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ቦታ ንምሃብ ናይ ሕልና መርመራ ምግባር

ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ናይ ክርስቶስ ሓሳብ ንኽህልዎም መታን ከምዝመሃሮምን እዚ ኸኣ ገዛእ ርእስኻ ንመንፈስ ቅዱስ ምሕዳግ ማለት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ይገልጹ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወትሩ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 4 መስከረም 2018 ዓ.ም. ብምቕጻል ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ኣብ ልቢ ሰብ ዕለት ብዕለት ናይዚ ዓለም መንፈስን ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ከምዝጣመቱ የዘኻኽሩ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብላቲን ስርዓት ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 10 – 16ን ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ  31 – 37 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፡ ልቢ ሰብ ከም ዓውደ ውግእ እዩ፡ ክልተ ዝተፈላለዩ መንፈስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንግብረ ሰናይን ንፍቕርን ንሕውነትን ዝድርኸ መንፈስ እግዚኣብሔርን እቲ ንከንትነን ትዕቢትን ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ምሉእን እዅልን እየ ንዝብል ርእሰ ኣምልዀን ሕሜታን ዝዳርግ ናይዚ ዓለም መንፈስ ዝጠማመትሉ ስፍራ ምዃኑ ይገልጹ። ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዝበሉ ናይ ዕለቱ ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 10-16 ዝተወስደ ቀዳማይ ምንባብ መሰረት ገይሮም ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ናይ ክርስቶስ ሓሳብ ንኽህልዎም መታን ከምዝመሃሮምን እዚ ኸኣ ገዛእ ርእስኻ ንመንፈስ ቅዱስ ምሕዳግ ማለት ምዃኑ ይገልጹ። መንፈስ ቅዱስ ክርስቶስ ናብ ምልላይን ምፍላጥን ይመርሓናን ናይ ክርስቶስ ስምዒትን ልቢ ክርስቶስ ከነስተውዕል ይድርኸና።

ዘለዓለማዊ ተጻባእነት ሰናይ መንፈስን መንፈስ ክፍኣትን

ንናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ዝተሓድገ ሰብ ናይ መንፈስ ስራሕን ተግባርን ከለልይ ዘይከኣሎ ይኸውን፥

“ክልተ ዓይነት መንፈስን ክልተ ዓይነት ኣገባብን ኣተሓሳስባን ኣሰማምዓን ወይ ጽንታን ኣተገባብራን ኣሎ፡ እቲ ናብ መንፈስ ቅዱስ ወይ ከኣ ናብ ናይ ዓለም መንፈስ ዘብጽሓኒ ኸኣ እዚ ክኸውን እንከሎ ኣብ ሕይወትና ዝኽሰት እዩ፡ ኵላና እዞም ክልተ መንፈስ ኣለዉና፡ እቲ ናብ ሰናይ ተግባርን ናብ ፍቕርን ሕውነትን ክርስቶስ ንኸነለልይን ንኽንፈልጥን … ንኽንጽልን ዝመርሓና መንፈስን እቲ ንብኵንነን ትዕቢትን ኣነነትን ሕሜታን ዝመርሓና መንፈስ ክፍኣት እያቶም፡ ሓደ ቅዱስ ከምዝብሎ፡ ልባትና ክልተ መንፈስ ዝዋግኡሉ ዓውደ ኩናት እዩ፡”

ከም ኢየሱስ ንፈተና ምስናፍ

ኣብ ሕይወት ክርስትና ንናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ቦታ ንምሃብን ነቲ መንፈስ ዓለም ንምውጋድ ምቅላስ ግድን እዩ፡ ዕለታዊ ናይ ሕልና መርመራ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝመዓዱ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ እዚ ኸኣ ፈተናታት ኵሉ ንምልላይን እቲ ኣብ መንጐ እዞም ክልተ መንፈስ ዘሎ ውግእ ንምልላይ የብቅዕ፡ መንፈስ እግዚኣብሔር ዝተዓደልና ብምዃንና ንምልላዩ ብሓቂ ቀሊል እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ተነቀፍቲ ኢና። ሓጢኣተይናታትን ናይ ዓለም ፈተና እውን ዘጓንፈና ኢና። ኣብዚ መንፈሳዊ ውግእ’ዚ ኣብዚ ናይ መንፈስ ውግእ’ዚ ከም ኢየሱስ ሰዓርቲ ምዃን እዩ ዘድሊ፡”

እንስሳታት ዘይኰናስ ደቂ እግዚኣብሔር ኢና

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ስብከት፥ ክርስቲያን ነፍሲ ወከፍ ዘሕለፋ መዓልቲ ብምሕሳብ፡ ከንቱነት ወይ ትዕቢት ወይ ከኣ ንወልደ እግዚኣብሔር ኣብ ምምሳል ድዩ ተጊሁ ንምልላይ እውን ናይ ሕልና መርመራ ክገብር ምዒዶም፡

“ኣብ ልቢ እንታይ ከምዝኽሰት ምልላይ፡ እዚ እንተድኣ ዘይንፍጽም ኰይና፡ ኣብ ልብና እንታይ ከምዘሎ እንተድኣ ዘይንፈልጥ ኰይንና፡ ምንም ነገር ከምዘይስተውዕሉን ከምዘይርድኡን ብባህረት ከምዝምርሑ ኣራዊት ንኸውን፡ እዚ ኣነ ዘይኰንኩ ባዕሉ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎ እዩ፡ ብባህረት ዝምርሑ ዘይኰንና ብጸጋ መንፍፈስ ቅዱስ ዝተጠመቕና ደቂ እግዚኣብሔር ኢና፡ ምእንቲ’ዚ በቢ ዕለቱ ኣብ ልበይ ዝኸውን ክ1ሉ ጽን ንባልን ንምልላይን ንምፍላጥን የድልየኒ፡ እግዚኣብሔር በቢ ዕለቱ ናይ ሕልና መርመራ ንምፍጻም ይምሃረና”

እንክብሉ ዛዚሞም።

05 September 2018, 09:31
ንኩሉ ኣንብብ >